ንህወሓትን ቦርድ መረጻን ዘካትዕ ዘሎ ዛዕባ እንታይ'ዩ?

ኣቦመንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ምክትሉ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄርን

ምንጪ ስእሊ, TPLF

መግለጺ ስእሊ, ኣቦመንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ምክትሉ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄርን

ኣብ ኢትዮጲያ፡ ብፍላይ ድሕሪ 2015 [ኣ.ኣ] ብቐንዱ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ድሕሪ ዝተጓሃሃረ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብገዛእ ፍቓዱ ስልጣኑ ከምዝለቐቐን፡ ኣቢይ ኣሕመድ ድማ ኣቦ መንበር እቲ ገዛኢ ውድብ ኰይኑ ከምዝተመዘዘ ዝዝከር እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ንኢህወደግ ካብ መሪሕነት ኣርባዕተ ውድባት ናብ ሓደ ውሁድ ውድብ ቀይሩ ሰልፊ ብልጽግና ምስ መስረተ፡ ሕመረት እቲ ግንባር ዝነበረ ውድብ ህወሓት ስሒቡ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ።

ሰልፊ ብልጽግና ብወገኑ ንማእከላይ መንግስቲ ተቘጻጺሩ፡ ምስቲ ንርእሱ ዘግለለ ህወሓት ዝነበሮ ዝምድና በብእዋኑ እናተበላሸወ ከይዱ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2012 [ግእዝ] ናብ ደማዊ ውግእ ኣምሪሑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ’ዩ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ተሰሪዙ ህላወኡ ከም ዘብቅዐ ዘፍለጠ።

እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ብውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ተዛዚሙ፣ እቲ ቦርድ ግን ነቲ ውድብ ዳግማይ ሕጋዊ ኣፍልጦ ኣይሃቦን።

ሕጋውነት ህወሓት ስለምንታይ ተሰሪዙ?

ምክትል ኣቦመንበር ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣቶ ዉብሸት ኣየለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ቦርድ ነቲ ጉዳይ መርሚሩ፡ ህወሓት ኣብ ናይ ሓይሊ ጐንጺ ከምዝተዋፈረ ዘርኢ መርትዖታት ከምዝረኣየ ሓቢሩ።

ጉዳይ ህወሓት ብቦርድ ክረአ ምስ ጀመረ፡ ነቲ ምስ ቦርድ ርክብ ዝነበሮ ውልቀ ሰብ "ብመሰረት ሕጊ ክስማዕ መሰል ስለዝነበሮ" ብስም እቲ ውድብ ከምዝሓበሮ እውን ይዝክር።

"ኣብቲ እዋን'ቲ ነቲ ጉዳይ ክንርእዮ ከለና፤ ነዚ ጉዳይ መልሲ ክህቡ ሓቲትናዮም።" እቲ ወኪል፡ 'ድሕሪ ሕጂ ከም ቀደሙ ነቲ ውድብ ክውክል ኣብ ዝኽእለሉ ኵነታት ስለዘይኰንኩ መጺአ ከረድእ ኣይክእልን'የ' ኢሉ”፡ ይብል።

ብድሕሪ እዚ፡ ብመሰረት ዝቐረቡ መርትዖታት፡ እቲ ውድብ ብሓይሊ ኣብ ዝተመርኮሰ ጐነጻዊ ተግባራት ከምዝተሳተፈ ኣረጋጊጹ፤ እቲ ቦርድ ድማ ከምቲ ኣብቲ ኣዋጅ ብንጹር ዝተገልጸ ናይ ምስራዝ ውሳነ ክወስድ የገድዶ። ነዚ መሰረት ብምግባር እቲ ውድብ ተሰሪዙ" ይብል ኣቶ ውብሸት።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ብ28 ታሕሳስ/2013 ዓ.ም. እንተወሰነ’ኳ፡ እቲ ውሳነ ብዕለት 10 ጥሪ/2013 ዓ.ም እዩ ዕላዊ ገይርዎ።

ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ሰልፊ ክስረዝ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሰበስልጣን እቲ ውድብ ዝዀነ ይዅን ፖለቲካዊ ንጥፈታት ከይፍጽሙ እውን ተወሲኑ። "ከምኡ'ውን ዕዳ እንተሃልዩ፡ እቲ ንብረት ነቲ ዕዳ ንምሽፋን ክውዕል ኣለዎ፣ እቲ ዝተረፈ ገንዘብ ወይ ትርፊ ንብረት ንትምህርቲ ሲቪክስን መረጽትን ክውዕል ኣለዎ" ክብል ወሲኑ።

