ካብ ዑደት ንጉስ ክሳብ ክሲ ቢቢሲ፡ ትራምፕ ብሓያል መጠንቀቕታ ተመሊሱ

ንጉስ ቻርለስን ትራምፕን ተጠማሚቶም እናኣዕለሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ንጉስ ቻርለስን ንግስቲ ካሚላን ዝመጽእ ሰሙን ዝገብሩዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ሃገር፡ ነቲ ምስ ዓዲ እንግሊዝ ዝሽሕክር ዘሎ ርክብ ንምጽጋን ክሕግዝ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ትራምፕ ምስ ቢቢሲ ብተሌፎን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ እቲ ምብጻሕ ነቲ ርክብ ንምጽጋን ክሕግዝ ይኽእል ድዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "ብርግጽ። ንሱ (ንጉስ) ድንቂ እዩ፣ ድንቂ ሰብ እዩ፣ ብርግጽ መልሰይ እወ እዩ፡" ኢሉ ተዛሪቡ።

"ብጽቡቕ እየ ዝፈልጦ፣ ንዓመታት እየ ዝፈልጦ፡" ዝበለ ትራምፕ፡ "ተባዕ ሰብ እዩ፣ ዓቢ ሰብ እውን እዩ። ንሳቶም [ንጉስን ንግስትን] ብርግጽ እወታዊ ተራ ክህሉዎም እዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ኪር ስታርመር ዘለዎ ርክብ ብዝምልከት'ውን ተዛሪቡ። ስታርመር "ኵነታቱ ከመሓይሽ" ዝኽእል፡ ብዛዕባ ስደት ዘለዎ ፖሊሲ እንተ ቀይሩ ጥራይ ምዃኑ ገሊጹ።

ንጉስን ንግስትን ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ዑደት ንምክያድ ሰኑይ ናብ ኣመሪካ ክበጽሑን ኣብ ዋይት ሃውስ ምስ ትራምፕ ክራኸቡን እዮም።

ንጉስ ቻርለስን ትራምፕን ናይ ውልቂ ርክብ ክህሉዎም እዩ፣ ኣብ ቅድሚ ኮንግረስ'ውን መደረ ከስምዑ እዮም።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንኽልተ መዓልታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ኒው ዮርክ፡ ቨርጂንያን በርሙዳን ተጓዒዞም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክምለሱ እዮም።

ቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ከም ዝገለጾ፡ እዚ ጕዕዞ'ዚ ንመበል 250 ዓመት ናጽነት ኣመሪካ ንምብዓል ኰይኑ፡ ነቲ "ናይ ሓባር ብልጽግና፡ ድሕነትን ታሪኽን፡" ሽርክነት ዘኽብር እዩ።

ኣብቲ ሓሙስ ዝተገብረ ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ ቃለመሕትት፡ ትራምፕ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኪር ስታርመር ብዛዕባ ዘለዎ ርክብ ተሓቲቱ ነይሩ።

እቶም ክልተ መራሕቲ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢራን ዘሎ ውግእ ኣረኣእያኦም ዝተፈላለየ ይመስል፤ ሰር ኪር ድማ ንሎርድ ማንደልሰን ኣምባሳደር ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ኣመሪካ ገይሩ ብምሻሙ ናይ ተቓውሞ ጸቕጢ ይበጽሖ ኣሎ።

ትራምፕ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ናይ 'ትሩዝ ሶሻል' ጽሑፍ፡ ሎርድ ማንደልሰን "ኣዝዩ ሕማቕ ምርጫ" እዩ፣ እንተዀነ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር "ኵነታቱ ከመሓይሽ ብዙሕ ግዜ ኣለዎ፡" ኢሉ ነይሩ።

ትራምፕ በቲ ጽሑፉ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ምስ ተሓተተ፡ "ንባሕሪ ሰሜን እንተ ከፊቱዎ (ነዳዲ ንምውጻእ)፡ ከምኡ'ውን ፖሊሲታት ስደት እንተ ጸኒዖም - እዚ ሕጂ ዘየሎ - ክመሓየሽ ይኽእል እዩ። እዚ እንተ ዘይገይሩ ግን ዕድል ዘለዎ ኣይመስለንን፡" ኢሉ።

