ኢማራት ዓረብ፡ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘመላልሳ ዘሎ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ኣህጉራዊ ጽልዋኣ ርኡይ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።
እታ ብሃብቲ ነዳዲ እትፍለጥ ሃገር ወሽመጥ ዓረብ፡ ፖሊሲ-ወጻኢኣ ንቝጠባ-ቀዳምነት ዝህብ’ኳ እንተዀነ፡ ረብሓታታ ንምሕላው ምስ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ጸጥታውን ወተሃደራውን ርክባት ክትገብር የገድዳ ኣሎ።
ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ዕዙዝ ግደ ኣለዋ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ’ቲ ብዕጡቓት ሑቲ -የመን ዝተፈጥረ ጸጥታዊ ስግኣታትን፡ ኣብ ዞባ ሳሕል ዘጋጠመ ዕግርግርን፡ ኢማራት ዓረብ ምስ ዕጡቓትን ጕጅለታት ኮንትሮባንድን፡ ስውር-ዲፕሎማሲ ክትገብር ኣገዲዱዋ ኣሎ።
እዚ ድማ፡ ምስታ ባዕላ ከም ሃገር ዝኣወጀት፡ ሶማሊላንድ ዝግበር ስምምዓትን ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ሱዳን ዝግበር ደገፍን የጠቓልል።
ዋላ’ኳ ወግዓዊ መግለጺታት እንተዘይተዋህበ፡ ኢማራት ዓረብ፡ ቍጠባዊ ረብሓታታን ዞባዊ ሓይላ ንምስጓምን ኣብታ ኣህጉር ጽልዋ ንምፍጣር ምስ ከም በዓል ቻይና ዝኣመሰላ ዓለማውያን ሓይልታት ትነሓናሕ ዘላ ሓያል ሃገር ማእከላይ ምብራቕ እያ።
ይዅን እምበር፡ እዚ ባህጊታታ ገለ ጂኦፖለቲካዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ኣብታ ኣህጉር ጸጥታዊ ቅልውላዋት ከጋድድ ዝገብር ኰይኑ፡ ዛጊት ምስ ኣልቓዒዳ ዝምድና ዘለዎ ጕጅለ ኣል-ሻባብ ሓዊሱ ብገለ ኣካላት፡ “ጸላኢት” ተባሂላ ክትብየን ደሪኹ ኣሎ።
ፖሊሲ ወጻኢ ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣፍሪቃ

ኢማራት ዓረብ፡ ካብ ገለ ልዕለ-ሓያላን ሃገራት ዓለም ኣቐዲማ፡ ካብ 2006 ጀሚሩ ኣብ ኣፍሪቃ ዕዳጋታት፡ ወፍሪታት፡ ፕሮጀክትታትን ዋንነት ወደባትን ንምዕባይ ተንቀሳቒሳ እያ።
እታ ሃገር ቍጠባዊ ረብሓታት ቀዳምነት ዝህብ ፖሊሲ ወጻኢ ትኽተል ኰይና፡ ካብቲ ጽግዕተኛነት ነዳዲ ወጻኢ፡ ቍጠባኣ ንምስፋሕ ዝወጠነቶ ሰፊሕ ዕላማ ዝሰዓብ ስጕምቲ እዩ።
እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተፈላለየ ግጭታት ዘይሻራዊት ኰይና ክትርአ ትደሊ።
ይዅን እምበር፡ ኣብ መወዳእታ ቍጠባዊ ረብሓታታን መስመራት ባሕራን ንምሕላው ወተሃደራዊ ርክባት ካብ ምፍጣር ድሕር ኣይበለትን።
ብተወሳኺ፡ ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ሳሕልን እትገብሮ ምንቅስቓስ ንግብረሽበራ፡ እስላማዊ ኣኽራርነትን ሽፍትነትን መሰረት ዝገበረ እዩ።
