ኢትዮጵያ፡ ተስፋን ብደሆን ዘንጸላለዎ ብዶክተር ኣብዪ ዝምራሕ ኢህወዴግ

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL TEWELDE
ፈጻሚ ስራሕ ኮሚቴ ኢህወዴግ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ካብ 7 ጥሪ 2011 ዓ/ም ጀሚሩ ከካይዶ ዝቐነየ ዛዚሙ።
እቲ ኮሚቴ እዚ አመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለፂ፡ ኣብ መንጎ ብሄራዊ ኣባል ውድባት'ቲ ግንባር ዘሎ ርክብ ኣብ ናይ ሓድሕድ ምጥርጣር ዝተመስረተ ኮይኑ ከም ዘሎን፡ እቲ ግንባር ውሻጣዊ ቃልሲ የካይደሉ ከም ዘሎን ሓቢሩ።
እቲ ግንባር ዝገጥሙዎ ዘለዉ ውሽጣውን ግዳማውን ፈተናታት ብዕምቆት ከምዝዘተየሎም'ውን ኣብሪሁ።
ገለ ተቓወምቲ ሓይልታትን ኣብ ዓዶም ኣትዮም ብሰላማዊ መንገዲ ንክቃለሱ ዝተፈጠረ ዕድል ከም ክፍተት ተጠቒሞም ሕሉፍ (ኣኽራሪ) ኣረኣእያ የጋውሑ ከም ዘለዉን፡ ብዘይሕጋዊ ኣፅዋራት ተሓጊዞም ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ህይወትን ንብረትን ሓደጋ እናብጽሑ ኣደዳ ሞትን ምምዝባልን እናገበሩዎም ከም ዝርከቡ እቲ ኮሚቴ ይሕብር። እቶም ሓይልታት ካብዚ ተግባሮም ክቑጠቡ ድማ ኣተሓሳሲቡ።
ዘይሓላፍነታውያን ናይ ሜድያ ማዕከናት'ውን ኣሉታዊ ግደ ይጻወቱ ከም ዘለዉ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ኣብ መፋርቕ መጋቢት ኣቦ መንበር እቲ ግንባር ኮይኖም ዝተመረጹ፡ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን መዋቕራዊ ምምሕሻት ኣተኣታትዮም።
ይኹን ደኣ'ምበር ኣብ መንጎ ብሄራዊ ውድባት ዘሎ ርክባት ግን ከምቲ ክኾኖ ዝግበኦ ኣይኮነን ይብሉ ቢቢሲ [እቲ አኼባ ቅድሚ ምዝዛሙ] ዘዘራረቦም አባላት አመራርሓን ተቓወምትን እቲ ግንባርን።
ህወሓትን ኣብዪን
ብዶክተር ኣብይ ዝምራሕ ፈጻሚ ስራሕ ኢሂወደግ ፈላሚ ኣኼባኡ ኣካይዱ ውሳነ ድሕሪ ምሕላፉ፡ ህወሓት፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ንነዊሕ እዋን ብዓብላልነት ዝመርሖ ግንባር ኢህወዴግ ሕቶ ከልዕል ጀሚሩ።
ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ውሳነ ዶባት ኢትዮ-ኤርትራን፡ ቁጠባ እታ ሃገር ናብ ነፃ ዕዳጋ ንምስግጋር ዘሕለፎ ውሳነን ብዝምልከት "ሰፊሕ ህዝባዊ ዘተ ዘይተኻየደሉ" ዝብል መርገፂ ዝሓዘ መግለፂ ኣውፂኡ።
ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣከባቢታት ኢትዮጵያ ንዝፍጠሩ ጎንፅታት ንነባራት አመራርሓ ተሓተትቲ ኣብ ርእሲ ምግባር፡ "ዝሓለፉ 27 ዓመታት ናይ ፀልማት ዘመን ነይሮም" ዝብል አበሃህላ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ቅሬታ ፈጢሩ'ዩ።
"ምርኣይ ንዘይክእሉስ እወ! ጸልማት ነይሩ" ዝብል ናይ ህልኽ ምላሽ ድማ ተዋሂቡዎ።
ካብ ሶማል-ኢትዮጵያ ጀሚሩ ኣብ ክልላት ዝገብሮ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ፌደራል፤ ጠጠው ንከብልን ሕገ መንግስቲ ንከኽበርን ፃውዒት ገይሩ።
ካብቲ ግንባር ጠቕሊሉ ኣይውፃእ 'ምበር፤ ህወሓት ካብ ገዛእነትን ዓብላላይነትን እቲ መንግስቲ ናብ ተቓውሞ ምስማዕ ዝተቐየረሉ ኩነታት ብብዙሓት ከም ምፀት እዩ ተቖፂሩ።
መስራቲን አመራርሓን ተቓውሚ ዲሞክራስያዊ ውድብ ኢትዮጵያ (ኢዴፓ) ዝነበሩ ኣይተ ሙሼ ሰሙ፤ ብባህሪኡ ኢ-ዲሞክራስያዊ ዝበሉዎ ኢህወዴግ ዝመስረቶ ስርዓት፡ "ኣብ መንጎ እቲ ውድብን መንግስትን ናይ መሓውር አፈላላይ ዘይፈጠረ ብምዃኑ፤ እቲ ግንባር ባዕሉ ናይዛ ሃገር ብሕታዊ መድሕን ክኸውን ገይሩዎ" ኢሎም።
