ህወሓት ንውህድት ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ነጺጉ

ምንጪ ስእሊ, EPRDF
ንኢህወዴግ ናብ ሓደ ውህድ ፓርቲ (ሰልፊ) ንምቕያር ዝሕሰብ ዘሎ ወጥን ካብ ሕጊ ወጻኢ ምዃኑን ከም ዘይቅበሎን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ገሊጹ።
ኣብ ቀረባ እዋን ሓድሽ ገዛኢ ፓርቲ ክምስረት ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ሕገ ደንቢ ኢህወዴግ ዝጥሕስን፤ እቲ ግንባር ዝተመረጸሉ ዕላማን ርእዮተ-ዓለምን (ስነሓሳብ) ዝጻረርን ከምዝኾነ፡ ማእከላይ ኮሚቲ ህወሓት ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
"ከምዚ ዝበለ ሓድሽ ፓርቲ ድማ ብሕጊ ምዝገባ ፖለቲካዊ ውድባት ሃገርና ዘይሓለፈ፣ ብናይ ህዝብታት ፍቓድ ኣብ ስልጣን ክፀንሕን ይኹን ስልጣን ክሕዝ ክወዳደር ዘይኽእል ዘይሕጋዊ ውድብ እዩ ክኸውን" ኢሉ።
ኣቦመንበር ኢህወዴግ ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንውህደት ኣባል ውድባት ናይቲ ግንባር ንምቅልጣፍ ይሰርሕ ምህላዉ ይንገር።
ገዛኢ ሰልፊ ኢህወዴግ፡ ናይ ኣርባዕተ ብሄራዊ ውድባት ጥምረት'ዩ። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ኦሮሞ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ (ኦዴፓ)፡ ኣምሓራ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ (ኣዴፓ)፡ ናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ህዝብታት ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (ዲህዴን) ኣብ ክልላቶም ን28 ዓመታት ገዛእቲ ሰልፍታት ኮይኖም ጸኒሖም ኣለዉ።
እቲ ነቲ ግንባር ኣብ ምፍጣርን፡ ኣብ ምምራሕን ወሳኒ ተራ ዝነበሮ ህወሓት፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ እናተገለለ ምምጽኡ ከም ዘቖጥዖ'ዩ ክግለጽ ጸኒሑ። ገለ ካብ ፍሉጣት መራሕቲ ናይቲ ውድብ ነበር፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ዘጋጠመ ለውጢ "ዕልዋ" ክብሉ ክገልጽዎ ተሰሚዖም'ዮም።
ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ካብ መስከረም 26 ጀሚሩ፡ ንተኸታታሊ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ 2011 (ኢትዮጵያ) ዝተኻየዱ ክልላውን ሃገራውን ስራሕቲ ገምጊሙ ኣሎ።
ኣብዚ ፍሉይ ናይ ቃልሲ ዓመት ዝበሎ፡ ከቢድ ትዕግስትን ጽንዓትን ዝሓትት'ዩ ነይሩ ክብል እቲ ውድብ ሓቢሩ።
እቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ፤ እታ ሃገር ናይ ምብትታን ሓደጋ ኣንጸላልዩዋ ከምዘሎ'ውን ጠቒሱ።
"ኣብዚ እዋን ኩነታት ሃገርና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ፀገማት እናተበራኸቱ፣ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ጥፍኣት እናተደረበ ስፍሓትን መጠንን ናይቲ ሓደጋ በቢማዓልቱ እናወሰኸ ናብ ዝኸፍአ ሃገር ናይምብታን ደረጃ ይበፅሕ ኣሎ።"
ጠንቂ ናይቲ ናይ ምብትታን ሓደጋ፡ በቶም ዘይሳነዩ ዝበሎም ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ናብ ውህደት ንምምራሕ ዝግበር ኣሎ ዝበሎ ዘይሕጋዊ ጉያ'ዩ ክብል'ውን ነቶም ንኣስታት 29 ዓመታት ምስኡ ሓቢሮም ክሰርሑ ዝጸንሑ ውድባት ከሲሱ።
ናይ ውህድ ፓርቲ ጉዳይ ተደጋጊሙ ክለዓል ዝጸንሐ ከምዝኾነን ኣብ አከያይድኡ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሕሉ ከምዝነበረን ህወሓት ኣብ መግለጺኡ ብምሕባር፡ ዝተፈለየ እምነት ከምዘይነበሮ ድማ ኣረዲኡ።
