ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዛጊድ ዘይፈለጥናዮም ነገራት

Scientist

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ህዝቢ ዓለም ብዛዕባ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዝፈለጠ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እዩ።

እንተኾነ፡ ዓለም-ለኸ ተመራመርቲ ብርክት ዝበሉ ጻዕርታት'ኳ እንተገበሩ፡ ዛጊድ ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ዝፈለጥናዮን ዝተረዳእናዮን ነገር ክንድቲ ኣይኮነን።

ሕዚ ድማ ነቶም ዘይተመለሱ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ፡ እቲ ጻዕርታት ይቕጽል እዩ ዘሎ።

ንምዃኑ እቶም ዛጊድ መልሲ ዘይተረኸበሎም ሕቶታት ኣየኖት እዮም?

1. ክንደይ ሰባት እዮም በቲ ቫይረስ ተለኺፊም

ኣብ መላእ ዓለም፡ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተረጋጊጹ እዩ። እንተኾነ እዚ ናይቲ ዓብዪ ስእሊ ሓደ ኣካል ጥራይ እዩ።

ናይቲ ቁጽሪ ተኣማኒነት ብዝበለጸ ኣብ ጥርጣረ ዘእትዎ ድማ፡ ብርክት ዝበሉ ናይቲ ሕማም ተሸከምቲ ሰባት ንእሽቶ ምልክት ኣርእዮም ከይሓመሙ ዝሓልፍዎ ምዃኖም እዩ።

ነዚ ሓቂ ምፍላጥ፡ እቲ ቫይረስ ብኽንደይ ዝኣክል ፍጥነት ይላባዕ ከምዘሎ ንምርዳእ ይሕግዝ።

2. ክንደይ ዝኣክል ቀታሊ እዩ?

ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝተትሐዙ ሰባት ብዕሊ ክሳብ ዘይተፈለጠ፡ መጠን በዚ ቫይረሰ ዝሞቱ ሰባት [ምስ ብዝሒ ዝተለኸፉ ብምንጽጻር] ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግምታዊ መጠን ሞት፡ ሓደ ሚኢታዊ ጥራሕ እዩ። እንተኾነ፡ በዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ቁጽሪ ሰብ ልዕሊ እቲ ሕዚ ዝጥቀስ ዘሎ ብምዃኑ፡ መጠን ሞት'ውን ካብዚ ሚኢታዊ ንታሕቲ ከምዝኸውን ፍሉጥ እዩ።

3. ናይቲ ሕማም ቀንዲ መፍለዪ ምልክት እንታይ እዩ?

ቀንዲ ናይቲ ቫይረስ ምልክታት ረስንን ደረቕ ሰዓልን እዩ። ነዚ ኢኻ ከም ቀንዲ ምልክታት ገይርካ ጥንቃቐታት ክትገብር ዝምከር።

እንተኾነ፡ ምሕርሓር ጎሮሮ፣ ሕማም ርእስን ውጽኣትን ካልኦት ምልክታት እዮም። ኣብ ገለ ሰባት ድማ፡ ጨና ምፍላይ ዘይምኽኣል 'ውን የስዕብ እዩ።

እቲ ቀንዲ ግን፡ ከም ምህንጣስ፣ ናይ ኣፍንጫ ዘረብረብ ምባልን ዝኣመሰሉ ቀለልቲ ምልክታት ሰዓል ምርኣዮም እዩ።

በዚ ምኽንያት፡ ገለ ሰባት እቲ ቫይረስ ኣብ ውሽጦም ከምዘሎ ከይፈለጡ፡ ናብ ካልኦት ሰባት ከመሓላልፉ ከምዝኽእሉ መጽናዕቲታት ኣረጋጊጾም እዮም።

4. ህጻናት ኣብ ምልባዕ እቲ ሕማም ግደ ኣለዎም ዶ?

ህጻናት በቲ ቫይረስ ክተሓዙ ይኽእሉ እኦም። እንተኾነ፡ ንእሽቶ ምልክታት እዮም ከርእዩ ዝኽእሉ። መጠን ሞት ኣብ ህጻናት ድማ፡ ምስ ካሊእ ክፋል ዕድመ ሕብረተሰብ እንትነጻጸር፡ ዝተሓተ እዩ።

ብሓፈሻ፡ ህጻናት ሕማም ኣብ ምልባዕ ዝዓበየ ግደ እዩ ዘለዎም። ምኽንያቱ፡ ክጻወቱ ምስ ብዙሕ ሰብ እዮም ዝተሓቛቖፉ።

ብፍላይ ምስዚ ቫይረስ ተዛሚዱ ግን፡ ህጻናት ኣብ ምልባዕ እንታይ ዝኣክል ግደ ከምዝተጻወቱ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

5. እዚ ቫይረስ ብትኽከል ካበይ እዩ ነቒሉ?