እቲ ሕቶ ንምንታይ ተነጺጉ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ኣብ መንጐ መንግስትን ህወሓትን ብሰለማዊ መገዲ ምስ ተዛዘመ፡ በቲ ውድብ ዝዕብለል ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ተመስሪቱ ስራሕ ጀሚሩ'ሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን ኲናት ብ‘ግብረሽበራዊነት’ ተጠርጢሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም ዝነበሩ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ጕጅለ ተፈቲሖም፣ እቲ ውድብ ምስ መንግስቲ ፈደራል ብቐረባ ይሰርሕ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ እዩ፡ ህወሓት እቲ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነቱ መሊሱ ክረክብን፡ ዝተሃገረ ንብረቱ ክምለሰሉን ሕቶ ዘቐርበ። ቦርድ መረጻ ግን ነቲ ሕቶ ነጺግዎ ኣሎ።

ኣቶ ዉብሸት ነዚ ውሳነ ዝቐረበ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ፡ “ሓደ ውድብ ዕጫ ምስራዝ ኣብ ዝገጥሞ እዋን ህላወኡ ንምምላስ ዝሕግዝ ቅድመ ኵነት ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ኣብ ኣዋጅ እቲ ቦርድ ስለዘይተገልጸ እዩ” ይብል ።

“ንዝተሰረዘ ውድብ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝድግፍ ሕጊ ኣብ ዘይብሉ እዋን፡ ቦርድ ክህቦ ኣይክእልን፤ እንተተፈቒዱ ድማ እቲ ቦርድ ካብ ተሓታትነት ናጻ ኣይከውንን እዩ። ስለዚ እቲ ጉዳይ ብኻልእ ዝረኣየሉ መንገዲ የለን" ኢሉ።

ስለዝዀነ ካብ ሕጊን መምርሒን ወጻኢ ሕቶ ምውሳን ዘይኰነስ፡ ሓላፍነቱ ክፍጽም ከምዝተገደደ ገሊጹ።

ብዛዕባ ውሳነ ቦርድ መረጻ ሕቶ ዘልዕል፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ፡ መምህር ሕጊን ተመራማሪ ሕገ መንግስትን ኣቶ ገብረመስቀል ሃይሉ፡ "ህወሓት ኣብ ዘይሕጋዊ ስርሓት ስለዝተሳተፈ ሕጋውነቱ ክምንጠል ኣለዎ ዝብል ጥራይ እዩ እቲ ቦርድ ተርጒሙ" ይብል።

ይዅን እምበር "እቲ ሕጊ ቃል ብቓሉ ክትርጐም የብሉን፣ ዝተወሰነ ዕላማ ንምዕዋት ብዘኽእሎ መንገዲ፡ እቲ ዝቐርብ ሕቶ ክርአን ክካታዕን ኣለዎ፣ መልሲ ድማ ክወሃብ ኣለዎ፡" ይብል ኣቶ ገብረመስቀል።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ብህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ዝተገብረ ምዃኑ'ውን ኣመልኪቱ፡ "እዚ ማለት ህወሓት ዝበሃል ኣካል ኣሎ ማለት'ዩ።"

ስለዚ "ድሕሪ ዘተን ስምምዕን፡ ንህወሓት ኣፍልጦ ኣይወሃቦን ዝብል ውሳነ ቅኑዕ ኣይኰነን" ይብል እቲ ምሁር ሕጊ።

መጻኢ ህወሓትከ እንታይ ክኸውን እዩ?

ህወሓት ሕጋዊ ኣፍልጦ ንምርካብ ዘቕረቦ ሕቶ ኣወንታዊ መልሲ ንኽህብ፡ ‘ሕጋዊ መሰረት ስለዘየለ፤ ሓድሽ ምዝገባ ክሓትት ቦርድ መረጻ ወሲኑ ኣሎ።

ይዅን እምበር ህወሓት ይዅን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ነቲ ቦርድ ዝሃቦ ምላሽ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም፣ ህልው ኵነታት ኣብ ግምት ከምዘየእተወ ኣመልኪቶም።

ከም ውጽኢቱ ድማ ሕጋውነት እቲ ውድብ ኣብ ድንግርግር ይርከብ። እቲ ዝዓበየ ሕቶ “መጻኢ ህወሓት እንታይ ክኸውን እዩ?” ዝብል ኣሎ።

ብመሰረት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝትክእ ቀዋሚ ምምሕዳር ንምቛምን፡ ወከልቲ እቲ ክልል ኣብ መንግስቲ ፈደራል ንምርካብን፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት መረጻ ክካየድ እዩ።

ብመሰረት እቲ ኣዋጅን ደንብን ቦርድ መረጻ፡ ህወሓት ሕቶ ዳግም ምዝገባ ኣቕሪቡ፡ ሕጋዊ ስብእና ረኺቡ ክንቀሳቐስ ከምዝኽእል እቲ ወሳነ የመልክት።

