ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ከምዝዓረፋ ቤተንግስነት ባኪንግሃም ኣፍሊጡ

ን70 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሓ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ መበል 96 ዓመተን ዓሪፈን።
ብሓሙስ፡ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ፡ ሓካይም፡ ኩነታት ጥዕና እተን ንግስቲ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጾም፡ ኣባላት ስድራቤተን ኣብ መንበሪ ገዝአን ተኣኪቦም ኔሮም።
እተን ንግስቲ ኣብ 1952 እየን ናብ ዙፋን ደዪበን።
በኹሪ ወደን፡ ልኡል ዌልስ፡ ቻርለስ፡ ንጉስ እታ ሃገርን መራሒ ሃገር 14 ኣባላት ሓባራዊ ሃብትን ክኸውን እዩ።
ቤተንግስነት ባኪንግሃም ፓላስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ንግስቲ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባልሞራል ብሰላም ዓሪፈን” ኢሉ።
ባልሞራል፡ ኣብ ስኮትላንድ ዝርከብ ተወሳኺ መንበሪአን'ዩ።
“ንጉስን በዓልቲ ቤቱ ንግስቲ ካሚላን ሎሚ ምሸት ኣብ ባልሞራል ጸኒሖም ጽባሕ ናብ ለንደን ክምለሱ እዮም” ክብል እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
"ብዜና ዕረፍቲ እታ ኣዝያ ፍቕርቲን ተፈታዊትን ንግስቲ ዓሚቚ ሓዘን ይስመዓና። ሞታ ኣብ መላእ እታ ሃገር፡ ግዝኣታት ኮመን ዌልዝ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ዓሚቚ ሓዘን ክፈጥር ምዃኑ እፈልጥ'የ" ክብል እቲ ሐድሽ ንጉስ ሓዘኑ ገሊጹ።
ሓካይም፡ ንግስቲ ኣብ ሕክምናዊ ክትትል ክጸንሓ ድሕሪ ምውሳኖም ኩሎም ደቀን ናብ ቤተንግስነት ባልሞራል ከምዝተጉዓዙ ተፈሊጡ።
ወዲ ወደን ልኡል ዊልያም ’ውን ኣብኡ ክርከብ እንከሎ ሓዉ ልኡል ሃሪ ድማ ኣብ መገዲ ምንባሩ ተገሊጹ ኔሩ።
ብሰሉስ ሽመታ ካብ ንግስቲ ዝተቐበለት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሊዝ ትራስ ብወገና፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ "ዘድልየና ምርግጋእን ሓይሊን ሂባትና'ያ" ክትብል ሓዘና ገሊጻ።
ወደን፡ ግርማዊ ቻርለስ፡ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ተባሂሉ ከምዝጽዋዕ'ውን እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኣፍሊጣ።
ኣብ ፊት ቤትጽሕፈታ (10 ዳውኒን ስትሪት) ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ነቲ ሓድሽ ንጉስ "ከምቲ ወላዲቱ ንብዙሓትን ንነዊሕ እዋንን ዘርኣየትና ተወፋይነት፡ ንዕኡ ዘለና ደገፍን ተወፋይነትን ንገልጸሉ" ኢላ።
"ኣብዚ ዘመነ ካልኣይቲ ኤልሳቤጥ ዝሓልፈሉ ዘሎ እዋን፡ ከም መቐጸልታ ዘገርም ታሪኽ ዓባይ ሃገርና ሓድሽ መዋእል ንቕበል ኣለና። ከምቲ እታ ግርማዊት ንግስቲ ትጽበየና ድማ፡ 'ፈጣሪ ንንጉስና ይሓሉ' ዝብላ ቃላት ነውስእ" ኢላ።
ዘመነ ንግስነት ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ከም መራሒት ሃገር፡ ነቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረ ጽንኩር ቁጠባዊ እዋን፡ ካብ ኢምራጦርያ ናብ ኮመን ዌልዝ ዝነበረ ምስግጋር፡ ምውዳእ ዝሑል ኲናት፡ ከምኡ'ውን፡ ምጽንባርን ምውጻእን ናብን ካብን ሕብረት ኣውሮጳ ዝሓለፈ'ዩ።
