ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካበይ ናበይ?

ምንጪ ስእሊ, Tplf
ብ11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ኣብ በረኻ ደደቢት ዝተመስረተ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ህወሓት] ኣንጻር ስርዓት ደርጊ ብረታዊ ቃልሲ ዘካየደ ገድሊ እዩ። ን28 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን ናይታ ሃገር ልኣላዊነትን ውሽጣዊ ፖሊሲን ኣብ ምውሳን ዓብዪ እጃም ነይርዎ።
እንተኾነ፡ እቲ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ንልዕሊ 2 ዓመታት ዝጸንሓ ምስሕሓብ ናብ ቅሉዕ ኲናት ምስ ዓለበ፡ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ህወሓት 'ገበን ስለዝፈጸመ' ብዝብል ከም ውድብ ንሕጋዊ ኣፍልጥኡ ከምዝሰረዞ ሓቢሩ።
ካብ ቃልሲ ናብ ቃልሲ ዘምረሓ ውድብ ህወሓት - ጉዕዝኡ እንታይ ከምዝመስል ብኸምዚ ዝስዕብ ተዳህሲሱ ኣሎ። እቲ ኣብዚ ጽሑፍ ተጠቒሱ ዘሎ ዓመተ ምሕረት ኩሉ ብኣቋጻጽራ ኢትዮጵያ'ዩ።

ማገብት፡ ጥጅእ ህወሓት
ዕጥቃዊ ቃልሲ ህወሓት ንክምስረት ኣሰር ዝኾኖ፡ ተምሃሮ ተጋሩ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዘጣየስዎ ማሕበረ ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ [ማገብት] ዝበሃል ዘይስሩዕ ውዳበ ነይሩ።
ማገብት፡ ብ1966 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ብተምሃሮ ዝተወለዐ ዓመፅ ተጠቒሙ ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጉጅለ ደርጊ፡ ነጺግዎ።
ማገብት ብ8 መናእሰይ ብሕቡእ እዩ ተመስሪቱ።
1.በሪሁ በርሀ [ኣረጋዊ] 2.ፋንታሁን ዘርኣጽዮን [ግደይ] 3.ሙሉጌታ ሓጐስ 4.እምባዬ መስፍን [ስዩም መስፍን] 5.ኣመሃ ፀሃየ [ኣባይ ፈሃየ] 6.ዕቑባዝጊ በየነ 7. ኣለምሰገድ መንገሻ 8. ዘርኡ ገሰሰ [ኣግኣዚ] እዮም።
እቲ ማሕበር፡ ህዝቢ ትግራይ ንዘመናት ዝበጽሖ ዝነበረ ብሄራዊ ወጽዓ ምሒዉ ንምድርባይ ብረታዊ ቃልሲ ከካይድ ድልው ምዃኑን ፖለቲካዊ መሪሕ ከምዘድልዮን ወሲኑ።
ስለዝኾነ ድማ፡ ኣመራርሓ ማገብት ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምውላዕ ዘኽእሎም ምስንዳኣት ብምውጋን፡ ናይ ዕዮ ምክፍፋል ገይሮም ነይሮም።
ዝተወሰኑ ምስ ጀብሃን ህዝባዊ ግንባርን ርክብ ንምፍጣር ናብ ኤርትራ ከይዶም። ገሊኦም ድማ ኣብ ከተማታት ዝርከብ ህዝቢ ናብ ምውዳብ ወፈሩ። ዓሰርተ ሓደ መናእሰይ ከኣ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምብሳር ኣብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ዝርከብ በረኻታት ናብ ደደቢት ወጽኡ።
ዕላማ ቃልሲ ህወሓት
ኣብ ፈለማ እቲ ቃልሲ፡ ንትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ምንጻል ዝብል ሕቶ 'ሪፐብሊክ' ተላዒሉ'ኳ እንተነበረ፡ እዚ ኣጀንዳ ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ከምዘይቀጸለ ነባራት መስረትቲ እቲ ውድብ ይዛረቡ።
