“መራሕቲ ህወሓት ምስ ወደቑ እዮም ዝመሃሩ” ጉንተር ሽሮደር

ጉንተር ሽሮደር፡ ጀርመናዊ ተመራማርን ኣማኻርን ፖለቲካ ሳይንስ፣ ታሪኽን ማሕበራዊ ቅድመ ታሪኽን'ዩ።
ኣብ ጥቓ ፍራንክፈርት ኣብ እትርከብ ገጠራዊት ስፍራ ተወሊዱ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጊሰን፡ ታሪኽ፣ ማሕበራዊ ቅድመ ታሪኽን ፖለቲካዊ ሳይንስን ተማሂሩ። ብድሕሪኡ፡ ንናይ ሓደ ዓመት ምርምር ናብ ሞኖሮቪያ ላይበሪያ ከይዱ።
ኣብ ኢራን፡ ብዛዕባ ርክብ ሃይማኖትን መንግስትን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መፅናዕቲ ኣካይዱ ጽሒፉ። ኣብ ማርክሰ ሌኒናዊ ኣፍጋኒስታን እውን መፅናዕቲ ብምክያድ ክልተ መጽሓፍቲ ፅሒፉ።
ካብ 1965 ኣትሒዙ፡ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን እውን ዓሚቝ ታሪኻውን ፖለቲካውን መፅናዕቲ ኣካይዱ። ን55 ዓመታት ብዛዕባ እቲ ዞባ ብቐረባ ኣፅኒዑ።
ድርኩዅት ዛንታ
ጉንተር፡ ብ1965፡ ገና ወዲ 20 ዓመት እንከሎ፡ ንታሪኽ ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝተፀሓፈ ፅሑፍ፡ ኣንቢቡ። እዚኣ ድርኩዅት ኮይናቶ ብዛዕባ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክፈልጥን ክርዳእን ጀመረ። ብ1975 ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ፈቲኑ፤ ቪዛ ስለዝተኸልአ ኣይሰመረሉን።
ተሓህት ኣብ ደደቢት ምስተመስረተት ድማ ድሕሪ ክልተ ቅነ ሰሚዑ፥ ኢትዮጵያዊት ነፃነት ኣስፋው ኣብ ሬድዮ ጀርመን ትሰርሕ ስለዝነበረት እቲ ሓበሬታ ቀልጢፉ በጺሑዎ። ካብኡ ንደሓር ክሳብ እዛ ሎም መዓልቲ መፅናዕትን ክትትልን ኣየብኰረን።
ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ርእሰ ውሳነ፣ ኩነታት ስደተኛታትን ሰብኣዊ መሰል ብኣንፃር ምዕራባውያን እንታይ ይመስልን ኣመልኪቱ ፅሒፉ። ጉንተር ብፍላይ ኣብ ውሽጣዊ መግዛእቲ (ኢንተርናል ኮሎኒያሊዝም) ብዝምልከት ይግደስን የፅንዕን።
ንኣብነት፥ ኣብ ማያንማር፣ ህንዲ፣ ኢንዶኖዥያ፣ ሱዳን፣ ናይጀሪያ፣ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ቻይናን ምርቋሕ ይከኣል።
ብ1980 ናብ ሱዳን ብምምፃእ ናብ በረኻታት ኤርትራን ትግራይን ክሰግር ፈቲኑ፡ መንግስቲ ሱዳን ግን ከሊእዎ። ኣብ ሱዳን ኰይኑ ብዛዕባ ኦነግ፣ ህግሓኤን ህወሓትን ብቐረባ ከፅንዕ ጀሚሩ። ኣብ 1982 ግን ህዝባዊ ግንባር ናብ ሓራ መሬት ኤርትራ ሓቢኦም ከምዘእተውዎ ይዛረብ። ምስ ህዝባዊ ግንባር ሓሙሽተ ኣዋርሕ ፀኒሑ። ካብ ሳሕል ክሳብ ከበሳታት ኤርትራ ተንቀሳቒሱ ንኩነታት ቃልሲ ተዓዚቡ።
ብ1985 ድማ ናብ ሓራ መሬት ትግራይ መጺኡ ብዛዕባ ቃልሲ ህወሓት ኣፅኒዑን ተረዲኡን። "ብድሕሪኡ ውድባት ኤርትራ፣ ትግራይን ኦሮሞን ዝተበገስሉ ዕላማ ቅቡል ምዃኑ ተረዲኤ" ይብል። ጉንተር፡ መበገሲ ቃልሲ ህወሓትን ህዝባዊ ግንባርን ወላ እኳ እንተደገፎ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ክሃንፁ ከምዘይኽእሉ ግና ብፅኑዕ ይኣምን ነይሩ። ምኽንያቱ ይብል "ኣብ ታሪኽ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ተዓዊቱ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዝሃነፀ ሓይሊ ኣይረአናን"ኢሉ።
