ኢትዮጵያ ካብቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ ከይሰሓበት ኣይንዘራረብን-ሶማልያ

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ

ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ስምምዕ እንተዘይስሒባ ምስታ ሃገር ዝግበር ሽምግልና ከምዘየለ ሶማልያ ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ፡ ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ልኡላውነት ሶማልያ ክኽበር ኣለዎ ድሕሪ ምባሉ ስዒቡ እዩ ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕ ክትስርዝ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሶማልያ ግዝኣተይ እትብላ ሶማሊላንድን ንኢትዮጵያን ኣፍደገ ባሕሪ ኣፍልጦ ሃገርነትን ዝምልከት መረዳድኢ ሰነድ ምፍርራመን ይዝከር።

ሶማሊያ ነቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ውዕል፡ ልኡላውነታ ከምዝጥሕስ ብምግላጽ ክትነጽጎ እንከላ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣናታ ድማ መጠንቀቕታን ምፍርራሕን ክህቡ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ምፍጣጥ ኣብ ዝተፈጠረሉ እዋን ድማ፡ ኢትዮጵያ ኣዝየን ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእን ኣጥቃዕቲ ድሮናትን፡ ስማ ካብ ዘይተጠቕሰት ሃገር ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ እያ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ነታ ሃገር ንምጥቃዕ ዝግበር ዝዀነ ይዅን ፈተነ ንምምካን ኣገዳሲ እዩ" ብምባል ካብ ዝዀነ ወገን ስግኣት ከምዘሎ ዘምስል ርእይቶ ምሃቡ ከዘራርብ ቀንዩ።

ነቲ ምስሕሓብ ስዒቡ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ረቡዕ 17 ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ርእይቶ ወከልቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ከምዝሰምዐን ከምዘዘተየሉን ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ንክሃድእ ጻውዒት ዘቕረበ ክኸውን ከሎ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ዘተ ክጅምር ሓቲቱ እዩ።

ሉእላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያን ሶማልያን ይዅን ኵለን ኣባል ሃገራት ክኽበር ከምዘለዎ’ውን ተማሕጺኑ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ሎሚ 18 ጥሪ 2024 ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ኣፍሪቃን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኩለን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ምርግጋጹ፡ እታ ሃገር ብሓጎስ ከምዝተቐበለት ይጠቅስ።

“ኢትዮጵያ ምስ ሰሜናዊ ዞባ ሶማልያ (ምምሕዳር ሶማሊላንድ) ዘይሕጋዊ ስምምዕ ብምፍራም፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሶማልያ ጥሒሳ እያ”።

ብኣንጻሩ ሶማልያ ዝጠሓሰቶ ዝዀነ መትከል ዘይምህላዉ ብምጥቃስ ድማ “ኢትዮጵያ ነቲ ዘይሕጋዊ ስምምዕ ስሒባ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ደጊማ እንተዘይኣረጋጊጻ” ሶማልያ ንሽምግልና ቦታ ከምዘይብላ እቲ መግለጺ የስምር።

ሶማላውያን ነቲ ኣካታዒ ስምምዕ ብምቅዋም ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸኒሖም እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሶማላውያን ነቲ ኣካታዒ ስምምዕ ብምቅዋም ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸኒሖም እዮም

ሶማልያ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተመርኮሰ ናብ ቁጠባዊ ምዕባለን ሓባራዊ ብልጽግናን ከብጽሕ ንዝኽእል ሓባራዊ ረብሓ ዘለዎ ዝምድና ምስ ኩለን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ሃገራትን ከምኡ’ውን ኢጋድን ክህሉ ክትሰርሕ ድልውቲ ምዃና’ውን ገሊጻ ኣላ።

እቲ ኣብ 1 ጥሪ ዝተኸተመ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ኣብ ግብሪ እንተ ውዒሉ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ገማግም ባሕሪ ክትረክብ እያ፤ ኣምሳያኡ ድማ ነታ ንገዛእ ርእሳ ነጻ ሃገር ኢላ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ከምትህብ የመልክት።

እዚ ስምምዕ ግን ንሶማልያ ኣዝዩ ኣቖጢዕዋ እዩ፤ ኣብ ልኡላውነታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምዃኑ ብምግላጽ ኣትሪራ ከምዝተቓወመት ይፍለጥ።

ሶማልያ ግዝኣተይ እትብላ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ነቲ መረዳድኢ ሰነድ ድሕሪ ምፍርራመን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዲፕሎማስያዊን ፖለቲካውን ወጥሪ ዓሲሉ ይርከብ።