ሓበራዊ ዘተ ንመፃኢ ዕድል ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, HAHU ETHIOPIA
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሆቴል ሃርመኒ፡ ፤ፍልይ ዝበለ' ዝተብሃለሉ መድረኽ ተኻይዱ፡ መድረኽ ምሕደራ ትግራይ። እንታይ ዓይነት ዕድላት ሒዙ መፂኡ? ዝህልዎ ፖለቲላዊ ፅልዋ'ኸ?
ኣብ መድረኽ ምሕደራ ትግራይ፡ ኣመራርሓ ህወሓት፣ ተጋደልቲ ኣባል ህወሓት ነበር፣ መራሕቲ ውድብ ዓረና፣ ኣባላት ማሕበር ኣጋኣዝያን ካልኦት ጉጅለታትን፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ መናእሰይን ሰብ ሃፍትን፡ ዝርከብዎም ኣስታት 600 ሰባት ተሳቲፎም እዮም።
ነዚ መድረኽ ዘዳለዉ ሓሙሽተ ግዱሳት መናእሰይ፡ ብዓርሰ ተበግሶ ነዚ መድረኽ ንምድላው እንተንቅዱ፡ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይን ከምዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባት ፡ ምእንተ ረብሓ ህዝብን ሓድነት ናብ ሓደ መፂኡ ክዝቲ ከምዘለዎ ብምእማን ከምዝኾነ ይገልፁ።
ካብ ሞንጎ ኣዳለውቲ እቲ መድረኽ ዶክተር ዘፅኣት፡ " ንኹሎም ኣተሓሳስባታት ብመዓረ ዓይኑ ርእዩ ብነፃ ዘሳትፍ መድረኽ ንምድላው ነዊሕ ግዘ ወሲዱልና። እቲ መድረኽ ብቐዋምነት ክቕፅል ተስፋ እገብር" ድማ ኢሎም።
ዘላቒ ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ዕድላትን ትግራይ፣ ተሳትፎ ፖለቲካ ትግራይን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ልዕልነት ሕጊ ዝብሉ ካልኦት ዛዕባታትን ኣብቲ መድረኽ ተዘትይሎም እዩ።
"ተጋሩ ኣብ ሞንጎና ናይ ኣተሓሳስባ ኣፈላላይ ክህሉ ይኽእል እዩ፡ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይና ሒዝና፡ ኣብ ዘመሳስሉናን ዘረዳድኡናን ሓሳባት ምዕቡልን ስልጡንን ልዝብ ገይርና ኢና" ይብሉ ዶክተር ዘፅኣት።
መድረኽ ምሕደራ ትግራይ ካብ ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈለየ መልክዑ፡ ዝተፈለየ ኣመለኻኽታ ዝነበሮም ኣካላት ናብ ሓደ ዘስመረ ፡ ንነዊሕ ዓመታት ተራኺቦም ዘይፈልጡ ሰባት ዘራኸበ ከምዝኾነ ብዙሓት ይስማምዕሉ።
ፈላማይ ሓበራዊ ዘተ
ሓደ ተሳታፊ እዚ መድረኽ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ፖለቲካል ሳይንስን መምህር ሰይፈ ሃይሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ዓለምን ሃገርን ንትግራይ ዝፀልዉ ውሳነታት ይመሓላለፉ ከምዘለዉ ብምግላፅ፡ ተጋሩ ሙሁራትን ፖለቲካዊ ውድባትን ኣፈላላዮም ንጎኒ ብምግዳፍ፡ ኣብ ሓባራዊ ጉዳይ ትግራይ እሂን ምሂን ምብሃሎም፡ ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ ይዛረቡ።
