ትግራይ፡ "ህወሓት ተመሪፁ'ምበር ለሚኑ ዝመፅአ ውድብ ኣይኮነን" ዶክተር ሰለሞን ኪዳነ

ብልጽግናን ህወሓትን

ኣብ መንግስቲ ፌደራል ዝነበሩ ገለ ሰብመዚ ኣባላት ህወሓት፡ ካብ መዝነቶም ተኣልዮም ኣለዉ፤ ካብኣቶም፡ ሚኒስትር ንግድን ኢንዳስትርን ኢትዮጵያ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረግዚኣብሄር ከምኡ'ውን ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣተሓባባሪ ክላስተር ኢኮኖሚን ሓላፊ ቢሮ መጓዓዝያን ዝነበሩ ዶክተር ኢንጂነር ሰሎሞን ኪዳነ ይርከብዎም።

ዶክተር ሰሎሞን ኪዳነ፡ ንሱ ዝርከቦም ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ኣብ ክፍለ ከተማታትን ዝነበሩ ኣመራርሓ ህወሓት ካብ ሓላፍነቶም ብምልዓል ብስም ተጋሩ ብካልኦት ይትክኡ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ኢህወዴግ እንዲና ተወዳዲርና፡ ኢህወዴግ ክሳብ ዝሰዓረ ድማ፡ [ከም ህወሓት] 25 ሚእታዊት ቦታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለና። ኣርባዕቲአን ውድባት እቲ ግንባር፡ ብነብሲወከፍ 25 ሚኢታዊት ማዕረ ብፅሒት ነይርወን፤ ማዕረ ናይ ምምራሕ ስልጣን ድማ ኣለወን። እዚ ምፍራስ ማለት ድማ ብሓፈሻ መንግስቲ ምምሕዳር እቲ ከተማ ምፍራስ ማለት እዩ" ይብል።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣመራርሓ ህወሓት ዝኾነ ሰብ፡ ካብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ካቢኔ ይለዓል ከምዘሎ ዝዛረብ ዶክተር ሰለሞን እዚ ስጉምቲ ኣብታ ሃገር ይፍፀም ኣሎ ንዝበሎ ጥሕሰት ሕጊ ዘርእይ ከምዝኾነ ይገልፅ።

ንዝሓለፉ ኣስታት 30 ዓመታት ነታ ሃገር ዝገዝአ ኢህወዴግ፡ ብልፅግና ናብ ዝበሃል ሓድሽ ውድብ ክሰጋገር እንከሎ፡ ስሙ ጥራሕ እንተይኮነስ ዝኽተሎ ስነ-ሓሳብ እውን እዩ ለዊጡ። ድሕሪ እዚ ድማ ህወሓት ናብ ብልፅግና ከምዘይሕወስ ብተደጋጋሚ ኣፍሊጡ እዩ።

እዚ ኣብ ሞንጎ ውድባት ህወሓትን ብልፅግናን ዝተፈጠረ ኣፈላላይ፡ ነዚ ስጉምቲ ምኽንያት ምዃኑ ዝገልፅ ዶክተር ሰሎሞን፡ ካብ መዝነቶም ከምዝተኣለዩ ካብ ዝገልፅ ደብዳበ ወፃኢ፤ ካልእ ምኽንያት ከምዘይተውሃቦ እዩ ዝዛረብ።

ህወሓት ህዝቢ ዝመረፆ ውድብ ስለዝኾነ ድማ፡ እዚ ውሳነ ምስ ህወሓት ብምምኽኻር ክፍጸም ዝግበኦ ዝነበረ እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ።

'ንብልፅግና ህዝቢ ኣይመረፆን፣ ኣይፈልጦን'

ዶክተር ሰለሞን፡ "እዚ ናይ ፖለቲካ ስልጣን እዩ፤ ስለዚ ነቲ ናይ ፖለቲካ ስልጣን ድማ ይውክለኒ እዩ ዝበሎ፡ ምስ ህወሓት ተወዳዲሩ ክሳብ ዝመፅአ፡ ንህወሓት ክውክሉ ዝኽእሉ ሰባት ህወሓት ጥራሕ እዩ ከቐምጥ ዝኽእል"ይብል።

"ሕዚ ግና ብዘይሕጋዊ መንገዲ፡ ሱቕ ኢልካ ተጋሩ ጥራሕ ስለዝኾኑ፡ ካብ ውድብ ጥራሕ እንተይኮነስ ካብ መሓውር መንግስቲ እናልዓልካ ይቕመጥ ኣሎ። ዝተመረፀ ውድብ ግና ናይቲ ውድብ ኣባላቱ 'እገለ ይምሩሕለይ' ኢሉ እቲ ውድብ እዩ ከቐምጦም ዝግባእ። ሱቕ ኢልካ ትግራዋይ እናኣረኻ ምሽያም ሙሉእ ብሙሉእ ስሕተት እዩ። ናይ ብሄር ተዋፅኦ እዮም ኣምሲለሞ" ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብቤት-ፅሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ብርኪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ፌደራልን ዝነበሩ ካልኦት ኣባላት ህወሓት እውን ካብ ስረሖም ክእለዩ ከምዝተገበሩ ዶክተር ሰለሞን ይዛረብ።

