ንጉስ ቻርለስ እንታይ'ዩ ሓሚሙ? ብዛዕባ መንሽሮ ኸ እንታይ ንፈልጥ?

ወራሲ ንጉስ ቻርለስ ምስ ንግስቲ

ምንጪ ስእሊ, PA MEDIA

መግለጺ ስእሊ, ወራሲ ንጉስ ቻርለስ በዅሪ ወዱ ዊልያም'ዩ

ንጉስ ቻርለስ ብሕማም መንሽሮ ከምዝተለኽፈ ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም ይገልጽ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ንዝዓበየ ፕሮስቴት ኣብ ዝገበሮ ሕክምና እዩ መንሽሮ ተረኺብዎ። እቲ ንጉስ ሕክምና ዝጀመረ ኰይኑ ህዝባዊ ዕማማት ድማ ከሰጋግር ተመኺሩ ኣሎ።

ንጉስ ቻርለስ እንታይ ዓይነት መንሽሮ’ዩ ዘለዎ?

እቲ ንጉስ እንታይ ዓይነት መንሽሮ ከምዘለዎን ኣበይ ሕክምና ይረክብ ከምዘሎን ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም ኣይገለጸን።

ይዅን እምበር መንሽሮ ፕሮስቴት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ’ሎ።

ንጉስ ቻርለስ ዕድመኡ ክንደይ እዩ፡ ወራሲኡ’ኸ መን እዩ?

ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ወዲ 75 ዓመት እዩ። ኣብ መስከረም 2022 ን70 ዓመታት ዝነገሰት ኣደኡ ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ድሕሪ ምማታ ናብ መንበር ስልጣን መጺኡ።

ወራሲ ናይቲ ዝፋን ድማ በዅሪ ወዱ - ዊልያም ልኡል ዌልስ - ወዲ 41 ዓመት እዩ።

መንሽሮ ንጉስ ምስቲ ንዕቤት ፕሮስቴት ዝገብሮ ሕክምና ዝተኣሳሰር ድዩ?

ንጉስ ቻርለስ ኣብ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ምግፋሕ ፕሮስቴት ተሓኪሙ።

ኣብ እዋን ሕክምናኡ "ፍሉይ ዘተሓሳስብ ጉዳይ" ተለልዩ፤ ድሕሪኡ ድማ ሓደ ዓይነት መንሽሮ ምዃኑ ተረጋጊጹ።

ሕጂ ድማ በቲ ካልኣይ ኵነታት እናተመላለሰ ሕክምና ክረክብ እዩ።

መንሽሮ እንታይ እዩ?

መንሽሮ ዝኽሰት ኣብ ሓደ ፍሉይ ክፋል ኣካላት ዝርከቡ ዋህዮታት ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ክመቓቐሉ ከለዉ እዩ።

እዞም ዋህዮታት ናብ ካልኦት ቲሹታት ኣካላትና፡ እንተላይ ናብ ሰብነትና ክዝርግሑ ይኽእሉ፤ እዚ ድማ ካልኣዊ ወይ ‘ሜታስታቲክ’ መንሽሮ ተባሂሉ ይፍለጥ።

መንሽሮ ብኸመይ ትምርምሮ?

መብዛሕትኡ ግዜ ሓካይም ብዛዕባ ምልክታትካ ሕቶታት ብምሕታት ይጅምሩ። ገለ ፈተናታትን መርመራታትን እውን ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ድማ መርመራ ደምን ራጂን ወይ ካልእ ስካን ከጠቓልል ይኽእል። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ቤተ ፈተነ መርመራ ንምክያድ ንእሽቶ ናሙና ቲሹ ይወስዱ፣ እዚ ድማ ‘ባዮፕሲ’ ዝበሃል እዩ።

ሓሓሊፉ ከምቲ ንጉስ ቻርለስ ዘጋጠሞ፡ ሰባት ንኻልእ ነገራት ሕክምናዊ መርመራ ክገብሩ ከይዶም፡ መንሽሮ ክርከቦም ይኽእል’ዩ።

ኣብ ዓለም ክንደይ ሰባት ብመንሽሮ ይልከፉ?

ልዕሊ 200 ዝተፈላለዩ ዓይነታት መንሽሮ ኣለዉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቶም ዝበዝሑ ዓይነታት መንሽሮ ጡብ፡ ሳንቡእ፡ መዓንጣን መሃንቱስን ከምኡ’ውን መንሽሮ ፕሮስቴት ምዃኖም ይገልጽ።

ብመንሽሮ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሽዱሽተ ሞት ሓደ ከም ዘስዕብ ይገልጽ። ሓደጋ መንሽሮ ብዝዓበና መጠን ይውስኽ፡ ምኽንያቱ ዕንወት ዋህዮታት ንኽእከብ ዝያዳ ግዜ ስለዘሎ።

