ቦርድ መረፃ፡ ናፃን ተኣማንን ንምግባር ምምሕያሽ ክግበረሉ እዩ፡ ኣብይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, DW/FB
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ፍራንክፈርት ንኢትዮጵያውያን ኣብ ዘስመዖ ዘረባ፡ ኣብ ትካላት ፍትሒ፣ ፀጥታን መረፃ ቦርድን ተኸታታሊ ናይ ለውጢ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ተዛሪቡ።
ትካላት ፍትሒ ገለልተኛን ተኣማንን ንምግባር ዘኽእሉ ስጉምትታት፡ ናይ ፆታ ተሳትፎ 'ውን ኣብ ግምት ኣእትዩ ከምዝሳለጥ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሩ።
ኣብ ኣውሮፓ ዝቕመጡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ፍራንክፈርት ኣብ ዝተኣከብሉ መደረ ዘስመዐ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ተለዊጣ ንዜጋታታ እትምቹ ዓባይ ሃገር ከምትኸውን "ይኣምን! ተስፋ'ውን እገብር!" ኢሎም።
ኣብ ዘረብኡ፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘበናውን ነታ ሃገር ዝምጥንን ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዘስግኡን ተስፋ ዘስንቑን ኩነታት ይፍጠር ከምዘለዉ ዝተዛረበ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ኢትዮጵያ ዝኾነ ሰብ ተላዒሉ ከምድላዩ ዝገብራ ናይ ውልቀ ንብረቱ እንተይኮነትስ፡ ናይ ዘበናት ዕድመ ዘለዋ ዓብይ ህዝቢ ዝመስረታ ዓባይ ሃገር እያ" ኢሉ።
ቅድም ክብል ኣብ ኣመሪካ ከምዝገበሮ ድማ ኢትዮጵያውያን ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ዶላር ክልግሱ ሓቲቱ።
ኣብቲ ኣብ 'ስታድየም ኮሜርዝ ባንክ ኣሬና' ዝተኻየደ ፍፃመ፡ ካብ ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ዝመፁ ልዕሊ 20 ሽሕ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ተረኺቦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



