ኣዘራራቢ ኰይኑ ብዛዕባ ዘሎ ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዛጊት እንታይ ንፈልጥ?

ወድብ በርበራ ሶማሊላንድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ትማሊ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽትረክብ ዘኽእል ስምምዕ ከምዝተፈራረመት’ዩ ገሊጹ፤ ገለ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ’ውን ኢትዮጵያ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝዀነት’የን ኣቓሊሐን።

እቲ ሰነድ ስምምዕ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ መንጐ እታ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር እትጽውዕ ግን ከኣ ብዝዀነት ሃገር ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይተወሃባ ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኰይኑ፡ ኢትዮጵያ ብጽሒት መንገዲ ኣየር ሂባ 20 ኪሎሜተር ዝሽፍን ገማግም ባሕሪ ካብ ሶማሊላንድ ንኽትረክብ ዘኽእል’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ንሃገሩ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጥቅምቲ ነዚ ምስ በለ፡ ካብ ሃገራት ኤርትራ፡ ጅቡትን ሶማልያን ተሪር ግብረ መልሲ ኣስዒብሉ፤ ኣብቲ ዞባ’ውን ወጥሪ ኣኸቲሉ’ዩ።

ብፍላይ ከኣ ምስ ኤርትራ ናብ ኲናት ከየምርሓ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ጸኒሑ እዩ፤ ኣመሪካ’ውን ብምኽንያት መበል ሓደ ዓመት ዝኽሪ ውዕል ፕሪቶርያ ብመንገዲ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ ክልቲኤን ሃገራት [ኤርትራን ኢትዮጵያን] ግዝኣታዊ ሓድነተን ተኸባቢረን ካብ ዝዀነ ዓይነት ምትዅታዅ ክቝጠባ ለበውኣ ኣመሓላሊፋ ነይራ።

ዝርዝረ ናይቲ ትማሊ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ናብ ህዝቢ ኣይተዘርግሐን ዘሎ፤ እንተዀነ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝወጸ መግለጺ፡ “እቲ ሰነድ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ብዘተኣማምን ደረጃ ንኽትጥቀም ዘለዋ ባህጊ ግሁድ ንምግባር መንገዲ ክጸርግ’ዩ” ኢሉ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብግደኡ፡ እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ብኽራይ ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትተክል ዘኽእል ከምዝዀነ ኣነጺሩ ኣሎ።

እቲ ስምምዕ ብወገን ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዓቢ ዲፕሎማሲ ዓወት ከምዝዀነ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሂ ኣብዲ ዝፈረመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ “እግዝኣብሄር ዝተመስገነ ይዅን ጥራይ ኢና ክንብል ንኽእል” ኢሉ።

ፕረዚደንት ሙሰ ቢሂ ኣብዲ ብወገኑ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ነጻ ሃገር ኣፍልጦ ንኽትህባ ዘኽእል ከምዝዀነ’ዩ ገሊጹ።

ካብ ሶማልያ ዝተወሃበ ግብረ መልሲ

ኣብይ ኣሕመድ [ጸጋም] ሙሰ ቢሂ [የማን]

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብይ ኣሕመድ [ጸጋም] ሙሰ ቢሂ [የማን]
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ሰነድ ስምምዕ ምስ ተኸተመ ካብ ፖለቲከኛታት ሶማልያ፡ ሶማሊላንድን ማሕበረሰብ ክልቲኤንን ዝተፈላላየ ግብረ መልሲ’ዩ ዝወሃብ ዘሎ።

ካብቲ ንሶማሊላንድ ከም ኣካል ግዝኣቱ ዝሓስባ መንግስቲ ሶማልያ ክሳብ ሕጂ ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለጺ የለን፤ እንተዀነ ሃገራዊት ተለቪዥን ሶማልያ ዝዀነት መደበር ተለቪዥን ኤስኤንቲቪ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማልያ ነቲ ስምምዕ ንኽዝትየሉ ሎሚ ሰሉስ ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ ኣቓሊሓ ኣላ።

