ህወሓትን ካልኦት ውድባትን ትግራይ፡ ብዛዕባ ውሳነ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ እንታይ ኢለን?

ምንጪ ስእሊ, SM
ምስ ክልል ኣምሓራ ናይ እጀታ ሕቶ ዘለወን ከባቢታት ትግራይ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል ወጻኢ ኰይነን መረጻ ከካይዳ ዝብል ውሳነ 'ዘይሕገመንግስታዊ' እዩ ክብላ ዝነቐፋ ሓያሎ ውድባት ትግራይ ብህጹጽ ክእረም ጻውዒት ኣቕሪበን።
እቲ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዓብላሊ ውድብ ኰይኑ ኣብ ትግራይ ዝተንቀሳቐሰን ዝመርሐን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ትማሊ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዘሕለፎ ውሳነ "ኣዋጅ ኲናት፡" ክብል ብምግላጽ፡ "ንሕገመንግስቲ እዛ ሃገር ኮነ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዕሊ ዝጥሕስ፡ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝበኣሰ ሓደጋ ዘእቱ እዩ፡" ኢሉ።
እቲ ቦርድ ትማሊ 23 ለካቲት 2025 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እተን 'ኣካታዕቲ' እናበለ ዝገልጸን ከባቢታት፡ ሕገመንግስታዊ ፍታሕ ክሳዕ ዝረኽባ፡ "ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ብዝዀነ መንገዲ ተወከልቲ ፈደራል ክመርጻ ኣለወን፡" ዝብል ውሳነ ካብ ቤትምኽሪ ፈደረሽን ከም ዝተቐበለ ገሊጹ።
እተን ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮነ ኣምሓራ ወጻኢ ኰይነን መረጻ ከካይዳ ተመዲቡለን ዘሎ ሓሙሽተ 'ክልላት' መረጻ፣ ሑመራ፡ ዓዲረመጽ፡ ጸለምቲ፡ ኮረም-ኦፍላን ራያ-ኣላማጣን እየን።
ህወሓት እቲ ውሳነ፡ "ነቲ ሎሚ ጽባሕ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ መረበቱ ክምለስ ብሃንቀውታ ዝጽበ ዘሎ ውጻእ መዓት ህዝብና ተበታቲኑ ክተርፍ ዝብይን፡" ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ "ትሕቲ ወረርቲ ዕጡቓት" ኣሎ ንዝበሎ ህዝቢ "ስቓዩ ዘናውሕ ቅሉዕ ኣዋጅ፡" ክብል ኰኒኑዎ።
"ጉዳይ ልኡላዊ መሬት ትግራይን ህልውና ህዝቢ ትግራይን ዘይሕለፍ ቀይሕ መስመር ምዃኑ፡" ዝገለጸ ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ "ህልቂትን ምብትታንን ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘቐጽሉ ተግባራትን ካብ ዝገብሮ ዘሎ ገዚፍ ወተሃደራዊ ምቅርራብን ከበባን ተቘጢቡ፡" ሕገመንግስታዊ ልኡላዊ መሬት ትግራይ ከኽብርን ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም ክመልስን ጸዊዑ።
ብተወሳኺ፡ "ኣብ ርክብ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ሓዱሽ ውጥጥ ክውላዕ ዝተፋሕሰ ሽርሒ እዩ፡" ከብል'ውን ተቓውሞኡ ገሊጹ'ሎ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ብ14 ግንቦት 2025 ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ መዝገብ ፖለቲካዊ ሰልፊታት እታ ሃገር ከም ዝሰረዞ ይፍለጥ።
እቲ ቦርድ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ካብ ዝገደሙ ውድባት ዝዀነ ህወሓት፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ብፍሉይ ከም ሰልፊ ብምምዝጋብ "ዝተዋህቦ ግቡእ" ኣይፈጸመን ብምባል ከም ዝሰረዞ ገሊጹ ነይሩ።
ህወሓት፡ ምጅማር ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ 'ኣብ ጐነጻዊ ምንቅስቓስ ተሳቲፉ' ብምባል ተሰሪዙ እኳ እንተ ነበረ፡ ድሕሪ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዝፈረሞ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ሕጋውነቱ ተመሊስሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
