ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ዘኽእላ ስምምዕ ተፈራሪማ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሴ ባሂን

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ በሂ

ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ዘኽእላ ስምምዕ ከምዝተፈራረማ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።

እቲ ስምምዕ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሂ ኣብዲን እዩ ተፈሪሙ።

ነዚ ኣመልኪቱ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እቲ ሰነድ ምርድዳእ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣፍደገ ባሕሪ ብሰላም ክትጥቀመሉ ዘለዋ ድሌት ንምግሃድ መንገዲ ዝጸርግ'ዩ" ይብል።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እቲ ስምምዕ ጸጥታዊ፡ ቍጠባዊን ፖለቲካዊን ሽርክነት ክልቲአን ሃገራት ዘደልድል ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሬድዋን ሑሴን፡ ኢትዮጵያ "ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብክራይ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምርካብ መንገዲ ዝጸርግ ስምምዕ ምትሕብባር" ከምዝፈረመት ብመገዲ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ምዃና ሃገራዊ ተሌቪዥን ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ "ብክራይ እትረኽቦ ኣፍደገ" ን50 ዓመታት ዝጸንሕ ምዃኑ’ውን ወሲኹ ኣቃሊሑ።

እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝወጸ መግለጺ፡ ነቲ ስምምዕ "ሓድሽ ምዕራፍ ምትሕብባር" ከምኡ'ውን "ንዞባዊ ውህደት ኣብ [ቀርኒ] ኣፍሪቃ ኣገዳሲ" ክብል ንኢዱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልዋ ናይ ህላወ ጉዳይ እዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ርእይቶታት ከቕርቡ ምጽንሖም ኣይርሳዕን።

ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር እውን፡ "ንዝዀነ ሃገር ክንወርር ሓሳብ የብልናን" ድሕሪ ምባል፡ "ብመንጽር ሕጊ ንግዲ ግን ዘይሻራዊ ኣማራጺ የድልየና" ክብል ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብሪሁ ነይሩ።

"ኣድላይነት ወደብ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ብዘተን ንግድን እንተዘይተፈቲሑ እንታይ ከምዝኸውን ክግምት ኣይክእልን" ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ጅቡቲ፡ ሶማልያ፡ ኬንያ ይዅን ናብ ዝዀነት ጐረቤታ ሓንቲ ጥይት ክትትኩስ ሓሳብ ከምዘይብላ ምጥቃሱ ይዝከር።

"ኢትዮጵያ ወደብ እንተዘይረኺባ መዓት ክስዕብ ይኽእል እዩ።"

እዚ ኣጀንዳ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ወጥሪ ኣስዒቡ’ዩ፤ ሶማልያን ጅቡቲን ድማ ንመግለጺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነጺገን እየን።

ሶማሊላንድ፡ ብኢትዮጵያ ይዅን ካልኦት ሃገራት ወግዓዊ ኣፍልጦ ዘይረኸበት ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ሃገር እኳ እንተዀነት፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተኸተመ ስምምዕ ግን ነታ ሃገር ኣፍልጦ ከምዝህብ'ዩ ዘመልክት።

ነዚ ስዒቡ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ እትህብ ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን'ያ።

ሶማልያ ነዚ ዳሕረዋይ ስምምዕን ኣፍልጦ ምሃብን ብኸመይ ከምእትርዮ ብሕጂ ዝርአ ጉዳይ እዩ።