እንተኾነ፤ እቲ ሕዚ ክፍጠር ዝድለ ዘሎ ውህድ ፓርቲ ካብቲ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ መንገዲ ወጻኢ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ከይዲ 'ዘይሕጋዊ' ክብል ኮኒኑዎ።
"[ውህደት] ኣብ ኩሎም መሰረታዊ ሕቶታት፣ መስመር፣ ፕሮግራም፣ ስትራተጂ ሓደ ዝጠምር ኣረኣእያን እምነትን ኣብ ኩሎም ኣሓት ውድባት ክፍጠር እንተ ኺኢሉ ጥራሕ እዩ ክትግበር ዝኽእል" ይብል እቲ ቀንዲ መስራቲ'ቲ ግንባር ዝነበረ ህወሓት።
ቅድሚ እቲ ውህደት፤ ኣብ መንጎ ኣሓት ውድባት ክህሉ ዝግበኦ ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት ክፍጠር ከምዝነበሮ'ውን ወሲኹ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, EPRDF
በቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ግና፤ እቲ ውህደት ኣብ መንጎ 'ሓውን ሓሰርን' ዝኾኑ ውድባት ይፍጠር ከምዘሎ ዝገልጽ እቲ ውድብ፡ ይትረፍ ውህደት ንምፍጣር ከም ግንባር ብሓባር ዘጽንሕ፡ ኩነታት'ውን ከምዘየለ ተዛሪቡ።
ባዕዳዊ ኣተሓሳስባታት'ውን ኣብቲ ውሽጢ እቲ ግንባር ይተኣታተዉ ከምዘለዉ ከሲሱ። እቶም ኣተሓሳስባት እንታእ ምዃኖም ግን ኣየነጸረን። ገለ መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብዪ ኣሕመድ ዝኽተሎ ኣዳይዳን ዝዛረቦም ኣገላልጻታትን ክነቕፉ ጸኒሖም'ዮም።
ብሕጊ ዓይኒ እንትረአ ድማ፡ እቲ ዝግበር ዘሎ ውሕደት፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ሓድነት ሃገር'ውን ክብትን ዝኽእል ኣካያይዳ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ። መሓዙት [ኣጋር] ውድባት'ውን እቲ ምንቅስቓስ፤ ህልውነኦም ዘጥፍእ መንገዲ ምዃኑ ኣሚኖም ነቲ ጸረ-ዲሞክራስያዊ ዝበሎ ከይዲ ክቃለሱዎ ጸዊዑ።
ሃገራዊ ምርጫ
ማእከላይ ኮሚቲ፡ ህወሓት፡ እቲ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ኣብዚ ዓመት'ዚ ክካየድ መደብ ተጌሩሉ ዘሎ ሃገራዊን ክልላውን ምርጫ "ብግዲ" ክካየድ ኣለዎ ኢሉ።
"ብምዃኑ እውን መረፃ ብእዋኑ ክግበር ተደጋጋሚ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን መርገፂኦም እናገለፁ ፀኒሖም እዮም። እንተኾነ ግን መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ዝኾነ ዓይነት ምድላው ኣይግበርን ዘሎ።
"ብቑዕ ምድላው ኣይገበርናን ኢልካ መረፃ ንምንዋሕ ዝግበር ፃዕሪ ፉፁም ተቐባልነት ክህልዎ ኣይኽእልን" ድማ ኢሉ።
ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ሰፊኑ ዘሎ ዘይምርግጋእን ግጭታትን፡ እቲ ምርጫ ንካልእ ግዜ ክመሓላለፍ ዝጽውዑ ተቓወምቲ ፓርቲታት ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ'ውን ንጹርን ዘየወላውልን መርገጺ ኣይሓዘን ተባሂሉ'ዩ ዝንቀፍ።
ዛጊት ምስ ምርጫ ዝተኣሳሰር ጎስጓሳት ኣብታ ሃገር ኣይተጀመረን።
ኢህወዴግ፡ ሓደ ውሁድ ፓርቲ (ሰልፊ) እንተድኣ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝምጽእ ምርጫ ንምስታፍ ኣቐዲሙ ከም ብሓድሽ ክምዝገብ ክግደድ'ዩ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእን ሓደጋታትን
ህወሓት ንብሄረ ብሄረሰባት ኢትዮጵያ፡ ጻውዒት ቃልሲ ኣቕሪቡ።
ብፍላይ ሕብረ-ብሄራዊ ፌደራላዊ ሓይልታት፡ ዝጀመርዎ ቃልሲ ክቕጽልሉ፤ ህወሓት ድማ ነቲ ቃልሲ ናብ ሓፍ ዝበለ ብራኸ ከምዘሰጋግሮ የረድእ። ፌዴሬላዊ ስርዓት ንምድሓን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ቃልሲ ከምዘድልዮ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
