ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ እቲ ወጥሪ ብዝርርብ 'ንምፍታሕ ድልውቲ ኣይኰነትን' ኢሉ

ፕረዚደንት ሶማሊያ ሓሰን ሼይክ ሞሓሙድ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ዝገበሮ መደረ

ምንጪ ስእሊ, @THEVILLASOMALIA

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ሶማሊያ ሓሰን ሼይክ ሞሓሙድ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ዝገበሮ መደረ

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼይክ ሞሓሙድ፡ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣጋጢሙ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ብዝርርብ ንምፍታሕ፡ ኢትዮጵያ ድልውቲ ከም ዘይኰነት ገሊፁ።

እቲ ፕረዝደንት ብቀዳም ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ መንግስቲ ሶማልያ ነቲ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ንምህዳእ ድሌት ዋላ’ኳ እንተሃለዎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ መንግስቲ ግና ንልዝብ ድልው ኣይኰነን ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ “መንግስቲ ሶማልያ ንዓና ኣብ ክንዲ ምዝራብ በብመንድሩ እናዘረ ንዓና ምኽሳስ መሪፁ” ኢሉ ምዝራቡ ስዒቡ እዩ፡ ፕረዝደንት ሓሰን ሼይክ ሞሓሙድ ከምኡ ኢሉ ዘሎ።

ኣብዪ ኣሕመድ ብሓሙስ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ምላሽ እንትህብ፡ “ንዓና ንምኽሳስ ናብ ሃገራት ምኻድ ኣየድልን፤ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምፃእ ይከኣል’ዩ። ንምዝርራብ ድሉዋት ኢና. . .” ኢሉ ነይሩ።

ፕረዝደንት ሶማልያ ብወገኑ፡ ክልቲአን ሃገራት ንዝጠሓላሉ ቅልውላው ንምፍታሕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከዘራርበና ኣይፈተነን ኢሉ።

“ኢትዮጵያ ከም ጎረቤት ሃገር እዋናዊ ጉዳያት ብሓባር ንምፍታሕ ኣዛሪባትና ኣይትፈልጥን” ብምባል፡ ብኣንፃሩ “እናዘሩ ሽምግልና ይሓትት ኣሎ” ክብል ተዛሪቡ።

ዝኸረረ ዲፕሎማሲ ሞቓዲሾን ኣዲስ ኣበባን

ቅድሚ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኢትዮጵያ፡ ወደብ ባሕሪ ንምርካብ ዘኽእላ፡ ምስታ ካብ ሶማልያ ተገንፂላ ዓርሳ ሃገርነት ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ሰነድ ስምምዕ ምፍራማ ስዒቡ፡ ኣብ መንጐ ሞቓዲሾን ኣዲስ ኣበባን ከቢድ ውጥረት ሰፊኑ።

እቲ ሰነድ ስምምዕ ኢትዮጵያ ነፃ ሃገር ከም ዝኾነት ንዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ፡ ሶማሊላንድ ድማ ኢትዮጵያ በሪ ወደብ ባሕርን መዓስከር ሓይሊ ባሕርን ክትረክብ ዝፈቅድ ምዃኑ ተገሊፁ እዩ።

ይኹን’ምበር፡ በዚ ስምምዕ ኣዝያ ዝተቖጥዐት ሶማልያ፡ ስምምዕ ኣዲስ ኣበባን ሃርጌሳን ንሉኣላውነትን ሓድነትን ግዝኣት ሶማልያ ዝጥሕስ ተግባር እዩ ብምባል ኰኒናቶ።

ቀፂላ ድማ ኣብ ሞቓዲሾ ንዝነበረ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ብምስጓግ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝነበረ ኣምባሳደራ ፀዊዓ።

ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣኽባሪ ሰላም ኰይኑ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ንዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ’ውን፡ ካብ ሃገራ ከም ተውፅኦ ገሊፃ።

ዝርርብ ኣንካራ

ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ናብ ርእሰ ከተማ ኣንካራ ብምኻድ ብተናፀል ከም ዝተዘራረቡ ይዝከር።

ድሕሪ እቲ ዝርርብ፡ ቱርኪ፣ ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣብ ዘውፀአኦ ሃበራዊ መግለፂ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ድሉዋት ከም ዝኾና ብምሕባር፡ ኣብ ዝመፅእ ነሓሰ ዳግማይ ከም ዝራኸባ ገሊፀን።

ፕረዝደን ሶማልያ ሓሰን ሼይክ ሞሓሙድ ግና፡ ዝርርብ ኣንካራ “ገና እንከይተጀመረ ዘብቀዐ’ዩ” ኢሉ።

እቲ ፕረዝደንት፡ ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢ ክልቲአን ሃገራት ብመሰረት ሕቶ ኢትዮጵያ ናብ ኣንካራ ከም ዝተጓዓዙ ብምሕባር፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቅዋማ ምፅናዓ “ከይተጀመረ ዘብቀዐ" ከም ዝኾነ ገሊፁ።

“ንሕና ነቲ ልዝብ ከም ዘይሰረዝናዮ ምግንዛብ የድልይ። ኢትዮጵያ ንካልእ እዋን ንክሳገር ሓቲታ” ኢሉ።

ፕረዝደንት ሓሰን ሼይክ ሞሓሙድ፡ ቅድሚ ሕዚ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ንምድርዳር ዝተገበረ ፃዕሪ ብእምቢተኝነት ኢትዮጵያ ከም ዝበርዐነ ገሊፁ።

“እዚ ናይ ኢትዮጵያ ንዝርርብ ድልውቲ ዘይምዃናን ቅንዕና ምስኣንን” ቱርኪ ንምድርዳር ንትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ብድሆ ኣይኸውንን ዝብል እምነት ኣለና ኢሉ።

“ሓደ ነገር ግልፂ ክገብሮ ዝደልይ ነገር፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ፀልኢ ስምዒት የብልናን፤ ሕዚ ካብ ዝርከብሉ ፈተና ንክወፅኡ፡ ዓወት፣ ሰላምን ምርግጋዕን ካብ ልቢ ንምነየሎም” ኢሉ።