"ኣብ ትግራይ ዘለዉ ፖለቲካዊ ውድባትን ካልኦት ውድባትን፡ ናብ ሓደ መፂኦም፡ ንትግራይ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ሓደ ዓይነት መንፈስን ኣረኣእያን ከምዘለዎም ዝገለፅሉ ብምዃኑ፡ ፖለቲካዊ ትርጉሙ ሕይል ዝበለ እዩ። ሕብረትናን ሓድነትናን ዝያዳ ሓደ ምዕራፍ ንላዕሊ ዘበረኸን ብልጫ ዝነበሮን መድረኽ እዩ" ኢሎምና አቶም መምህር።
ቅድሚ ሕዚ ብዛዕባ እታ ክልል ኣብ ዝካየዱ ዝነበሩ መድረኻት፡ እዚ ኣጀንዳ እዚ ናይ እከለ እዩ እናተብሃለ ሰባት ዝድገፈሉን ዝቃወምሉን ኩነታት ከም ዝነበረ ይዝክሩ መምህር ሰይፈ፡፡
"ካብቲ ውድብ እንትንፀል ፀላእቲ እዮም፣ ኣንጃ ስለዝበሉና፡ ተራኺብና ኣይንፈልጥን። እቲ ዘሕዝንን ዘሕፍረን ናይ ኣተሓሳስባ ኣፈላላይ ስለዘለና፡ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተራኺብና ኣይንፈልጥን" ዝበሉና ድማ ኣብቲ መድረኽ ተሳታፊ ዝነበሩ ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት (ጆቤ) እዮም።
እቶም ጀነራል ብ1993 ዓ/ም ካብ ህወሓት ካብ ዝተነፀልሉ እዋን ጀሚሩ፡ ብዘይካ ብውልቀ ምስ ሓደ ሓደ፡ ንነዊሕ ዓመታት ምስ ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ መድረኽ ተራኺቦም ኣይፈልጡን።
"ተጋሩ መንእሰይ፡ ዝተፈላለዪ ኣረኣእያታትን ዝተፈላለዩ ድልየታትን ዘለዎም ሰባት ናብ ሓደ መድረኽ ክመፅኡ ብምግባር፡ ንምዕባለ ትግራይ ኩሉ ክንቀሳቐስ ኣለዎ ብዝብል፡ ኣብ ህወሓት ዘሎ ፀላኢን ፈታውን ዝብል ኣመለኻኽታ ብምስባር ነዚ መድረኽ ብምድላዎም ድማ ዓብይ ትርጉም ዘለዎ እዩ" ክብሉ ንኣዳለውቲ ናእድኦም ይገልፁ።

ምንጪ ስእሊ, GOYTOM TSEGAY, SIMION MEHRI, HANISSA REDDA
ጀነራል ኣበበ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት፡ ምስ ኣመራርሓ ህወሓት፡ ኣብ መድረኽ እንትራኸቡ ፈላማዮም እዩ። ዋላ'ኳ ነቶም ብኣብዝሓ ኣብ ውድብ ህወሓት ዘለዉ ኣካላት ኣመራርሓ ኣሉታዊ ርኢቶ እንተሃለዎም፡ " ብብርኪ ፌደራል ዘሎ ሓዱሽ ኣተሓሳስባ ዘሰጉሙ፡ ክፉት ዝኾነ ኣእምሮ ኣለዎም" ምስ ዝበልዎም ዶክተር ደብረፅዮንን ኣይተ ጌታቸው ረዳን ምርኻቦም እወንታዊ ስምዒት እዩ ፈጢርሎም።
ካልእቲ ተሳታፊት መድረኽ ምሕደራ ትግራይ ወይዘሮ ሃንሳ ረዳ ድማ፡ እዚ መድረኽ ዝተፈላለዩ ድሌታት ህዝብን ፖለተኪኛታትን ከም ዘሎ ኮይኑ እዞም ኣካላት ናብ ሓደ መፂኦም ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ክመኽሩ ምኽኣሉ፡ ህዝቢ ብዝበለፀ ተረባሓይ ክኸውን ዘኽእል ከምዝኾነ እየን ዝኣምና።
"እቲ መሪሕ ውድብ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ተቐቢሉ፡ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ፖለቲካዊ ውድባትን ህዝብን ኣማእኺሉ፡ ሓቢሩ ክሰርሕ ከምዝኽእል ዝራእናሉ መድረኽ እዩ" ክብላ ርኢቶአን ኣካፊለናና።
ምክትል ኣቦ ወንበር ፖለቲካዊ ውድብ ዓረና መምህር ጎይቶኦም ፀጋይ ብወገኖም፡ ፖለቲካዊ ውድባት ካብ መረፃ ወፃኢ ከምዚ ዝራኸብሉ ኩነታት ከምዘይነበረ ብምግላፅ፡ እዚ መድረኽ ምጅማሩ ፅቡቕ ጅማሮ ከምዝኾነ እዮም ዝዛረቡ።
