መደብ ስርዓተ ቐብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት

ኣኽሊል

ኣብ ታሪኽ ብሪጣንያ፡ እቲ ዝነውሐ ንግስነት ዝተባህለሉ ዘመን፡ ብሞት እተን ንግስቲ ኣእኪሉ’ሎ።

ንሰን፡ ኣብ ግንቢ ባልሞራል ስኮትላንድ፡ ብቤተሰበን ተኸቢበን እየን ብሰላም ዓሪፈን።

ኣብ ዝቕጽሉ መዓልትታት፡ መላእ ሃገር ነተን ንግስቲ ክብሪ ኣብዝገልጸሉ ዘሎ ኩነት፡ ስነስርዓት ቀብረን ብኸምዚ ዝስዕብ ክፍጸም እዩ።

ምዕራፍ ኣስከሬን ንግስቲ ኣብ ቤተመንግስቲ

ኣደ ንግስቲ ኣብ ዝተቐብራሉ እዋን፡ ኣሽሓት ሰባት ተሳቲፎም እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣደ ንግስቲ ኣብ ዝተቐብራሉ እዋን፡ ኣሽሓት ሰባት ተሳቲፎም እዮም

ሬሳ እተን ንግስቲ፡ ካብቲ ዝሞታሉ ስኮትላንድ ናብ ለንደን ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ኣዳራሽ ቤተ መንግስቲ ዌስትሚኒስተር ንኣርባዕተ መዓልቲ ክዓርፍ እዩ። ክሳብ ስርዓተ ቀብሪ ዝፍጸም ድማ፡ ብህዝቢ ክብጻሕን፡ ሕሉፍ ዝኽሪታት ክስነድን እዩ።

እዚ ዓቢይ ኣዳራሽ፡ እቲ ዝጠንተወ ክፋል ቤተመንግስቲ ብሪጣንያ እዩ።

ንመወዳእታ ግዜ ኣብዚ ኣዳራሽ ዝዓረፈ ኣባል ስድራቤት ንግስነት ብሪጣንያ፡ ኣብ 2002፡ ሬሳ ኣደ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኰይኑ፡ ኣብቲ ግዜ ብ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ከም ዝተበጽሐ ተሰኒዱ'ሎ።

ንጉሳዊ ቅጥዒ

ኣስከሬን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ኣብ ክብ ዝበለ መድረኽ፡ ንዕኡ ተባሂሉ ኣብ ዝዳሎ ብዕንጸይቲ ዝወቀበ መቐመጥ፡ ኣብ ትሕቲ ጥንታዊ ዕንጸይቲ ዝናሕሱ ኣዳራሽ መበል 11 ክፍለ ዘመን ክንበር እዩ።

ነፍስወከፍ ኵርናዕ እቲ መድረኽ ከኣ፡ ካብ ኣባላት ሓለዋ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝዀኑ ወተሃደራት ክቘምዎ እዮም።

ኣስከሬን ንግስቲ፡ ካብ ባኪንግሃም ብህዱእ ምረሻ ወተሃደራት ሰልፈኛታትን ኣባላት ቤተሰብን ተዓጂቡ ዌስትሚኒስተር ክበጽሕ እዩ።

እዚ ጕዕዞ፡ ህዝቢ ኣብ ጐደናታት ወጺኡ ብኣካል ይዅን፡ ኣብቶም ኣብ ለንደን ሮያል ፓርክ ክትከሉ ትጽቢት ዝግበር ዘሎ ዓበይቲ ስክሪናት ክከታተሎ ክኽእል እዩ።

እቲ ሬሳ፡ ብንጉሳዊ ቅጥዒ ዝሽፈን ኰይኑ፡ ኣብ ኣዳራሽ ዌስትሚኒስተር ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ኣኽሊልን ልብሲን ንግስነት ክለብስ እዩ። 

ደብሪ ዌስትሚኒተር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደብሪ ዌስትሚኒስተር

ቀብሪ ንግስቲ መዓስ እዩ ክፍጸም?

