ኢማራት፡ ቱርኪን ስዑድያን ካብ ኢትዮጵያ እንታይ'የን ዝደልያ?

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ኵሉ ግዜ ኣይኮናን ዝተፋነና፤ ኣብ ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ስልጣን ንኽጭብጥ ክልቲኤን ብሓባር ሓጊዘነኦ እየን።
ከምዚ ሎሚ ሕቖን ከብድን ከይኮና እንከለዋ'ውን ኣብ ሊብያን የመንን ተቐራራቢ መርገጺ'ዩ ነይርወን። ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ፍልስጤም'ውን ካብ ሃገራት ዓረብ ሊግ እተን ዝተቐራረብ መርገጺ ዘለዋን ሃገራት ምዃነን ይፍለጥ።
ንኽተፋነና ዝደረኸ ብዙሕ ምኽንያት ክህሉ ይኽእል'ዩ። እቲ ዘለወን ምጽባእ ካብ ዶበን ሰጊሩ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ስለዝሰገረ ግን ንገለ ካብቲ ምኽንያታት ኣብዚ ጽሑፍ ክንድህስሶ ኢና።
ስም ኢትዮጵያ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ክልዓል ካብ ዝጅመር ሓጺር ኣይገበረን።
ካብ ንግድን ወፍርን ወጻኢ ዘለዉ ፖለቲካዊ ጉዳያት እንታይ'ዮም? ዝብሉ ነጥብታት'ውን ክንድህስሶ ኢና።
እታ ካልእ ኣብዚ ጉዳይ እትልዓል ሃገረ ቱርኪ'ያ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዩኒቨርስቲ ሲቭል ሰርቪስ ምሁር መጽናዕቲ ፖሊሲ ዶክተር ሙከረም ሚፍታህ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ምትፍናነን ብመንጽር ድሌት ኣመሪካን እስራኤልን ዝርአ ከምዝዀነ'ዩ ዝገልጽ።
መስራትን ኣካያድን ሰንተር ፎር ናሽናል ኤንድ ሪጅናል ኢንተግረሽን ስታዲስ ቲንክታንክ ዶክተር ኢብራሂም ሙሉዋሽ ብወገኑ፡ ቱርኪ ብመሪሕነት ኤርዶጋን ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ትዅረት ሂባ ትሰርሕ ምህላዋ'ዩ ዝሕብር።
እዘን ሰለስተ ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ እንታይ'የን ዝደልያ ዘለዋ ኣብ ዝብል'ውን ንድሕሪት ምልስ ኢልና ክንርእዮ።
ውድድር መሪሕነት ኣብ ሃገራት ዓረብ
ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ኣብ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘሕድረኦ ዘለዋ ተጽዕኖ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበረኸ ይኽይድ ምህላዉ ክግለጽ ጸኒሑሎ።
ክልቲኤን ሃገራት ዓረብ'የን። በዚ ከኣ ክልቲአን 'መን ቀንዲ ጸላዊት እቲ ዓረባዊ ዓለምን ተኸተልቲ እምነት እስልምናን ትኸውን?' ዝብል ዓው ኢለን ዘይዛረባሉ ውድድር ኣለወን።
ዶክተር ሙክረም፡ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ናብ ስልጣን ምስ መጽአ እቲ ውድድር መን ጸላዊ ዀነ እናሓየለ ከምዝኸደ'ዩ ዝገልጽ።
ስዑድያ ኣብ እምነት እስልምና ከም ቅዱስ ቦታ ዝውሰዳ ከተማታት መካን መዲናን ናታ ስለዝዀና ንእስላማዊ ዓለም ዝውክሎ ኣነ'የ ዝብል እምነት ኣለዋ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ንሕና ኢና ላዕለዎት ከብሎም ዝኽእል መከራኸሪ ስለዘይብሎም ኣብ ጉዳይ ንግዲን ቱሪዝምን ማእከል ገይሮም'ዮም ሓይሎም ከርእዩ ዝፍትኑ።
ብርግጽ'ውን ኣብ ጽላታት ቴክኖሎጅን ትሕተ ቅርጽን ብደረጃ ዓለም ተወዳዳሪት እትኸውን ዘላ ሃገር'ያ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ኣውሮጳ፡ ቻይና፡ ኣመሪካን ህንድን ዓበይቲ ትካላት ኣቓልቦ ብምስሓብ ዕቤታ ከተውሕስ እንከላ፡ ስዑድያ ግን ነዚ ክትገብር ከምዘይክኣለት ዶክተር ሙከሪም ይገልጽ።
ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሃይማኖት ዝተመርኰሰ መሪሕነት ዝኽተላ ብምዃነን ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ብማዕረ'ዩ ነቐፌታ ዝወርደን።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣገልግሎት ዝተመርኮሰ ድልዱል ቍጠባ ትሃንጽ ከምዘላ ዱባይ ሓንቲ ጽብቕቲ ኣብነት'ያ።
ስዑድያ ከኣ ቍጠባኣ ብቐንዱ ካብቲ ኣብ ከርሳ ዘሎ ነዳዲ ይምርኰስ።
እቲ ነዳዲ ሸይጣ እትረኽቦ ገንዘብ ካብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዘመናዊ ወተሃደራዊ ንዋት ብምሽማት ወተሃደራዊ ዓቕማ ኣብ ምጉልባት'ያ ትርከብ።
ኣብዚ ወተሃደራዊ መዳይ ኢማራት ክንዲ ስዑድያ ኣይሰጐመትን።
ዶክተር ሙከረም "እቲ ናይ ውድድር መንፈስ ምስ ግዜ ንሓድሕደን ናብ ምጽላእ'ዩ ኣእትይወን" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ናይ ምውድዳርን ምጽላእን መንፈስ ካብ መራሕተን ከምዝጅምር ይሕብር።

'ክልቲኦም መሓመዳት ናይ ለውጢ ኣብነት ናይ ምዃን ውድድር'
ንስዑድያ ዝመርሕ ዘሎ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማንን መራሒ ስዑድ ዓረብ ፕረዚደንት ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ናይ 'ለውጢ ሃዋርያ' ኰይኖም ክርኣዩ ድልየት ኣለዎም።
ክልቲኤን ሃገራት ብንጉሳዊ ስድራቤት'የን ዝመሓደራ።
ክልቲኦም መራሕቲ ካብቲ ጥቡቕ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ኣካይዳ ኣዝሊቖም፡ ንዓረባዊ ዓለም ናይ ለውጢ ተምሳሌት ኰይኖም ክርኣዩ ከምዝደልዩ ዶክተር ሙከረም ይሕብር።
ንኣብነት፡ ደቀንስትዮ መኪና ክዝውራ ብምፍቃድ ከምኡ ከኣ ድምጻውያን ካብ ሃገራት ምዕራብ ብምዕዳም ምርኢት ከምዘርእዩ ብምግባር መሓመድ ቢን ሳልማን ንለውጢ ድሉው ከምዘሎ ከርኢ ፈቲኑ'ዩ።
ሽኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን'ውን ኣብዚ ውድድር ክስዓር ኣይደለየን።
እዞም ክልተ መራሕቲ ዘለዎም ውድድር ካብ ቤቶም ሓሊፉ ናብ ሃገሮም ካብ ሃገሮም ከኣ ናብ ካልእ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ክልሕም ክኢሉ።
"ክልቲኦም 'ሪፎርሚስት' [ጸገንቲ] ኢና እዮም ዝብሉ፣ ፍልልዮም ግን ሃገራውን ዞባውን መልክዕ ክሕዝ ክኢሉ'ዩ። ንሓድሕዶም ምንዕዓቕን ጽልእን ኣለዎም፤ እቲ ውልቃዊ ጽልኦም ከኣ ትካላዊ ገይሮምዎ" ይብል ዶክተር ሙከረም።
ሃገራት ውሽመጥ ዓረብ ኣብ ዘበነ ኣቢይ ኣሕመድ
ሃገራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለወን ድሌት ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ሰልጣን ምስ መጸአ ጐሊሑ ወጺኡ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ናብ ቢልዮናት ዶላራት ወፍሪ ኣለወን።
ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ገይራ ኣላ።
ዶክተር ሙከረም ንርክብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኢትዮጵያን ኣብ ክልተ ምዕራፋት ከፋፊሉ'ዩ ዝርእዮ።
ቅድሚ 2018 ከምኡ ከኣ ድሕሪ 2018 [ግ]፤ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡን ድሕሪ ምምጽኡን ማለት'ዩ።
ቅድሚ 2018 ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ንግድን ወፍርን፡ ኣብ ልምዓት፡ ኣብ ህንጻ፡ ኣብ ጸዓት፡ ሰብኣዊ ሓገዛትን ካልኦት ጽላታትን ትገብሮ ዝነበረት ወፍርን ሓገዛትን ድሩት ነይሩ።