" እዚ መድረኽ መማረፂ ዝሰፍሓሉ፣ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሓደ ጥራሕ ተጠርኒፍካ ኽድ ዝብሉ ፡ ኣብ ሓደ መስመር ኣቲኻ ብሓደ ጥራሕ ሕሰብ ዝበሃል ዝነበረ ግጉይ ኣተሓሳስባ ብምእራም፡ ህዝቢ ኣብ ምንቃሕ ልዑል ግደ ዘለዎ እዩ" ይብሉ።
ማሕበር ኣሕዋት ኣጋኣዝያን እውን ካብቶም ብኣመራርሓ ህወሓት ዝተኾነኑ ማሕበራት ሓደ እዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም መምህር ምሕደራን፡ ኣብ ማሕበር ኣሕዋት ኣግኣዝያን ንጡፍ ኣባልን ጎስጓስን ዝኾነ መምህር ስምኦን መሓሪ ተሳታፊ እቲ መድረኽ እዩ ነይሩ።
"ከም ኣጋኣዝያን ኮነ ከም ትግራዋይ ብዛዕባ ትግራይ ምሕላቕ እኹል እዩ። እቲ መድረኽ ዲሞክራሲያውን ነፃን ግልፅን ዘተ እዩ ነይሩ። ህወሓት ብብዙሕ ነገራት ኩነታት እታ ክልል ብሒታቶ ስለ ዝፀንሐት፡ ከምዚ ንፈለማ እዋን ልዝብ ዝተፈጠረሉ መድረኽ ብምፍጣሩ እቲ መድረኽ ኣገዳስን ታሪኻዊ ዋዕላን እዩ ነይሩ" ይብል።
ሕቶ ልዕልነት ሕጊ
ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም፡ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ዝተፈላለዩ ከምዝኾኑ ገሊፆም ነይሮም። ነዚ ስዒቡ ድማ ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ተዋሂቦም እዮም።
እቲ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብፀረ ዲሞክራሲ ብዝኾነ መንገዲ ኣይንግዛእን ብዝብል ኣብታ ሃገር ኣብ ኦሮምያን ኣምሓራን ዝነበረ ናዕቢ ቅድሚ ምክያዱ ፡ ኣብ ትግራይ ፀረ ዲሞክራሲ ዝኾነ ኣካይዳ ምሕደራ እቲ ክልል ዝቃወም ምንቅስቓስ ከም ዝነበረ ዝዛረቡ ጀነራል ኣበበ፡ ሕዚ ግና ኣመራርሓ ህወሓት፡ 'ስርዓትና የፍርስዎ ኣለዉ፡ ፀረ ትግራዋይ እዩ፡ ብዝብል ኣብቲ ህዝቢ ፍርሒ ክፈጥሩ ይፍትኑ ኣለዉ" ብምባል ይኹንኑ፟።
"ህዝቢ ትግራይ ከምቶም ካልኦት እምኒ ኣይደርበየን፣ ፋብሪካ ኣየቃፀለን። ኣብ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝነበሮ ተቓውሞ ግና ብዝተፈላለየ መንገዲ እዩ ዝገልፅ ነይሩ" ይብሉ።
"ሕዚ ግና ነቲ ትግራዋይ ክቑጣዕ እዮም ዝገብሩ ዘለዉ። ንናይ ባዕሎም ስልጣን ክብሉ፡ ትግራዋይ ከምዝተስዓረ ከምስሉ ይፍትኑ ኣለዉ። ትግራዋይ ክቑጣዕን ክፈርሕን ዝገብር ኣካይዳ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ንሕና በዲልና ኢና ፡ ግና ካብኡ ንላዕሊ ዝብድለካ ፡ ስርዓት ዘፍርስ፡ ካብ ፌደራል ዝመፅእ ኣሎ ዝዓይነቱ ፕሮፖጋንዳ እዮም ዝነዝሑ ዘለዉ" ኢሎምና ጀነራል ኣበበ።
መምህር ሰይፈ ግና፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘለዉ ውድባት ነኒ ባዕሎም እናተናቖሩ፡ ኣብ ናይ ሃገራዊ ጉዳያት ትኹረት ዘይገብሩ ዝገብሩ ምዃኖም ፡ እቲ መድረኽ እዚ ኩነት ብኸመይ ክፍታሕ ከምዝኽእል መፍትሒ ዘቐመጠ ከምዝኾነ ሓቢሮምልና።