ህዝባዊ ግንባር ብ1987 ዓ.ም ፅቡቕ ፖለቲካዊ መርገፂ ሓንፂፆም ነይሮም ግን ኣይተግበሩዎን። ኣብ መሬት ኤርትራ ንህዝባዊ ግንባር ዝወዳደር ፖለቲካዊ ሓይሊ ክፍጥር ኣይደለዩን። ህወሓት እውን ብመሰረቱ ካብ ህዝባዊ ግንባር ዝተፈለየ ፖለቲካዊ ባህሪ የብሎምን።
ህዝባዊ ግንባር ኣብ ኤርትራ ፍፁም መላኺ ኰይኑ ቀፂሉ። ፖለቲካዊ ኰነ ወታሃደራዊ ሓይሊ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም እዩ። ወላ እኳ ኣማራጺ ሓሳብ ዘለዎም፡ ነቲ ስርዓት ዝቃወሙ ኤርትራውያን ሓይልታት እንተለው ኩሎም ካብታ ሃገር ወፂኦም እዮም ዝነብሩ።
"ብኣንፃሩ ህወሓት እንተሪእና፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዓብሊሎም፤ ብፖለቲካ ግን ከም ንኡስ ሓይሊ ኢኻ ትምድቦም። ንኢህወዴግ ድማ መስሪቶም። ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፖለቲካዊ ምውጋይ ኣትዩ። ክንዲ ህዝባዊ ግንባር መላኽን ገባሪን ሓዳግን ክኸውን ኣይከኣለን። ንካልኦት ፖለቲካዊ ተቐናቐንቲ ኣብታ ሃገር ክህልዉ ፈቒዶም።
ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሓንፈፃዊ ስርዓት ቁጠባ ክህሉን ውልቀ ዋንነት ክፍጠርን ፈቒዶም። ወላ እኳ ካብቲ ወያናይ ኣተሓሳስበኦም ዝተበገሰ ትእምት (ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ) ብምጥያሽ ንትካላት ውልቀ ዋንነት እንተተቖጻጸሩዎ፡ በዚ መዳይ ህወሓት ይሕሹ" ይብል።
ህወሓት ንኣዲስ ኣበባ ክትቈፃፀር እንከላ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ሊሂቃን፡ ንመራሕቲ ህወሓት ብሰሜን ኢትዮጵያ ዝተቐልቀሉ ሸፋቱ ይብልዎም ነበሩ። እቶም ሊሂቃን ሓደ ዘይተረደኦም ነገር ነይሩ።
ህወሓት ኣብ 17 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘዋህለሎ፡ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊን ዕጥቃውን ዓቕሚ ምህላዉ ኣይፈለጡን። ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ማሕለኻታት ህወሓት እንተወሓደ 25 ሚኢታዊ ዴሞክራሲያዊ ባይታ ከምዝፈጠረ ይዛረብ።
ፖለቲካዊ ሓጥያት ህወሓት/ኢህወዴግ
ጉንተር ሽሮደር፡ "ንሓርነት ዝቃለሱ ሓይልታት ዝመረፆም ህዝቢ ኣብ ዘይሃለወሉ ግዜ ባዕሎም እዮም መራሕቲ ዝዀኑ" ይብል። እቶም ቃልሲ ዝወልዑ መናእሰይ ተጋደልቲ ህወሓት ንሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ንውክል ኢና ኢሎም እዮም ተላዒሎም።
ዝመረፆም ህዝቢ ኣይነበረን፤ ብዴሞክራስያዊ መስርሕ እውን ኣይሓለፉን። ደሓር ብ1991 ንደርግ ብምስዓሮም ድማ እቲ ዘካይድዎ መስርሕ ቃልሲ ቅኑዕ ምንባሩ ባዕሎም ኣረጋጊፆም። ብድሕሪኡ፡ ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ልክዕ ዝነበርናዮ፡ ድሕሪ ሕዚ እውን ኣካይዳና ልክዕ እዩ ኢሎም ኣሚኖም።