ሃገራት ኣብ ሞንጎአን ዝገብረኦ ንግዳውን ወፍራውን ምትእስሳር ካብ ንእሽተይ ጀሚሩ እናዓበየ ከም ዝኸይድ ብምምልካት፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝተረኣየ ግን "እቲ ለውጢ ሃንደበታዊ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ንግዳዊ ርክባተን ንቡር ኣተዓባብያ ኣይነበሮን" ብምባል ይገልጽ።
ንምንጽጻር ቱርኪ ምስ እንወስድ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቱርኪን ዝግበር ዝነበረ ቍጠባውን ንግዳውን ልውውጥ ዝዀነ ክግምቶ ዝኽእል ንቡር ዕቤት ዝነበሮ ምንባሩ የረድእ።
ቱርኪን ድሌታታን
ርክብ ቱርኪን ኢትዮጵያን ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን መንግስቲ ኦቶማን ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ዝመጸሉ ይጅምር።
ቱርካውያን ንዘመናት'ዮም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ነይሮም።
እታ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ምስ ተመስረተት ቱርኪ እታ ንመጀመርታ ካብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ኤምባሲኣ ዝኸፈተትሉ ቦታ ኣብ ኢትዮጵያ ነይሩ። እዚ ኣብ 1926 እዩ [ኣ.ኣ] ዝኸውን ዘሎ።
ኣብ እዋን መሪሕነት መንግስቱ ሃይለማርያም ዛሕቲሉ ዝነበረ ርክበን ከኣ ኣብ እዋን ኢህወደግ ዳግማይ ህይወት ክዘርእ ከም ዝጀመረ ዶክተር ኢብራሂም ይሕብር።
ኣብ ቱርኪ ሰልፊ ኤኬ ስልጣን ምስ ሓዘ እታ ሃገር ዕቤታ ንምውሓስ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወፍሪ ከተካይድ ተራእያ።
ሓንቲ ካብተን ቱርኪ ወፍሪ ከተካይደለን ዝጀመረት ሃገራት ኢትዮጵያ'ያ።
ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ወፍሪ ኣስታት 2.5 ቢልዮን ዶላር ይግመት።
ኣብተን ልዕሊ 200 ዝኾና ኣብ ኢትዮጵያ ዝተተኸላ ፋብሪካታት ቱርኪ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ተቘጺሮም ይሰርሑ ኣለዉ።
ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ግን ካብ ንግዲ ሓሊፉ ናብ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ክብ ዝበለ'ዩ።
ዶክተር ኢብራሂም ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት፡ ኢትዮጵያ ነተን ካብ ቱርኪ ዝተውሃባኣ ወተሃደራውያን ድሮናት'ያ ትጥቀም ነይራ።
ቱርካውያን ንግዛእ ርእሶም "ኣውሮጳውያን ኣይኮንናን" ብምባል ጸረ "መግዛእታዊ ምንቅስቓስ" ምዃኖም'ውን ይገልጹ።
ዶክተር ኢብራሂም "እዚ ከኣ ብውሕዱ ብሓሳብ ኢትዮጵያን ቱርክን ብማዕረን ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ዝተመስረት ሽርክነት ንኽህልውን ዘኽእል'ዩ" ይብል።
ቱርኪ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቀንዱ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያን ናብ ዘለወን ድሌት ክንሰግር።

'ድሌት ኣመሪካን እስራኤልን ምውሓስ'
ንድሌት ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ክንርኢ እንከለና፡ እቲ ቀዳማይ ትንተና፡ ብሰንኪ እቲ ምርግጋእ ዝተነፍጎ ቀርኒ ኣፍሪቃ ርግኣት ንዘይምስኣንን ቍጠባዊ ድሌታትካ ንምውሓስን ዝብል'ዩ።
ክልቲኤን ሃገራት ከኣ ነዚ ይደልየኦ'የን ኢልካ ክድምደም ይከኣል።
ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ማእከል ክኸፍታን ከስፍሓን ድልየት ኣለወን።