"ኣብ ትግራይ ዝለዓል ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ብህወሓት፣ ብዓረናን ካልኦት ማሕበራትን ተቓንዩ ክኸይድ እሞ፡ ነኒ ባዕልና እናተናቖጥና፡ ነቲ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ግዘ ከይንህበሉን መፍትሒ ንከይነምፅእን ኣሲሮም ክሕዙና ዝደልዩ ሓይልታት ኣለዉ።እዚ መድረኽ ግና፡ነኒበይንኻ ዝበሃል ፖለቲካ ዝበሃል ከምዘየለ፡ መልእኽቲ ዘሕለፈ እዩ" ኢሎምና።
ሓድሽ ቀዳማይ ሚነስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅኡ ንነዘ ፖለቲካዊ ሃዋህው እታ ሃገር ንምስፋሕ ብዝብል፡ ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት ወሲዶም። እዚ ንሓደ ሓደ ሓጎስ ዝፈጠረ እንትኸውን ካልኦት ድማ እቲ ስጉምቲ ልዕልነት ሕጊ ዝጠሓሱ እዮም ዝብሉ ርኢቶታት ይህቡ።
ኣብዚ መድረኽ እውን፡ ዝነበረ ልዕልና ሕጊ በብግዚኡ እናተሸርሸረ፡ ሕጊ ኣልቦነት ይሰፍን ዝመፀሉ ከምዝኾነ፡ ኣብቲ መድረኽ ከምዝተዘተየ መምህር ሰይፈ ንቢቢሲ ሓቢሮምልና።
"ሕግን ሕገ መንግስትን ዝበሎም ፅንሰ ሓሳባት ከምቲ ዝደለናዮም እናተጠናኸሩን እናጎልበቱን እንተይኮኑስ፡ ኣብ ከይዲ እናተሸርሸሩ እዮም። ሕዚ ከም ሃገር ካብ ልዕልነት ሕጊ ኣልቦነት ሕጊ እናጎልበተ ይኸይድ ኣሎ" ኢሎምና።
ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት ግና፡ ካብዚ ዝተፈለየ ሓሳብ እዩ ዘለዎም። "እቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ፌደራል ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣብታ ሃገር ሰላም፣ ልምዓት፣ ዲሞክራሲያዊ ማሕበረስብ ብምፍጣር ነታ ሃገር ዓባይ ሃገር ዝገብር እዩ" ይብሉ።
እቲ ትግራዋይን ህወሓትን ንምትእስሳር ዝግበር ፃዕሪ ግና፡ ንናይ ባዕሎም ረብሓ ክብሉ እዮም ሓደ ዝገብርዎ፡ 'ህዝቢ ህዝቢ እዩ፡ ውድብ ከኣ ውድብ እዩ፡ ውድብ ክጠፍእ ወይ ክቕየር ይኽእል፡ ህዝቢ ግና ህዝቢ እዩ ብምባል ግጉይ መንገዲ ከምዝኾነ የብርሁ።

ምንጪ ስእሊ, HAHU ETHIOPIA
መፃኢ ዕድላት ፖለቲካ ትግራይ
ምክትል ኣቦ ወንበር ፖለቲካዊ ውድብ ዓረና መምህር ጎይቶአም ፀጋይ፡ ክሳብ ሕዚ ዝፀንሐ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ህወሓት
ተቐይሩ ውድባት ፖለቲካ እታ ክልል ብነፃነት ዝንቀሳቓሱሉን ሓቢሮም ዝሰርሕሉን ግዘ ከምዝህልው እዮም ዘተስፍዉ።
"ከም ዓረና ክሳብ ሕዚ እናተቓለስና ዝመፃእና፡ ብሰላማዊ መንገዲ ክንቃለስ ይፈቕዱልና ስለዝነበሩ ኣይኮነን። ግና ድሕሪ ግዘ ክቕበሉና እዮም ዝብል ተስፋ ስለዝነበረና እዩ። ሕዚ እውን ከም ውድብ፡ ህወሓት እቲ ዝነበሮ ቀያዲ ኣተሓሳስባ ናብ ዕንወት ዘምርሕን፡ ነታ ዓዲ ዘይጠቅምን ምዃኑ ክርዳእ አዩ ኢለ እየ ዝሓስብ።
