ኢትዮጵያ ብጽሒት መገዲ ኣየር ሂባ ኣፍደገ ባሕሪ ብሊዝ ክትረክብ ምዃና ተፈሊጡ

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽትረክብ ዝሕግዛ ዝፈረመቶ ውዕል፡ ብጽሒት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሂባ፡ 20 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ገምገም ባሕሪ ንምውሳድ ከምዝዀነ ተገሊጹ።

ብሉምበርግ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ንምርካብ ዘኽእላ ውዕል ምስታ ንገዛእ ርእሳ እተመሓድር ሶማሊላንድ ከምዝዀነን ክሳዕ ሕጂ መጠኑ ዘይተፈልጠ ብጽሒት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሂባ ከምዝዀነ ጸብጺቡ።

ኢትዮጵያ ምስታ ካብ ሶማሊያ ተነጺላ ንገዛእ ርእሳ እተመሓድር ሶማሊላንድ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘኽእላ ውዕል ከምዝኸተመት ዝፍለጥ’ዩ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ እቲ ዝተኸተመ ውዕል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “እቲ ሰነድ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ብዘተኣማምን ደረጃ ንኽትጥቀም ዘለዋ ባህጊ ግሁድ ንምግባር መንገዲ ክጸርግ’ዩ” ኢሉ።

ኣማኻሪ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብግደኡ፡ ኢትዮጵያ ንእትረኽቦ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ኣምሳያኡ ሶማሊላንድ ካብ መገዲ ኣየር ወይ ከኣ ካብ ቴለ ብጽሒት ክትርከብ ከም ዘኽእላ ኣተንቢሁ ነይሩ።

እንተዀነ ሶማሊላንድ ካብቶም ኢትዮጵያ ክትህባ ዝተሰማምዓትሎም ትካላት፡ ክንደይ ብጽሒት ይህልዋ? ኢትዮጵያ ኸ ንኽንደይ ዓመት ብኽንደይ ዋጋ ሊዝ እያ ባሕሪ ክትረክብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ቀጻሊ ብዝግበሩ ዘተታት ዝውሰን ምዃኑ ኣምባሳደር ሬድዋን ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ 4 ሕዳር [ግእዝ] ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ኢላ ናይ ምውራር ድልየት ከምዘይብላ ብምጥቃስ፡ “ብሕጊ ቢዝነስ ግን ዘየናሕሲ ኣማራጹታት ክንደሊ ኢና” ኢሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣስዒቡ፡ “ድልየት ኣፍደገ ባሕሪ ብሕጊ ቢዝነስን ዘተን ዘይፍታሕ እንተዀይኑ ግን እንታይ ክስዕብ ከምዝኽእል ዘይተገማቲ’ዩ” ድሕሪ ምባል ኢትዮጵያ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ሓንቲ ጥይት ናይ ምትኳስ ድልየት ከምዘይብላን ኣብ ልኡላዊነተን ሕቶ ከምዘይብላን ገሊጹ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድልየታ ንምዕዋት ከም መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ግድብ ህዳሰን ዝኣመሰሉ ትካላት ልምዓት ብሓባር ንምጥቃም ድልውቲ ከምዝዀነት ኣብይ ኣሕመድ ተዛሪቡ ምንባሩ ይፍለጥ።

ሂብካ ምቕባል

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈራረሞ ውዕል፡ ኣብ መትከል ሂብካ ምቕባል ዝተመስረተ ከምዝዀነ ተዛሪቡ።

ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ መዓስከር ንኽትሃንጽን ወደብ ንምምዕባል ዘኽእላ ገምገም ባሕሪ ክትረክብ ምዃና ወሲኹ።

እቲ ዝተኸተመ ውዕል ኢትዮጵያ በብ50 ዓመት ዝሕደስ ህንጸት ወተሃደራዊ መዓስከር ዝካየደሉን ወደብ እትሃንጸሉን ገምገም ባሕሪ ብሊዝ ክትረክብ ዘኽእል ትሕዝቶ ዝሓዘ ከምዝዀነ እቲ ኣምባሳደር ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ምኽታም ሰነድ ተረኺቡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ክታሙ ዘንበረ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፡ ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊላንድ ወተሃደራዊ መዓስከር እትሃንጸሉን ወደብ እተማዕብለሉን 20 ኪሎ ሜትር ስፍሓት ዘለዎ ገምገም ባሕሪ ብሊዝ ከምእትርከብ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀጻሊ ወደብ ኣማዕቢላ ክልተኡ ዓድታት ብመገዲ ባቡርን ንምርኻብ ዘኽእል ስራሕ ከምዝጅመር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ተዛሪቡ።

ካርታ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ኣፍልጦ ሶማሊላንድ

ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ካብ ትካላት ልምዓት ብጽሒት ካብ ምሃባ ብተወሳኺ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንኽትህባ ከምዝተሰማምዐት ይግለጽ ኣሎ።

ሶማሊላንድ ካብ 1991 ጀሚሩ ንገዛእ ርእሳ ካብ ሶማሊያ ነጺላ ናጽነታ’ኳ እንተኣወጀት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዓለም ኣፍልጦ ኣይረኸበትን።

እንተዀነ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሂ ኣብቲ ናይ ትማሊ ስነ ስርዓት ፊርማ እዚ ውዕል ነዚ ዝጸንሐ ከምዝቕይሮ ተዛሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መደረኡ፡ “ኢትዮጵያ ንሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ብምሃብ ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን’ያ” ኢሉ።

እዚ ነታ ንሶማሊላንድ ከም ሓንቲ ግዝኣታ ገይራ እትቘጽር ሶማሊያ ግን ከቘጥዓ ይኽእል እዩ።

ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ድሕሪ ዘካየዳኦ ስምምዕ፡ መንግስቲ ሶማሊያ ሎሚ ህጹጽ ኣኼባ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ’ሎ።

ኤርትራ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ካብ ኢትዮጵያ ተነጺላ ናጻ ሃገር ካብ እትኸውን ንደሓር ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ካብ እትኸውን ልዕሊ 30 ዓመት ኰይንዋ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ንክራይ ወደብ ዓመታዊ 1.6 ቢልዮን ዶላር ንጅቡቲ ከምእትኸፍል ይፍለጥ።