ኢትዮጵያን ፑንትላንድን ኵሉመዳያዊ ዝምድና ንምዕባይ ተሰማሚዐን

ምንጪ ስእሊ, The Ministry of Foreign Affairs of Ethiopia
ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ዲኤታ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ሎሚ መዓልቲ ንልኡኻት ፑንትላድ ኣዘራሪቡ።
ብሚኒስተር ፋይናንስ ፑንትላንድ መሓመድ ፋራህ መሓመድ ንዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሚኒስተራት ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ምዉቕ ኣቀባብላ ከምዝገበረ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ፌስቡክ ብዝዘርግሖ ሓፂር ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ዘካየድዎ ዘተ ድማ ዘሎ ርክብ ንምድልዳልን ንምስፋሕን ኣብ ንግዲ፣ ወፍሪ፣ ምትሕግጋዝ ጸዓትን ሓባራዊ ፕሮጀክትታት ትሕተ ቅርጺን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሉ ዕድላት ዳህሲሶም።
“ልኡኽ ፑንትላንድ ኣብ መንጎኦምን ኢትዮጵያን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሕውነታዊ ርክብ ብምዝኽኻር፡ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ጽላታት ጸጥታን ትምህርትን ንእትገብሮ ደገፍን ምትሕብባርን ኣፍልጦ ምሃቡ” ሓበሬታ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ የመልክት።
ሓድሽ ዝተመርጸ መንግስቲ ፑንትላንድ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ክልተኣዊ ዝምድና ንምድንፋዕ ድሌት ከምዘለዎ ዝገለጸ እቲ ልኡኽ ኣብ ንግዲ፣ ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ቁጠባዊ ምትሕብባርን ትኹረት ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ኣምባሳደር ምስጋኑ ብወገኑ ኢትዮጵያ ምስ ፑንትላንድ ዘለዋ ርክብ ንምድልዳል ተገዳስነት ከምዘለዋ ብምግላጽ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ንምትሕብባር ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።
መንግስቲ ፑንትላንድ ኣብ ቀረባ እዋን ንዘካየዶ “ዕዉት መረጻ” ከኣ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

ምንጪ ስእሊ, The Ministry of Foreign Affairs of Ethiopia
ወጥሪ ፑንትላንድ ሶማልያን
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ለውጢታት ብምግባሩ ኣብ መንጐ ፑንትላንድን ሶማልያን ዘይምርድድእ ተፈጢሩ፤ እታ ሓውሲ ርእሰ ምምሕዳር ዝዀነት ግዝኣት ነቲ ማእከላይ መንግስቲ ዝነበራ ኣፍልጦ ከም ዝሰሓበት ኣፍሊጣ።
ኣብቲ ብባይቶ ሶማልያ ዝጸደቐ ምምሕያሽ ቅዋም፡ ኣብቶም ኣርባዕተ ቀዳሞት ምዕራፋት ናይቲ ኣብ 2012 ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ግዝያዊ ቅዋም እታ ሃገር ምዃኑ ተሓቢሩ።
ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት [ዓንቀጽ -17]፣ ውክልና ደቂኣንስትዮ [ዓንቀጽ 47]፣ ስርዓተ መሪሕነት [ዓንቀጽ 49]፣ ቍጽሪ ፖለቲካዊ ሰልፊታት [ዓንቀጽ 54] እዮም።
እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ግን ንስርዓተ መንግስቲ ኣብ ዝምልከት ዓንቀጽ ዝተገብረ ምምሕያሽ ምዃኑ እዩ ብዝተፈላለየ ወገናት ዝንገር ዘሎ።
ኣብዚ ዝተመሓየሸ ዓንቀጽ እቲ ቅዋም፡ ዜጋታት ሶማልያ ብቐጥታ ፕረዚደንት ክመርጹ ዝፈቅድ እዩ።