ዶክተር ሰለሞን ኪዳነ

ምንጪ ስእሊ, Dr. Solomon

ካብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ፡ ንስራሕ ፈፃሚ እቲ ክፍለ ከተማ ኣይተ ፍስሃየ፡ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝተኣለዩ ኣብነት ይጠቅስ።

"ህወሓት ተመሪፁ'ምበር ለሚኑ ዝመፅአ ውድብ ኣይኮነን" ዝብል ዶክተር ሰለሞን፡ ህወሓት ዋላ እኳ ናብ ውድብ ብልፅግና ኣይሕወስን እንተበለ፤ ብህዝቢ ዝተመረፀ ኢህወዴግ እምበር ብልፅግና ስለዘይኮነ፡ ብድምፂ ህዝቢ ትግራይ ተመሪፆም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ሰብ-መዚ ካብ ሓላፍነቶም ምእላይ፡ ድምፂ ህዝቢ ምዕፋን እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ።

"እቲ ብብልፅግና ዝመፅአ ሓድሽ ፕሮግራም፡ ህዝቢ ኣይመረፆን፣ ኣይፈልጦን። ህዝቢ በቲ ፈለማ ዝፈልጦን ዝመረፆን ፕሮግራምን እዩ ዝመሓደር። እቲ ዝነበረ ፕሮግራም ድማ ኩላትና ዝተመረፅናሉ'ዩ፤ ሕጋዊ መንግስቲ ፕሮግራሙ ዘይገደፈ ህወሓት ጥራሕ እዩ። ንሕና ነቲ ህዝቢ ዝመረፅካዮ ፕሮግራም ዘይኮነስ ዘይመረፅካዮ ሓይሊ እዩ ዝመርሓካ ዘሎ ኢልና ክነንቅሖ ኢና፡ ህዝቢ እዩ ዘድይብ ህዝቢ እዩ ዘውርድ" ብምባል ሓሳቡ ይገልጽ።

ህወሓት ኣብዚ ጉዳይ?

ብመንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኣባላታ ይውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን ኢደወነናዊ ተግባር ከምዝኾነን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብቕድሚ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ'ዩ።

"ቅድሚ ሕዚ ዝተፈፀመ ይኹን ኣብ ቀረባ እዋን ዝፍፀም ዘሎ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ይግባእ። እዚ እንተዘይኮይኑ ግና፤ ነዚ ስዒቡ ዝፍጠር ኩነታት ሓላፍነት ዝወስድ ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝፍፅም ዘሎ ኣካል ምዃኑ ግልፂ ክኸውን ይግባእ" ክብል ኣጠንቂቑ።

ቅድም ክብል ፓርቲ ብልጽግና ካብ አፈጣጥርኡ ጀሚሩ ዝተቓወመ እንተኾነ'ኳ፤ ከምዚ ዓይነቲ መጠንቀቕታ ኣስሚዑ ኣይፈልጥን።

ውድብ ብልፅግና ብወገኑ፤ ኣብ ናይ ኢህወዴግ ዕላዊ ናይ ፌስቡክ ገፅ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ እቲ ዝግበር ዘሎ ምደባ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ምስ ብቕዓትን ኣፈጻጽማን ተዛሚዱ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ "እዚ ሓደ ብሄር ንምግላልን ካብ ስራሕ ንምምዝባልን ገይሮም ዘቕርብዎ ዘለዉ ኣካላት ግና፡ ግጉይ ትርጉም ብምሃብ ህዝቢ ንምድንጋር ዝዓለመ እዩ" ኢሉ።

ብመንጽር ሕጊኸ?

