'ኣቦይ' ስብሓት ነጋ ኣብ ቁጽጽር ከምዝውዓሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ

ኣቶ ስብሓት ነጋ

ብመንግስቲ ፌደራል ክድልዩ ካብ ዝጸንሑ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝኾኑ ኣቶ ስብሓት ነጋን ካልኦት ወታሃደራዊ መራሕትን ኣብ ቁጽጽር ከምዝወዓሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ካብ መስረትቲ ህወሓት ሓደ ዝኾኑ ኣቶ ሰብሓት ነጋ፡ ምስ ካልኦት ተደለይቲ ሰባት ኣብ ቁጽጽር ከምዘውዓሉ ሓላፊ ክፍሊ ወፍሪ ሰራዊት ምክልካል ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጀነራል ተስፋዬ ኣያሌው ንቴሌቪዥን እታ ሃገር ገሊጹ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝነበረ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስኣዘዘ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም መሪሖምን ኣተሓባሮምን ኣብ ልዕሊ ዝበሎም መራሕቲ ትግራይ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ከምዘውጸአ ዝዝከር እዩ፡፡

ካብ ኣቦይ ስብሓት ብተወሳኺ ቅድም ክብል ኣባላት መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩን ነቲ ሰራዊት ከዲዖም ከይዶም ዝበሎምን ካልኦት ወታሃደራዊ ኣመራርሓ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘውዓለ ብ/ጀነራል ተስፋዬ ሓቢሩ ኣሎ፡፡

በዓልቲ ቤት ኣቦይ ስብሓት ሌተናል ኮሎኔል ጻዕዱ ሪች፣ ኮሎኔል ክንፈ ታደሰን ኮሎኔል የማነ ካሕሳይን ካብቶም ኣብ ቁጽጽር ዝወዓሉ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ብተመሳሳሊ ትማሊ ሓሙስ፡ ካብቶም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክድለዩ ዝጸንሑ ሰባት ኣርባዕተ ከምዝተቐትሉን ካልኦት ትሸዓተ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣቃሊሐን፡፡

ጸጋይ በርሀ ስዩም መስፍን ኣባይ ጸሃየ (ካብ ጸጋም ንየማን)

ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ይኹን ማእሰርቲ ናይዞም መራሕቲ ኣብ ናጻ ኣካል ዝረጋገጸ የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሓንቲ ካብ ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ዝነበረት ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም 'ኢዳ ሂባ' ምንባራ መንግስቲ ገሊጹ ነይሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁፅፃሩ፡ ኲናት ደው ከምዝበለን ነቶም ዝደልዮም ሰባት ኣብ ቀይዲ ናይ ምእታውን ናብ ፍርዲ ናይ ምቕራብን ስራሕ ጥራሕ ከምዝተረፎ ገሊጹ ነይሩ፡፡

እንተኾነ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታ ትግራይ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ እዮም ምንጪታት ዝሕብሩ፡፡

ኣመዓባብላ እቲ ዝተወለዐ ግጭት

እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነብረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።

ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።

ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።