ንሕና ወትሩ ልክዕ ኢና፤ ኩሉ ኢና ንፈልጥ ኢሎም ደምዲሞም። እዚ ድማ ማዕዳ ንኸይሰምዑን ንኸይቕበሉን ዓጊትዎም። ደሓር ግን እቲ ኣብ ባይታ ዝተፈጠረ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ዘረባ ሰብ ንክሰምዑ ኣገዲዱዎም። ብድሕሪኡ ጐሪሖም፡ ክሰምዑ እውን ፈቲኖም፤ ከም ህዝባዊ ግንባር መለኽቲ ክዀኑ ከምዘይኽእሉ ድማ ኣሚኖም።

ህወሓት/ኢህወዴግ ካብ 1991 ክሳብ 2018 ምስቲ ኹሉ ፀገማቱ፡ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣሻሓት ዓመታት ዘይረአየቶ ዝሓሸ መንግስቲ ኰነ። እታ ሃገር ብቑጠባን ትሕተ ቅርጽን ክትመሓየሽ ጀሚራ። ናብ መንገዲ ዘበናዊ ዕብየት ቁጠባን ማሕበራው ጉዳያትን ኣምሪሓ።
እቲ ዘሕዝን እቶም ናይ ለውጢ ሓይሊ ኢና ዝብሉ፡ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ሰባት ግን (ንኣብዪ ሓዊሱ)፡ ነቲ ብተግባር ዝተመዝገበ ዓወት ኣነኣኢሶም ንህወሓት ክጥቅኑ ፈቲኖም። እዚ ሓላፍነት ዝጐደሎ ተግባር'ዩ ይብል ሽሮደር።
በቲ ካልአ ሸነኽ ከኣ ህወሓት፡ ስልጣኑን ሓይሉን ተጠቒሙ፡ ንብረትን ሃብትን ኢትዮጵያ ንትግራይን ተጋሩን ኣብ ምምዕባል ተጠቒሙሉ ኢሎም ዝኸሱ ወገናት እውን ኣለው።
ጉንተር ሽሮደር፡ ህወሓት/ኢህወዴግ ብ1991 ዓ.ም ንደርግ ምስ ኣውደቐ እንታይ ዓይነት ምርጫታት ነይርዎ? ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ። ዝበዝሑ ብሄረሰባት ካብታ ሃገር ክንፀሉ እዮም ተዳልዮም ነይሮም።
እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝፀንሑ ሊሃቃን፡ ህወሓት/ኢህወዴግ ንደርግ ከጥፍአሎም ደልዮም። ብድሕሪኡ ግን ናብታ ዝመፀኣ ክምለስ እዮም ተፀብዮም። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ስሑል ሚካኤል ዝተፈጠረ ውዲት ክደገም ደልዮም።
ምስ ወደቑ እዮም ዝመሃሩ
ብመሰረት መፅናዕታዊ ምርምር ጉንተር፡ ህወሓት ዘተግበሮ ኣብ ብሄር ዝተመስረተ ስርዓት ፌደራሊዝም ቅኑዕን ክትግበር ዝኽእልን'ዩ ነይሩ። እዚ ድማ ነቲ ተሃንዲዱ ዝመጽአ ድልየት ምንፃል ክገትእን ሃገር ከድሕንን ዝኽእል እዩ።
እንታይ ዓይነት ስርዓት ይምስረት ዝብል፡ መራሕቲ ህወሓት ገና ቅድሚ ውድቀት ደርግ ብ1985 ዓ.ም ኣብ በረኻ ኰይኖም እዮም ወሲኖምዎ። ንኢትዮጵያ ከም ሃገር ከቕፅላ ዝኽእል ፊዴራሊዝም እምበር ኣሃዳዊ ስርዓት ዘይምዃኑ እዮም ኣሚኖም። ኰይኑ ግና እቲ ፀገም ኣፋሪቖም እዮም ፈቲሖምዎ።
ምኽንያቱ መራሕቲ ህወሓት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ውሱን ፍልጠት'ዩ ነይርዎም። ቅድሚ ምግዳሎም ኣብ ትግራይ ይመሃሩ ነይሮም፤ ብድሕሪኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ፀኒሖም። ብዛዕባ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ንፁር ሓበሬታን እኹል ፍልጠትን ኣይነበሮምን።