ኣባል ናይቲ ካብ 2015 ጀሚሩ ኣብ የመን ዝተወጠነ ብስዑዲ-ዓረብ ዝምራሕ ሓባራዊ-ጥምረት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ካብ ዝገበረቶ ግሁድ ወተሃደራዊ ተሳትፎ ብኸፊል ብምንስሓብ፡ ኣብ 2019 ጀሚሩ፡ ናብ ከም ምስ [ኣንጻር-ሑቲ] ሚሊሻታትን ጕጅለታትን ዝግበር ምትሕብባር ተሰጋጊራ።
ኣቡዳቢ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ከምኡ’ውን ኣብ ወደባት ብዝግበር ወፍሪ ኣቢልካ፡ ኣብ ልዕሊ’ታ ኣህጉር ዘለዋ ጽልዋ ምስፍሕፋሕ ኰይኑ፡ ንልምዓት ወደባት፡ ሎጂስቲክስን ትሕተ-ቅርጽን ዝምልከቱ ስምምዓት ቍጽሮም እናወሰኸ እዩ መጺኡ።
እዚ ኣገባብ እዚ ንጂኦስትራተጂያዊ ህላወ እታ ወሽመጥ ዓረብ ኣደልዲሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዕዳጋታትን ጸጋታትን ኣፍሪቃ ተሳትፎኣ ከተዕቢ ኣኽኢልዋ።
ናብ ኣፍሪቃ ዝፈስስ ዘሎ ወፍሪ ኢማራት ዓረብ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ንቻይና፡ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ብምስዓብ፡ ኣብታ ኣህጉር ብብዝሒ ወፍሪ-ወጻኢ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።
ብተወሳኺ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ቤት ምኽሪ ምትሕግጋዝ ወሽመጥ ዓረብ [ccc] ቀዳመይ ደረጃ ዝሓዘት እያ።
እዚ ወፍሪታት - ከም ጸዓት፡ ወደባት፡ ዕደና፡ ሕርሻ፡ ትሕተ-ቅርጽን ቴሌኮሙኒኬሽንን ዝኣመሰሉ ስትራተጂያዊ ጽላታት - ከምኡ'ውን ነቲ ተስፋ ዘለዎ ልዕሊ 1.5 ቢልዮን ህዝቢ ኣፍሪቃ ዒላማ ዝገበረ እዩ።
ኣብ 2022፡ ንዓባይ ብሪጣንያ (64)፡ ፈረንሳ (78)ን ኣመሪካን (93) ስዒባ፡ ኢማራት ዓረብ ብብዝሒ ፕሮጀክትታት (60) ኣብ ኣፍሪቃ ራብዓይቲ ምንጪ ቀጥታዊ ወፍሪ ወጻኢ (FDI) ነይራ።
እንተዀነ፡ ኣብ ኣፍሪካ ብ49.9 ቢልዮን ዶላር ካፒታል ብምፍሳስ፡ ከምኡ እውን ን18,600 ስራሕ ፈጠራ ምንጪ ብምዃን፡ ኣብታ ኣህጉር ቀዳምነት ከምዝሓዘት ጸብጻባት ይሕብሩ።
ዘለዋ ሕጽረት ተሓራሲ መሬት ሕርሻን እኹል መስኖን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ምህርቲ ዘራእቲ፡ ኣብ ዓውዲ መግብን መስተታትን ከምኡ’ውን ፍርያት ሽኮርን እተካይዶ ወፍሪ ብምዕባይ፡ ውሕስነት መግቢ ህዝባ ንምርግጋጽ’ውን ትሰርሕ ኣለ።
ብተወሳኺ ኢማራት ዓረብ ንንግዳዊ ትካላት ኣፍሪቃ ንምስሓብ ትጽዕር ዘላ ኰይና፡ ኣብ 2022 ኣብ ‘ዓለማዊ ቻምበር ዱባይ’ ዝተሳተፉ፡ 26,420 ኩባንያታት ብሕጋዊነት መዝጊባ።
እዚ ድማ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዓመት ብ6.5 ሚእታዊ ዕብየት ዘርኢ ኰይኑ፡ እታ ሃገር ንወደብ ጀበል ዓሊ-ዱባይ፡ ንኤስያን ኣፍሪቃን ዘራኽብ ዓለማዊ ማእከል ክኸውን ወሲና።