መብዛሕትኦም ሕሙማት መንሽሮ ኣብ 50 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድመኦም ዘለዉ ሰባት እዮም።

ኣብ መላእ ዓለም ካብ ኵሎም ብመንሽሮ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ ሓደ ሲሶ ልዕሊ 75 ዓመት ዝዕድመኦም ምዃኖም ካብ ሕክምናዊ መጽሔት ‘ቢኤምሲ ፓብሊክ ሄልዝ’ ዝተረኽበ ኣሃዛት ይሕብር።

ሕማም መንሽሮ ካብ ድኻታት ሃገራት ንላዕሊ ኣብ ሃብታማት ሃገራት ዝያዳ ይርአ።

ኣትላስ መንሽሮ ከምዘመልክቶ፡ ኣውሮጳ፡ ቻይናን ሰሜን ኣሜሪካን ኣብ ህዝበን ዝለዓለ ተርእዮ ናይዚ ሕማም ከምዘለወን ይሕብር።

ቀንዲ መድሃኒት መንሽሮ እንታይ እዩ?

መንሽሮ ንምፍዋስ ወይ ንምቍጽጻር ብዙሕ ዝተፈላለየ መገድታት ኣሎ። መብዛሕትኡ ኣብ ዓይነት መንሽሮን ኣበይ ከምዘሎን ይምርኮስ።

ገለ መንሽሮታት ብመጥባሕቲ ክእለዩ እንከለዉ፣ መድሃኒታት ኬሞቴራፒ ድማ ኣብ ሰራውር ክወሃቡ ወይ ከም ጽማቝ ተወሲዶም ንመንሽሮ ዘለዎም ዋህዮታት ክቐትሉ ይኽእሉ።

ራድዮቴራፒ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ዝቐርብ ካልእ ኣማራጺ እዩ። ነቲ መንሽሮ ንምጥቃዕ ልዑል ሓይሊ ዘለዎ ጩራታት ይጥቀም። እንተኾነ ኵሎም ሕክምናታት ናይ ምፍዋስ ተኽእሎታት ኣለዎም ማለት ኣይኰነን።

ደረጃታት መንሽሮ እንታይ እዮም?

ደረጃ ምውሳን ሓካይም እቲ መንሽሮ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑን ክሳብ ክንደይ ከምዝተዘርግሐን ዝገልጽሉ መንገዲ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ዝበለጸ ሕክምና ኣብ ምውሳን ክሕግዝ ይኽእል።

ሓካይም ዝጥቀሙሉ ዝተፈላለየ ስርዓታት ወይ ኣገባባት ኣሎ። ንኣብነት ደረጃ ምውሳን ቍጽሪ ክጥቀሙ ይኽእሉ፤ '1' ንዘይተዘርግሐ ንእሽቶ መንሽሮ ዘመልክት ኰይኑ፡ '4' ድማዝያዳ ዝማዕበለ ኣብ ዙርያ ኣካላት ዝዝርጋሕን እዩ።

ክንደይ ሰባት ካብ መንሽሮ ይሓውዩ?

ሓደ ሰብ ካብ መንሽሮ ናይ ምድሓን ዕድሉ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ብዓቢኡ ተመሓይሹ እኳ እንተዀነ፤ ናህሪ ምምሕያሽ ግን ምዝሓሉ ይፍለጥ።

ብመሰረት መጽሔት ሕክምና ዘ ላንሰት፡ ድሕሪ ምምዕባል መንሽሮ ጡብ፡ መዓንጣ ወይ ፕሮስቴት ንሓሙሽተ ዓመት ናይ ምድሓን ዕድል ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ጃፓንን ምዕራብ ኣውሮጳን ዝለዓለ እዩ።

ኣብ ኣልጀርያን ብራዚልን ምብራቓዊ ኣውሮጳን ድማ ኣዝዩ ትሑት እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ትሕቲ 40 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት መንሽሮ ከምዘለዎም እንተ ተፈሊጡ ናይ ምድሓን ዕድሎም ዝለዓለ እዩ።

መንሽሮ ኣለኒ ኢልካ እንተሓሲብካ እንታይ ትገብር?

ንቡር ዘይኮነ ነገር፡ ማለት ምኽንያt ዘይብሉ ምፍሳስ ደም ወይ ቃንዛ ዘይተለምደ ዕንፍሩር ወይ ሕበጥ ከምኡ'ውን ድኻምን ምጕዳል ክብደት ሰብነትን ቀጻሊ ሰዓልን እንተ ኣስተብሂልካ ናብ ሓኪም ምኻድ።

እቶም ምልክታት መንሽሮ ዘይክዀኑ ይኽእሉ እዮም፤ እንተዀነ ምምርማሩ ኣገዳሲ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ መንሽሮ ብኣጋኡ እንተተፈሊጡ ንሕክምና ቀሊል ክገብሮ ይኽእል እዩ።