እዚ ማለት፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ግንባር ዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ፍሕፍሕ ብቐጥታ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ብመልክዕ ጎንጺ ከምዝንጸባረቕ እዮም ንቢቢሲ ገሊፆም።
እዚ ንሓድነት ሃገር'ውን ሓደጋ'ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም። ከም ኣብነት ድማ፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ክልላት ኦሮምያ ፣ ኣምሓራን ደቡብን ዝሰተውዐሉ ዘለዉ ዓሌታዊ ጎንጽታት መንቀሊኦም ባዕሉ ቅርቅርቲ እቲ ግንባር ምኳኑ ኣስሚሮሙሉ።
ብርግፅ፡ መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ልዕሊ ካብ 60 ንላዕሊ ሓለፍቲ ድሕንነትን ወተሃደራዊ ትካላትን፤ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግዕዝይናን ክሲ እንትምስርት፡ ዝበዝሑ ተወለድቲ ትግራይ እዮም ተባሂሉ ይዝረብ።
ካብ መንጎ 'ቶም ተኸሰስቲ ሓላፊ ብሄራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ነበር ይርከቡዎም። ኣብ ቀረባ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣሕሊፉ ንምሃብ ፍቃደኛ ኣይኮነን ተባሂሉ ድማ ተወቒሱ።
ይኹን'ምበር ውድብን መንግስቲ ክልል ትግራይን፡ ቅድም ክብል፡ ሓላፊ ሜቴክ ነበር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ዝተትሓዝሉ መንገዲን፡ ጉዳዮም ቀዲሙ ብሚድያ ብሰናዲ ፊልሚ ክስራሕ ምግባሩን፡ እቲ ስጉምቲ ኣብ ተወለድቲ ተጋሩ ዘነጻጸረ እዩ ብዝብል ኣብቲ ስርዓት እምነቶም ከምዝተጸንቀቐ እዮም ዝገልፁ።

ምንጪ ስእሊ, ABRAHA EBUY
ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ወፂኡ ሕገ መንግስቲ ንክኽበር ብሰላማዊ ሰልፊ ተቓውምኡ ኣስሚዑ'ዩ።
ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚኬኤል፡ ኣብቲ ናይ መቐለ መዛዘሚ ሰልፊ ተቓውሞ፡ "ብስም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግዕዝይናን፡ ፖለቲካዊ መጥቃዕቲ ምፍፃም ደው ክብል ይግባእ" ዝብል መጠንቀቕታ ሓዘል መደረ ኣስሚኦም።
ካብ መንግስቲ ፌደራል ዝወሃብ ምላሽ ግን ብዝተጠርጠሮ ገበን 'ምበር ብትውልዱን ዓሌቱን ተፈልዩ ዝተጥቕዓ የለን ዝብል'ዩ።
ምግዓዝ ህወሓትን ኣዴፓን
ከምቲ ኣይተ ሙሼ ዝብሉዎ እንተኾይኑ፡ ምብልሻው ርክብ ውድባት እቲ ግንባር፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ንዝገብሮ ርክብ ፀልዩዎ'ዩ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝተልዓለ ጎንጺ ስዒቡ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብፍላይ ተወለድቲ ትግራይ ካብቲ ክልል ተመዛቢሎም። ሕቶ ወሰንን መንነትን ብሓይሊ ናይ ምፍታሕ ዝንባለታት ዝተርአየ እንትኸውን ኣብ መንጎ እቶም ክልላት ምስሕሓብ ኣስዒቡ ነይሩ።
ብተወከልቲ ትግራይ ተቐውሞ እንተገጠሞ'ኳ፡ ብድምጺ ብልጫ ኣብ ፓርላማ ዝጸደቐ "ኮሚሽን ወሰንን መንነትን" 'ውን ምስዚ ተኣሳሲሩ ብሕጊ ሽፋን፡ መሬት ቆሪስካ ንምሃብ ዝዓለመ እዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ነይሩ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ መጣየሺ ኣዋጁ ከምዝብሎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝተኸሰቱ ጎንጽታት ፍታሕ ከተኣላልሽ ብዝብል'ዩ ተጣይሹ።
