ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ንህወሓት ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ሰሪዙ

ምንጪ ስእሊ, TPLF
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ 13 መጋቢት 2015 [ግእዝ] ኣብ ልዕሊ እቲ ንኽልተ ዓመት ኣንጻር መንግስቲ ደማዊ ኲናት ዘካየደ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ብያን 'ግብረሽበራዊ' ኣልዒሉ።
እቲ ቤት ምኽሪ፡ 280 ኣባላቱ ኣብ ዝተረኽቡሉ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ፡ ህወሓት ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ክስረዝ ዝብል ውሳነ ብዓብላሊ ድምጺ ከጽድቘ እንከሎ፡ 61 ተቓውሞን ሓሙሽተ ድምጸ ተዓቅቦን ተመዝጊቡ።
ሚኒስተር ፍትሒ ጊድዮን ጢሞቴዎስ፡ ኣብቲ ኣኼባ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ውሳነ ምስራዝ ህወሓት ካብ መዝገብ ግብረሽበራ፡ ኣብ ትግራይ ንዝምስረት ግዚያዊ ምምሕዳር ሓጋዚ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ህወሓት፡ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኢትዮጵያ ጕሉሕ ቦታ ዝጸንሖ ሓደ ካብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ውድባት እታ ሃገር ኰይኑ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብ28 ሚያዝያ 2013 [ግእዝ] እዩ ኣብ መዝገብ ግብረሽበራ ክሰፍር ተወሲኑ።
እዚ ስጕምቲ ምስራዝ ካብ መዘገብ ግብረሽብራ፡ ብመሰረት እቲ ክልቲኦም ወገናት ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፕሪቶርያ ዝፈረምዎ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝተደረኸ እዩ።
ድሕሪ'ቲ ስምምዕ፡ መሰረታዊ መንግስታዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ክምለስ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ክልል ትግራይ ክበጽሕን ሓይልታት ትግራይን ኣጽዋር ፈቲሖም ዳግመ ውህደት ክገብሩ ጀሚሮም ኣለዉ።
ኣስታት ክልተ ሚልዮን ዝዀኑ ተመዛበልቲ ግን ዛጊት ኣብ ዓጸቦን ጸገምን ከምዝርከቡ ይገልጹ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ሃገር፡ ዘላቒ ሰላም ንምፍጣር እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ተሓታትነት ኣብ ምርግጋጽ ስጕምቲ ክወስዱን ተሓተትቲ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ከቕርቡን ይጽውዕ ኣሎ።
ኣብ እዋን ኲናት፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ወተሃደራዊ ምሕዝነት ከምዘካየደ ዝገለጸ ዕጡቕ ጕጅለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝርዝር ግብረሽበራውያን ይርከብ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተወልዐ ኲናት፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኣብ ደማዊ ኲናት ተጸሚዶም ከምዝነበሩን፡ እቲ ኲናት ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ብስምምዕ ሰላም ከምዝተዛዘመ ዝዝከር እዩ።
ፈደራል መንግስትን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ብ23 ጥቅምቲ 2015 [ግእዝ] ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ደማዊ ኲናት ደው ንምባል ተሰማሚዖም እዮም።
ብመሰረት እቲ ዝፈረምዎ ስምምዕ ድማ ኣብ ትግራይ ቀዋሚ ተዅሲ ደው ምባልን ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ትግራይ ክምለስን ተሰማሚዖም።
ገለ ብዛዕባ ህወሓት
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ድሕሪ ውድቀት ዘውዳዊ ንጉስን ምልዓል ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግን ብ11 ለካቲት 1967 [ግእዝ] ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣዊጁ።
ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህወሓት ንልዕሊ 45 ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ልዑል ግደ ዝተጻወተ ማገብት (ማህበረ ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ) ዝተባህለ ጕጅለ ብተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተመስረተ እዩ።
እቲ ጕጅለ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ፈሊኻ 'ነጻ ሪፓብሊክ' ክትምስርት ዝብል ሕቶ ተላዒሉ'ኳ እንተነበረ፡ እዚ ሓሳብ ግን ልዕሊ ሓደ ዓመት ከምዘይጸንሐ እቶም መስረትቲ ይገልጹ።
ኣብ 1968 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ፈላማይ ዋዕላ፡ እቲ ትካል 'ናጻ ትግራይ' ዝብል ኣጀንዳ ብመብዛሕትኦም ኣባላት ተቐባልነት ስለዘይረኸበ ተነጺጉ።
ብድሕሪኡ ዕላማ እቲ ውዳበ ብደርባዊ ቃልሲ ንውጹዕ ህዝቢ ምቅላስ ምዃኑ ብምግላጽ ምስ ካልኦት ሓይልታት ኰይኑ ናብ ስልጣን መጺኡ።
ኣብቲ ናይ 17 ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ህወሓት ነበይኑ ምስ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዝቃለስ ኣይነበረን።
ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ እቲ ጕጅለ ምስቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ፖለቲካዊ ፍልልያት መሰረት ብምግባር ንደርግ ምስ ዝቃወሙ ዝነበሩ ጕጅለታት፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ጀብሃ - ኣብ ኤርትራ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ኢዲዩ፡ ኢህኣፓን ካልኦት ጕጅለታትን ኣብ ግጭት ነይሩ።
እንተዀነ ኲናት ምስ ደርግ እናሰፍሐን ካብ ትግራይ ናብ ካልእ ክፋላት ‘ታ ሃገር ምስተሰጋገረን፡ ህወሓት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ንህዝቢ ክውክላ ዝግበአን ዓበይቲ ውዳበታት ብምቛምን ልዑል ግደ ተጻዊቱ።
ድሕሪ’ዚ፡ ምስ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢታት ኢትዮጵያ [ኢህደን]፡ ዲሞክራስያዊ ውድብ ህዝቢ ኦሮሞን [ኦህዴድ] ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ደቡብ ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ኢህወደግ ዝተባህለ ግንባር ኣቚሙ።
ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ኢህወደግ ንደርግ ካብ ስልጣኑ ምስ ኣውረደ መሰጋገሪ መንግስቲ መስሪቱ ኣብ 1987 ሓድሽ ቅዋም ኣጽዲቝ፤ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸኒሑ።
ብሰንኪ ህዝባዊ ተቓውሞታት፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ግንባር ለውጢ ምስ ኣጋጠመ፡ ኣብ መንጐ ህወሓትን ዝተረፉ ኣባላት እቲ ግንባርን ርኡይ ምምቕቓል ተፈጢሩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ጥምረት ኣርባዕተ ሃገራውያን ውዳበታት ዝነበረ ኢህወደግ፡ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝተመስረተ ሰልፊ ብልጽግና ምስ ተተክአ፡ ህወሓት ናብቲ ሓድሽ ጕጅለ ከይጽንበር ወሲኑ።
ነዚ ምትፍናን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ሃገራዊ መረጻ ምስተሰረዘ፡ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ክልላዊ መረጻ ኣጋዲድዎ፤ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ኣብ ሕዳር 2013 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ንኢትዮጵያ ን27 ዓመታት ዝመርሐ ህወሓት፡ ብ28 ሚያዝያ 2013 ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ግብረሽበራዊ ጕጅለ ተባሂሉ ተበይኑ።
10 ጥሪ 2013 ድማ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሕጋውነት ወድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ከምዝተሰረዘ ኣፍሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