ስልጣን ምስተረከቡ ፍታሕ ከምፅኡ ነይርዎም። ትሽዓተ ክልላት መሰሪቶም። ምስቲ ደርግ ዘጣየሾ ትካል መፅናዕቲ ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ብሓባር ክሰርሑ ጀሚሮም፤ ስታሊናዊ ኣተሓሳስባ እዮም ወሪሶም። ኣብዚኣ ፖሊቲካዊ ሓጥያት ፈፂሞም።
ሓደ ህዝቢ፡ ቁፅሩ ይውሓድ ይብዛሕ ህዝቢ እዩ። ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢሎም ንመሰል ህዝቢ ደረጃታት ኣውፂኦምሉ። ኣመዳድባ ክልላት እውን ክልተ ደረጃ ኣውፂኦምሉ። ነቶም ሓደ ዓይነት ዓሌት ዘለዎም፡ ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮም፣ ዓፋርን ሶማልያን ብክልል መዲቦም።
ነቶም ዝተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ጋምቤላ፣ ቤኒሻንጉልን ደቡብን ድማ ንበይኑ ከሊሎምዎ። ብዛዕባ ወላይታ፡ ፍልጠት'ዶ ነይሩዎም? ብዛዕባ ጋሞ እንታይ ይፈልጡ ነይሮም? ብምባል ጉድለት መራሕቲ ህወሓት/ኢህወዴግ ኣመልኪቱ ይትንትን።
"ብመሰረቱ ንመትከል ርእሰ ምሕደራ ህዝብታት ኢትዮጵያ ስሒቶምዎ። ብዙሓት ህዝብታት ዓርሶም ንኸመሓድሩ ዝፈቅድ መሰሎም ከልኪሎምዎም። በዓል ጉራጌን ሲዳማን ናይ ባዕሎም ክልላዊ ምምሕዳር ክህልዎም ይደልዩ ዶስ ኣይደልዩን ዝሓተቶም ኣይነበረን።
"ከየማኸሩዎም ኣብ ሓደ ጨፍሊቖምዎም። እቲ ሕዚ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ንርእዮ ዘለና ምንቅስቓስ፡ እቲ ብ1991 ዓ.ም ዝተደጐለ ፀገም እዩ ዝባራዕ ዘሎ" በለ።
ጉንተር ይቕፅል፡ "ህወሓት/ኢህወዴግ ብባህሪኡ ንሕቶ ህዝቢ ምላሽ ኣይህብን ነይሩ። ህዝቢ እንትሓትት ኣሉታዊ ምላሽ እዩ ዝህብ። ብ2002 ዓ.ም ህዝቢ ሲዳማ መሰሉ እንትሓትት፡ ጠያይቲ እዮም ተኵሶምሉ፤ ብዙሕ ሰብ ድማ ተጐዲኡ። ጌጋኦም ኣይእርሙን፤ በንጻሩ እኳ ደኣ ይቕጽልዎ።
"ባዕሎም ንዝፈፀምዎ ጌጋ ናይ ምእራም ባህሊ ኣየጥረዩን። ካብ ሕሉፍ እኳስ ኣይመሃሩን። ምስ ወደቑ እዮም ዝመሃሩ። ህዝቢ እንትዕምጽ ቅልጡፍ ምላሽ ኣይህቡን። ሓዊ ምስተባረዐ እዮም ከጥፍእዎ ዝፍትኑ።
"ንኣብነት ጉዳይ ቅማንት ምልዓል ይከኣል እዩ። ጉዳይ ቅማንት ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ክፍታሕ ምተገበአ። ኰይኑ ግና መንግስቲ ፌደራል ኰነ ክልል፡ እቲ ፀገም ሱር ክሳብ ዝሰድድ ወላ ሓንቲ ስጉምቲ ኣይወሰዱን። ሓደ ግዜ ዝተኸልዎ ብቐሊሉ ኣይቕይርዎን። እቲ ኩነታት ዘይኰነስ ንባዕሎም ክልውጡ እንተደልዮም እዮም ለውጢ ዘምፅኡ" ይብል።
ጀርመናዊ ምሁር ፖለቲካዊ ሳይንስ ጉንተር ሽሮደር፡ ሊሂቃን ኣምሓራን ብሄርተኛታት ኦሮሞን ህወሓት/ ኢህወዴግ ናብ ስልጣን ከምዝድይብ ምስ ኣረጋገፁ፡ ኣንፃር ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብመራኸብቲ ሓፋሽ ኣጸላሚ ፕሮፖጋንዳ ክነዝሑ ከምዝጀመሩ ይገልፅ።
