'ብመንግስቲ ፈደራል ዝፅሕተር ዘሎ ካልእ ዙር ኲናት ሓደጋኡ ዝኸፍአ ክኸውን'ዩ' - ህወሓት

ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር)

ምንጪ ስእሊ, TPLF

ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መእተዊ እዚ ሰሙን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ንህወሓትን ትግራይን ብዝምልከት ንዘስምዖ ዘረባ ተቓዊሙ።

እቲ ውድብ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣደራደርቲ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ዝፈረሞ ስምምዕ ፕሪቶሪያ "ትርጕም ናብ ዘይብሉ ደረጃ ንምውራድ ክሰርሕ ፀኒሑ" ክብል ከሲሱ።

"ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ ኵሎም ወረርቲ ሓይልታት ካብ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ክወጹ ኣብ ርእሲ ዘይምግባሩ ዝያዳ ክዕጠቑን ክጠናኸሩን ይገብር ኣሎ" ዝበለ መግለፂ ህወሓት፡ ተጋሩ ንሓድሕዶም ንምውጋእ ኣብ ክልላት ብምውዳብን ብምዕጣቕን ትግራይ ንምህዋኽ ይስራሕ ምህላዉ ሓቢሩ።

ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኵሎም ፀገማት ብመስርሕ እቲ ስምምዕ ንኽፍትሑ ክሰርሑ ምፅንሖም ዝጠቐሰ መግለፂ እቲ ውድብ፡ "መንግስቲ ፈደራል ግን ብኣንፃሩ ነቲ ውዕሊ ኣብ ዘፍርሱ ተግባራት ተፀሚዱ ይርከብ፡" ኢሉ።

ብሃገራዊ ቦርድ መረፃ ሕጋዊ ኣፍልጦኡ ዝተኸልአ ህወሓት፡ "መንግስቲ ፈደራል ንሕጋዊ ሰብነትና ናብ ተራ ቴክኒካዊ ጉዳያት ኣውሪዱ ንመንፈስ እቲ ስምምዕ ክዘርግ ፀኒሑ። ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካልእ ጥፍኣት ንምፍፃም ኣብ ፈኸራታትን ናይ ፀለመ ፕሮፓጋንዳን ተፀሚዱ'ሎ" ክብል ነቒፉ።

ህወሓት ከም ፖለቲካዊ ውድብ ዝነበሮ ሕጋዊ ኣፍልጦ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ ከምዝተሰረዘ ዝዝከር ኰይኑ፡ ክሳብ 'ኣሸባሪ ጕጅለ' ተባሂሉ ተበይኑ ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።

ንኣፍልጦ እቲ ውድብ ከምዝሰረዘ ወግዓዊ ዝገበረ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ "ህወሓት ኣብ ዕጥቃዊ ጎነፃት ተሳቲፉ" ዝብል ክሲ ከም ምኽንያት የቐርብ። እንተዀነ ምስ መንግስቲ ፈደራል ብዝተገበረ ተደጋጋሚ ዝርርባት ኣፍልጦኡ ክምለስ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ ነይሩ።

እቲ ምሃብ ሕጋዊ ኣፍልጦ ግን ህወሓት ከም ሓድሽ ፖለቲካዊ ውድብ ክምዝገብ እምበር እቲ ዓሰርተታት ዓመታት ዕድመ ዝፀገበ ውድብ ዝነበሮ ሕጋዊ ኣፍልጦን ቅቡልነትን ብዝነበሮ ዘቐፅል ብዘይምዃኑ እቲ ጉዳይ ኣካታዒ ኰይኑ ቀፂሉ ይርከብ።

ጉዳይ ፈረምቲ ውዕል ፕሪቶሪያ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ህወሓት ኣብ መግለጺኡ ዘልዓሎ ካልእ ጉዳይ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ንተወዓዓልቲ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብዝምልከት ዝሃቦ ሓሳብ ዝምልከት እዩ።

"እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ዝተፈፀመ ኰይኑ እናሃለወ ካብ ትካላዊ መስርሕ ብምውፃእ ናብ ናይ ውልቀሰባት ድርድርን ፊርማን ዝወሰዱሉ ኣገባብ እዩ" ዝብል እቲ መግለፂ፡ እቶም ብወገን ትግራይ ኣብቲ ውዕሊ ዝተሳተፉ ኣካላት ልኡኽቶ መንግስቲ ትግራይ ዝተወሃቦም እምበር ዋና እቲ ውዕል ከምዘይነበሩ ኣነጺሩ።

ኣብይ፡ ኣብቲ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘስምዖ ዘረባ፡ "ዝወለደት ኣደ እናሃለወት ዝሓቘፈት ኣደ እየ በለት" ዝብል ምስላ ብምጥቃስ፡ ተላዘብትን ሰብ ዋናን እቲ ውዕሊ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ እምበር ምስቶም ኣብ ትግራይ ዘለው መራሕቲ ህወሓት ከምዘይኰነ ዘመልክት መልእኽቲ ኣሕሊፉ እዩ።

"ፕሪቶሪያ ምስ ጀነራል ፃድቃን፣ ጌታቸው ረዳን ኣሰፋ ኣብርሃን ኢና ተደራዲርና። ብወገን ትግራይ ቀንዲ ፈረምቲ እዚኦም እዮም። ኣብቲ ቦታ ዘይነበሩን ንፕሪቶሪያ ዘይፈልጡን ግን እቲ ስምምዕ ነኽብር ይብሉ ኣለዉ" ክብል'ዩ ኣብይ ኣሕመድ ተሰሚዑ።

ኣብቲ ስምምዕ፡ ህወሓት ቅድሚ ምውላዕ ኲናት ዘካየዶ ክልላዊ መረፃ ዘይሕጋዊ ብምንባሩ ክስረዝ፤ ክልላዊ ባይቶ ክፈርስ፣፤ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም፣ ዕጡቓት ብዳግመ መጥያስ ዕጥቆም ክፈትሑን ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ኣካል እቲ ስምምዕ ምንባሩ'ውን ኣዘኻኺሩ።

"ኣፅዋር ምሕባእን ወተሃደራዊ ስልጠናታት ምክያድን ኣካል እቲ ስምምዕ ኣይኰነን ነይሩ" ዝብለ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ውዕሊ ፕሪቶሪያ ንኸይፍፀም ዕንቅፋት ዝኸውን ዘሎ ህወሓት ከምዝዀነ ከሲሱ።

መግለፂ ህወሓት ነዚ ኣብ ዝሃቦ መልሲ "ነቲ ውዕሊ በዓል መን ፈረሙ ወይ እንታይ በሉ ዘይኰነስ ኣብቲ ሰነድ ዘለዉ ናይ ስምምዕ ነጥብታት ተፈጺሞምዶ ዝብል እዩ" ኢሉ'ሎ።

ቀ.ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, EBC

'ኲናት ክልተ ወርሒ'

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘረባኡ "ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ከምቲ ዝጋነን ንነዊሕ ግዜ ዝተኻየደ ኣይኰነን። ተደማሚሩ እንተበዝሐ ናይ ክልተ ወርሒ ዕድመ እዩ ነይርዎ። ብሰላም ዝፀናሕናሎም እዋናት ተደማሚሮም ነዊሕ እዋን ዝተኻየደ ዝመስሎም ኣካላት ኣለዉ። ግን ከምኡ ኣይኮነን" ምባሉ ይዝከር።

ነቲ ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ትግራይ ምስቲ ኣብ ወለጋ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ግጭት ብምንፅፃር ድማ "ምስቲ ኣብ ወለጋ ዘካየድናዮ ውግእ ክነፃፀር ከሎ እቲ ናይ ትግራይ ኣዝዩ ንእሽተይ እዩ፣ ከይጋነን!" ኢሉ።

"ኵሎም ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ዝተፈፀሙሉ ኲናት" ምንባሩ ዝጠቐሰ መግለፂ ህወሓት ግን ነቲ ኲናት ሓሙሽተ ዓመታት ዘቝፀረ 'ጀኖሳይድ' ክብል ገሊፅዎ'ሎ።