እቲ ቫይረስ ፈለማ ዉሃን ኣብ ዝተብሃለት ግዝኣት ቻይና እዩ ተኸሲቱ። ኣብ ከባቢ ዕዳጋ እንስሳት።

እዚ ብዕሊ ሳርስ-ኮቭ-2 እናተብሃለ ዝጽዋዕ ሕማም፡ ምስ ኣብ ለዃዂቶ [መንካዕ] ዝርከብ ቫይረስ ዝተኣሳሰረ እዩ።

እዚ ቫይረስ ድማ፡ እታ ለዃዂቶ ናብ ዝኾነ ዘይተፈልጠ እንስሳ ከምዘሕለፈቶ፡ ካብኡ ድማ ናብ ሰብ ከምዝተመሓላለፈ እዩ ዝዝረብ።

እቲ ኣብ መንጎ ዘይተፈልጠ ዘተሓላልፍ እንስሳ ግን፡ መን ምዃኑ ዛጊድ ኣይተነጸረን። ምናልባሽ እውን፡ ናይ ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕማመት ምንጪ ክኾን ይኽእል እዩ።

6. ኣብ ወቕቲ ሓጋይ እቲ ዝርገሐ ይንኪ ዶ?

ብሓፈሻ ቁርን ሰዓልን ካብ ኣብ ሓጋይ፡ ኣብ እዋን ክረምቲ እዮም ብበዝሒ ዝኽሰቱ። እንተኾነ፡ ንዝርገሐ እዚ ቫይረስ ይንክዮዶ ይኸውን ዝብል፡ ኣይተፈለጠን።

እንግሊዛውያን ሊቃውንቲ ፡ ናይ ወቕቲ ኣፈላለይ ለውጢ ከምዘምጽእ ዝተረጋገጸ ነገር የለን- ይብሉ።

ለውጢ እንተሃለወ'ውን፡ ካብቲ ኣብ ሰዓል ዝርአ ለውጢ ዝትሕት ከምዝኸውን እዮም ዝግምቱ።

ሓደ ነገር ድማ ይእምቱ። ኣብ እዋን ሓጋይ እቲ ሕማም በርቲዑ ማለት፡ ኣብ ክረምቲ ካብኡ ይገድድ ማለት እዩ - ዝብል።

7. ኣብ ገለ ሰባት ንምንታይ ከበድቲ ምልክታት የርእዩ?

ኮቪድ-19 ንብዙሓት ሰባት ቅልል ዝበለ ሕማም እዩ። ገለ 20 ሚኢታዊ ዝኾኑ ግን፡ እቲ ሕማም ይብርትዖም። እዚ ንምንታይ ከምኡ ኾይኑ?

ኣብ ናይ ሰባት ሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕሚ እዩ ዝውሰን። ገለ ጀነቲካዊ ምኽንያታት'ውን ክህልዎ ይኽእል እዩ።

8. ተመሊሱ ከጥቀዐካ ይኽእል ዶ?

ብዙሓት ግምታት ይወሃቡ እዮም። እንተኾነ፡ ደጊሙ ክሕዘካ ይኽእልዶ ንዝብል፡ ዛጊድ ዘተኣማምን መልሲ ኣይተረኸበን።

ሓደ ነገር ግን እሙን እዩ። ሓደ በቲ ሕማም ዝሓለፈ ሰብ፡ ነቲ ሕማም ዝጻወር ዓቕሚ የማዕብል እዩ። ኣብዘን ሓጸርቲ ኣዋርሕ ግን ዛጊድ እሙን ዝኾነ መረዳእታ ኣይተኣከበን።

ሰባት 'ንካልኣይ ጊዘ ተታሒዞም' ዝብል ዘረባ ግና፡ ካብ መጀመርትኡ'ውን ካብቲ ቫይረስ ነጻ ኾይኖም ንዝብል ውጽኢት ምርመራ እሙንነት ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ።

እዚ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዝምልከት፤ ብዝበለጸ ኣብ ቐጻሊ ጸኒሕኻ ዝረአ እዩ ክከውን።

9. እቲ ቫይረስ መልክዑ ይቕይርዶ ይኸውን?

ቫይረሳት ብባህሪኦም መልከዖም ይቐያይይሩ እዮም። እንተኾነ መንነቱ [ጀነቲክ ኮድ] ጠቕሊሉ ኣይጠፍእን።

ከም ሓፈሻዊ ፍልጠት ድማ፡ ቫይረሳት ካብ እዋን ናብ እዋን ናይ ምጥቃዕ ክእለቶም እናተዳኸመ እዩ ዝኸይድ። እንተኾነ፡ እዚ ሙሉእ ውሕስና ዝህብ ኣይኮነን።

ካሊእ ዘሰክፍ ድማ፡ እቲ ቫይረስ መልክዑ እንተተቐይሩ፡ እቲ ሰብነትና ዘማዕብሎ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ፡ ኣይከለልዮን እዩ ማለት እዩ።

ከምኡ ድማ፤ ከምቲ ኣብ ሰዓል ዘጋጥም፡ ሓደ ዝማዕበለ ክትባት ኣይክሰርሕን እዩ ማለት እዩ።

መግለጺ ቪድዮ, ኮሮና ቫይረስ ብኸመይ ክትከላኸልዎ ትኽእሉ?