ንምዃኑ ምፍራስ ኢህወዴግ ስዒቡ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ብመንፅር ሕግን ናይ ካልኦት ሃገራት ልምድን ከመይ ይረአ ክንብል፡ ንምሁር ሕገ-መንግስቲ ኣይተ ምስጋናው ሙልጌታ ሓቲትናዮ።

ኣይተ ምስጋናው፡ ምፍራስ ግንባር ንቡር እንተኾነ'ኳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጓንፍ ዘሎ ኣብ ካልኦት ሃገራት ካብ ዘጋጠመ ዝተፈለየ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።

"ካልእ እዋን ልፍንትታት እዮም ዝፈርሱ እምበር፡ ባዕሎም እቶም ኣባል ውድባት መንነቶም ኣይጠፍእን። ኣብዚ ጉዳይ እቲ ሕገ-መንግስቲ ዝኾነ ከይዲ ክህሉ ኣለዎ እዩ ዝብል። ንኣብነት ዝተመረፁ ኣባላት ባይቶ፡ ናይቲ ሓድሽ ውድብ ኣባላት ኮይኖም ናይ ምቕፃሎምን ዘይምቕጻሎምን ክረጋገፅ ይግባእ። ኣብ ሓድሽ ውድብ ብልፅግና ኣቲና ኢሎም ዝገበርዎ ብዝሒ ኣባላት ንብዝሓት ዝውክል እንተድኣ ኮይኑ ፡ እንተንኣሰ ሕገ-መንግስታዊ ኣካይዳ ዘማልእ እዩ ኢልና ክንካታዕ ንኽእል ኢና" ይብል። እዚ ብመንጽር ሕጋዊነት፡ ሕዚ ተንተንቲ ፖለቲካ ከምዝነቕፍዎ ዝገልፅ ኣይተ ምስጋናው፡ ናይ ቅቡልነት ቅልውላው ከስዕብ ከምዝኽእል የርድእ።

"በዚ ፕሮግራም ዝተወዳደረ ውድብ 'ንባዕለይ ለዊጠ እየ፤ መሊሰ ግና እንከይተመረፅኩ መንግስቲ ኮይነ ክቕፅል እየ' ፤ 'ሓድሽ ፕሮግራም እዩ ዘለኒ ግና ክቕፅል' እንተድኣ ኢሉ፡ ናይ ቅቡልነት ቅልውላው እዩ ዝለዓል፣ በቲ ፕሮግራሙ ኣይኮነን ተመሪፁ ዝብሉ ሕቶታት ፖለቲካ ክለዓል ይኽእል እዩ። ብሓገግቲ ኣካላት ግና ሕጋዊ ከይዲ ኣማሊኡ ክበሃል ይከኣል እዩ። ንሱ እውን እንተኾነ ኣይገበሮን" ይብል።

ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ሓድሽ ውድብ ክቕፅሉ ዘይደልዩ ኣባላት፡ ከም ውልቀ ወይድማ ከም ተቓወምቲ ኣባላት'ቲ ባይቶ ኮይኖም ክቕፅሉ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ 'ዝኾነ ከይዲ ክህሉ ነይርዎ' በሃላይ እዩ። ካብ መንጎ'ቶም 547 ኣባላት ባይቶ፡ ናይ ኣብዝሓ ድምፂ እንተድኣ ተረኺቡ፡ ብቅጥዒ መንግስቲ ኮይኑ ክቕፅል ከምዝክእል እቲ በዓል ሞያ ይዛረብ።

"ስለዚ ውድብ ብልፅግና እዚ እንተዝገብር ነይሩ ልክዕ ምኾነ" ክብል ወሲኹ ዝገልጽ ኣይተ ምስጋናው፡ ሹመታት ፖለቲካ ድማ እዚ ከይዲ ከማልኡ ከምዘለዎም የረድእ። "ዝኾነ ሚኒስተር ክሽወም ከሎ ፓርላማ ከፅድቖ ይግባእ፤ ክትኣልይ ግና ኣይትግደድን። ምኽንያቱ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣን ስለዘለዎ። ይኹን'ምበር እዚ እውን ኣይተተግበረን። እዚ ተራ ከይዲ ክመስል ይኽእል እዩ፤ ንልዕልና ሕጊ ግና ኣዝዩ መሰረታዊ እዩ። ምኽንያቱ ጥሕሰት ሕጊ ዝፍፀም፡ ከምዚኦም ዝበሉ መስርሓት እንክጠሓሱ እዩ" ክብል ይገልጽ።

ክልቲኦም ጉዳያት ዝኾነ ሕጋዊ ከይዲ ዘይተኸተሉን፤ ልዕልና ሕጊ ዝጠሓሱን ከምዝኾኑ እውን እቲ በዓል ሞያ ሕጊ ይዛረብ።

ስሙ ክንጠቕሶ ዘይደሊ ተንታኒ ፖለቲካ ድማ፡ መንግስቲ ፌዴራል ምስ ህወሓት ዘመሓድሮ መንግስቲ ክልል ትግራይ መሰረታዊ ልዝብ ከካይድ ከምዝግብኦ ይሕብር።

እንተዘይኮይኑ፤ እቲ እናሓርፈፈ ዝመጽአ ርክብ ከይዱ ከይዱ ናብ ዘየድሊ ቅርሕንትን ወተሃደራዊ ጎንጽን ከምርሕ ከምዝኽእል ስግኣቱ ይገልጽ።