ኣቢይ፡ ነቲ ኲናት ከቃልሎ ከምዝፈተነ ብምሕባር፡ "ንዓመታት ዝቐፀለን ሕዚ'ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕ ብዘይምፍፃሙ ዝቕጽል ዘሎን ፅንተት ብዝዀነ ይዅን መለክዒ ከምዚ ክቃለል የብሉን" ይብል።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ከም መነፃፀሪ ዘቕረቦ ኲናት ወለጋ እውን እንተኾነ ደው ክብልን ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብን ህወሓት ፀዊዑ።

ኲናት ትግራይ ኣብ ሕዳር 2022 ካብ ዝውላዕ ክሳብ ብስምምዕ ደው ዝበለሉ እዋን ብኣማዊት ኣሸሓት ዝግመቱ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉን ግዳያት ኣካላዊ መጕዳእቲ ከምዝዀኑን፤ ብኣሸሓት ዝቝፀራ ደቀንስትዮ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመንን ብዓሰርተታት ዝቝፀሩ ብ ውሽጥን ናብ ደገን ከምዝተፈናቐሉን ፀብፃባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

ካልእ ኲናት . . .

ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን መራሕቲ ህወሓትን ዘሎ ወጥሪ እናዓረገ ይመፅእ ምእላዉ ዘመልክቱ ምንቅስቓሳት ካብ ዓይኒ ህዝቢ ዝተኸወሉ ኣይኰኑን።

ኣብ ትግራይ ካልእ ዙር ኲናት ከይውላዕ ስግኣቶም ዝገልፁ ኣካላት እታ ብናይ ክልተ ዓመታት ኲናት ዝተዳህከት ክልል ንኻልእ ዕጥቃዊ ውግእ ክፃወር ዝኽእል ዓቕሚ ክህልዋ ከምዘይክእል ይሕብሩ።

መንግስቲ ፈደራል ንህወሓት ዕጡቓት ብምስልጣንን ብመስርሕ ዳግመ ምጥያስ ዕጡቓት ከረኽብዎ ዝነበሮም ዕጥቂ ብምሕባእን ክኸሰስ ይስማዕ። ብወገን ትግራይ ኲናት ንምውላዕ ምስ መራሕቲ ኤርትራ ርክባት ይካየድ ከምዘሎ'ውን ይኸስስ።

እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክባት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝፍፀም ዘሎ ሰላማዊ ዝምድናታት እምበር ወግዓዊ ፅምዶታት ሰብመዚ ከምዘይኮነ ዝገልፁ መራሕቲ ህወሓትን ትግራይን ብወገኖም "መንግስቲ ፌደራል ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ብምዕጣቕን ብምስልጣንን ኣንፃርና ንኲናት የዳልዎም ኣሎ" ክብሉ ይስምዑ።

ንዘረባ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ "መቐፀልታ ናይቲ ወተሃደራውን ሲቪላውን መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ክነዝሕዎ ዝፀንሐ ፀለመን ምፍርራሕ" ከምዝዀነ ዘመልከተ መግለፂ ውድብ ህወሓት፡ንኻልእ ዙር ኲናት ዝግበር ምድላው ከምዝዀነ ሓቢሩ።

"እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፅሕተር ዘሎ ካልእ ዙር ኲናት ሓደግኡ ብዅሉ ገፅ ብጣዕሚ ዝኸፍአ ስለዝኸውን ብኣግኡ ጠጠው ክብል ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል እጃሙ ክፍፅም ይግባእ" ኢሉ።

ግቡእ ተፈፃምነት ውዕል ፕሪቶሪያ ንዅሉ ወጥርታት ከህድእ ከምዝኽእል ዘአንፈተ መግለፂ ህወሓት፡ "ኣደራደርቲ ኣካላትን ኣህጉራውን ትካላትን ነዚ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ስምምዕ ንምድሓን ብህፁፅ ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ ክፅዋዕ ኵነታት ክግምገምን እጃሞም ክፍፅሙ ንፅውዕ" ክብል ኣፍሊጡ።