ብዙሓት ኣብ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝሰርሑ ሶማልያውያን ፖለቲከኛታት ግን እቲ ሰምምዕ ዘይሕጋውን ዘይቅቡልን ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጂ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ “እቲ ኢትዮጵያ ብስስዐ ካብ ሪፓብሊክ ሶማልያ መሬትን ባሕርን ንምርካብ ዝገበረቶ ስምምዕ፡ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ዘየመዛዘነን ንናጽነትን ሓድነትን ሃገርን ዝግህስን’ዩ” ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ነበር መሓመድ ሑሴን ሮብለ ብወገኑ ነቲ ስምምዕ ብምቅዋም ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ “እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጕምቲ ዘገርምን ዘጣዕስን’ዩ፡ [እቲ ስምምዕ] ንመሬታዊ ሓድነት ዝግህስን ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህውከት ዘስዕብን’ዩ” ኢሉ።

እቲ ካልእ ተሪር ግብረ መልሲ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ነበር ሓሰን ዓሊ ክይረ’ዩ።

ንሱ፡ “እቲ ኣብ መንጐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ሙሰ ቢሂ ዓብዲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብትሪ እዅንኖ፡ እዚ ስምምዕ ንሃገራዊ ሓድነት ሶማልያ ዝግህስን ዝጻረርን’ዩ” ኢሉ።

ሚኒሰተር ውጥንን ዓለምለኻዊ ምውህሃድን ሶማልያ ዝነበረ ዓብዱራሕማን ኣይነተ ብወገኑ፡ ሶማልያውያን “ብቕልጡፍ ብሓይልን ግብረ መልሲ ክህቡ” ብምጽዋዕ፡ እቲ ብኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝሸምም ከምዝዀነ ገሊጹ።

እቲ ስምምዕ ብሶማሊላንድኸ ከመይ ተራእዩ?

ሚኒስተር ባህልን ሓበሬታን ከምኡ ከኣ ውሃቢ ቃል ሶማሊላንድ ዓሊ ሓሳን ሞሓመድ

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ባህልን ሓበሬታን ከምኡ ከኣ ወሃቢ ቃል ሶማሊላንድ ዓሊ ሓሰን መሓመድ

ሚኒስተር ባህልን ሓበሬታን ከምኡ ከኣ ወሃቢ ቃል ሶማሊላንድ ዓሊ ሓሰን መሓመድ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ እቲ ስምምዕ ታሪኻዊ ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ “20 ኪሎሜተር ገምገም ባሕረ ብሊዝ [ክራይ] ሂብካ ኣፍልጦ ክትረክብን ቍጠባዊ ዕብየት ከተመዝግብን ዓቢ ለውጢ’ዩ” ኢሉ።

ምክትል ሚስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ዝነበረ ዓብዲናስር ዖመር ጃማ፡ ኣብ ብመንግስታዊት ተሌቪዥን ሶማሊላንድ ኢልዎ ተባሂሉ ኣብ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ እቲ ስምምዕ ታሪኻዊ ዓወት ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ “ኣብ መንጐ ክቡር ፕረዚደንት ሙሰ ቢሂ ኣብዲን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ነቲ ስምምዕ ዘይተቐበልዎ ብዙሕ ሕማቕ ዘረባታት የስምዑ ኣለዉ፤ እዚኦም ህልውናን ምዕባለን ሶማሊላንድ ዘይወሓጠሎም ወገናት’ዮም” ኢሉ ትብል እታ መደብር ተሌቪዥን።

ብኻልእ ወገን ንፖለቲካ ሶማሊላንድ ዝከታተሉ ወገናት’ውን፡ ኣብቲ ስምምዕ ዘለዎም ተቓውሞን ደገፍን የስምዑ ኣለዉ።

ተወላዲ ሶማሊላንድ ጠበቓ ጉለድ ፈዳፋክ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ንኽሃንጽ ዘኽእሎ መሬትን ኣፍደገ ባሕርን ረኺበ ምባሉ ይቃወም።