እዚ ዞባ ዓቢ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዝካየደሉ ስለዝዀነ ነዚ ክደልየኦ ንቡር ክውሰድ ይክኣል ይኸውን።
ክልቲኤን ሃገራት'ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወፍሪ ብምክያድ ቍጠባአን ከዕብያ ይደልያ።
ብኲናት ትግራይ፡ ንዕኡ ተኸቲሉ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ግጭትን ኣብ ኦሮምያ ዘሎ ዘይምርግጋእን፡ ዋላ ድኣ ንድሕነት ኢትዮጵያ ኣብ ሕቶ ምልክት የእትዎ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ሃገራት ብቍጠባ እታ ዝሓሸት ሃገር ብምዃና ሰለስቲኤን ሃገራት [ቱርኪ፡ ስዑያን ኢማራትን] ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ርክብ ክህልወን ይደልያ'የን።
ዶክተር ሙከረም ግን እቲ ቀንዲ ነገር ኣብ ድሌት ኣመሪካን እስራኤልን ዝእሰር ከም ዝዀነ'ዩ ዝሕብር።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ክልተ እብረ ስልጣኑ ርክብ ኣመሪካን ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃን ምምሕያሽ ኣርእዩ'ዩ።
በዚ ከኣ ኣመሪካ ድሌታ ብኻልኦት ተለኣኣኽቲ ሃገራት ኣቢላ ከተተግበሮ ትረአ።
ቀርኒ ኣፍሪቃ ብደረጃ ዓለም ብዘለዎ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ወሳኒ ቦታ ብምዃኑ፡ ሃገራት ዓረብ ነዚ ከባቢ ብምቁጽጻር ሰላም ከውሕሳ፡ ንነብሰን ካብ ሓደጋ ክከላኸላን ንቀይሕ ባሕሪ ወትሩ ዓይነን ከም ዘውድቓሉ እዞም ሰብ ሞያ ይሕብሩ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለወን ድሌት፡ ምስቲ እስራኤል ትኽተሎ ፖሊሲ ወጻኢ ተሳንዩ ዝኸይድ ምዃኑ ዶክተር ሙከረም ይሕብር።
ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ፍልስጤምን ጽልዋ ክፈጥራ ካብ ዝኽእላ ሃገራት ግብጺ ትርከበን ኣባላት ሊግ ዓረብ ክጥቀሳ ይኽእላ'የን።
"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝግበር ዝዀነ ነገር ኣብ ተጽዕኖ ክወድቃ ይኽእል'የን፣ ስለዚ ከኣ ኣመሪካን እስራኤልን ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ይድግፋኣ'የን" ይብል።
ስዑድያ ብኣንጻሩ ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ዘለዋ ርክባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዛሕተለ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ'ውን "ኩርኩርን ተለኣኻኺትን መንግስቲ እስራኤል" እናበለት ትነቕፋ።
ስለዝዀነ ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለወን ኣርኣእያ ኣንጻር ምዃኑ ከኣ ድሌት ኣመሪካን እስራኤልን ዝፈጠሮ ከም ዝዀነ እዚ ምሁር ዝሕብር።
"ኣብ ኢትዮጵያ ብዓቢኡ ኸኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኽተለኦ ዘለዋ ኣካይዳ ንዕአን'ውን ዝጠቕመን'ዩ ኢለ ኣይኣምንን። እንታይ ክልካዕን ክዕየርን ዝኽእል ጥቕሚ'የን ረኺበናሉ? ብቍጠባን ብፖለቲካን እንታይ'የን ከሲበን?" ብምባል ዶክተር ሙከረም ሕቶ የቐምጥ።
ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ዞባዊ ጉዳያትን