ትራምፕ፡ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ባሕሪ ሰሜን እትረኽቦ ምውጻእ ነዳድን ጋዝን ክትውስኽ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።

ሰር ኪር ሓሙስ ብዛዕባ ርእይቶ ናይቲ ፕረዚደንት ብቢቢሲ ምስ ተሓተተ፡ "ኣነ ውሳነታተይ ዝወስድ ብመሰረት ሃገራዊ ረብሓ ብሪጣንያ እምበር ካልኦት ሰባት ብዝብሉዎ ወይ ብዝገብሩዎ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

"ኣብቲ ኣብ ኢራን ዘሎ ውግእ ንኽይንኣቱ ውሳነ ዝወሰድኩሉ ምኽንያት'ውን ንሱ እዩ፡" ዝበለ ሰር ኪር፡ "ብዝዀነ ካልእ ሰብ ብዝበሎ ካብዚ ዕላማ'ዚ ፈልከት ኣይብልን እየ፡" ክብል ግብረመልሲ ሂቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትራምፕ ንመንግስቲ ዓዲ እንግሊዝን ካልኦት መሻርኽቶምን ብዛዕባ ንውግእ ኢራን ዝሃቡዎ ግብረመልሲ ነቒፉ እዩ።

ዓዲ እንግሊዝ ብዝሃበቶ ደረጃ ደገፍ "ሕጕስ ኣይኰንኩን" ክብል ከሎ፡ ሰር ኪር ግን እታ ሃገር ናብ ዝሰፍሐ ግጭት ከም ዘይትኣቱ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ከም ብዓል ዓዲ እንግሊዝ ዝኣመሰሉ መሻርኽቲ ንምንታይ ክሳተፉ ከም ዘድለዩ ምስ ተሓተተ፡ ንቢቢሲ ከምዚ ኢሉ፡ "ኣይድለዩን እዮም ነይሮም፣ ግን ክህልዉ ነይሩዎም። ብርግጽ ኣይደለኹዎምን።"

"ንሰራዊት ኢራን ኣጥፊእናዮ ኢና፡" ዝበለ ትራምፕ፡ "ዝዀነ ሰብ ኣየድለየንን፡" ኢሉ። እቲ ካብ መሻርኽቱ ዝሓተቶ ደገፍ ድማ "ከም ፈተና" ገይሩ ገሊጹዎ።

ትራምፕ ኣብዚ ወርሒ'ዚ፡ ኢራን ስምምዕ እንተ ዘይገይራ "ምሉእ ስልጣነ ሎሚ ለይቲ ክጠፍእ እዩ፡" ዝብል መጠንቀቕታ ሂቡ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ቃለመሕትት፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ ቢቢሲ ዝመስረቶ ናይ ቢልዮናት ዶላር ክሲ ስም ምጽላም ጠቒሱ እዩ።

ትራምፕ ዝኸሰሰሉ ምኽንያት፡ ቢቢሲ ኣብ ሓደ 'ፓኖራማ' ዝተባህለ መደብ፡ ነቲ ቅድሚ ናይ 6 ጥሪ 2021 ናይ ካፒቶል ዕግርግር ዘስምዖ መደረ ብምቝራጽ ምስ ካልእ ኣተሓሒዞም ኣቕሪቦሞ ብዝብል እዩ።

ትራምፕ፡ ቢቢሲ "ኣዝዩ ክጥንቀቕ" ከም ዘለዎ፡ እንተ ዘይኰይኑ ግን ዝናኡ "ክጠፍእ" ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ናይ ፓኖራማ ኣቀራርባ ንትራምፕ ይቕረታ ዝሓተተ እኳ እንተዀነ፡ ነቲ ዝሓተቶ ናይ ካሕሳ ሕቶ ግን ነጺጉዎ እዩ።

እቲ ክሲ መሰረት የብሉን ብምባል ድማ እቲ ጉዳይ ካብ ቤትፍርዲ ንኽስረዝ ጠለብ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ወሃቢ-ቓል ቢቢሲ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ነቲ ዝቐረበልና ክሲ ብጽኑዕ ክንከላኸለሉ ምዃንና ብቐጻሊ ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና፡" ኢሉ።