ኣብ 1968 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ እቲ ዛዕባ 'ሓራ ትግራይ' ምምስራት ብኣብዝሓ ኣባላት ተነጺጉ፡ ካብ ኣጀንዳ'ውን ተኣልዩ። ስለዚ፡ ዓላማ እቲ ውድብ፡ ደርባዊ ቃልሲ ብምክያድ ውፁዓት ህዝብታት ሓራ ንምውፃእ ዝግበር ቃልሲ ምዃኑ ተሰማምዑ።
እንተኾነ፡ ንህወሓት ዝቃወሙ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ንምንጻል ዝተጣየሰ ውድብ ገይሮም ይስእልዎ።

ምንጪ ስእሊ, TPLF MUSEUM
ክሳብ እዛ ዕለት፡ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ሕጋዊ ሰውነቱ ክሳብ ዝስረዝ፡ ህወሓት 'ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት' ይቃለስ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ህወሓት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ'ቲ 'ክልላዊ መንግስቲ' ክብል ዝህቦ ዝነበረ መግለጺ፡ ንፈለማ እዋን፡ 'ካብ መንግስቲ ትግራይ' ዝብል ዘይተለመደ መግለጺ ብምውጽኡ ኣዘራራቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ቐንዩ ኣሎ።
እቲ ውድብ፡ መጻኢት ትግራይ ከመይ ክትከውን ከምዘለዋ ግን ዛጊድ ዝሃቦ ዕላዊ ነገር የለን።
ጽንሰ ሓሳባትን ውሽጣዊ ጉዳያትን
ኣብ 1968 ዓ.ም ህወሓት ንመጀመርታ ግዜ "ሕንፍሽፍሽ" እናተባህለ ዝዝከር ኣብ ውሽጡ ፖለቲካዊ ፍልልይ ኣጋጢሙዎ። እቲ ናይ ሓሳብ ምፍልላይ ብኣግባብ ስለዘይተኣልየ፡ ጸረ-ዲሞክራሲ ከምዝነበረ ክሳብ ሕጂ ዝዝክሩዎ ነባራት ተጋደልቲ ኣለው።
ኣብቲ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ 1977 ዓ.ም ዝተፈጥረ ኣፈላለይ ከኣ፡ ነባራት መራሕቲ፡ ተጋደልቲ ኣረጋዊ በርሀን[ሕዚ ዶክተር] ጊደይ ዘርኣጽዮንን ካብቲ ውድብ ንክሰናበቱ ምኽንያት ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ዝተገብረ ገምጋምን ምትእትታው ሓድሽ ወተሃደራዊ ሳይንስን፡ ብዙሓት ዝንእዱዎ እኳ እንተለው፡ እቲ ሽዑ ዝተኣወጀ ክንፊ ፖለቲካ ማሌሊት፡ ንውሽጣዊ ባህሪ'ቲ ውድብ ንሓዋሩ ከምዝቐየሮ፡ ነባር ተጋዳላይ ገብሩ ኣስራት ኣብታ "ሉኣላዊነትና ዲሞክራሲ በኢትዮጵያ" ዘርእስታ መጽሓፉ ኣስፊሪዎ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, TPLF MUSEUM
እቲ ብተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ዝምራሕ ዝነበረ ማሌሊት (ማርክስ ሌኒን ሊግ ትግራይ)፡ ቀስ ብቐስ ናይቲ ውድብ ቀንዲ ሕመረት ኣመራርሓ ተቖጻጺሩ ምእኩል መሪሕነት ከምዝፈጠረ ይዝረብ።
ድሕሪ ዓወት ኣብ 1983 ዓ.ም፡ እቲ ኮሚኒስታዊ ባህሪ እቲ ውድብ እናሃሰሰ ዝመጽአ ይምሰል 'ምበር፡ ውሽጣዊ ባህሪን ኣወዳድባን እቲ ውድብን ከምዘይተቐየረን፡ 'ወያናይ ዲሞክራሲ' ብዝብል መርሓ ክሳብ መወዳእታ ምቕጻሉን ይዝረብ።
ኣብ ኣጋ መወዳእታ ከኣ እቲ ስርዓት፡ 'ኣውራ ፓርቲ' ዝብል ካልእ ጉልባብ ተዋሂብዎ ነይሩ።
ህወሓት፡ ንሰውራታት (ወያነታት) ሩስያን ቻይናን ዝንእድ እኳ እንተነበረ፡ ከም መርሐ ግን ንቃልሲ ኣልባንያ እዩ ዝኽተል ነይሩ።
እንተኾነ፡ እቲ ውድብ ኣብ ኣጋ ምውዳእ ዝሑል ኲናት ስልጣን ስለ ሓዘ፡ ነጻ ዕዳጋ ክእውጅ ተገዲዱ ነይሩ።