ንግስነተን፡ ኣብ ብሪጣንያ፡ ካብቲ ኣብ 1874 ዝተወለደ ዊንስተን ቸርቺል ክሳብታ ድሕሪ 101 ዓመት ኣብ 1975 ዝተወለደት ሊዝ ትራስትን ዝነበሩ 15 ቀዳሞት ሚኒስተራት ዝረኣየ'ዩ።
ኣብ ምሉእ ዘመነ ንግስነተን ድማ፡ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ምስቶም ቀዳሞት ሚኒስተራት ይራኸባ ነይረን።
ኩነታት ጥዕናአን ንምፍላጥ ኣብ ፊት ናይቲ ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ለንደን ዝርከብ ቤተንግስነት ባኪንግሃም ዝተኣኻኸቡ ሰባት፡ ሕልፈተ-ሂወተን ምስ ሰምዑ ክበኽዩ ተራእዮም።
ስነስርዓት-ቀብረን ኣብ ዝመጽእ ክልተ ሰሙን ክፍጸም ትጽቢት ይግበር።
ዝመጽእ መዓልታት፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንቡር ሂወት ደስኪሉ ክቕኒ'ዩ።
ንግስቲ ኤልሳቤጥ 21 ሚያዝያ 1926 ኣብ መይፈይር ለንደን ዝተወለዳ ኮይነን፡ ኤልሳቤጥ ኣለክሳንድራ ሜሪ ዊንድሶር ዝተውሃበን መጸውዒ ሽም ነይሩ።
ኣብ ቁልዕነተን ንግስቲ ክኾና ከምዝኽእላ ዝገመቱ ብዙሓት ሰባት ኣይነበሩን፤ ኣብ ታሕሳስ 1936 ግና ኣኮአን ዝነበረ ንጉስ ኤድዋርድ ሻምናይ፡ ነታ ክልተ ግዘ ዝተፋተሐት ኣመሪካዊት ዋሊስ ሲምፕሰን ንምምርዓው ኢሉ ንግስነቱ ገዲፉ።
ነዚ ስዒቡ ኣቦአን ንጉስ ጆርጅ ሻድሻይ ተባሂሉ ክቕባእ እንከሎ፡ ላሊቤት ተባሂለን ዝጽወዓ ዝነበራ ልእልቲ ኤልሳቤጥ ድማ ኣብ 10 ዓመተን ወራሲት ዘውዲ ኮይነን።
ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ብሪጣንያ ምስ ጀርመን ናብ ኲናት ኣትያ። ንሰንን ሓፍተን ልእልቲ ማርጋሬትን ናብ ካናዳ ክውሰዳ ዝቐረበ ሓሳብ ወለደን ስለዘይተቐበልዎ፡ እቲ ናይ ኲናት እዋን ኣብ ቤት ንግስነት ዊንድሶር እየን ኣሕሊፈነኦ።
18 ዓመት ምስመለአን ድማ ምዝዋርን ጽገናን መኪና ተማሂረን ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሰራዊት ኣገልጊለን።
ኣብ እዋን እቲ ኲናት ናይ ርሑቕ ዘመደን ምስዝነበረን ኣብ ሮያል ኔቪ ዘገልግል ዝነበረን ልኡል ግሪክ፡ ፊሊፕ፡ ደብዳበ ይጸሓሓፋ ነይረን። ፍቕራዊ ርክቦም ዓምቢቡ ድማ 20 ሕዳር 1947 ኣብ ዌስትሚነስተር ኣበይ ተመርዕዮም።
ቦኽሪ ወዶም ልኡል ቻርለስ ኣብ 1948 ዝተወለደ ኮይኑ ልእልቲ ኣኒ ኣብ 1950፣ ልኡል ኣንድሪው ኣብ 1960፣ ልኡል ኤድዋርድ 1964 ተወሊዶም።
ሞት ኣቦአን ንጉስ ጆርድ ሻድሻይ ኣብ 1952 እንትስማዕ ልእልቲ ኤልሳቤጥ ንወላዲአን ወኪለን ኣብ ኬንያ ነይረን። ሽዑ ሓዳስ ንግስቲ ኮይነን ናብ ዓደን ብቕልጡፍ ተመሊሰን።
ኣብ 27 ዓመተን 2 ሰነ 1953 ኣብ ዌስትሚኒስተር ንግስቲ ኮይነን ዝተቐበኣ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ነቲ ስነ ስርዓት ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ብቴሌቪዥን ተኸታቲሎምዎ።
ንሕብረት ሓበራዊ ሃብቲ ብዝነበረን ተገዳስነት ዝምስገና እተን ንግስቲ ፡ ብውሑድ ሓደ ግዘ ኣብ ሕድሕድ ኣባል ሃገር በጺሐን እየን።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