ብርግፅ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን እቶም መራሕቲ ክልላት ተቐራሪቦም ንክዝትዩ፡ ፃዕሪ እናገበሩ ይርከቡ።
ብሓፈሻ ግን፡ ኣይተ ሙሼ ሰሙ፤ "እቲ ግንባር ውሽጣዊ ጸገሙ ባዕሉ ዝፈትሐሉ ዓቕሚ ጠቕሊሉ ስኢኑ እዩ" እዮም ዝብሉ።
እቶም ንጎንፂ ምኽንያት ዝኾኑ ጉዳያት ቅድሚ በቶም ውድባት ክዝተየሎም ምግባር፤ ኣብ ደገ ወጺኦም ንዝተፈላለዩ ትርጉማትን ርድኢታትን ከምዘቃልዑ ተዛሪቦም።
እቲ ግንባር ናይ ውሽጢ ጸገሙን ከይፈትሐን ክፍፍሉ ከየፅበበን፡ ቅልውላው እዛ ሃገር ክፈትሕ ማለት ድማ "ዘበት እዩ" ይብሉ።
ነባር ኣባል አመራርሐ ህወሓትን ደሓር'ውን መስራቲ ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ትግራይ፡ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ብወገኖም፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢህወዴግ ከም ሓደ ግንባር ሃለዋት ኣለዎ ዝብል እምነት ከምዘይብሎም ይዛረቡ።
"ንኣብነት፡ህወሓትን ኣዴፓን፡ ዳርጋ ጠቕሊሎም ናብ ክልለሎም ግዒዞም እዮም ዘለዉ። ኣብ ውሳነታት ማእከላይ መንግስቲ ኣይሳተፉን ዘለዉ። ባዕሎም ንባዕሎም ድማ ይፎኻኸሩ ኣለዉ። በዚ ኩነታት፡ እቶም ዝተረፉ ክልተ ብሄራዊ ኣባላት እቲ ግንባር ዝውስኑዎ ውሳነ ተፈፃሚነቱ ዳርጋ ዝሞተ እዩ" ኢሎም።
ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ መምሃራን ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፡ "ብኣብዪ ኣሕመድ ሃገር ምምራሕ ኣይከኣለን" ንዝብል ሕቶ ኣይተቐበሉዎን።
"ሃገር ምምራሕ ኣይከኣለን ዝብሉና ዘለዉ፡ ከምኣቶም ስለዘይንኣስርን ዘይንቐትልን'ዩ" ክብሉ ድማ ተዛሪቦም። ኣብዚ መድረኽ ውን ፡ "መንግስቲ ውልቀ-መላከዒ ንምዃን ኣብ ቀልቀል እዩ" ዝብል ንካልኣይን ንሳልሳይን ግዘ ኣልዒሎሞ።

ክፍፍልን ፍልልይን?
ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ብምሕዝነት ይሰርሕ ምህላዎም ዝንገረሎም፡ ኦዴፓን ኣዴፓን፡ ገለ ካብቲ ንቡር ኢህወዴጋዊ አሰራርሓ ውፅእ ዝበሉ አከያይዳታት ዝፈተኑ ይመስል።
ክልቲኦም ነባር ስያመኦም ቐይሮም'ለዉ። ንዝሓለፈ 27 ዓመታት እቲ ገዛኢ ግንባር መምርሒኡ ገይሩዎ ዝጸንሐ አተሓሳስባ 'ወያናይ ዲሞክራሲ' 'ውን ንምቕያር መፅናዕቲ እናሳለጡ ምኳኖም ገሊፆም።
ከምዚ እንተኾይኑ፡ ምስ ህወሓት ሓቢሮም ዝቕፅልሉ ዕድል ከምዘፅብብ ተንተንቲ ፖለቲካ ይእምቱ።
ብርግፅ፡ ግንባራትን ጥምረትን መብዛሕትኡ ግዘ ንምግምማዕ ዝተቓልዑ ብምዃኖም እቲ ተጓንፎ ዝገርም ከምዘይኮነ ኣቶ ሙሼ ይዛረቡ። ዓቕሙ ክዳኸም ተገይሩ ይኸውን ዝበሉዎ ውድብ ህወሓት ድማ ባዕሉ ካብ ፌደራል መንግስቲ ምንስሕሓቡ፡ "ሓደገኛ" ክብሉ ነቒፎም።
ካሊእ፡ ክልቲኦም ብሄራዊ ውድባት ኣምሓራን ኦሮሞን፡ ቅድም ክብል ኣብ መዝገብ ግብረ-ራዕዲ ሰፊሮም ዝነበሩ ጀነራላት ኣሳምነው ፅጌን ከማል ገልቹን ሓለፍቲ ፀጥታ እተን ዘመሓድሩዎን ክልላላት ገይሮም ምሻሞም ጥርጣረታት ይፈጥር'ሎ።
ካብ 45 ንላዕሊ ብሄራት ብሓደ ገይሩ የመሓድር ዘሎ ደኢህዴን ድማ፡ ዛጊድ ናይ ስምን አተሓሳስባን ምቕያር ዝንባለ እንተዘየርአየ'ኳ፡ ውሽጣዊ ክፍፍላት ከየጓንፎ የስግእ ይብሉ እቶም ተዓዘብቲ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ፍልልይን ክፍፍልን ዝርከብ ኢህወዴግ፡ ኣብቲ ቀጻሊ መረጻ ከም ሓደ ጥሙር ሓይሊ ኮይኑ ክቐርብዶ ይኾን? ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ይመስል።