እቲ ፀገም፡ ህወሓት/ኢህወዴግ ነዚ ንምምካት ዘኽእሎ ዝተጠናኸረ ቃልሲ ዘይምክያዱ እዩ። እቲ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጓኒፉ ዘሎ ፀገም፡ ውፅኢት እቲ ሻቡ ዝተነዘሐ ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ሰባት፡ ህወሓት ጠንቂ እቲ ዝተፈጠረ ጥፍኣትን ተሓታቲ ምግባሩን ጌጋ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
"ናይ ኢትዮጵያ ፀገም ብዘበነ ንጉሳዊ መግዛእቲ ዝተፈጥረ እዩ። ኢህወዴግ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ስርዓት ፌደራሊዝም ምኽታሉ ፅቡቕ'ዩ ነይሩ። ኣብ ኦሮሞ፣ ዓፋርን ሶማልያን ዝተፈጠረ ናይ ምንፃል ሕቶታት ብንጉሳዊ መግዛእቲ እምበር ብሰንኪ ህወሓት ኣይተፈጠሩን።
"ህወሓት ንባዕሉ ክፍጠር ዝኸኣለ፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዘበነ ንጉሳዊ መግዛእቲ ዝወረደ ግፍዒን ወፅዓን እዩ። ህወሓት ከመይ ኢሉ ጠንቂ ኩሎም ፀገማት ኢትዮጵያ ክኸውን ይኽእል?" ይብል።
ይኹን እምበር ህወሓት ንኡስ/ማይኖሪቲ ሓይሊ ስለዝኾኑ፡ ኣብ ዓባይ ኢትዮጵያ ዓብላሊ ድምጽን ሓይልን ክረኽቡ ስለዘይክእሉ ነቲ ፈደራሊዝም ኣብ ክንዲ ብጂኦግራፍን ምምሕዳራዊ ቅርጺን ብቛንቋ ስለዝወደቡዎ፡ ነዚ ሕጂ ዝማዕበለ ዓሌታዊ ስምዒትን ጎንጽን ፈጢሮም ብማለት ህወሓት/ኢሂወደግ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ ምሕደራ እታ ሃገር ኣሉታዊ ተራ ከምዝነበሮ ዝወቐስዎ ሊሂቃን እውን ኣለው።
ሞት መለስ ዝገደፎ ስምብራት
መለስ ዝጀመሮ ምትኽኻእ መሪሕነት ብምሉእነት ኣይተተግበረን። መሪሕነት ህወሓት ራእይ ነይርዎም። ቅድሚ ናብ ስልጣን ምምፀኦም ኢትዮጵያ ናበየናይ ብራኸ ክትበፅሕ ከምዝደልዩ ሕልሚ ነይርዎም።
መለስ ካብ 1991 ዓ.ም ኣትሒዙ እቲ ምትኽኻእ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ብድሕሪኡ እውን ኣብ ኢህወዴግ ተግባራዊ ንምግባር መዲቡ። ብ2008 ዓ.ም ናብ ዝለዓለ ብራኸ በፂሑ ነይሩ።
ኰይኑ ግና ናብ ኩሎም ኣባላት ውድባት ኢህወዴግ መሊኡ ክሰግር ይግበኦ ነይሩ። እዚ ግን ከይኰነ ተሪፉ። ብኻልእ ገፅ፡ መለስ እቶም ካልኦት ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ሓደሽቲ መራሕቲ ከፍርዩ ይመርሕ ነይሩ።

ምስ ሞተ፡ ዕብየት ውድብ ኢህወዴግ ተዀሊፉ። ብድሕሪኡ ክመርሑ ኣይከኣሉን፤ ራእይ መለስ ከቐፅልዎ ኣይከኣሉን፤ መራሒ እውን ኣይነበሮምን፤ ይብል ጉንተር።
በቲ ሓደ ሸነኽ ግን፡ ነብሲ-ሄር መለስ፡ ስልጣን ሒዞም ክትክኡን ክመርሑን ዝኽእሉ መንእሰያት ከፍርን ክሕብሕብን ስለዘይከኣለ፡ ውድቡ ህወሓትን/ኢሂወደግን ብጉጅለታት ተኸፋፊላ ንሓድሕዳ ከምእትትሃላለኽ ስለዝገበራ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ተራ እውን ነይሩዎ እዩ ኢሎም ዝነቕፉዎ እውን ኣለው።
ጉንተር እቲ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ስልጣን ዝደየበ ሓይሊ ብኸመይ ከምዝመፅአ ድማ ይትንትን። ሓደ ኣካል ኢህወዴግ ዝነበረ ኦህዴድ(ኦዴፓ) ኣብ ውሽጡ ዓመፅ ኣካይዱ። በዓል ጉጅለ ለማ ኣንፃር ሙክታር ከድርን (ፕረዚደንት ዝነበረ) ኣስቴር ማሞን (ምክትል መራሒት እቲ ውድብ ዝነበረት) ቃልሲ ኣካይዶም፤ ካብ ስልጣን ከምዝእለዩ ገይሮሞም። ነቶም ምስ ህወሓት ርክብ ዝነበሮም ገዳይም ተቓለስቲ እቲ ውድብ ኣልየሞም።
