ሶማልያን ግዝኣታ ፑንትላንድን ዘሰሓሕበን ዘሎ ጉዳይ ከ እንታይ እዩ?

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ለውጢታት ብምግባሩ ኣብ መንጐ ፑንትላንድን ሶማልያን ዘይምርድድእ ተፈጢሩ፤ እታ ሓውሲ ርእሰ ምምሕዳር ዝዀነት ግዝኣት ነቲ ማእከላይ መንግስቲ ዝነበራ ኣፍልጦ ከም ዝሰሓበት ኣፍሊጣ።
ኣብቲ ብባይቶ ሶማልያ ዝጸደቐ ምምሕያሽ ቅዋም፡ ኣብቶም ኣርባዕተ ቀዳሞት ምዕራፋት ናይቲ ኣብ 2012 ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ግዝያዊ ቅዋም እታ ሃገር ምዃኑ ተሓቢሩ።
ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት [ዓንቀጽ -17]፣ ውክልና ደቂኣንስትዮ [ዓንቀጽ 47]፣ ስርዓተ መሪሕነት [ዓንቀጽ 49]፣ ቍጽሪ ፖለቲካዊ ሰልፊታት [ዓንቀጽ 54] እዮም።
እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ግን ንስርዓተ መንግስቲ ኣብ ዝምልከት ዓንቀጽ ዝተገብረ ምምሕያሽ ምዃኑ እዩ ብዝተፈላለየ ወገናት ዝንገር ዘሎ።
ኣብዚ ዝተመሓየሸ ዓንቀጽ እቲ ቅዋም፡ ዜጋታት ሶማልያ ብቐጥታ ፕረዚደንት ክመርጹ ዝፈቅድ እዩ።
ኣብቲ ዝጸንሐ ቅዋም ሶማልያ፡ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ክህልዋ ዘቐምጥ ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፤ ብመሰረት እዚ ተመሓይሹ ዘሎ ድማ እቲ ፕረዚደንት፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ምሻምን ካብ ስልጣኑ ናይ ምእላይን ስልጣን ክህልዎ እዩ። እዚ ምምሕያሽ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምሻም እምበር ከባርር ካብ ባይቶ መተኣማመኒ ድምጺ ክረክብ ከም ቅድመ ኵነት ዘቐምጥ ዓንቀጽ ዝትክእን፡ ፕረዚደንት ኣብ ፈጻሚ ኣካል ዝያዳ ስልጣን ክህልዎ ዝፈቅድን ኰይኑ እዩ ተመሓይሹ ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፕረዚደንትን መራሕቲ ፈደራላዊ ግዝኣታት ሶማልያ - ብዘይካ ፑንትላንድ - ፕረዚደንትን ምክትል ፕረዚደንትን ዘለዎ ፕረዚደንታዊ ስርዓት ክህሉ እማመ ኣቕሪቦም ነይሮም። እዚ ግን ሕጂ ተነጺጕ’ሎ።
ኣብ ታሪኽ ሶማልያ፡ ብፕረዚደንታት ዝተባረሩ ቀዳሞት ሚኒስተራት፡ ብደገፍ ሃገራዊ ባይቶ ጥራይ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። ነዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ወሲኽካ ቀዳሞት ሚኒስተራቶም ዘባረሩ ኣርባዕተ ፕረዚደንታት ብደገፍ ባይቶ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ፕረዚደንት ውሳነ’ኡ ክገብር ስልጣን ረኺቡ’ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Villa Somalia
ፖለቲካ ሶማልያ፡ በቲ ታሪኻዊ፡ ዞባዊ፡ ዓሌት መሰረት ዝገበረን ስነ-ሓሳባዊን ረቛሒታት ዝተጸልወ ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ኵነታት ዝመበገሲኡ ኣብ መንጐ ፕረዚደንታትን ቀዳሞት ሚኒስተራትን ብዝፍጠር ዘይምርድዳእ እዩ መለለዪኡ።
እዚ ድማ ብፍላይ ብመዳይ ምክፍፋል ስልጣንን ሃብትን ንዝተፈላለዩ ዓሌታትን ዞባታትን ስለዘገድስ እዩ።
እቲ ቅዋማዊ ለውጢ ዝመበገሲኡ ምስሕሓብ ክሳብ ዝፍታሕ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ኣፍልጦ ከምዘይትህብ ድማ ኣፍሊጣ ኣላ።
ብዘይካ’ዚ እቲ ዝተመሓየሸ ቅዋም፡ እድመ ስልጣን መንግስቲ ንሓሙሽተ ዓመት ዝቕጽል ኰይኑ፣ ን ‘ፕረዚደንታት’ ፈደራላዊ ግዝኣታት ከም ‘መራሕቲ’ ዝጠቅስ እዩ።
ነዚ ቅዋማዊ ምምሕያሽ ዝነጸጉ መራሕቲ ሓውሲ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፡ “ፑንትላንድን ካልኦት ሶማላውያንን ዝተሰማምዑሉ ፈደራላዊ ስርዓት መንግስቲ፡ ፑንትላንድ ኣካል ብእትዀነሉ ረፈረንደም ክሳብ ዝጸድቕ፡ እታ ግዝኣት ምሉእን ናጻን መንግስቲ ክትምስርት ስልጣን ኣለዋ” ኢሎም ኣለዉ።
ፑንትላንድ ኣብ ክልተኦም ባይቶታት እታ ሃገር 48 ወከልቲ ዘለዉዋ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኵለን ትካላት ፈደራል ውክልናን፡ ሚኒስተራትን ዘለዉዋ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዋ ግዝኣት ፈደራላዊት ሶማልያ እያ።
ፑንትላንድ ኣብ ፈደራላዊ ትካላት እታ ሃገር ክሰርሑ ዝጸንሑ ወከልታ ኣመልኪታ ብዛዕባ ዝሃበቶ መምርሒ ዛጊት ዝተሰምዐ የለን።
ነዚ ኵነታት ኣመልኪቶም ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ነቲ መመሓየሺ እማመ ብትሪ ብምቅዋም ስክፍታኦም ይገልጹ ኣለዉ።
ንፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ ነቲ እማመ ብምጽዳቕ ተሓታቲ ብምግባር፡ ነታ ሃገር ናብ ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽን ዘይምርግጋእን መገዲ ጸላምን ብምምራሕ፡ መስርሕ ምህናጽ ሃገርነት ሶማልያ ናብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ክብሉ ይነቕፍዎ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ግን፡ ነቲ ዝተገብረ ምምሕያሽ ብሓጐስ ከምዝተቐበሎ ብምግላጽ፡ ንፖለቲካዊ ህንጸት እታ ሃገር ኣገዳሲ ምዃኑን ኣብቶም ካልኦት ዝተረፉ ዓንቀጻት እቲ ቅዋም ዝግበር ምምሕያሽ እውን ክቀላጠፍ ጸዊዑ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







