ንጉስ ቻርለስ 'ንዓይ ይጥዓመኒ ዘይብሉ' ኣብነት ወላዲቱ ክኽተል ምዃኑ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ሓድሽ ንጉስ ዓባይ በሪጣንያ ቻርለስ ሳልሳይ፡ 'ንዓይ ይጥዓመኒ' ዘይብል ተወፋይነት ወላዲቱ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ክኽተል ከምዝደሊ ኣፍሊጡ።
ሎሚ ንመጋባእያ ክልቲኦም ባይቶታት እታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣርኣያ ነይተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መበል 96 ዕድሚኤንን መበል 70 ዓመት ንግስነተንን ዝዓረፋ ወላዲቱ ብምስዓብ ከገልግል ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ፓርላማ ብሪጣንያ "ህያውን ዝነብርን መሳርሒ ደሞክራሲ ሃገርና" እዩ ክብል'ውን ንሕገመንግስታዊ ስርዓት እታ ሃገር ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።
ኣፈኛ ወከልቲ ህዝቢ ሰር ሊንድሰይ ሆይል፡ ኣብ ዝሃቦ መገለጺ፡ "ንክቡር ልምድና፡ ናጽነታትና፡ ከምኡ'ውን ሓላፍነት ፍሉይ ታሪኽናን ፓርላመንታዊ ስርዓተ-መንግስትናን ዝለዓለ ክብረት ከምዘለካ ንፈልጥ" ክብል ኣብ ልዕሊ'ቲ ሓድሽ ንጉስ ዘለዎ እምነት ተዛሪቡ።
እቲ ንጉስ ብወገኑ፡ ነፈሰሄር ንግስቲ ኤልሳቤጥ "ኣብነት ንዓይ ይጥዓመኒ ዘይብሉ ሓላፍነት ኣንቢራ'ያ፡ ብደገፍ ፈጣሪን ምኽርኹምን ኣሰራ ክኽተል ብተኣማንነት ወሲነ ኣለኹ" ክብል መብጽዓ ኣትዩ።
እቲ ኣኼባ ዝተኻየደሉ ኣብ ህንጻ ፓርላማ ዝርከብ 'ኣደራሽ ዌስትሚኒስተር ' ኣብ 1097 ዝተሃንጸ ምዃኑ ይፍለጥ።
ንባይቶ ጎይቶት (ሃውስ ኦፍ ሎርድስ) ወኪሉ መግለጺ ዝሃበ፡ ሎርድ ማክፎል ብወገኑ፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ "ኣቓልቦ መላእ ህዝቢ ዓለም ዝሰሓባ" ምንባረን ብምግላጽ፡ "ብሓበንን ትሕናን ከም ንጉስ ንቕበለካ" ኢሉ።
ድሕሪ'ቲ ናይ ፓርላማ ኣኼባኡ፡ እቲ ንጉስ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ንግስቲ 'ኮንሶርት' ካሚላ፡ ብቐጥታ'ዩ ናብ ስኮትላንድ ኣምሪሑ።
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኤድንብራ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ድማ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ስኮትላንድ ኒኮላ ስታርጀንን ከንቲባ እታ ከተማን ተቐቢሎሞ።
ኣብ ከተማ ኣብ ዝኣተውሉ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ወሰናስን ዝሓለፍሉ ጎደናታት ደው ብምባል፡ ብሞት ንግስቲ ዝተሰምዖም ሓዘንን ነቲ ሓድሽ ንጉስ ዘለዎም ደገፍን ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, PA Wire
ድሕሪ'ቲ ኣብ ቤተመንግስቲ ሆሊሩድሃውስ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ከኣ፡ ሬሳ ንግስቲ ብደቀን ተሰንዩ በቲ 'ሮያል ማይል' ተባሂሉ ዝፍለጥ ጎደና ሓሊፉ ናብ ቤተክርስትያን ሴንት ጋይልስ ካቴድራል ኣምሪሑ።
ኣብቲ ንሕብረተሰብ ስኮትላንድ ዝውክሉ ብዙሓት ሰባት ዝተሳተፍሉ ማይ ጸሎት ስነ-ስርዓት፡ ተዛረብቲ ንነዊሕ ሂወት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዘመጉስን፡ ንሓድሽ ንጉስ ዘወድስን መደረታት ከስምዑ እንከለዉ፡ ንዝኽረን ጸሎት ተኻይዱ።
ብድሕሪ'ዚ፡ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ስኮትላንድ ሓጺር ኣኼባ ድሕሪ ምክያድ፡ ናብ ህንጻ ፓርላማ ስኮትላንድ በጺሑ። ኣባላት እቲ ባይቶ ድማ ብሞት ወላዲቱን ንግስቲ እታ ሃገር ዝተሰምዖም ናይ ሓዘን መግለጺታት ሂቦም።
ሎሚ ምሸት ድማ፡ ቤተሰብ ንግስቲ ኣብቲ ካቴድራል ንዝኽራ ኣብ ዝግበር ናይ ሽምዓ መደብ ክሳተፉ'ዮም።
ብዙሓት ሰባት ንመወዳእታ ግዜ ንክፋነውዋን ሓዘኖም ክገልጹን ሬሳ ንግስቲ ን24 ሰዓታት ኣብቲ ካቴድራል ክጸንሕ'ዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብነፋሪት ናብ ለንደን ክውሰድ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ወዲ ወዳ ዝኾነ ልኡል ሃሪ መስፍን ሳሰክስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንዓባዪ "ሓባሪት ኮምፓስ" እያ ነይራ ክብል ገሊጹዋ።
ኣብቲ ንኽብሪ ዝኽሪ ግዳያት ጂሃዳዊ መጥቃዕቲ 9/11 ኣመሪካ ደንጒዩ ዝወጸ መግለጺ፡ እተን ንግስቲ ብዓልቤተን ምስ ሞተ፡ "ሓቂ'ዩ፡ ሂወት ናይ መወዳእታ ምፍልላይን ናይ ፈለማ ርክባትን ዝሓዘት'ያ" ክብላ ዝተዛረብኦ ብምዝካር ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።
" ዓባየይ፡ ዋ'ላ'ኳ ናይ መወዳእታ ምፍልላይ ከቢድ ሓዘን እንተመጽኣልና፡ ንዝነበረና ኩሉ ፈላሚ ርክባት ግን ዕጉብ'ዩ- ካብቲ ምሳኺ ዝነበረኒ ናይ ቁልዕነት ዝኽረይ፡ ከም ላዕለወይቲ ኣዛዚተይ [ኣብ ሰራዊት እንከሎ]፡ ከምኡ'ውን ንፈለማ ግዜ ንፍትውቲ ብዓልቲ ቤተይ ዝረኸብክላን፡ ንደቂ-ደቅቒ ዝሓቖፍክላን።
"ንኹለን እዘን ምሳኺ ዝተኻፈልናየን ግዝያትን፡ ኣብ መንጎአን ዝነበራ ህሞታትን ኣብ ዝኽረይ እዓቑረን" ኢሉ።
"ሕጂ ድማ ንኣቦይ፡ ከም ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ነኽብሮ" ክብል ልኡል ሃሪ ኣብ መግለጺኡ ተኣማንነቱ ነቲ ሕድሽ ንጉስ ኣፍሊጡ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