እቲ ቻምበር፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጆሃንስበርግ፡ ናይሮቢ፡ ማፑቶን ኣክራን ሓሙሽተ ዓለማለኻዊ ኣብያተ ጽሕፈት እውን ከፊቱ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ስትራተጂ ‘ቀለበት ወደባት’
ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ዓቢ ስትራተጂ ኢማራት ዓረብ ምስቲ ኣብ ባሕሪ እትገብሮ ወፍሪ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ተንተንቲ “ቀለበት ወደባት” ኢሎም ይገልጽዎ።
ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ ኩባንያ ዲፒ ዎርልድን ኣብ ኣቡዳቢ ዝመደበሩ ኩባንያ ኣቡዳቢ ፖርትስ ግሩፕን – ክልቲኦም ምስ ንጉሳዊ ስድራቤት ዝተኣሳሰሩ ኰይኖም፡ ብዘይካ’ቲ ብወደባት ዝተኣሳሰር ልምዓት፡ ፕሮጀክትታት ትሕተ-ቅርጺ፡ መድረኻት ሎጂስቲክስን ቍጠባዊ ዞባታትን፡ ምሕደራ ወደባትን ንምርካብ ቀንዲ ቀላጽም ኢማራት ዓረብ’ዮም።
ዲፒ ዎርልድ ካብ 2006 ጀሚሩ ኣብታ ኣህጉር ዋንነት [ምሕደራ] ወደባት ዝረኸበ ኰይኑ፡ ካብ 2006 ጀሚሩ ምሕደራ ተርሚናል ኮንተይነር ዶራለህ [መንግስቲ ጅቡቲ ኣብ 2018 ምስ ተቘጻጸሮ ኣብ ሕጋዊ ክትዕ ዝርከብ]፡ ከምኡ’ውን ተርሚናል ኮንተይነር ማፑቶ -ሞዛምቢክ ይጥቀሱ።
ካልኦት ዲፒ ዎርልድ ዝገዝኦምን ውዕል ዝኣሰረሎምን፡ ወደብ ኣልጀርስን ወደብ ድጀን ድጀን [ኣልጀርያ]፡ ወደብ ሶክና ዳካር፡ ንያንደ [ሰኔጋል]፡ በርበራ [ሶማሊላንድ]፡ ወደብ ቦሳሶ [ፑንትላንድ]፡ ኪጋሊ [ሩዋንዳ]፡ ሉዋንዳ [ኣንጎላ]፡ ወደብ ባናና [ዲ.ኣር ኮንጎ]፡ ኮማቲፖርት [ደቡብ ኣፍሪቃ] ይርከብዎም።
ድሕሪ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ናብ ወፍሪ ወደባት ኣፍሪቃ ዝተጸንበረ ጕጅለ ወደባት ኣቡዳቢ ብወገኑ – ካብ 2016 ጀሚሩ ኣብ ወደብ ካምሳር [ጊኒ]፡ ኣቡ ኣማማ [ሱዳን]፡ ወደብ ሳፋጋ [ግብጺ]ን ፖይንት-ኖየር [ሪፓብሊክ ኮንጎ]ን ወደብ ዳር ኤስ ሰላም [ታንዛንያ]ን ውዕላትን ዋንነትን ኣጥሪዩ።
ኮንትሮባንድ- ማዕድናት

ሲኤንቢሲ፡ ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ዘውጽኦ ጸብጻብ ፡ ኣስታት 35 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወርቂ ካብ ኣፍሪቃ ብኮንትሮባንድ ይወጽእ፡ ካብዚ ካብ 80 ሚእታዊት ክሳብ 85 ሚእታዊት ቅድሚ ኣብ ካልኦት ሃገራት ምብጽሑ፡ ናብ ኢማራት ዓረብ ይኣቱ።
ኢማራት ዓረብ ሳልሰይቲ ዓባይ ተቐባሊት ወርቂ ምዃና - ብፍላይ ካብ ማሊ፡ ጋና፡ ዚምባብወ፡ ጊኒ፡ ሱዳንን ኒጀርን - ኣእትያቶ ዝነበረት ናብ 57.1 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወርቂ ኣፍሪቃ ብጽኑዕ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይዝረብ።
ከምኡ’ውን ኣብ ኲናትን ግጭትን ዝካየደሎም ከባቢታት ብሕቡእ ማዕድናት ኣብ ምስግጋር ከምእትሳተፍ ይግለጽ።