በብመዓልቱ ሓይልታት 'ትምክሕቲ'፡ ዝበሎም ኣካላት ነቲ ፌዴራላዊ ስርዓት ንምፍራስ ይንቀሳቐሱ ከምዘለውን፡ ድሕነት ዜጋታት ካብ ዝኾነ ጊዘ ንላዕሊ ንሓደጋ ከምዝተሳጠሐን ወሲኹ ሓቢሩ።
ካሊእ ተሪፉ፡ ቅትለት ናይቶም ጀነራላት ብግቡእ ይጻረ ከምዘየለ ብምንቃፍ፡ ልዕልነት ሕጊ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ'ሎ ኢሉ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ከምኡውን ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ምቕታሎም ዝዘከር እዩ።
ማእከላይ ኮሚቲ ሀወሓት፡ 'ህልውናን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ዝተኻየደ ኩለ መደያዊ ዝበሎ መኸተን ቃልስን ድማ ኣብቲ ኣኼባ ምግምጋሙ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝተኸፈተ ኲናት ብትዕግስትን ጥበብን ምምካት ከምዝኻአለ፤ እቲ ውድብ ይገልጽ።
'ሳላ ናይ ህዝብና ፅኑዕ ሓድነትን ስምረትን፣ ሳላ ብሱል ንቐሓትን ምኽንያታዊ ቃልስን" ዕውት መኸተ ከምዝገበረ እቲ ሰፊሕ መግለጺ ሓቢሩ።
ገለ ሕማቓት ዝበሎም ውድባት፡ ሕመቖም ኣብ ልዕሊ ውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይ ካብ ምምኽናይ ንደሓር ከምዘይብሉ ወሲኹ ደምዲሙ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ግጭታትን ቅትለትን ሕጂ'ውን ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጥራይ ኣብ ክልል ዓፋር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 17 ሰባት ተቒቲሎም'ዮም።
መልእኽቲ ንህዝቢ ኤርትራ
እቲ ማእከላይ ኮሚቲ፡ ዝምድና ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ክሕይል ዘለዎ ትምኒት'ውን ገሊጹ።
"ነቲ ዝነበረን ዘሎ ዝምድናን ምድግጋፍን ናብ ዘላቒን ዘተኣማምን ብርኪ ንምብፃሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመረ ኣፋፍኖት ሰላም ኣብዚ ዓመት እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ። ብሓባር ተደጋጊፍና ንዘላቒ ሰላምን ምድግጋፍን ክንሰርሕ ይግባእ።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ይኹን እምበር እቲ መግለጺ፡ ንገዛኢ ውድብ ህግደፍ ይኹን መንግስቲ ኤርትራ ኣይጠቐሰን።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሓምለን መስከረምን 2018 ዝተፈረመ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልቲአን ሃራት ዝተደረተን፡ ንህወሓት ዘወገነን'ዩ ብምባል መራሕቲ ህወሓት ክነቕፉ ምንጽንሖም ይዝከር።
ብወገን መንግስቲ ኤርትራ'ውን፡ ዝተፈላለዩ ኣንጻር ህወሓት ዝቐንዐ ነቐፌታትን ጎስጓሳትን ክካየድ ይስማዕ'ዩ።
ዶባት ክልቲአን ሃገራት ክሳብ ሕጂ ተዓጽዩ ምህላዉ'ውን ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ኣሉታዊ ዝምድና ዘርእዩ ይብሉ ሓያሎ ተንተንቲ።
"ዝጀመርናዮ ሓዱሽ ራህዋን ሰላምን ውሑስ ክኸውን ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ምትእስሳርን ርክብን ክጠናኸር ክንሰርሕ ኣለና። ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን እዙይ ንምጥንኻር ካብኦም ዝድለ ኩሉ ከምዝፍፀሙ ደጊምና ክነረጋግፀልካ ንፈቱ።"

ምንጪ ስእሊ, TPLF FACEBOOK




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