እቲ ምስ ህወሓት ተፋሓፊሖም ብዝወጽኡ ነበራት ኣባላትን ካልኦትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመስረተ 'ሚሊተሪ ካውንስል ትግራይ ሓይሊ ሰላም' ዝተባህለ ውድብ ብወገኑ፡ ነቲ ዝተዋህበ ውሳነ ብትሪ ከም ዝቃወሞ ገሊጹ'ሎ።
"መረጻ መሰል ዓርሰ-ውሳነን ዓርሰ-ምሕደራን ህዝቢ ዝረጋገጸሉ መስርሕ ደሞክራሲ እዩ፡" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝሃቦ ውሳነ "መሰል ዝጻረር ሓደገኛ፡" ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ዕላማኡ፡ ስርዓታዊ ሰላም ዘምጽእ ምቹእ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንኽፍጠር ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ውድብ፡ "ሕገመንግስትን ውዕል ፕሪቶርያን ብምጥሓስ፡ ሰላም ናይዛ ፈደረሽንን ዞባናን ናብ ፍጹም ሓደጋ ከም ዘውድቕ ተገንዚቡ፡" ቅልጡፍ መአረምታ ክግበረሉ ጸዊዑ።
"ከም ሓይሊ ኣብ ጉዳይ ልኡላዊ ግዝኣታዊ ሓድነትናን ዋንነት ርስተ መረበትናን ቀይሕ መስመርና ከም ዝዀነ ብምርዳእ ኣባልናን ደጋፊናን ንእንገብሮ ኵለመዳያዊ ብሄራዊ ቃልሲ ድጋፉ ከጠናኽር ከም ዘለዎ ድማ ክነገንዝብ ንፈቱ፡" ኢሉ።
ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ ቦርድ መረጻ፡ "ሕገመንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ካብ ሕግን ፍቓድ ህዝብናን ወጻኢ መንጢሉ ኣብ ትሕቲ ቤትምኽሪ ፈደረሽን ክኸውን፡" ከም ዝወሰነ ብምግላጽ፡ "ኵሉ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ተጋሩ ብፍጹማዊ ሓድነት ኣብ ብሄራዊ ረብሓኡ ብጽንዓት ሰሚሩ ደው ክብል፡" ጸዊዑ።
ካብ ውድባት ትግራይ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዝሓሸ ቅርበት ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ውድብ ደሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ፡ እቲ ዝተዋህበ ውሳነ፡ "ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ዘዳኽም፡ ናጽነት ትካላት ዝዕፍን፡ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብግልጺ ዝጥሕስ እዩ፡" ብምባል፡ ደጊሙ ክረአም ሓቲቱ።
እቲ ብኽልተኦም ክልላት ዘሎ ሕቶ ይግብኣኒ ሕጋዊ መፍትሒ ከይረኸበ፡ "ብመንግስቲ ፈደራል መረጻ ምክያድ" ዝብል ውሳነ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን፡ "ብሓይሊ ንምጕባጥ ዝግበር ፈተነ፡" ምዃኑ ገሊጹ። ውሳነ ቤትምኽሪ ፈደረሽን ድማ ንቦርድ መረጻ "ፖለቲካዊ መሳርሒ ክኸውንን ተኣማንነት እቲ መረጻ ኣብ ሕቶ ዘእቱን፡" ዘለዎ ስክፍታ ኣብቲ ዘውጽኦ ደብዳበ ሓቢሩ።
ውድብ ናጽነት ትግራይ፡ ሰላም ዘፍርስን ንዅነታት እቲ ዞባ ናብ ዘይተደለየ ወጥሪ፡ ዕንክሊልን ዳግማይ ኲናትን ዝወስድ ሓደገኛ ስጕምቲ፡" ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብህጹጽ ክእረም ሓቲቱ።
መንግስቲ ፈደራል፡ "ካብዚ ንህዝቢ ትግራይ ዘግልልን ንውዕል ሰላም ዝጥሕስን ተግባሩ ተቘጢቡ ግዝኣት ትግራይ ናብ ሰብ ዋንኡ ብዘይ ወዓል ሕደር ክምልስ፡" ጸዊዑ።
ዓረና ትግራይ ንደሞክራስን ልኡላውነትን፡ ሕገመንግስቲ ዝፈልጦምን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ሓሙሽተ ግዜ ሕጋዊ መረጻ ዝተኻየደሎምን ምዃኖም ጠቒሱ፡ ቦርድ መረጻ ዘውጽኦ ውሳነ ናይ ቤትምኽሪ ፈደረሽን ጥራሕ ዘይኰነ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሳነ ከም ዝዀነ ከም ዝኣምን ገሊጹ።