“ዳግማይ ክምዝገብ ይኽእል እዩ። እንተዀነ፡ ገንዘብን ውርሻን ኣስኢንካ፡ ከም ካልኦት ሓደስቲ ውዳበታት ጽልዋ ዘይፈጥር ንኡስ ውዳበ ክኸውን ዝተደለየ ይመስለኒ" ይብል ኣቶ ገብረመስቀል።

ብወገን ትግራይ ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ዓይነት ምላሽ ከም ዝህልዎ ክርአ እዩ ክብሉ ኣቶ ገብረመስቀል ገሊጹ።

ከምቲ ዝተባህለ፡ ህወሓት ከም ብሓድሽ ክምዝገብ እንተደልዩ ብተመሳሳሊ ስም ክመጽእ ይኽእል ዶ? ዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ ኣቶ ውብሸት "ንሱ እቲ ሕቶ ምስ መጸ ክንርእዮ ኢና" ብምባል ሓጺር መልሲ ሂቡ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ?

ውዕል ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጐ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን ዝነበረ ግጭት ደው ኣቢሉ ንነባሪ ሰላም መንገዲ ዝጸረገ እዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ ተመዝጊቡ ዝነበረ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ካብቲ ብይን ተኣልዩ ኣሎ።

"ድሕሪ እዚ ዅሉ ሓድሽ ሓቅታት [ስምምዕ ሰላምን ምስሓብ ካብ መዝገብ ግብረሽበራን] ‘ኣይፈልጠካን እየ’፤ 'ሕጋዊ ኣይኰንካን' ምባል ብዓይኒ እዚ ሓቅታት ቅቡል ኣይኰነን" ይብል ኣቶ ገብረመስቀል።

ሃገራዊ ዕርቂ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ኣሉታዊ ክኸውን፡ ስምምዕ ሰላም ከዕኑን ሓደገኛ ኵነታት ከስዕብን ከምዝኽእል ሓቢሩ።

"ምናልባት ኣብ ልዕሊ እቲ ስምምዕ ሰላም ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ግዝያዊ መንግስቲ ከምዘይተመስረተ እዩ ዝቝጸር። ‘እቲ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስ መን ደኣ ቈይሙ?’ ዝብል ሕቶ እውን የልዕል።"

ቢቢሲ ንኣቶ ዉብሸት፡ ብዛዕባ ጽልዋ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ውሳነ ቦርድ መረጻ ሓቲትዎ።

እቲ ቦርድ ካብቲ ዝተመስረተሉ ወጻኢ ንውድባት ዝምልከት ኣዋጅ’ውን ከምዘሎ ጠቒሱ።

እቲ ቦርድ፡ ነዞም ሕጊታት መሰረት ብምግባር ዝወጽእ መምርሒ ጥራይ ከምዘመሓድር ብምግላጽ፡ ሓደ ውድብ ክቕጽል ኣለዎ ድዩ ኣይግባእን ዝብል ጉዳይ ብሕጊ ዝውሰን ምዃኑ ገሊጹ።

"ካብዚ ወጻኢ ዝግበር፡ ንዓና ዘገድሰና ነገር ኣይኰነን" ይብል ኣቶ ዉብሸት።

ህወሓትከ እንታይ ኢሉ?

ህወሓት ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ቦርድ ዝወሰኖ ውሳነ ተቐባልነት የብሉን ክብል ነጺግዎ።

እቲ ቦርድ መረጻ ዝወሰዶ ውሳነ ብሕጊ ይዅን ብፖለቲካ ቅቡል ከምዘይኰነ ብምግላጽ፡ "ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ተስፋ ሰላም ዝድግፍ፡ ቀንዲ ወናኒ ስምምዕ ሰላም ዝዀነ ውድብ ህወሓት ንኸይህሉ እዩ ወሲኑ" ኢሉ።

እቲ ውሳነ፡ "ንመስርሕ ሰላም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ" ዝበለ ህወሓት፡ ነቲ ውሳነ ከምዘይቅበሎን ምስ ዝምልከቶም ወገናት ከም ዝዘራረበሉን ገሊጹ።

ቦርድ መረጻ "ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያን ውሳነታት ካልኦት ትካላት ፈደራልን ተመርኲሱ ውሳነኡ ዳግማይ ክርእዮን" ነቲ ሕቶ ክቕበልን ሓቲቱ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ፈደራል፡ "ሕጋዊን ፖለቲካዊን ኣማራጺታት" ተጠቒሙ እቲ ውድብ ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ኵነታት ሕጋውነቱ ክምለስ ክሰርሕ ጸዊዑ።