ኣመራርሓ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ እውን ዝደለየ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ እንተሃለወ፡ ምስ ውድባት ሓቢሮም ከምዝሰርሑ እዮም ኣብቲ መድረኽ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ መፃኢ ውድባት ፖለቲካ ሓቢረን ዝሰርሓሉን ፍትሓዊ ዝኾነ ውድድር ዝካየደሉን ግዘ ኢና ንፅበ ኢሎምና፡ መምህር ጎይቶኦም ።
መምህር ስምኦን መሓሪ እውን፡ "ህዝቢ ትግራይ ብውድባት ህወሓትን ዓረናን ዝፍታሕ ፀገም የብሉን። ህወሓት እንተኾነ መሰረታዊ ቃልሲ ናይ ህዝቢ ትግራያ ረሲዕዎ እዩ። ትግራይ እናድመየ ኢትዮጵያ ዘልምዕ'ዩ። ህዝቢ ትግራይ ብክልተ ውድባት ጥራሕ እንተይኮነስ ብቡዝሓት ውድባት እዩ ክውከል ዘለዎ" ይብል።
ማሕበር ኣሕዋት ኣጋኣዝያን ብመትከላትን ኣምራትን ህወሓት ዋላ እኳ ዝቕበልዎ እንተኾኑ፡ እቲ ውድብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ናይ ነጋዶ ውድብ ከምዝተቐየረን እዚ እንተድኣ ተስተኻኺሉ ግና ምስቲ ውድብ ሓቢርካ ምስራሕ ከምዝከኣል መምህር ስምኦን ገሊፁልና።
"እቲ ውድብ ነዞም መትከላቱ ኣብ ግብሪ ብምውዓል እቲ ዝፀንት ዘሎ ትግራዋይ ከድሕኖ ኣለዎ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተቐርቂሩ ዘሎ ትግራዋይ እውን ከድሕኖ ኣለዎ" ይብል መምህር ስምኦን።
ኣብ ምሕደራ ትግራይ ኩላትና ምትእኽካብና ዋላ እኳ ሕማቕ እንተዘይኮነ፡ ትግራይ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ፖለቲካዊ ኩነታት ከድሕና ዝኽእል ግና፡ እቲ መንእሰይ እዩ ዝብል ርኢቶ ዘለዎም ጀነራል ኣበበ ድማ፡ እቲ ነባር ኣመራርሓ ህወሓት ካብ ኣመራርሓ ብምውፃእ ብመናእሰይ ክትካእ ከምዘለዎ የተሓሳስቡ።
"ነዚ ሕዚ ዘሎ ወለዶ ንሕና ክንመርሖ ብቕዓት የብልናን። ናህትና ኣተሓሳስባን ናይቲ መንአሰይ ዘመናዊ ኣተሓሳስባን ነንበይኑ እዩ።ሕዚ መብዛሕትኦም ኣብ ህወሓት ዘለዉ ኣመራርሓ ብቕዓት እውን የብሎምን ውፉይነት እውን የብሎምን። ስለዝኾነ እቲ መንእሰይ ኣመራርሓ፡ ነቶም ሽማግለታት ብኽብሪ ሰንዩ፡ እቲ ስልጣን ባዕሉ ክቆፃፀሮ ኣለዎ።" ኢሎም።
ኣብዚ ዝተጀመረ መድረኽ እውን፡ ንዓና ተሞክሮ ኣለኩም እሞ እዚ ከመይ እዩ ኢሉ ከም መማኸርቲ ካብ ምርኣይ ወፃኢ፡ እቲ መንእሰይ ባዕሉ ራእይ፣ ስትራቴጂክን ታክቲክን ከቕምጥ ይግባእ።
"እቲ መንእሰይ ዘፀግዖ ስኢኑ 'ምበር ክመርሕ ዝኽእል ብቕዓትን ክእለትን ኣለዎ" ይብሉ ጀነራል ኣበበ (ጆቤ) እቲ ኣመራርሓ ብመንእሰይ ክትካእ ከምዝግባእ ብምግንዛብ።
"ታሪኻዊት ውድብ ህወሓት ምፍራሳ ዘሕዝን እዩ" ፡ ዝብሉ ጀነራል ኣበበ፡ ከይትፈርስ ግና እቲ መንእሰይ ናብ ኣመራርሓ ክመፅእ ኣለዎ። እቲ መንእሰይ እውን ብደቂ ሰማንያ ኣይንምራሕን ኢሉ ክንቀሳቐስ ኣለዎ። እዚ እንተኮይኑ እዩ ለውጢ ክመፅእ ዝኽእል ብምባል እዚ ጉዳይ ትኹረት ንክወሃቦ ከም ኣብነት ውድብ ኦህዴድ ዝነበሮ ኩነታት ብዋናነት ይፀርሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