እቶም ንዓርሶም "ጉጅለ ለማ" ኢሎም ዝሰመዩ ሰባት ሓደሽቲ ሰባት እዮም ኣረኣእያኦም እውን ዝተፈለየ እዩ።
"ኣብ ኣምሓራ (ኣዴፓ) እውን ብተመሳሳሊ ነቶም ብ1991 ዓ.ም ዝነበሩ ነባራት ኣመራርሓ ብ2015 ምሉእ ንምሉእ ቀይረሞም። ብድሕሪኡ እቲ ኦሮማራ ዝበሃል ዘይስሩዕ ጥምረት ፈጢሮም። ብግልፂ ኣንፃር ህወሓት ዝተወደበ ሓይሊ እዩ ነይሩ። ካብኡ ነቲ ኣብ ህዝብታት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝተወለዐ ህዝባዊ ዓመፅ ብምጉላሕ ኣንፃር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ከምዝቐንዕ ገይሮምዎ" በለ።
"ስልጣን ከምዝደልዩ ኣይገለፁን፤ ለውጢ ኢና ንደሊ [ኢሎም እዮም] ቀሪቦም። ኦዴፓ ሓድሽ ሰብ ንደሊ ኢና ብዝብል፡ ለማ፡ ንኣብዪ ንቕድሚት ከምዝመጽእ ገይሩዎ፤ ምናልባት ሕዚ ለማ ጣዕስኡ ዝወጽኣሉ ኣይመስለንን" ይብል ጉንተር።
"ኣብዪ ስለምንታይ እዩ ኣንፃር ህወሓት ደው ክብል ዝኸኣለ ንዝብል ምኽንያት ባዕሉ እንተዝነግረና እዩ ዝሓይሽ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ሕልሙ ከግህድ ዕንቅፋት ክዀነኒ ዝኽእል ህወሓት እዩ ኢሉ ስለዝኣምን'ዩ እየ ዝብል። ናይ ደገ ሓይሊ ኢድ ኣለዎ ኢለ ግን ኣይኣምንን። ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ግን ተጠቒሞምሉ ክኾኑ ይኽእሉ እምበር ካብ መጀመርትኡ ኢድ ምዕራባውያን ነይርዎ ክብል ኣይክእልን" ይብል።
ቀፂሉ ጉንተር፡ ኢህወዴግ ንኣብዪ ኣቦ መንበር ገይሩ ክመርጾ እንከሎ ካልእ ዝሐሸ ኣማራፂ ኣይነበሮን። ህወሓት ድምፂ ኣይሃብዎን፤ ኰይኑ ግና ኣመራርፅኡ ጌጋ ኣይነበሮን። እዚ እዩ ዝበሃል ምስኡ ዝወዳደር/ዝናሓናሕ ሰብ ኣይነበረን፤ ደመቀ መኮነንን ሽፈራው ሽጉጤን እዮም መወዳድርቱ። ህወሓት ብ2012 ዓ.ም.ፈ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ተተከአ ናብ መሪሕነት ክምለሱ ከምዘይደልዩ ኣሚቶም እዮም።
"ፍርቂ ልፃያ ዝበሃል ምሕረት ክህሉ ኣይኽእልን"
ጉንተር ሽሮደር "ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ዘሕዝነኒ ጉዳይ'ሎ" በለ። ኣብ ወርሒ ሰነ 2018 ዓ.ም ኣብዪ ኣሕመድ ምሕረት ኣዊጁ። እቲ ምሕረት ንኹሎም ዓይነታት ፖለቲካዊ ክስታትን ገበናትን ዝምልከት እዩ።
ብኡ መሰረት ዝተኸሰሱን ዝተፈረዱን ብይቕሬታ ተፈቲሖም። ብናተይ እምነት፡ እቲ ምሕረትን ይቕሬታን ነቶም ብወገን መንግስቲ ዘለዉ ኣካላት እውን ይምልከቶም እዩ። ፍርቂ ልፃያ ዝበሃል ምሕረተ ክህሉ ኣይኽእልን።

ቅድሚ ሰነ 2018 ዝተፈፀሙ ተግባራት ይቕረ ክብሃሉ ኣለዎም እንተተባሂሉ። ብዕጥቂ ብረት ንዝዋጋእ ዝነበረ ብርሃኑ ይቕሬታ እንተገይርካሉ፤ ብብልሽውና ንዝተኸሰሰ መላኩ ፈንታ ይቕረ እንተኢልካዮ፡ ምስ ግንቦት 7 ኮይኑ ውዲት ንዝመሃዘ ኣሳምነው ፅገ ምሕረት እንተገይርካሉ፤ ንጌታቸው ኣሰፋን ንክንፈ ዳኘውን ይቕሬታ ዘይትገብረሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ። ምሕረት ምግባር ንኽልቲኡ ወገን ተፈፃሚ ክኸውን ኣለዎ ይብል።