ኣስከሬን ዝሓልፈሉ

ሃገራዊ ስነስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣብ ጥንታዊ ደብሪ ዌስትሚኒስተር ክፍጸም ትጽቢት ይግበር። እቲ ልክዕ መዓልቲ ግን ካብ ቤተንግስነት ባኪንግሃም ብዝወሃብ መግለጺ ክረጋገጽ እዩ።

እዚ ቤተክርስትያን፡ እተን ንግስቲ ኣብ 1953 እኽሊል ንግስነት ዝደፍኣሉን፡ ኣብ 1947 ከኣ ንልኡል ፍሊፕ ዝተመርዓዋሉን እዩ።

ኣብዚ ቤተክርስትያን’ዚ፡ ካብ 18 ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ፡ ክሳብ’ቲ ኣደአን ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝተቐብራሉ 2002፡ ዝዀነ ንጉሳዊ ቀብሪ ኣይተፈጸመን።

መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፡ ንኣገልግሎትን ህይወትን እተን ንግስቲ ምስ ስድራቤት ሓቢሮም ንኽዝክሩ፡ ናብ ብሪጣንያ ክጓዓዙ እዮም። ገዳይም ፖለቲከኛታትን ቀዳሞት ሚኒስተራትን ብሪጣንያ ነበርን’ውን ኣብቲ ስነስርዓት ክርከቡ እዮም። 

ውሽጢ ደብሪ ዌስትሚኒስተር

እዚ ስነስርዓት፡ ሬሳ ንግስቲ፡ ብሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ፡ ካብ ኣደራሽ ዌስትሚኒስተር ናብቲ ደብሪ ኣብ ዝኸደሉ መዓልቲ እዩ ዝጅምር።

እዚ ኣገባብ ንመወዳእታ ግዜ፡ ኣብ 1979፡ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ሓወቦ ልኡል ፊሊፕ- ሎርድ ማውንትባተን እዩ ተራእዩ። ሽዑ ብ142 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ እዩ ተደፊኡ።

ሓድሽ ንጉስ ዝርከቦም ዓበይቲ ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ ነቲ ምረሻ ከሰንይዎ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ስነስርዓት፡ ብላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ገዳም ደቪድ ሆይል ክምራሕን፡ ጳጳስ ካንተበሪ ጃስቲን ወልቢ፡ ቃለ-ቡራኬ ክገብሩን ምዃኖም ይግመት። ኣብ ርእሲኡ ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሊዝ ትራስ መደረ ክትህብ’ውን ተኽእሎ’ሎ።

ጕዕዞ ኣስከሬን ናብ ዊንድሶር

ግንቢ ዊንድሶር

ሬሳ እተን ንግስቲ፡ ናብቲ መወዳእታ ዝዓርፈሉ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ግንቢ ዊንድሶር ቅድሚ ምኻዱ፡ ኣብ መኪና ቐብሪ ተሰቒሉ፡ ብመራሾ ተሰንዩ፡ ካብቲ ደብሪ፡ ኣብ ኵርናዕ ‘ሃይደ ፓርክ’ ለንደን ናብ ዝርከብ ‘ወሊንግተን ኣርክ’ ክጕዓዝ እዩ።

ሬሳ ንግስቲ እምበኣር ኣብ መወዳእታ፡ ኣብታ ዕለት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቤተክርስትያን ሴንት ጆርጅ - ግንቢ ዊንድሶር፡ ክዓርፍ እዩ።

ቤተክስርትያን ሴንት ጆርጅ፡ ንመርዓ፡ ጥምቀትን ቀብርን ንጉሳውያን ቤተሰብ ብዙሕ ግዜ ዝዝውተር ቤተክርስትያን እዩ። እዚ ቤተክርስትያን፡ ልዑል ሃሪን ሜጋንን ቃልኪዳን ዝኣሰሩሉ፡ ቀብሪ ልኡል ፊሊፕ ዝተፈጸመሉን ምዃኑ ይዝከር።

ውሽጢ ቤተክስርትያን ሴንት ጆርጅ