ኣብ 1993 ህወሓት፡ ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነቱ ካልእ ፖለቲካዊ ፍልልይ ኣጋጢሙዎ።
ከም በዓል ኣይተ ስየ ኣብርሃን ገብሩ ኣስራትን ዝኣመሰሉ ገዳይም ነባራት ዓበይቲ መራሕቲ ካብቲ ውድብ ተገሊፎም።
ካብኡ፡ ብኣቶ መለስ ዜናዊ ዝምራሕ ጉጅለ ውድባውን መንግስታውን ስልጣን ብሒቱ።
ብፍላይ፡ ድሕሪ 1997 ዓ.ም ዝተኣወጀ መርሓ 'ልምዓታዊ መንግስቲ'፡ እቲ 'ነጻ ዕዳጋ' ዝብል ጽንሰ ሓሳብ እናሃሰሰ መጺኡ፤ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጽልውኡ ናብ ቻይና ዘዘምበለ ኮይኑ ቀጺሉ።
በቲ ምዕባለታት፡ መንግስታት ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ከምዘይተሓጎሱ ይዝረብ።

ዘይተሳነዩ፡ ዕብየትን ናጽነትን
እዚ ምስ ምብራቕ ኤስያ ዝተኣሳሰር ስርዓተ-መንግስቲ፡ ኣብ ከም ቻይና፣ ታይዋንን ጃፓንን ዝኣመሰላ ሃገራት ዓብዪ ቁጠባውን ፖለቲካውን ዝላ እኳ እንተምጽአ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይክሰርሕን ኢሎም ዝሞጎቱ ነይሮም።
ርግጽ፡ እቲ መርሓ ንቑጠባዊ ዕብየት እታ ሃገር ዳርጋ ካብ ዜሮ ተበጊሱ ሓፍ ኣቢሉዎ። ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ልዑል ቖላሕታ ሂቡ ከምዝሰርሐ ዓለማዊ ማእኸላት ገንዘብ መስኪሮሙሉ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዓለም ካብተን ኣብ ፈጣን ዕቤት ዝነበራ፡ በዓል ክልተ ኣሃዝ ዕቤት ዘምጽኣ 5 ሃገራት ሓንቲ ነይራ።
እቲ ህወሓት ዝዕብልሎ መንግስቲ ንግድብ ህዳሰ ግድብ ሓዊሱ፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ግድባትን ፕሮጀክታት ልምዓትን ተጀማሚሩ። እንተኾነ፡ እቲ ስርዓት ንዲሞክራሲ ዝጎተተን ንናጽነት ህዝብታት ኣብ ግምት ዘየእቱን ተባሂሉ ይንቀፍ።
ንኣብነት ሓደ ካብቶም፡ ንውድብ ህወሓት ካብ ኣበቛቑላኣ ዝፈልጣ፡ ፕሮፌሰር ኣሌክስ ድወል፡ ቅድሚ 5 ዓመታት ምስ ሪፖርተር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሓትት፡ እቲ ቐጻሊ ገምጋም ብምክያዱ ዝፍለጥ ዝነበረ ህወሓት 'ልምዓታዊ መንግስቲ'፡ ብኢደ ወነን ሓደ መራሒ [መለስ ዜናዊ] ዝተኣወጀ ምዃኑ ብምንቃፍ፡ እቲ ስርዓት፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ንዘምጸኦ ለውጢ 'ሒዝዎ ራዕ ከይብል' ስግኣቱ ገሊጹ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, TPLF MUSEUM
እዝን ካልእ ፖለቲካዊ ፍልልያትን ብዘስዓቦ ከኣ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ምግምማዕን ምብስባስ ስርዓትን ከምዝፈጠረ ገይሮም ዝርእዩዎ ኣለው።
ኣብቲ ህወሓት ዝዕብልሎ ስርዓት ኢህወዴግ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ይገሃስ ምንባሩ፡ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክነቕፉዎ ጸኒሖም እዮም።
ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ፡ ልዑል ኣበርክቶ ዝነበሮ፡ ስርዓተ ፈደራሊዝም ዘቐድም ህወሓት፤ ድሕሪ ዓወት፡ ብፍላይ ንጸጥታዊ መሓውራት እታ ሃገር ብሒትዎ ተባሂሉ ድማ ክሕመ ጸኒሑ።
ህወሓት፡ ጎንጺ ብኸመይ ይፈትሕ?
