ብሪጣንያ፡ ንጉስ ቻርለስ 3ይ ጽባሕ ቀዳም ብወግዒ ዘውዲ ክደፍእ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, WPA POOL
ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ጽባሕ ቀዳም 06 ግንቦት 2023 ብወግዒ ዘውዲ ክደፍእ እዩ።
ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ዌስትሚኒስተር ኣቢ ዝካየድ ሃይማኖታዊ ስነስርዓት ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ዝርከብዎም ኣስታት 2000 ዕዱማት ክሳተፉ'ዮም።
ቻርለስ፡ ብ8 መስከረም 2022 እተን ን70 ዓመት ዝነገሳ ወላዲቱ ንግስቲ ኤሊዛቤት ዳግማዊት ድሕሪ ምዕራፈን'ዩ ብቐጥታ ንጉስ ኮይኑ።
ኣብቲ ሰዓት 10፡20 ናይ ንጉሆ ዝፍልም ጽንብል፡ እቲ ንጉስን ብዓልቲቤቱ ንግስቲ ኮንሶርት ካሚላን፡ ብዓቢ ዓጀባን ወተሃደራዊ ሰልፍን ተሰንዮም ብሰረገላ ፈረስ ካብ ቤተንግስነት ባኪንግሃም ፓላስ ናብ ካቴድራል ዌስሚኒስተር ኣብዪ ምስ ኣምርሑ፡ ሰዓት 11፡00 ወግዓዊ ስነስርዓት ክጅምር'ዩ።
እቲ ንጉስ ብመሪሕነት ሊቀ-ጳጳስ እንግሊካዊ ቤተክርስትያን ጃስቲን ዌልቢ ዘውዲ ደፊኡ ቃለማሕላ ምስፈጸመን ምስተቐብአን ድማ ብኻልእ ወርቃዊ ሰረገላ ናብ ባኪንግሃም ፓላስ ክምለሱ'ዮም።
እታ ቃለማሕላ ክትፍጽም ትጽቢት ዘይግበረላ ካሚላ'ውን ክትቅባእን ዘውዲ ንግስቲ ኮንሶርት ክትደፍእ'ያ።
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ነቲ ንጉስን ቤተሰቡን ንምርኣይ ኣብቲ ዝሓልፍሉ ጎደናታት ክስርዑ ትጽቢት ይግበረሎም።

ንኽብሪ'ቲ ንጉስ 21 መዳፍዕ ካብ 11 ዝተፈላለዩ ኣብ መላእ ብሪጣንያ ዝርከቡ ቦታት ክትኮስ'ዩ። ኣብ ከተማ ለንደን ድማ 62 መዳፍዕ ክትኮስ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
መላእ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ንጉስ ዘለዎ ተማእዛዝነት ንምግላጽ ኣኣብ ዘለዎ፡ ወለንታዊ ቃለማሕላ ክፍጽም ተማሕጺኑ ሊቀ-ጳጳስ ዌልቢ ተማሕጺኑ'ሎ።
እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ናብ ባኪንግሃም ምስተመልሰ፡ ወተሃደራዊን ሲቪላውን ነፈርቲ ንኽብሪ እቲ ንጉስ ብልዕሊ'ቲ ቤተንግስነት ክሓልፋ'የን።
እቲ ነቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ብመልክዕ መጽሓፍን ፊልምን ተሪር ነቐፌታ ብምቕራቡ ኣብቲ ቤተሰብ ምቅሕሓር ዝፈጠረ ልኡል ሃሪ ኣብቲ ጽንብል ክትሳተፍ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ። ብዓልቲ ቤቱ ልእልቲ ሜጋን መርከል ግን ምስ ደቃ ኣብ ኣመሪካ ከተሕልፎ'ያ።
ወራስ ዘውዲ፡ መስፍን ዌልስ ልኡል ዊልያምን ብዓልቲቤቱ ልእልቲ ኬት፡ ኣሕዋት እቲ ንጉስ ዝኾኑ ልኡላት ኤድዋርን ኣንድሪውን፡ ከምኡ'ውን ሓፍቱ ልእልቲ ኣን ቀንዲ ተሳተፍቲ ናይቲ ጥንታዊ ስነስርዓት ክኾኑ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሪሺ ሱናክ ዝርከቦም ሰብመዚን ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን'ውን ኣብቲ ኣብ ዌስትሚኒስተር ኣቢ ዝግበር ስነስርዓት ክርከቡ'ዮም።
ነገስታት፡ ንግስትታትን ዝርከብዎም ንግስነታውያን ስድራቤታት ዓለም'ውን ኣብቲ ስነስርዓት ክሳተፉ ትጽቢት ይግበረሎም።
ፕረዚደንት ዚምባብወ ኤመርሰን ምናንጋግዋን ንጉስ እስዋቲኒን (ስዋዚላንድ) ዝርከብዎም መራሕቲ ኣፍሪቃ ድማ ናብ ጽንብል ንምስታፍ ድሮ ለንደን ኣትዮም ኣለዉ።
ንጉስ ቻርለስ ብኣጋጣሚ ናይቲ ጽንብል ዝመጽእ ሰኑይ ሃገራዊ በዓል ኮይኑ ክውዕል ኣቐዲሙ ምውሳኑ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







