ብሪጣንያ፡ ንጉስ ቻርለስ መንሽሮ ከምዝተረኽቦ ኣፍሊጡ

ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ቻርለስ 3ይ ሕማም መንሽሮ ከምዘለዎ ቤተንግስነት ሎሚ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕማም፡ ንዝነበሮ ፕሮስቴት ሕክምናዊ መጥባሕቲ ክገብር ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምእታዉ ዝተረኽበ ምዃኑ ተገሊጹ።

እንታይ ዓይነት መንሽሮ ምዃኑ ግን ዛጊት እንዘይተገልጸ፡ "ስሩዕ ክንክን" ይግበረሉ ከምዘሎ ባኪንግሃም ፓላስ ሓቢሩ'ሎ።

"ንዝግበረሉ ዘሎ ክንክን ምሉእ ብምሉእ ብእወታ" ከምዝርእዮ'ውን እቲ ቤተንግስነት ዘውጽኦ መግለጺ ይጠቅስ። ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ንዝነበሮ ህዝባዊ ንጥፈታት ብምውንዛፍ፡ ብላዕለዎት ኣባላት እቲ ንግስነት ከምዝዕመም ክገብር እዩ።

እቲ ንጉስ "ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ናብ ንቡር ህዝባዊ ሓላፍነቱ ክምለስ ይትስፎ" ይብል እቲ ብሰኑይ 05 ለካቲት ዝወጸ መግለጺ።

ብዛዕባ ደረጃን ዓይነትን እቲ ዝተረኽቦ መንሽሮ ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።

ንጉስ ቻርለስ፡ ብዛዕባ'ቲ ሕማም ንክልቲኦም ደቁ ከምዝሓበሮምን፡ ወራሲ ዘውዲ ንግስነት ዝኾነ ልኡል ዊልያም ምስ ኣቦኡ ስሩዕ ርክብ ይገብር ከምዘሎን ተፈሊጡ'ሎ።

እቲ ናብ ኣመሪካ ዝገዓዘ ልኡል ሃሪ ብወገኑ፡ ምስ ኣቦኡ ከምዝተዘራረበን፡ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ መዓልታት ናብ ብሪጣንያ ክመጽእን ትጽቢት ይግበረሉ።

ወዲ 75 ንጉስ ቻርለስ፡ ካብቲ ኣብ ሳንደሪንግሃም ዝርከብ ሓደ ካብ ኣበይቱ ሎሚ ናብ ለንደን ከምዝተመልሰን፡ ናብ ሆስፒታል እናተመላለሰ ሕክምናዊ ክንክን ከምዝጀመረን እቲ ቤተንግስነት ሓቢሩ።

ዋላ'ኳ፡ ንቡር ህዝባዊ ንጥፈታቱን መደባቱን ደው እንተኣበለ፡ ከም መራሒ ሃገር ቅዋማዊ ሓላፍነቱ ክዋጻእ እዩ። እዚ ማለት ዝፍረም ወረቓቕቲ ይኹን ስቱር ኣኼባታት ምክያድ ክቕጽል'ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መራሒ ሃገር ወግዓዊ ሓላፍነቱ ክፍጽም ኣብ ዘይክእለሉ እዋን፡ "ኣማኸርቲ-ሃገር" ተባሂሎም ዝጽውዑ ላዕለዎት ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ ኣብ ክንድኡ ከይኖም ክሰርሑ ዘኽእል ቅዋማዊ ኣገባብ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ብዓልቲቤቱ ንግስቲ ካሚላ፡ ልኡል ዊልያም፡ ልእልቲ ኣን፡ ከምኡ'ውን ልኡል ኤድዋርድ ከም ኣማኸርቲ-ሃገር ኮይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ልኡል ሃሪን ሓው ንጉስ መስፍን ዮርክ ልኡል ኣንድሪውን ግን ሓላፍነት ዘይብሎም ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ ተባሂሎም ይጽውዑ።

ልኡል ዊልያም'ውን ነታ ኣብዚ ቀረባ እዋን "መጥባሕቲ ከብዲ" ገይራ ካብ ሆስፒታል ዝወጸት ብዓልቲቤቱ ልእልቲ ካተሪንን ደቆምን ንምእላይ፡ ህዝባዊ ንጥፈታቱ ኣወንዚፍዎ እዩ ጸኒሑ።