“እቲ ክሳብ ሕጂ ፈሊጥናዮ ዘለና ሰነድ ስምምዕ ተፈሪሙ ዝብል’ዩ፤ እንተዀነ ብዙሕ ክንጽርን ክግለጽን ዘለዎ ነጥብታት ኣሎ። ክንዮ እቲ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ፡ ሶማሊላንድ ካብዚ ስምምዕ እዚ እንታይ’ያ ክትረብሕ ዝብል ክምለስ ዘለዎ ዘተሓሳስብ ሕቶ’ዩ” ይብል።

እቲ ጠበቓ ኣስዒቡ “ቅዋም ሶማሊላንድ ፕረዚደንት ኵሉ ዓለምለኻውያን ውዕላት ይፍርም ይብል’ዩ፤ እንተዀነ ምምሕያሻት ስምምዕ ብባይቶ ሶማሊላንድ’ዩ ዝግበር፤ ዝዀነ ስምምዕ ባይቶ ከይተሰማምዓሉ ኣብ ባይታ ኣይትግበርን’ዩ። ስለዚ እቲ ስምምዕ ከመይ ኢሉ'ዩ ኣብ ባይታ ክትግበር ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣለዎ” ይውስኽ።

ጠበቓ ጉለድ ፈዳፋክ ኣብ መወዳእታ፡ ምሉእ ዝርዝር ሰነድ ስምምዕ’ኳ እንተዘይወጽአ፡ ሶማሊላንድ ማዕረ እቲ ንሳ ንኢትዮጵያ ክትህባ ዝተሰማምዓቶ ክትረክብ’ያ ዝብል ሓሳብ ከምዘይብሉ’ዩ ዝገልጽ።

ቀርኒ ኣፍሪቃ

ብሓፈሻ ኣብ ውሽጢ ተወለድቲ ሶማሊላንድ ኣብዚ ስምምዕ ዝተፈላለየ ርእይቶታት’ዩ ዘሎ። ሓደ ካብቶም ርእይቶኡ ዝሃበ ምሁር ስነ ቍጠባ ዓብዲናስር ኣሕመድ ሓጂ ኣዳን እዩ።

“እዚ ልክዕ ከምቲ ክልተ ሃገራት ዝገብራኦ ስምምዓት እዩ ክውሰድ ዘለዎ፡ ንኽልቲኤን ሃገራት ዘዐውት ስምምዕ’ዩ። ብመሰረት ስምምዕ ሃገራት ኣብ ካልእ ሃገር መዓስከር ይምስርታ’የን፤ ሶማሊላንድ ካብዚ ስምምዕ ብዙሕ ክትከስብ’ያ” ኢሉ።

ሶማሊላንድ ቅድሚ 30 ዓመት ካብ ሶማልያ ተፈልያ ንገዛእ ርእሳ ከም ልኡላዊት ሃገር’ያ ትጽውዕ። እንተዀነ ሕብረት ኣፍሪቃ ይዅን ሕቡራት ሃገራት ከም ሃገር ኣፍልጦ ኣይሃብዋን።

ኤርትራ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ፡ ካብ ኢትዮጵያ ተነጺላ ናጻ ሃገር ካብ እትኸውን ንደሓር፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ኰይና እያ።

ኢትዮጵያ ካብ 1991 ክሳብ 1997 ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ናይ ኤርትራ ትጥቐም’ኳ እንተነበረት፡ ኣብ 1998 ምስ ኤርትራ ናብ ኲናት ምስ ኣተወት ግን፡ ክሳብ ሕጂ ዘይተኣደነ ገንዘብ እናኸፈለት ብጅቡቲ’ያ ትጥቀም ዘላ።

ኣብ 2018 ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን፡ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኩባንያ ዲፒ ዎርልድ ኣብ ባርባራ ሃኒጹ 51 ሚእታዊት ኣብ ዝውንኖ ወደብ፣ 19 ሚእታዊት ብርኪ ክህልዋ ዘኽእል ስምምዕ ከቲመን ምንባን ይፍለጥ።

እንተዀነ ኢትዮጵያ ኣብቲ ስምምዕ ዝተዘርዘሩ ነጥቢታት ከተማልእ ስለዘይክኣለት እቲ ስምምዕ ኣብ 2022 ፈሪሱ።