እተዘየለ ሕነ ምፍዳይ እዩ ክኸውን፤ ሕነ ምፍዳይ ድማ ንማንም ኣይጠቅምን እዩ። "ወርቅነህ ገበየው ን10 ዓመታት መራሒ ፌዴራል ፖሊስ ኮይኑ፡ ኣንፃር ተቓወምቲ ሓይልታት ይቃለስ ነይሩ። ብኸመይ ደኣ ዘይኽሰስ? ምስ ሃገራዊ ድሕነት ብምጥማር ኣንፃር ፈጠርቲ ራዕዲ ይቃለሱ'ዶ ኣይነበሩን።
እንተደኣ ምትሕታት ኮይኑ፡ ወርቅነህ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታቲ ክኸውን ይግባእ። ለማ መገርሳ ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ኦሮምያ እዩ ነይሩ፤ ክሕተት ነይርዎ" ይብል ጉንተር።
ይኹን እምበር ነዚ ናይ ጉንተር ርእይቶ፡ ህወሓት ኢሂወደግ ዝበሃል ልፍንታዊ ውድብ እኳ እንተመስረተ፡ ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ ጉዳይ ብዓብላልነት ዝመርሕን ዝውስንን ስለዝነበረ፡ እቲ ኹሉ ተቓውሞ ከኣ ብሰንኪ ጸቕጡን ጭቆንኡን ስለዝመጽአ፡ እቲ ዝበደለን ዝተበደለን ብሓደ ክረኣዩ ኣይግባእን ዝብሉ ወገናት እውን ኣለው።
ጉንተር ግን ይቕጽል፡ ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ብሓቂ ሃገራዊ ዕርቂ ዝደሊ እንተነይሩ፡ እቲ ይቕሬታን ምሕረትን ንኹሎም ወገናት ከምዝሰርሕ ክገብር ነይርዎ። ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ንኽሰርሕ በቲ ፖለቲካዊ መራሒ እዩ ሓላፍነት ተዋሂቡ። ግህሰት ሰብኣዊ መሰል እንተነይሩ ከኣ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብእኩብ እዩ ክሕተተሉ ዘለዎ።
ጌታቸው ኣሰፋ ብኢደወንኑ እንትኮንሰ ተኣዚዙ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ኾይኑ ግን ምሕረት እንተተባሂሉ ብምሉእ ምሕረት እንተዝተሓዝ እዩ ዝሓይሽ ነይሩ ክብል ርእይቶኡ ይህብ።
ሕቶ ምንፃል ትግራይ
ብመሰረት ምሁራዊ ርእይቶ ጉንተር፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ስርዓት ፌዴራሊዝም ኣብ ብሄር እንተይኰነስ ኣብ መሬት ክምስረት ዝደልይዎ ኣለዉ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሕ ኣይኽእልን። ብፍላይ ኦሮሞ፣ ሶማልን ዓፋርን ኣይቕበልዎን፤ ፈፂሙ ኣይሰርሕን። ኣብቲ ተግባራዊ ዝተገብረ ፌዴራላዊ ስርዓት ምትዕሪራይ ምግባር ግን ይከኣል እዩ።
ንኣብነት፥ ዓርሰ ምምሕዳር ክፍቀደሎም ዝግባእ ብሄረ ሰባት ኣለዉ። ኢትዮጵያ ካብ 20 ክሳብ 25 ክልላት ክትፀውር ትኽእል ዓባይ ሃገር እያ።
ሕድሕድ ክልል ናይ ባዕሉ ቦርድ መረፃ ክህልዎ ይግባእ። ኣብቲ ክልል ንዝግበሩ መረፃታት ግዜን ቦታን ክውስን ዘለዎ ድማ እዚ ክልላዊ ቦርድ መረፃ ክኸውን ይግባእ። ሕድሕድ ክልል ባዕሉ ይውስን።
እቲ ናይ ፌደራል ቦርድ መረፃ፡ ብደረጃ ፌደራል ኣብ ዝግበር መረፃ ጥራይ እዩ ዝምልከቶ። ኣብ ክልላውን ከባብያውን መረፃ ኣይግድሶን። ፋይናንሳዊ ርክብ ፌዴራልን ክልላትን ንኣብነት ብዛዕባ ግብርን ቀረፅን ንፁርን ግልፅን ክኸውን ይግባእ። ስለ'ዚ ክልላት ካብ ኢድ ኣእታውነት ፌዴራል መንግስቲ ነፃ ክኾና ኣለወን።