ህወሓት ኣብቲ ን17 ዓመታት ኣብ በረኻ ዘካየዶ ቃልሲ ምስ ስርዓት ደርጊ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምስ ኢድዩ፣ጀብሃ፣ ኢህኣፓን ካልኦት ውድባት'ውን ውግእ ኣካይዱ። ንኹሉ ፖለቲካዊ ፍልልይ ከኣ ብሓይሊ እዩ ኣልዩዎ።
ንውድብ ሓርነት ትግራይ፡ ድማ ብተንኮል ንገለ መራሕቱ ቀንጺሉ፡ ንተጋደልቱ ኣሰሮም ኣጥፊኡዎም ተባሂሉ ይንቀፍ።
ደሓር ድማ፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ምስ ብኣዴን [ኣምሓራ] ፣ ኦህዴድን [ኦሮሞ] ደኢህዴንን [ደቡብን] ተጣሚሩ ኢህወዴግ ዝበሃል ግንባር መስሪቱ።
ምስቶም ካልኦት ውድባት ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘመናት ዝጸንሐ ኣሃዱኣዊ ስርዓት ኣፍሪሱ፡ ኣብ 1987 ዓ.ም ፌዴራላዊ ሕገ መንግስቲ መስሪቱ።
ኣብ ክሊ እዚ መሰል ዓረሰ/ርእሰ ምምሕዳር ብሄር ብሄረ ሰባት፣ መሰል ማዕርነት ሃይማኖትን ጾታን ክኽበር'ውን ሰሪሑ።
ኣብ ዘበነ ሃይለስላሰን ደርግን መሰል ዘይነበሮም ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ፡ ቋንቆኦምን ባህሎምን ከዕብዩ ገይሩ ተባሂሉ ይነኣድ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ እቲ ስርዓት "ንሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ኣእቲይዎ" ኢሎም እውን ይነቕፉዎ እዮም።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 2018 ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣቦ መንበር እቲ ግንባር ኮይኑ ካብ ዝምረጽ ንደሓር ግን ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ዝጸንሓ ኣፈላላይ ገፊሑን ጎሊሑን።
መንግስቲ ኢህወደግ፡ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ፡ ዓበይቲ ኩባንያታት ልምዓት መንግስቲ፡ ናብ ብሕታዊ ዋንነት ክሰጋገሩ ምስ ወሰነ፡ ህወሓት ዕቃበ ነይሩዎ። ኣብ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራን ብዝምልከት እውን ዝተፈልየ ርእይቶ ነይሩዎ።
ኣብ መወዳእታ እቶም ብልፍንቲ ኣብ መንግስቲ ኢህወደግ ዝነበሩ ሰለስተ ውድባት፡ ክምርሕሉ ንዝጸንሑ መርሓ 'ወያናይ ዲሞክራሲ' ገዲፎም ሰልፊ ብልጽግና ክምስርቱ እንከለው፡ ህወሓት ግን ነቲ መስርሕ 'ዘይሕጋዊ' እዩ ብምባል ንዓርሱ ኣግሊሉ።
ብልጽግና ስርዓት ፌዴራሊዝም ብምድኻም ኣሃዱኣዊ ስርዓት ክፈጥር'ዩ ተባሂሉ እዩ ዝንቀፍ። ንሱ ግን፡ ከመሓይሾ 'ምበር ከፍርሶ ዓላማ ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ።