ኢማራት ዓረብ፡ ሓጻውን ኣብ ዘፍርዩ ዕደናታት’ውን ወፍሪ ብምግባር፡ ነቲ ሃገራዊ ዕላማታታ ማለት ናብ ተሓዳሲ ጸዓት ምስግጋር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኢንዱስትሪ ኣጽዋር ዝውዕሉ ሓጻውን ንምርካብ ትንቀሳቐስ ኣላ።
እዚ ድማ ንዕደና ኒዮብየም (ናይጀርያ)፡ ዕደና ነሓስ (ዛምብያ)፡ ዕደና ዚንክ፡ ታንታለም፡ ታንግስተንን ወርቅን (ዲ.ኣር ኮንጐ) ከምኡ እውን ምፍራይ ዕደና ሓጺን ኦክሳይድን ሓጺንን (ሞሪታንያ) ንምውሓስ ዝተፈላለዩ ውዕላት ክትፈራረም ተራእያ።
ወተሃደራዊ ርክባት፡ ድሕሪት ግዙፍ-ዲፕሎማሲ ኢማራት ዓረብ
ንግዳዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማያውን ጂኦፖለቲካውን ባህጊታትን ረብሓታትን፡ ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ሳሕልን ዝርከቡ ስትራተጂያዊ ቦታታት ንምሕላው፡ ወተሃደራዊ ርክብ ክትገብር ኣገዲዱዋ ኣሎ።
ኣብ ሶማሊላንድ ውዕል ወተሃደራዊ መዓስከር ኣውሒሳ፡ ንሓይልታት ናይታ ርእሰ-ናጽነት ዝኣወጀት ሃገር ኣሰልጢና፡ ንወደብ በርበራ ድማ ናብ ዓቢ ማእከል ንግዲ ንምቕያር መደብ ኣውጺኣ ትሰርሕ ኣላ።
ብተወሳኺ ምስ ኢትዮጵያ ድልዱል ርክብ ክትገብር ዝኸኣለት ኰይና፡ ኣብ 2010 ኤምባሲ ከፊታ፤ ኣብ 2013 ድማ ዓለማዊ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ዱባይ ኣብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክዓቢ ኣፍደገ ኰይኑ ኣገልጊሉ።
ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ደማዊ ኲናት ደጊፋ ተዋሲኣ፤ ኣብቲ ኲናት መቐይሮ ከምዝዀና ዝእመነለን ድሮናት ኢማራት ከምዝተሳተፋ ይእመን።
ኣብ ቀረባ ድማ፡ ኣፍደገ-ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ኣካታዒ ስምምዕ ክፍረም ንሳ ብድሕሪት ከምዘላ ብብዙሓት ተዓዘብቲ ይእመን።
ኢማራት ዓረብ፡ ሓውሲ-ርእሰ-ምምሕዳር ንዝዀነት ፑንትላንድ [ዞባ ሶማልያ] ሓይሊ ፖሊስ ባሕሪ ጸረ-ሽፍትነትን ጸረ-ሽበራን’ውን ተሰልጥን ኣላ።
ኣቡዳቢ ብተመሳሳሊ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፡ ንሰራዊት ቫግነር ተጠቒማ ናብቶም ምልሻታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣጽዋር ከምዘሰጋገረት ይእመን።
ካብዚ ሓሊፉ ምስ ሞሪታንያ፡ ማሊን ቻድን ሓዊሱ ምስ ሃገራት ዞባ ሳሕል ጸጥታውን ወተሃደራዊን ርክባት መስሪታ።
ኣብዘን ክልተ ዞባታት ኣፍሪቃ ዘሎ ምትእትታው ኢማራት ግን ብዘይ ዋጋ ኣይኰነን።
ምስ ገለ ዓረብ መሻርኽታ ብቐንዱ ድማ ምስ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ናብ ምትፍናን የ'እትዋ ከምዘሎ ብሰፊሑ ይንገር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