ብሰኑይ ንጉሆ ግን፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን'ዚ ናብ ንቡር ንጥፈታቱ ክምለስ ምዃኑ ተገሊጹ።

ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ብሰንበት ኣብቲ ኣብ ሳንድሪንግሃም ዝርከብ ቤተክርስትያን ዝተኻየደ ቅዳሰ ኣብ ዝተረኽበሉ ንጋዜጠኛታት ሰላምታ ክህብ ተራእዩ ነይሩ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ለንደን ዝርከብ ናይ ብሕቲ ክሊኒክ መጥባሕቲ ፕሮስቴት ተኻይዱሉ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብቲ እዋን ዝወጸ መግለጺ እቲ ቤተንግስነት፡ ኩነታት ናይቲ ፕሮስቴት "ሓደገኛ ዘይኮነ" ምንባኣሩ ገሊጹ ነይሩ።

"ነዚ ኣብ ዝሕከመሉ ዝነበረ እዋን'ዩ፡ ካልእ ዘሻቕል ነገር ተረኺቡ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ካንሰር ምዃኑ ተፈሊጡ" ይብል እቲ ብሰኑይ ዝወጸ መግለጺ።

እቲ ንጉስ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ንህዝቢ ብወግዒ ክገልጽ ዘድለዮ፡ ምስ ሓያለ ኣብ ካንሰር ዝግደሳ ማሕበራት ምትእስሳር ስለዘለዎ ምዃኑ'ውን እቲ ቤተንግስነት ኣመልኪቱ።

"ግርማዊነቱ፡ ብወልቁ ብቐጻሊ ንሕሙማት መንሽሮን ቤተሰቦምን፡ ከምኡ'ውን ንዝኣልይዎም ሰብሞያ ጥዕና ዘለዎ ደገፍ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።

ብዛዕባ'ቲ መጥባሕቲ ዘካየደሉ ጉዳይ ፕሮስቴት ከፍልጥ ዝተገደደሉ'ውን ሰብኡት ኣቐዲሞም ክራኣዩን መርመራ ክገብሩን ንምትብባዕ እዩ ነይሩ።

ኣፍልጦ ብዙሓት ከምዝዓቢ ምግባሩ ከምዘሐጎሶ'ውን ይግለጽ። ሃገራዊ ትካል ጥዕና ብሪጣንያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ኩነታቱ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ቁጽሪ ክርኣዩ ዝደልዩ ሰብኡት ከምዝወሰኸ የመልክት።

ሮያል ሶሳይቲ ኦፍ መዲሲን ዝተባህለ ሕክምናዊ ማሕበር፡ ንጉስ ቻርለስ "መንሽሮ ዘይፈላሊ ምዃኑ" ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይ ንዝተጻወቶ ግደ ንኢዱ።

"በጃኹም ኣይትሕፈሩ- ዝያዳ ሓበሬታ እንተረኺብና ኢና ዝሓሸ ሓገዝ ክንህብ ንኽእል- ተስፋ ንገብር መንሽሮ ከምዘይኮነ ከነረጋግጽ ወይ እቲ ዝግባኣኩም ሕክምናዊ ክንክን ክትጅምሩ ንገብር" ክብል ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ዶ/ር ጀይ ቨርማ ተማሕጺኑ።

ኣብ ብሪጣንያ፡ ሓደ ካብ ክልተ ሰባት፡ ኣብ ህይወቶም ዝኾነ ዓይነት መንሽሮ ከምዘማዕብሉ ይፍለጥ።

ልዕሊ 200 ዝተፋለለዩ ዓይነታት ሕማም መንሽሮ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይገልጹ። ካብቶም ኣብ ብሪጣንያ ብብዝሒ ዝራኣዩ፡ መንሽሮ ጡብ፡ ሳንቡእ፡ ፕሮስቴት ከምኡ'ውን መዓንጣ ምዃኖም መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ትካል ጥዕና (NHS) ይሕብር።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ዝርከቦም መራሕቲ ዓለም፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ፍሉጣት ውልቀሰባትን ነቲ ንጉስ ሰናይ ትምኒቶም ብምግላጽ፡ ንውሳኔኡ ይንእዱ ኣለዉ።