ኣብ ጀርመን ፌዴራል መንግስቲ ንክልላዊ መራሒ ከውርድ ኣይኽእልን፤ እቲ ክልላዊ ባይቶ እዩ ክሸይምን ከውርድን ዘለዎ። ኣብ ኢትዮጵያ ግን እተን ክልላት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፌዴራል መንግስቲ እየን ዘለዋ። እዚ ፀገም'ዚ መልክዕ ክሕዝ ኣለዎ።
እንተደኣ ነቲ ዘሎ ጸገማት ክፈትሕ ዝኽእል ግቡእ ምትዕርራይ እንተተገይሩ ፈደራሊዝም ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሕ ከምዝኽእል ይዛረብ። "ምኽንያቱ፡ ህዝቢ ብተፈጥርኡ ምንፃል ኣይመርፅን። ብሓባር እሞ ድማ ኣብ ዝዓበየ ሓይሊ ምንባር እዩ ዝመርፅ። መሰሉን ክብሩን ግን ክሕለው ይግባእ" ይብል።
በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ፈደራሊዝም ኢትዮጵያ ብላዕሊ ብፖለቲካዊ ትካላት ዝተስገደደ እምበር ቁጠባውን ፖለቲካውን መሰረትን ንቕሓትን ህዝብታት ኢትዮጵያ ስለዘይፈጠሮ ምስቲ ኤቮሊሸናዊ መስርሕ ዝተኸተለ ፈደራሊዝም ምዕራብን ጀርመንን ከተመሳስሎ ኣይከኣልን እዩ።
ብቐንዱ፡ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ፈደራሊዝም፡ ንኹሉ ብሄር ብሄረ ሰባት ማዕረ መሰል ዘይህብ፡ ነቲ ዝዓበየን ተዛማዲ ብዝሒ ዘለዎ ብሄራት ብቛንቋ ዝወደበ ክልልላዊ ምሕደራ ብምዃኑ ንክልልላት ምሉእ ስልጣንን ሓይልን ምሃብ ነቲ ማእከላይ መንግስቲ ምልማስን ምንእኣስን ከኸትል ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ዘለዎም ምሁራት እውን ኣለዉ።
ጉንተር ግን ህዝቢ ትግራይ ክብሩን መሰሉን እንተተኸቢርሉ፡ ካብ ኢትዮጵያ ክወፅእ እየ ክብል ኣይኽእልን። ፌዴራላዊ መንግስቲ ከም ድላዩ ኢዱ ዘእቱ እንተዀይኑ ግን ፀገም ክፍጠር እዩ። ኣብ ኣራት ኪሎ ኰይንካ ኣብ ታሕቲ ኣብ ዘሎ ጣብያታት ክመርሕ እየ ትብል እንተዀይንካ ኣይሰርሕን።
ከምኡ እንተዀይኑ ምእኹል ምሕደራ እምበር ፌዴራላዊ ስርዓት ኣይበሃልን። ኣብ ቅኑዕ ፌዴራላዊ ስርዓት ድማ፡ ንኽልላትን ንቲ ፌዴራልን ዝመርሑ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ክህልው ይኽእሉ እዮም። "ንኣብነት ኣብ ጀርመን ልፍንታዊ መንግስቲ ኣሎ። ክርስትያን ዴሞክራሲያዊ ውድብን ሶሻል ዴሞክራስያዊ ውድብን ተላፊኖም ይመርሑ። ናብ ክልላት እንተኼድና፡ ኣብ ሓደ ክልል፡ ግሪን ዴሞክራስያዊ ውድብን ክርስትያን ዴሞክራሲያዊ ውድብን ተላፊኖም ይመርሑ። ዝተፈለየ ልፍንታዊ መንግስቲ። እዚ ድማ ይሰርሕ'ሎ።
ምኽንያቱ እዚ ነቲ ክልል እምበር ንፌዴራል መንግስቲ ስለዘይምልከት። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ቀፃሊ መረፃ እንታይ ከምዘጓንፍ ኣይፍለጥን። ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ድዩ ዓብላሊ ክኸውን ዝፍለጥ ነገር የለን። ልፍንታዊ መንግስቲ እውን ክፍጠር ይኽእል እዩ" ብምባል ዘለዎ ግምት ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







