ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክሳብ ዝፍጸም ዘሎ መዓልታዊ መደባት

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ስነስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ 19 መስከረም 2022 ዝፍጸም ኰይኑ፡ ኣስክሬነን ሎሚ ኣብ ኢድንብራ በጺሑ።
ሓዘንተኛታት፡ ፈለማ ኣብ ኢድንብራ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ጊለስ ደሓር ከኣ እቲ ኣስከሬን ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ዝዓርፈሉ ኣዳራሽ ዌስትሚኒስተር፡ ነቲ ኣስከሬን እተን ንግስቲ ክርእዩዎ’ዮም።
ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ንዓባይ ብሪጣንያ ናብ ዘቝማ ኣርባዕተ ሃገራት ምብጻሕ ክገብር እዩ።
ብሓፈሻ፡ ስነስርዓት ቀብሪ ክሳብ ዝፍጸም ዘሎ ምዕበለታት እንታይ ይመስል?
ሰኑይ 12 መስከረም
እቲ ንጉስ፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ዌስትሚኒስትር ምብጻሕ ብምግባር ውዕሎኡ ክጅምር እዩ።
ኣብዚ፡ ኣባላት ላዕለዋይን ታሕተዋይን ባይቶ ሓዘኖም ንምግላጽ ክርከቡ’ዮም፤ ቻርለስ ድማ መደረ ከስምዕ’ዩ።
ድሕሪኡ፡ ‘ኲን ኰንሰርት’ ዝብል መዓርግ ምስ ዝለበሰት በዓልቲ ቤቱ ካሚላ ናብ ኢዲንብራ ክኸይድ እዩ።
ቀጺሉ፡ ኣስክሬን ንግስቲ ካብ ቤተንግስነት ሆሊድሩሃውስ ኢድንብራ ናብ ካቴድራል ቅዱስ ጊለስ ክውሰድ'ዩ።
እቲ ኣስክሬን፡ ን24 ሰዓታት ኣብቲ ካቴድራል ዝጸንሕ ኰይኑ ህይወት እተን ንግስቲ ንምኽባር ዝፍጸም ኣገልግሎት እውን ሎሚ ክካየድ እዩ።
እዚ መስርዕ ብምሓዝ ዝፍጸም ኰይኑ፡ ተሳተፍቲ ንሰዓታት ደው ክብሉ ከም ዝኽእሉ ሰብ መዚ ገሊጾም።
እቲ ንጉስ ብተወሳኺ፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ስኮትላንድ፡ ኒኮላ ስተርጀን ናብ ቤተመንግስቲ ሆሊሩድሃውስ ከምርሕ'ዩ።
ንሱን ንግስቲ ኮንሶርትን፡ ድሕሪኡ ኣባላት ባይቶ ስኮትላንድ መግለጺ ሓዘን ኣብ ዘቕርብሉ ባይቶ ስኮትላንድ ክሳተፉ እዮም።
ኣጋ ምሸት ክኣ፡ ንጉስ ቻርለስ ምስ ካልኦት ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ስድራ ብምዃን ኣብቲ ኣስክሬን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝዓርፈሉ ካቴድራል ቅዱስ ጊለስ ሓለዋ ክገብር እዩ።

ሰሉስ 13 መስከረም
ሳንዱቕ ሬሳ እተን ንግስቲ ካብ ካቴድራል ቅዱስ ጊለስ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኢድንብራ ክውሰድ’ዩ። ካብኡ ብነፋሪት ናብ ኖርዝሆልት ክውሰድ’ዩ።
ልእልቲ ኣኔ ክኣ ከተሰንዮ እያ።
እቲ ኣስክሬን ኣብ ለንደን ምስ በጽሐ ናብ ቤተመንግስቲ ባኪንግሃም ክውሰድ እዩ፤ ኣብዚ ንጉስን ካሚላን ክጸንሑ’ዮም።
ቅድሚኡ፡ ንጉስን ካሚላን ምስ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሰሜን ኣየርላንድ ክሪስ ሂቶን-ሃሪስን ካልኦት መራሕቲ ሰልፍን ክራኸቡ’ዮም።
ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ድሕሪ ዝህልዎ ርክብ ድማ፡ ንጉስ ቻርለስን ካሚላን ናብ ለንደን ቅድሚ ምምላሶም ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ኣኔ ዝፍጸም ስነ ስርዓት ጸሎት ክሳተፉ እዮም።
ረቡዕ 14 መስከረም