ኣብቲ ዝጸንሐ ቅዋም ሶማልያ፡ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ክህልዋ ዘቐምጥ ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፤ ብመሰረት እዚ ተመሓይሹ ዘሎ ድማ እቲ ፕረዚደንት፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ምሻምን ካብ ስልጣኑ ናይ ምእላይን ስልጣን ክህልዎ እዩ። እዚ ምምሕያሽ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምሻም እምበር ከባርር ካብ ባይቶ መተኣማመኒ ድምጺ ክረክብ ከም ቅድመ ኵነት ዘቐምጥ ዓንቀጽ ዝትክእን፡ ፕረዚደንት ኣብ ፈጻሚ ኣካል ዝያዳ ስልጣን ክህልዎ ዝፈቅድን ኰይኑ እዩ ተመሓይሹ ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፕረዚደንትን መራሕቲ ፈደራላዊ ግዝኣታት ሶማልያ - ብዘይካ ፑንትላንድ - ፕረዚደንትን ምክትል ፕረዚደንትን ዘለዎ ፕረዚደንታዊ ስርዓት ክህሉ እማመ ኣቕሪቦም ነይሮም። እዚ ግን ሕጂ ተነጺጕ’ሎ።
ኣብ ታሪኽ ሶማልያ፡ ብፕረዚደንታት ዝተባረሩ ቀዳሞት ሚኒስተራት፡ ብደገፍ ሃገራዊ ባይቶ ጥራይ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። ነዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ወሲኽካ ቀዳሞት ሚኒስተራቶም ዘባረሩ ኣርባዕተ ፕረዚደንታት ብደገፍ ባይቶ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ፕረዚደንት ውሳነ’ኡ ክገብር ስልጣን ረኺቡ’ሎ።
ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሶማልያን
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ሶማልያ ግዝኣተይ እትብላ ሶማሊላንድን ንኢትዮጵያን ኣፍደገ ባሕሪ ኣፍልጦ ሃገርነትን ዝምልከት መረዳድኢ ሰነድ ምፍርራመን ይዝከር።
ሶማሊያ ነቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ውዕል፡ ልኡላውነታ ከምዝጥሕስ ብምግላጽ ክትነጽጎ እንከላ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣናታ ድማ መጠንቀቕታን ምፍርራሕን ክህቡ ተሰሚዖም።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ምፍጣጥ ኣብ ዝተፈጠረሉ እዋን ድማ፡ ኢትዮጵያ ኣዝየን ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእን ኣጥቃዕቲ ድሮናትን፡ ስማ ካብ ዘይተጠቕሰት ሃገር ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ።
ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ነታ ሃገር ንምጥቃዕ ዝግበር ዝዀነ ይዅን ፈተነ ንምምካን ኣገዳሲ እዩ" ብምባል ካብ ዝዀነ ወገን ስግኣት ከምዘሎ ዘምስል ርእይቶ ምሃቡ ሽዑ ከዘራርብ ቀንዩ።

ምንጪ ስእሊ, PMO
ነቲ ምስሕሓብ ስዒቡ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ብረቡዕ 17 ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ርእይቶ ወከልቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ከምዝሰምዐን ከምዘዘተየሉን ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ሕብረት ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ንክሃድእ ጻውዒት ዘቕረበ ክኸውን ከሎ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ዘተ ክጅምር ምሕታቱ ይዝከር።
ሉእላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያን ሶማልያን ይዅን ኵለን ኣባል ሃገራት ክኽበር ከምዘለዎ’ውን ተማሕጺኑ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ብ18 ጥሪ 2024 ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ኣፍሪቃን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኩለን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ምርግጋጹ፡ እታ ሃገር ብሓጎስ ከምዝተቐበለት ይጠቅስ።
“ኢትዮጵያ ምስ ሰሜናዊ ዞባ ሶማልያ (ምምሕዳር ሶማሊላንድ) ዘይሕጋዊ ስምምዕ ብምፍራም፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሶማልያ ጥሒሳ እያ። ነቲ ዘይሕጋዊ ስምምዕ ስሒባ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ደጊማ እንተዘይኣረጋጊጻ” ሶማልያ ንሽምግልና ቦታ ከምዘይብላ’ውን እቲ መግለፂ ኣስሚሩሉ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