"ብመሰረት ዓንቀጽ 62 ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስልጣን ቤትምኽሪ ፈደረሽን ኣብ ኣተረጓጉማ ሕገመንግስን ክልላዊ ዶባትን ንዝፍጠር ዘይምርድዳዳእ ኣብ ምፍታሕ ዝተሓጽረ ጥራሕ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ፈደረሽን ካብ ገደብ ስልጣኑ ወጻኢ ኣብ ምምሕዳራዊ መዋቕር ክልላት ጣልቃ ብምእታው፡ ዘይሕገመንግስታዊ ውሳነ፡" ከም ዝወሰነ ኣብሪሁ።
እዚ "ሓደገኛ" ዝበሎ ውሳነ፡ ምስ መግለጺ ካልኦት ውድባት ብዝሳነ፡ "ብውዕል ፕሪቶርያ ዝተረኽበ ተዛማዲ ሰላምን ምርግጋእን ዘጥፍእን ናብ ከቢድ ግጭት ዘምርሕን ግሉሕ ውሳነ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም፡ ነቲ ካብ ሕዳር 2020 ክሳዕ ሕዳር 2022 ዝተኻየደ ኲናት ከብቅዕ ዝገበረ ኰይኑ፡ ምቍራጽ ተጻብኦ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ምምላስ መንግስታዊ ስልጣን፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ምብጻሕን ምቋም ግዝያዊ ምምሕዳርን ዝጠቓለለ ነጥብታት ዝሓዘ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ እቲ ውዕል መሊኡ ከም ዘይተተግበረን ጠንቁ ድማ መንግስቲ ፈደራል ኰነ ግዝያዊ ምምሕዳርን ህወሓትን ንሓድሕዶም ክወቓቐሱ ጸኒሖም ኣለዉ።
እዚ ውሳነ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ድማ ነቶም ድሮ ኣብ ወጥሪ ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ናብ ውግእ ከየምርሖም ስግኣት ኣሕዲሩ ይርከብ።
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ እታ ክልል ካብ ጥቅምቲ 2020 ኣትሒዛ ኣብ ቤትምኽሪ ፈደረሽን፡ ተወከልቲ ህዝቢ (ባይቶ) ከምኡ'ውን ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ውክልና ከም ዘይብላ ብምግላጽ፡ "ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘይብሉ ዝውሰድ ውሳነ፡ ንህዝብና ሕጋዊ ይዅን ሞራላዊ ቅቡልነት የብሉን፡" ኢሉ።
ቀጺሉ፡ እቲ ውሳነ ቤትምኽሪ ፈደረሽን ብስም መረጻን ረፈረንደምን ዝግበር ዘሎ "መጻወድያ" ምዃኑ ገሊጹ።
መንግስቲ ፈደራል ኣብ 2020 ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ሃገራዊ መረጻ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ትግራይ ግን ክልላዊ መረጻ ብምክያዳ፡ ቤትምኽሪ ፈደሽን ድማ ነቲ መረጻ ዘይሕገመንግስታዊ ምዃኑ ከም ዝኣወጀ ይፍለጥ።
መራሕቲ ትግራይ፡ መንግስቲ ፈደራል ገደብ ስልጣኑ ከም ዘብቅዐን ድሕሪ ደጊም ሕጋዊ ስልጣን ከም ዘይብሉ ተማጒቶም። ነዚ ስዒቡ ትግራይ ንወከልታ ካብ ቤትምኽሪ ይዅን ባይቶ ፈደረሽን ድሕሪ ምስሓባ ክሳዕ ሕጂ ውክልና የብላን።
ነዚ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝወጽአ ውሳነ ስዒቡ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ መንግስታዊ ክልል ኣምሓራ ዝወጽአ ሓበሬታ ዛጊት የሎን።
እንተዀነ፡ ተቓዋሚ ሰልፊ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ንውሳነ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ብሓጐስ ብምቕባል፡ ንውሳነ ቤትምኽሪ ፈደረሽን ከም ዝድግፍ ገሊጹ።

![ኣብ 2012 ዓ.ም ኣብ መወዳእታ [ጳጉሜን] ኣብ ትግራይ ካብ ዝተኻየደ መረፃ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/831a/live/3cf50530-10bd-11f1-b370-c5751d84f588.jpg.webp)






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



