ኣብ ዓይኒ 'ፀላእቱ' ኣትዩ ዘሎ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን- ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ- መን'ዩ?

ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ከም ኣካል እቲ እናጸንከረ ዝኸይድ ዘሎ ዞባዊ ኲናት፡ ንላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ ንምቕንጻል እስራኤል ዘቕረበቶ ውጥን ከምዝነጸጐ ይንገር።

ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ፡ እቲ ከም ቀንዲ ስግኣት ህላወ ዝቝጸር- መደበራት ኑክሌር ምዕናው ኣዅል ኣይኰነን፤ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ እስራኤል ስዒቡ ለውጢ ስርዓት ክመጽእ እዩ ዝደሊ።

ንምዃኑ እዚ ዒላማ እስራኤል ከይከውን ዝሰጋእ ዘሎ ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ - ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ መን እዩ?

ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜነይ ድሕሪ 1979 እስላማዊ ሰውራ ካልኣይ ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ዝዀነ እዩ።

ካብ 1989 ጀሚሩ ድማ ኣብዚ ዝለዓለ ሓላፍነት ይርከብ፤ ኢራናውያን መንእሰያት ብዘይካኡ ካልእ ዝዓበየ መራሒ ኣይፈልጡን።

እቲ ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝርከብ ኣያቶላህ መደረ እናገበረ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu/Getty Images

ንሱ፡ ኣብ ዓንኬል እቲ ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ ሕምብርቲ ስልጣን ኮፍ ኢሉ ይርከብ፤ ዝዀነ ህዝባዊ ፖሊሲ ከጽድቕን ክነጽግን ዝኽእል ገባርን ሓዳግን ጥራይ ኣይኰነን።

ንሕጹያት መራሕቲ ብኢደ ወነኑ ከቐምጥን ከልዕልን ዝኽእል ስልጣን ኣለዎ።

ከም ላዕለዋይ መራሒ ሃገርን ዋና ኣዛዚ ሰራዊትን- ንኮር ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ዘጠቓለለ- ንሱ ዝውስኖን ዝሕዞ መርገጺን ናይ መወዳእታ እዩ።

እዚ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን፡ ኣብታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ እታ ሃገር ዝዀነት ማሽሃድ፡ ብ1939 እዩ ተወሊዱ።

ንሱ፡ ካብቶም ሸሞንተ ውሉዳት ዝፈረየት ሃይማኖታዊት ስድራቤት ሓደ ዀይኑ፡ ኣቦኡ፡ ኢማም እቲ ኣብ ኢራን ዓብላሊ ዝዀነ ሺዓ-እስልምና እዩ ነይሩ።

ትምህርቱ ብመጽናዕቲ ቁርኣን ዝተዓብለለ እዩ፤ ኣብ 11 ዓመት ዕድመኡ ድማ ኢማም ክኸውን በቒዑ።

ግን፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ስርሑ ማዕረ ፖለቲካዊ፡ መንፈሳዊ'ውን እዩ ነይሩ።

እቲ 'ተዛሪቡ ዘስምዕ' ዝበሃል [Orator] ኻሜነይ፡ ምስ ነቐፍቲ ናይቲ ኣብ መወዳእታ ብእስላማዊ ሰውራ ዝተዓልወ ንጉስ ሻህ ኢራን ተጸንቢሩ።

ንዓመታት ኣብ ትሕተ- ምድሪ ወይ ኣብ ተሪር ቤት ማእሰርቲ ተሓዪሩ ነይሩ። ሽዱሽተ ግዜ ብሚስጢራዊ ፖሊስ ተኣሲሩ፣ ብስቅያትን ውሽጣዊ ሕራነን ተሳቕዩ።

ደሓራይ ግን፡ ኻሜነይ ኣብ 1979 ፕረዚደንት ኰይኑ ተመሪጹ። ቀጺሉ ነቲ ኣብ 1989 ኣብ መበል 86 ዓመቱ ዝሞተ ኣያቶላህ ዅመይኒ ተካኣይ ኰይኑ ተመሪጹ።

ዓሊ ኻሜነይ ሳሕቲ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝኸይድ ኰይኑ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ማእከላይ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ተኸቢሩ ይነብር።

ጀርዲንን ግጥምን ከም ዘስተማቕር ይንገረሉ።

ኣብ እዋን ቍልዕነቱ ሽጋራ ብምትካኽ እዩ ዝፍለጥ፤ እዚ ድማ ንሓደ ኣብ ኢራን ዝርከብ ሃይማኖታዊ ሰብ ነውሪ እዩ።

ኣብ 1980ታት ኣብ ዝተገብረ ፈተነ ቅትለት የማናይ ኢዱ ስለዝተወቕዐ ኣይጥቀመላን እዩ።

ንሱን በዓልቲ ቤቱ መንሱረህ ኮጃስተህ ባከርዛደን ሽዱሽተ ቈልዑ ኣፍርዮም -ኣርባዕተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን።

ሞጅታባ

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሞጅታባ

ሞጅታባ፡ እቲ ሓያል ወዱ

ስድራቤት ኻሜነይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይዅን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ሳሕቲ ዝረአዩ ኰይኖም፡ ብዛዕባ ውልቃዊ-ህይወት ደቁ ብዙሕ ንጹር ሓበሬታ የለን።