እቲ ምስ ህወሓት ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ፍልልይ ፈኸም እናበለ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ምስ ጸንሐ፡ ብ04 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ዓሪጉ።
ነዚ ናይ ሕጂ ኵናት ጎንጺ ክልሰ ሓሳባት እዩ ዝብልዎ ኣለው። ሓደ ካብኦም ከኣ ቀረባ እዋን ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዘካየደ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬል ዓባይ ብሪጣንያ መመህር ሕጊ፡ ዶክተር ኣዎል ኣሎ እዩ። ንሱ ንህወሓት ከም ናይ መወዳእታ ዕርዲ ስርዓት ፌዴራሊዝም ገይሩ ይወስዶ።

ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ብኸመይ ይረአ
ህወሓት ብመዛሕተኦም ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ብኽልተ ነጥብታት ይንቀፍ። ቀዳማይ ንናጽነት ኤርትራ ብምድጋፉን፡ ንኢትዮጵያ ባሕሪ ኣልቦ ሃገር ብምግባሩን።
ኤርትራ፡ ግን ን30 ዓመታት ተቓሊሳ ብብረትን ድምጽን ተዓዊታ፡ ህዝባዊ ረፈረንዱም ኣካይዳ እያ ናጽነታ ተጎናጺፋ።
ብኻልኣይ ደረጃ ከኣ፡ ንኢትዮጵያ ዝበታትን 'ዓሌታዊ' ስርዓት ( ፈደራሊዝም) ኣተኣታትዩ ተባሂሉ እውን ይንቀፍ።
ንህወሓት ኣምሪሮም ዝነቕፉ፡ 'ኣሃዳዊ ስርዓት' ዝኽተሉ ተባሂሉ ካብ ዝእመነሎም ሓደ፡ ኣብ 1997 ዓ/ም፡ ቅንጅት ንዲሞክራስን ንልዑላውነትን ብዝብል ዓብዪ ስምረት ፈጢሮም ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Gettyimages/ALEXANDER JOE
ካብቶም ቀንዲ መራሕቲ ቅንጅት፡ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ [መራሒ ግንቦት ሸውዓት፤ ሕዚ ድማ ኣቦ መንበር ኢዜማን] ከምኡ'ውን ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ [ኣብዚ እዋን ሓላፊት ሃገራዊ ቦርዲ መረጻ] ይርከብዎም። ክልቲኦም፡ ድሕሪ ምምራጽ ዶክተር ኣብዪ ናብ ሃገር ኣትዮም ፖለቲካዊ ተሳትፎ ይገብሩ ኣለዉ።
ካልእ ኣመራርሓ ቅንጅት፡ ሰላማዊ ቃልሲ ክቕጽል ዝወሰነን ምሰኦም ዘይተሳነየን፡ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው እንትኸውን፡ ኣብዚ እዋን ንሱ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስወጽአ፡ ውድቡ፡ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ [ኢዴፓ] ሕጋዊ ሰውነቱ ብመረጻ ቦርድ ኢትዮጵያ ከምዝተሰረዘ ተሓቢሩ ኣሎ።
ንህወሓት፡ መነመን መሪሕምዎ ?
