ሽርክነት ሶማልያን ቱርኪን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ክጸልዎ እዩ?

ቱርኪ ዕጡቓት ሓይልታታ ናብ ሶማልያ ንምውፋር ዝሓንጸጸቶ ውጥን ኣብዚ ቀረባ እዋን ከምዘጽደቐት ይፍለጥ።
እዚ ናይ ክልተ ዓመት ተልእኾ ንጻዕርታት ጸረ-ሽበራ ሶማልያ ንምሕያል ዝዓለመ ኰይኑ፡ ቱርኪን ሶማልያን ብኸመይ ርክበን የዕሙቓ ከምዘለዋ’ውን የመልክት።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣዝየን ክቀራረባ ጸኒሐን እየን። እቲ ኣብ 2011 ከም ሰብኣዊ ጻዕሪ ዝጀመረ ርክብ ሕጂ ናብ ዓሚቝ ስትራተጂያዊ ሽርክነት ተቐይሩ ኣሎ። እዚ ድማ ቍጠባዊ ሓገዝ፡ ፕሮጀክትታት ትሕተ-ቅርጽን ወተሃደራዊ ደገፍን ዘጠቓልል እዩ።
ኣብ 2011 ሶማልያ ብኣዕናዊ ጥሜት ተሃስያ ዳርጋ 260 ሽሕ ዜጋታት ስኢና እያ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ገዛኦም ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ምዕራባውያን ትካላት ረድኤት ካብቲ እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣልሸባብ ዝቈጻጸሮ መሬት ተኣጊደን ነይረን።
ኣብ መንጐ’ዚ ህውከት ዕድል ዝረኣየት ቱርኪ ኢዳ ብምእታው ንቍጠባ ሶማልያ ዘዕበየ ወደብን መዓርፎ ነፈርትን ሞቓድሾ ዳግማይ ንምኽፋት ሓጊዛ። ንሶማልያ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ሰብኣውን ቴክኒካውን ልምዓታዊ ሓገዝ እውን ከምዘበርከተት ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Turkey Naval Force
ቱርኪ፡ ኣብ 2017 ኣብ ሞቓድሾ ክሳብ 10 ሽሕ ወተሃደራት ሶማልያ ንምስልጣን ብሚልዮናት ዝግመት ወተሃደራዊ መዓስከር ብምኽፋት እቲ ርክብ ክብርኽ ገይራ። ብመሰረት ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ቱርኪ፡ እቲ መደበር ካብታ ሃገር [ቱርኪ] ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ብዓይነቱ እቲ ዝዓበየ እዩ።
ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ኣብ ዝካየድ መጥቃዕቲ ንሓይልታት ሶማልያ ሎጂስቲካዊ ደገፍን ዋላ’ውን ሽፋን ኣየር ክትገብር ጸኒሓ’ያ።
ከም ኣካል ናይቲ ዳሕረዋይ ስምምዕ ድማ ቱርኪ፡ ሓይሊ ባሕሪ ሶማልያ ንሰፊሕ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ንኽቈጻጸር ንምስልጣንን ንምዕጣቕን ክትሕግዝ’ያ። እዚ ድማ ንጸጥታ ሶማልያ ከዕቢ እንከሎ፡ ቱርኪ ብወገና ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝዓበየ ህላወ ክትረክብ’ያ።
ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጽልዋ ትቃለስ ዘላ ግን ቱርኪ ጥራይ ኣይኰነትን።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ምምሕዳር ወሰንቲ ወደባት ሶማልያ ዓቢ ተራ ከምዘለዋን ንፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ፋይናንሳዊ ደገፍ ከምዝገበረትን ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ቀረባ ምብራቕ ዋሽንግተን ይሕብር።
ሩስያ እውን ንሶማልያ ኣንጻር ግብረሽበራ ኣብ እትገብሮ መኸተ ንምሕጋዝ ዘኽእል ወተሃደራዊ ናውቲ ኣቕሪባ ኣላ። ብተወሳኺ 684 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ሰሪዛትላ እያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ 25 ሽሕ ቶን ነጻ እኽሊ ከምዝሃበታ ይዝከር።
ሕጂ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐጻሊ ዝቀያየር ዝምድናታት ዘለዎ ዝተሓላለኸ ዞባ እዩ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ - ቅድሚ 30 ዓመት ካብ ሶማልያ ዝተበታተነት ንርእሳ ሪፓብሊክ እትብል ሪፓብሊክ - ንግዳዊ ስምምዕ ኣካይዳ። እዚ ድማ ንሶማልያ ኣቘጢዑ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምሕድራ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ንግዳዊ ስምምዕ፡ ነታ ከምግዝኣታ እትርእያ ሶማልያ ኣቘጢዕዋ’ዩ።
ቱርኪ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ሶማልያ ዝገበረቶ ናይ ምክልኻል ስምምዕ፡ ሕጂ ንጸጥታ ባሕሪ ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ነዚ ዝቕየር ዘሎ ምሕዝነት ዘጕልሕ’ዩ። እዚ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ሰነድ ምርድዳእ ድሕሪ ምፍራመን፡ እቲ ዞባዊ ፖለቲካ ዝያዳ ኣቓልቦ ክስሕብ ገይሩ ኣሎ።
ቱርኪ ምስ ሶማልያ ዘለዋ ዝዓሞቐ ርክብ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ኔቶን ዓለማዊ ፖለቲካን ዝያዳ ጽልዋ ንምርካብ ዝዓለመ ዝዓበየ ስትራተጂ’ዩ።
እታ ሃገር ንመንግስቲ ሶማልያ ዘለዋ ተወፋይነት፡ ካልኦት ዓበይቲ ዓለማውያን ተጻወትቲ ፖለቲካ ነታ ሃገረ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘለዎም ቃል ኪዳን ዘንጸባርቕ’ዩ።
እዚ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ዘሎ ተመሳሳልነት፡ ቱርኪ ምስ ምዕራባውያን መሻርኽታ ዘለዋ ስትራተጂያዊ ምትእስሳር ከተማዕብል ክሕግዛ ተኽእሎ ኣሎ።
ቱርኪ ኣብ ጸጥታ ኣፍሪቃ ቀንዲ መሻርኽቲ ብምዃን፡ ጽልዋ ከም ሩስያን ኢማራትን ዝኣመሰላ ሓይልታት ንምምዛን ዕላማ ኣለዋ።
ቱርኪን ሶማልያን ነዚ ሓድሽ ምዕራፍ ሽርክነተን ኣብ ዝጅምራሉ ዘለዋ እዋን፡ ፖለቲካዊ መልክዕ ናይቲ ዞባ ገለ ዓበይቲ ምቅይያራት ክርኢ ተኽእሎ ዘሎ ይመስል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