ካብ ኣርባዕተ ደቁ ግን፡ እቲ ካልኣይ- ሞጅታባ፡ ብጽልዋኡን ኣብ ውሽጣዊ ዓንኬል ኣቦኡ ብዝጻወቶ ርኡይ ተራን ኣዝዩ ፍሉጥ እዩ።

ሞጅታባ፡ ኣብቲ ደቂ ላዕለዎት ሰበስልጣን እስላማዊት ሪፓብሊክ ዝመሃሩሉ ኣብ ቴህራን ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣላቪ እዩ ተማሂሩ።

ጽልዋ ሞጅታባ፡ ካብ መፋርቕ 2000ታት ጀሚሩ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዓውዲ ዝያዳ ርኡይ እናዀነ መጺኡ።

ንሱ፡ ኣብቲ ብ2004 ድሕሪ ዝተኻየደ ኣካታዒ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ካብቶም ሕጹያት ሓደ ንማሕሙድ ኣሕማዲነጃድ ንምድጋፍ ብድሕሪ መጋረጃ ኢዱ ኣእትዩ ተባሂሉ ይኽሰስ።

ካብ 2010ታት ጀሚሩ ኣብ እስላማዊት ሪፓብሊክ ካብ ዘለዉ ሓያላት ውልቀሰባት ሓደ እዩ።

ኻሜነይ ዝትክእ ሕጹይ ተባሂሉ ድማ ይሕመ። ገለ ወግዓውያን ምንጭታት ግና ነዚ ጸብጻባት ይነጽግዎ።

ዓሊ ኻሜነይ፡ ከም ሓደ ንጉስ ንወዱ ብቐጥታ ዝፋን ከሕልፍ ዘይክእል'ኳ እንተዀነ፡ ሞጅታባ- ላዕለዋይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈቱ ኰይኑ፡ ኣብቲ ተሪር ዓንኬላት ኣቦኡ ርኡይ ስልጣን ኣለዎ።

መይሳም ካብ ደቂ ካሜነይ እቲ ዝነኣሰ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰይድ መይሳም ካብ ደቂ ኻሜነይ እቲ ዝነኣሰ እዩ

በዅሪ ገዛን ካልኦት ደቁን

ሙስጠፋ ኻሜነይ በዅሪ እታ ስድራ እዩ።

በዓልቲ ቤቱ ድማ ጓል ዓዚዞላህ ኮሽቫግት ዝተባህለ ተሪር ዓቃባዊ ኢማም እያ።

ክልቲኦም ሙስጣፋን ሞጅታባን ኣብ 1980ታት ኣብ ዝነበረ ኲናት ኢራንን ዒራቕን ኣብ ቅድመ ግንባር መሪሖም ኣገልጊሎም እዮም።

ሳልሳይ ወዲ ዓሊ ኻሜነይ መስዑድ ኰይኑ፡ ኣብ 1972 ተወሊዱ።

ንሱ ድማ ምስ ጓል ሞሕሰን ኻራዚ ዝተባህለ ምስ ዓቃባዊ ማሕበር መምህራን ዝተኣሳሰር ፍሉጥ ኢማም ተመርዕዩ።

መስዑድ ኻሜነይ ካብ ፖለቲካ ርሒቑ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብዛዕባኡ ብዕሊ ዝፍለጥ ውሑድ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ነቲ ስርሓት ኣቦኡ ዝከታተልን ንኣያቶላህ ኻሜነይ ከም ቀንዲ ማእከል ፕሮፖጋንዳ ኰይኑ ዝሰርሕን ቤት ጽሕፈት ይመርሕ ነይሩ።

ታሪኽ ህይወት ኣቦኡን ተዘክሮታቱን ናይ ምስናድ ሓላፍነት እውን ተሰኪሙ ኣሎ።

እቲ ሕሳስ-ልደት ወዱ- መይሳም ኣብ 1977 ተወሊዱ። ከምቶም ሰለስተ ዓበይቲ ኣሕዋቱ ንሱ'ውን ኢማም እዩ።

ስማ ኣብ ህዝቢ ዘይፍለጥ በዓልቲ ቤቱ፡ ጓል እቲ ሰውራ 1979 ብገንዘብ ብምድጋፍ ዝፍለጥ ሃብታምን ጸላዊን ነጋዳይ- ማሕሙድ ሎላቺያን እያ።

መይሳም፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምዕቃብን ምሕታምን ስርሓት ኣቦኦም ምስ ሓዉ መስዑድ ኰይኑ እዩ ዝሰርሕ።

ኢራናውያን ደቀንስትዮ ኣብ ሰልፊ ጐደናታት

ክልተ ኣዋልድ

ብዛዕባ ኣዋልድ ደቂ ኻሜነይ ብህዝቢ ዝፍለጥ ብዙሕ ነገር የለን።

ቡሽራን ሁዳን እተን ዝነኣሳ ኣባላት እታ ስድራቤት ኰይነነ፡ ክልቲአን ድሕሪ ለውጢ 1979 ዝተወልዳ እየን።

ቡሽራ ኣብ 1980 ዝተወልደት ኰይና፡ ምስ መሓመድ-ጃቫድ መሓመዲ ጎልፓየጋኒ ዝተባህለ ወዲ ጐላም ሑሴን (መሓመድ) መሓመዲ ጎልፓየጋኒ ዝተባህለ ተመርዕያ።

እዚ ኣቦ ሰብኣያ [ሓሙኣ]፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኻሜነይ ሓለቓ-ስታፍ እዩ።

ካብ ደቂ እቲ መራሒ እታ ዝነኣሰት ሁዳ ኰይና፡ ብ1981 እያ ተወሊዳ።

ንሳ ድማ ምስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢማም ሳድቕ መምህር ዝዀነ መስባሕ ኣልሆዳ ባግሪ ኻኒ ተመራዕያ።