ቅልውላው ትግራይ፡ ኣቶ ስዩም መስፍንን ኣባይ ጸሃየን ዝርከብዎም መራሕቲ ህወሓት ከምዝተቐትሉ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገሊጹ

ኣቶ ስዩም መስፍንን ኣቶ ኣባይ ጸሃየን ዝርከቡዎም መራሕቲ ህወሓት ከምዝተቐትሉ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ስዩም መስፍን ዝርከቦም ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ከምዝተቐትሉ ንሓላፊ ወፍሪ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ተስፋዬ አያሌው ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ።
ኣብቲ ናይ ሎሚ ውግእ ክልተ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝነበሩ ኣቶ ኣባይ ጸሃየን ኣቶ ኣስመላሽ ወልደስላሰን ከምዝተቐትሉ'ውን እቲ ጀነራል ጠቒሱ።
ይኹን እምበር እቲ ዜና ብወገን ህወሓት ይኹን ዝኾነ ናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።
ኣቐዲሞም 5 ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ዝነበሩ፡ 'ኣቦይ' ስብሓት ነጋ ምስ ሓፍቱ ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋ፡ ኣቶ ኣባይ ወልዱ፡ ምክትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዝነበረ ዶ/ር ኣብርሃም ተከስተን ኣምባሳደር ኣባዲ ዞሞን ዝርከብዎም ሓያሎ መራሕቲን ሰብመዚን ክልል ትግራይ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ይፍለጥ።
ካብቶም ሎሚ "ተደምሲሶም" ዝተባህሉ ወልቀሰባት ሓደ ኮሎኔል ኪሮስ ሓጎስ ዝተባህለ ካብ ሰራዊት ምክልኻል "ዝኸድዐ" ዝተባህለ ወታሃደራዊ መኮንን ይርከቦም።
ቁጽሮም ዘይተገልጸ "ሓለውቶም" እውን ኣብቲ ክሳብ ከባቢ ፈለግ ተከዘ ዝተወስደ መጥቃዕቲ "ተደምሲሶም" ክብል እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።
ብዘይካ'ዚ፡ ሰለስተ "ካብ ምክልኻል ዝኸድዑ" ዝተባህሉ ናይ ኮሎኔል ማዓርግ ዘለዎም መኮንናት ዝርከብዎም 5 ሰብመዚ ክልል ትግራይ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ እቲ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ'ሎ።
እቲ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ዝተወልዐ ኵናት ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ምህላዉ ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ግዜ መራሕቲ ህወሓት ''ንመሰል ርእሰ-ምምሕዳር እናተኻለኹ ክሞቱ ድልዋት'' ምዃኖም ኣፍሊጦም ነይሮም።
አብዚ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ብኣማኢት ዝቑጽሩ ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኸእሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለው።
ብሰንኪ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩናት ኣስታት 60 ሽሕ ስደተኛታት ዶብ ሃገሮም ሰጊሮም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ኣደራዕ ይርእዩ ምህላዎም ይፍለጥ።
ዛጊት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ግጭት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይንገር።
ምክንያት እቲ ግጭት እንታይ እዩ?
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነብረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር 2020 ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።
ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።
ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ናብ ክልል ትግራይ እዩ ኣንሳሒቡ ጸኒሑ
እቲ ሎሚ ዝወጸ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ወታሃደራት መንግስቲ ዝወረደ ክሳራ ኣይጠቐሰን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