ኣብዪን ኢህወዴግን
ምስ ዶክተር ኣብዪ፡ ናብ ስልጣን ምምጻእ ተኣሳሲሩ ፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ኩነት ኣይ-ሰላም ኣይ-ኲናት መዓልቱ ክሓጽር ገይሮም።
ስራሕ ፈፃሚ ኢህወዴግ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝተወለዐ ኲናት ዕልባት ከምፅእ ተባሂሉ ዝተአመነሉን ቀያዲን ብይን ኮሚሽን ዶብ፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ተግባራዊ ክትገብር እዮም ተቐቢሎሞ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ካብን ናብን ርክባት ተጀሚሩ።
ብፍላይ ድማ ዶብ ዛላምበሳ-ሰርሓ ኣብ ሓድሽ ዓመት፡ ባሕቲ መስከረም ምኽፋቱ ተነፋፊቖም ንዝጸንሑ አሓት ህዝብታት ዓብይ ራህዋ ፈጢሩ።

ምንጪ ስእሊ, YONAS FISEHAYE
ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ ዶክተር ኣብዪ፡ ፖለቲካዊ ለውጥታት ኣምጺኦም።
ብፖለቲካ ምኽንያት ዝተኣሰሩ ምፍታሕን፡ ነፃ ሚድያ ክብርትዕ ምግባር፡ ከምኡ'ውን ትካላት ምክልኻል ሃገርን ፀጥታን ከም ብሓድሽ ክዋቐር ተገይሩ እዩ።
ንደቂ ኣንስትዮ ዝሃቡዎ ቦታ ድማ ዝጥቀስ'እዩ። 'ዓቕምን ብቕዓትን ኣብ ግምት ዘየእተወ ስጉምቲ' ዝብል ነቐፌታ ከም ዘሎ ኾይኑ፡ ብፍላይ ፕረዚደንትነትን ሚኒስትር ምክልኻል ሃገርን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሓላፍነት መንግስቲ ብደቂ ኣንስትዮ ክተሓዝ ምግባሩ ዓብይ ትርጉም ተዋሂቡዎ እዩ።
ብድሆታት ኣብዪ
እዚ ለውጥታት ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ናይ ተስፋ ንፋስ ክነፍስ ዝገበረ እንተኾነ'ኳ፡ ጎናጎኒ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጥቕዓትን ምምዝባልን ግን ተጋዲዱ ይርከብ። መንቀሊኡ ድማ እቲ ግንባር ባዕሉ ተሓታቲ እናተገበረ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ክልላት ደቡብ፡ ኦሮምያን ኣምሓራን ብዝተፈጠሩ ጎንፅታት ምክንያት ብሓፈሻ ዳርጋ ናብ 2 ሚልዮን ዝጽጋዕ ህዝቢ ዝተመዛበለ እንትኸውን፡ ኣብዚ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቁጽሪ ዝተመዛበሉላ ሃገር ተባሂላ ተመዝጊባ።
ከምኡ'ውን ኣብ ገለ ከባብታት ኢትዮጵያ ሰባት ብግፍዒ ዝቕተልሉን፡ ንብረቶም ዝዓንወሉን፡ ብኢድ ወነንካ ዕስላዊ ስጉምቲ ዝወስድሉ ኩነታት'ውን ተበራኺቱ።
ነዚ ጸገም ቅልጡፍ ፍታሕ ኣብ ምሃብ ውን' ብዙሕ ዝምስገን ስራሕ ምስርሑ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ እዩ።
ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ገይሩ ናብ ሃገር ክኣቱ ዝተገብረ ዕጡቕ ሓይሊ ኦነግ፡ ኣብ ምዕራብ ወለጋ፡ 'ዕጥቂ ፍታሕ ኣይፈትሕን' ምስ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያን ምስ ኦዴፓን ዝኣተውዎ ህልኽ ብፖለቲካዊ ልዝብ ምውዳእ ስኢኖም ናብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምእታዉ ይንቀፍ'ሎ።
እቲ ኩነታት ናበይ የምርሕ ይኸውን፡ ፅባሕ ዝርአ 'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