ኢትዮጵያ ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ኣልዓለት ምስ ኤርትራ ዝነበረን ርክብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሻሕከረ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ምስቲ ገና መዕለቢ ዘይተረኸቦ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ተተሓሒዙ ስም ኢትዮጵያን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ብተደጋጋሚ ክልዓል ይስማዕ።
እቶም ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ተጸሚዶም ዘለዉ ብሕሜቲ ዝምርሑ ዳዕመ ስሪዕን ብኣልቡርሃን ዝመርሑ ሰራዊት ሱዳንን ናይ ውክልና ኲናት የካይዱ ምህላዎም ይግለጽ።
እቲ ኢትዮጵያ ምስታ ኣካል ሶማልያ ዝዀነት ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዘውህብ ውዕል'ውን ሓደ ካብቲ ኣብዚ ዞባ ላምባ ዝነስነሰ ዛዕባ'ዩ።
እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ንመንግስቲ ሶማልያ ኣቖጢዑ ክሳብ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝነበሮ ርክብ ዝቖርጽ ገይርዎ ኣሎ።
እተን ብህንጸት ዓቢ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍኽኻር ዝርከባ ሱዳንን ግብጽን፡ ብኢደ-ዙር ኢትዮጵያ ብሱዳን ግብጺ ከኣ ብሶማልያ ድሌተን ከውሕሳ ይንቀሳቐሳ ኣለዋ።
ናይዚ ዞባ ኣሰላልፋ ብቐንዱ ብናይ ወጻኢ ሃገራት ኢድ ምትእትታው ብኸቢድ ተጸልዩ ኣሎ።
ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተደፋፈአ ምዃኑ ዝዛረብ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንስዑድ ዓረብ ቀንዲ መሻርኽቱ ብምግባር ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ነታ 'ተለኣኣኺት' ዝብላ ኢትዮጵያ ኢዱ የወጣውጥ ኣሎ።
ዶክተር ሙከረም፡ ብሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ኲናት ክኣትዋ ይኽእላ'የን ዝብል እምነት የብሉን።
ግን እቲ ኲናት እንተ ተወሊዑኸ?
"ምስ ስዑድያ ብምንጽጻር ምስ እትዮጵያ ዝያዳ ተሳትፎ ዘለዋ ሕቡኣት ኢማራት ዓረብ'ያ። ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 2.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወፍሪ ኣለዋ፤ ነዚ ንምውሓስ ኢሎም ኣብ ጐድኒ እታ ቀርኒ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክስለፉ ይኽእል'ዮም" ይብል።
እቲ ኲናት ከስዕቦ ዝኽእልን ዕንወትን ዲፕሎማስያዊ ኵነኔን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ፡ ብመንገዲ ሶማሊላንድ ከተካውኖ ከምእትኽእል እዚ ምሁር እምነት ኣለዎ።
ብርግጽ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ እንተሂባታ፡ ምስ ሶማልያን ቱርኪን ብኸቢድ ክትሰሓሓብ ትኽእል እያ።
ዶክተር ኢብራሂም ቱርኪ ምስ ኵለን ሃገራት ኣፍሪቃ ከተካይዶ ትጽዕር ዘላ ርክብ፡ ንዅሉ ብማዕረ ከርብሕ ከም ዝኽእል ይኣምን።
ርክብ ቱርኪን ኢትዮጵያን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ኣብ ዘለወሉ፡ ቱርኪ ነቲ ብሰንኪ ሶማሊላንድ ዝሰዓብ ምስሕሓብ ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣንካራ ከተሰማመዐን ምኽኣላ፡ ንሓንቲ ገዲፋ ነታ ሓንቲ ክትጽጋዕ ስለዘይደለየት'ዩ።
ዶክተር ኢብራሂም "ቱርኪ ከተመሓላልፎ እትደሊ መልእኽቲ፡ ንኢትዮጵያ ብቐሊሉ ኣይንሰዳን ኢና፡ ድሌት ኢትዮጵያ ናትና ድሌት'ውን እዩ ዝብል ይመስል" ይብል።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