እቲ ውድብ ኣብ 1967 ምስተመስረተ ንሓደ ዓመት፡ ስሑል ኣየለ መሪሕዎ።
ካብኡ ቀጺሉ፡ ናይ መጀመርታ ሒደት ዓመታት፡ ግዝያዊ ኣቦመንበር እቲ ውድብ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ'ዩ ነይሩ።
ካብ 1971 ዓ.ም ክሳብ 1981 ዓ.ም ከኣ ኣቦይ ስብሓት ነጋ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኮይኖም መሪሖም።
ብድሕሪኡ ህወሓት፡ ካብ 1981 ዓ.ም ኣትሒዙ ንልዕሊ 20 ዓመት ብቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ እዩ ተመሪሑ።
ድሕሪ ኣብ 2004 ዓ.ም ሃንደበታዊ ሕልፈት ኣይተ መለስ ዜናዊ ስዒቡ፡ ህወሓት ክሳብ መስከረም 2011 ዓ.ም [ ጥቅምቲ 2018] ብኣይተ ኣባይ ወልዱ ይምራሕ ነይሩ።
ህወሓት፡ ኣብ መበል 12 ጉባኤኡ ፡ ኣብ ውሽጡ ጸረ-ዲሞክራስያዊነት አተሓሳስባ ከምዝሰረጸ እንተኣመነ'ኳ፡ ኣብ ኣመራርሓ ሓድሽ ለውጢ ኣየምጸአን።
ህወሓት ኣብ እዋን መሪሕነት ኣይተ ኣባይ ወልዱ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዘዐወቶ ዘጥፈኦ ይበዝሕ ተባሂሉ መስከረም 2011 ዓ.ም ኣብ መበል 13 ጉባኤ ምስተገምገመ፡ ብዶክተር ደብረጽዮን ተተኪኡ።
ኣብቲ እዋን፡ 12 ነባራት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ካብ ማእከላይ ኮሚቴ ተሰናቢቶም።
ድሕሪ ቀጻሊ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ነበር ኣይተ ሃ/ማርያም ደሳለኝ፡ 'ኣይከኣልኩን' ኢሉ ስልጣኑ ብፍቓዱ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብ ሚያዝያ 2018 ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ከም ኣቦ መንበር'ቲ እቲ ግንባር ተመሪጹ።
እቲ ብዶክተር ደብረጽዮን ዝምራሕ ህወሓት ግን ብደረጃ ሃገር ዝነበሮ ጽልዋ ተዳኺሙ ኣብ ክልሉ ጥራሕ ተሓጺሩ ተሪፉ።
ህወሓት ኣብዚ እዋን እዚ
ምስ ማእከላይ መንግስቲ ክሰሓሓብ ዝጸንሐ ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ 'ኣቢዪን ኢሳይያስን ተሓባቢሮም ከጥቅዑኒ ምድላዋቶም ወዲኦም ኣለው' ኢሉ 2 ሕዳር 2020 መግለጺ ሂቡ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ድማ፤ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ብ04 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ንዝነበረ ሰሜን ከምዘጥቅዑ ብምኽሳስ፡ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ወተሃደራዊ ወፍሪ ምስ ኣዘዘ፡ ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ብድሕሪኡ ፈደራል መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዝጸንሕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ናይ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጁ።
መራሕቲ ህወሓት ህዝቢ ክኸትት ብምጽዋዕ ''ንመሰል ርእሰ-ምምሕዳር እናተኻለኸሉ ክሞቱ ድልዋት'' ምዃኖም ገሊጾም ነይሮም።
ሰራዊት ፈደራል ንመቐለ ምስተቖጻጸሩዋ መራሕቲ ህወሓት ናብ በረኻታት ትግራይ ኣንሳሒቦም። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ኩናት ይቕጽል ከምዘሎ ዝዝረብ ኮእኑ፤ገለ ነባራት መራሕቲ ህወሓት ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኾይኖም፡ ከም ኣምበሳደር ስዩም መስፍን ኣባይ ጸሃየን ዝኣመሰሉ ጀመርቲ እቲ ውድብ ከኣ ኣብ ኩናት ከምዝተሃረሙ ፌዴራል መንግስቲ ገሊጹ።
እቲ ውድብ ግን ቃልሱ ኣበርቲዑ ይቅጽል ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