ኣስክሬን ንግስቲ፡ ካብ ቤተመንግስቲ ባኪንግሃም ናብ ዌስትሚኒስትር ክውሰድ እዩ፤ ኣብዚ ንኣርባዕተ መዓልታት ክጸንሕ እዩ።
ነበርቲ እቲ ኣስክሬን ክሓልፍ እንከሎ ክርእዩ ክፍቀደሎም’ዩ።
ንጉስን ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ስድራን ክኣ ኣብቲ 38 ደቓይቕ ዝወስድ ጕዕዞ ክሳተፉ’ዮም።
ኣብ ዌስትሚኒስትር ምስ በጽሑ፡ እቲ ኣስከሬን ክዓርፍ’ዩ። መዓልታዊ ን24 ሰዓታት በቶም ነቲ ንጉሳዊ ስድራ ዝሕልው ወተሃደራት ክሕሎ’ዩ።
ህዝቢ ክብሩ ንምግላጽ ክኣቱ ፍቓድ ቅድሚ ምሃቦም ክኣ፡ ሊቀ-ጳጳስ ካንተርባሪ ጀስቲን ዌልቢ ሓጺር ስነስርዓት ክፍጽም’ዩ።
ሓሙስ 15 መስከረም
እዚ፡ ኣስክሬን እተን ንግስቲ ኣብ ዌስትሚኒስትር ዝዓፈሉ ራብዓይ መዓልቲ እዩ።
ስነስርዓት ቀብሪ ክሳብ ዝፍጸመሉ ዘሎ ክኣ ኣብኡ ክጸንሕ’ዩ።
ክሳብ ሽዑ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሕዙናት ኣብቲ ብ11 ክፍለ ዘመን ዝተሰርሐ ህንጻ ምብጻሕ ክገብሩ’ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ህንጻ፡ እቲ ዝዓበየ ክፋል ቤተመንግስቲ ዌስትሚኒስትር ኰይኑ፡ ሕምብርቲ መንግስቲ ብሪጣንያ’ውን እዩ።
ዓርቢ 16 መስከረም
ሕጂ’ውን ሰባት፡ ክበጽሑ ክፍቀደሎም’ዩ። ንጉስ ቻርለስን ካሚላን ክኣ፡ ናብ ዌልስ ክጕዓዙ'ዮም።
እቲ ንጉስ፡ ናብ ኣርባዕቲአን ሃገራት ዓባይ ብሪጣንያ ዝገብሮ ናይ መወዳእታ ምብጻሕ፡ ኣብ ዌልስ ብዝህልዎ ጻንሒት'ዩ ክዛዘም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳም 17 መስከረም
ኣስክሬን እተን ንግስቲ ንሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ህንጻ ዌስትሚኒስትር ዝዓርፈሉ ክኸውን እዩ።
ሰንበት 18 መስከረም
እቲ ኣስክሬን፡ ንራብዓይ መዓልቲ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ክጸንሕ እዩ።
ሰኑይ 19 መስከረም
እቲ ኣስክሬን፡ ብዓጀባ ስነ ስርዓት ምፍናው ቀብሪ ናብ ዝግበረሉ ደብሪ ዌስትሚኒስተር ክውሰድ እዩ።
ኣብዚ፡ ኣባላት ስድራ እተን ንግስቲ፡ ነባራት ፖለቲከኛታት ዓባይ ብሪጣንያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝመጽኡ መራሕትን ወከልቲ እተን ንግስቲ ዝሕግዝኦም ዝነበራ ገበርቲ ሰናይን ክሳተፉ’ዮም።
ድሕሪኡ፡ እቲ ኣስክሬን ብዓጀባ ካብ ደብሪ ዌስትሚኒስተር ናብ ህንጻ ዌሊንግተን ቀጺሉ ድማ ናብ ዊንድሶር ክውሰድ’ዩ።
በዚ መሰረት፡ ብመኪና ቀብሪ ተሰንዩ ሓበራዊ ጸሎት ናብ ዝግበረሉ ነዊሕ ጕዕዞ ዝወስድ ቤተ ጸሎት ቅዱስ ጊዮርጊስ ክኣቱ እዩ።
ስነ-ስርዓት ቀብረን ድማ ነገስታትን ንግስትታትን ዓባይ ብሪጣንያ ዘውዲ ኣብ ዝደፍእሉ፡ ኣብ ደብሪ ዌስትሚኒስተር ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን እዩ ክፍጸም።
እዚ ቤተ-ክርስትያን ኣብ 1947 [ኣ.ኣ]፡ ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ልኡል ፊሊፕ ቃል-ኪዳን ዝኣሰሩሉ እዩ።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ ወላዲት እዘን ንግስቲ፡ ኣብ 2002 ’ኳ እንተተፈፀመ፡ ካብ መበል 18 ክፍለ ዘበን ንነጀው ኣብ ደብሪ ዝዀነ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣይተፈጸመን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







