ሰኑይ ዝፍፀም ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሃገራዊ በዓል ኮይኑ ፀዲቑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መዓልቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ሃገራዊ በዓል ኮይኑ ክኽበር ብወደን ንጉስ ቻርለስ ፀዲቑ።
ወደን ንጉስ ቻርለስ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓርት ንግስና እዩ ነዚ ኣፅዲቑ ዘሎ።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሰኑይ 19 መስከረም 2022 እዩ ክፍፀም።
ንነዊሕ ዓመታት ንዓባይ ብሪጣንያ ብንግስና ዝገዝኣ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባልሞራል ኣብ ዝርከብ ናይ ስኮትላንድ ግዝኣተን እየን ዓሪፈን።
ስነ-ስርዓት ቀብረን ድማ ነገስታትን ንግስትታትን ዓባይ ብሪጣንያ ዘውዲ ኣብ ዝደፍእሉ ኣብ ዌስት ሚኒስተር ኣቢ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን እዩ ክፍፀም።
እዚ ቤተ-ክርስትያን ኣብ 1947 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ልኡል ፊሊፕ ቃል-ኪዳን ዝኣሰርሉ እዩ።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ ወላዲት እዘን ንግስቲ፡ ኣብ 2002 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን’ኳ እንተተፈፀመ፡ ካብ መበል 18 ክፍለ ዘበን ንንዘ ኣብ ኣቢ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣይተፈፀመን።
ዌስት ሚኒስትር ኣቢ፡ ካብ 1953 ጀሚሩ ንሹመት በዓል ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሓዊሱ ነገስታትን ንግስትታትን ዓባይ ብሪጣንያ ዝፍፀመሉ እዩ።
ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመፅኡ መራሕቲ ዓለም፡ ንህይወት እዘን ንግስትን ኣገልግሎተንን ንምዝካር፡ ናብ ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ስድራ ክፅንበሩ ክዕደሙ’ዮም።
ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ዓባይ ብሪጣንያን ቀዳሞት ሚኒስትራት እታ ሃገርን፡ ኣብቲ ብቐጥታ ተሌቬዥን ዝመሓላለፍ ምድላው ክርከቡ ትፅቢት ይግበር።
ሓደ ሓደ ትካላት ንግድን ኣብያተ ፅሕፈትን፡ ኣብ ዕለት ስነ-ስርዓት እዘን ንግስቲ፡ ክዓፅዉ ወሲኖም። ነዚ ስዒቡ መዓልታዊ ናብራ ካብ ካልእ እዋን ዝተፈለየ ክኸውን ትፅቢት ይግበር።
ሮያል ሜይል ኣብ መዓልቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ እተን ንግስቲ፡ ኣገልግሎታት ፖስታ ከም ዝእገዱ ኣፍልጡ ኣሎ።
ከም ሃሮድስ ዝበሉ ትካላት ድማ፡ ክዓፅዉ ከም ዝተለሙ ገሊፆም።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እዚ ተኣዊጁ ዘሎ ሃገራዊ ሓዘን፡ መንግስታዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክሳብ ዝፍፀም ከም ዝፀንሕ ኣፍሊጡ።
ዋላ’ኳ ትካላት ኣቐዲሞም ዝተለምዎም ምድላዋቶም ክስርዙ ግድን እንተዘይኮነ፡ ንዕረፍቲ እዘን ንግስቲ ስዒቡ፡ መብዛሕትኦም ትካላት ዝነበሮም መደባት ሰሪዞም ወይ ድማ ንካልእ እዋን ኣናዊሐሞ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ስኮትላንድ ሰሜን ኣየርላንድን ዝካየዱ ግጥማት ፕሪምየር ሊግን ሊግ ኵዕሶ እግሪ እንግሊዝን ክሳብ ዝቕፅል ሰሉስ ዝተናውሑ እንትኾኑ፡ ፀዋታት ሱፐር ሊግ ደቂኣንስትዮ፣ ሻምፒዮና ደቂ ኣንስትዮን ኤፍ ኤ ዋንጫ ደቂ ኣንስትዮን ንካልእ እዋን ተናዊሖም። ብዙሓት ውድድራት ፈረስ፣ ጎልፍን ግጥም ጉስጢትን ከኣ ተቛሪፆም።
ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ክካየዱ ተተሊሞም ዝነበሩ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማታት’ውን፡ ንሞት እዘን ንግስቲ ስዒቡ ተሰሪዞም።
ኮንግረስ ማሕበር ሰራሕተኛ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ከካይዶ ተሊምዎ ዝነበረ ዓመታዊ ጉባኤ፡ ምእንተ ክብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ክብል ንካልእ እዋን ኣመሓላሊፈዮ ኣለኹ ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







