ቅልውላው-ትግራይ፡ ህወሓት ናብ ደባይ ተዋጋኢ ክቕየር ይኽእል'ዶ?

ንትግራይ ንኣስታት ሰላሳ ዓመት ዘመሓደረ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ናብ ጎቦታት ኣንሳሒቡ ኣንጻር መንግስቲ ፌደራል ደባይ ኲናት ከካይድ ተኽእሎ ከምዘሎ ይእመን።
መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ ግን፡ በቲ ካብ 04 ሕዳር ኣትሒዙ ጀሚሩዎ ዘሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ንህወሓት ካብ ስልጣን ኣልዩ፡ ንልዕሊ 70 ዝኾኑ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ትግራይ ኣሲሩ ነቲ ጉዳይ ከምዝውድኦ እዩ ዝኣምን።
ካብቶም መንግስቲ ፌደራል ኣብ ቀይዲ ከእትዎም ዝደሊ ዘሎ መራሕቲ፡ ገሊኦም ኣብ'ቲ ናይ 17 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተሳተፉ ገዳይም ተጋደልቲ እዮም።
ሓያሎ ድማ፡ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን መጺኡ ካብ መዝነቶም ክሳብ ዝኣልዮም ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሃገራዊ ድሕነትን ዝሰርሑ ዝነበሩ እዮም። ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቶም መራሕቲ ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ብልሽውናን እዩ ዝኸሶም።
ንሳቶም ግን ነቲ ክሲ ይነጽግዎ።
ድሕሪ ምምጻእ ኣብዪ ኣሕመድ፡ እዞም መራሕቲ ናብ'ቲ ማሕበራዊ መሰረቶም፡ ናብ ትግራይ እዮም ከይዶም። ኣብዪ ድማ፡ ኣብ ዝተረፈ ክፋላት ኢትዮጵያ ስልጣኑ ኣደላዲሉ።
ሓይልታት ትግራይ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ፡ ኣብ'ታ ክልል ንዝርከብ እዚ ሰሜን ብቐሊሉ ተቖጻጺሮምዎ።
'ክንመውት ድሉዋት ኢና'
ኣብ ምብርዓን ጎንጽታት ዝነጣጠፍ ዓለምለኻዊ ትካል 'ክራይስስ ግሩፕ' ከምዝብሎ፡ እቲ ኣብ መቐለ ዝነበረ መዓስከር ሰሜን እዝ፡ ኣብ'ታ ክልል እቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መአዘዚ ነቑጣ እዩ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ሮኬታትን ሚሳይላትን ዝርከቦ ብዙሕ ኣጽዋር እዮም ተቐጻጺሮም። እንተኾነ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሕጂ'ውን ብነፈርቲ ውግእን ብሄሊኮፕተራትን ጸብለልታ ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዪ ኣሕመድ፡ እዚ ወተሃደራዊ ጎንጺ ቅድሚ ምጅማሩ መራሕቲ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም "ዘይሕጋዊ" መረጻ ኣካይዶም ብዝብል፡ ንመንግስቲ ትግራይ ዝምደብ ዝነበረ በጀት ደው ኣቢሉዎ።
መራሕቲ ትግራይ ከምዝብልዎ፡ ንእዚ ሰሜን ክቆጻጸርዎ ዝኸኣሉ፡ ፌደራል መንግስቲ ከጥቅዖም ከምዝኾነ ኣቐዲሞም ስለዝፈለጡ እዮም። ኣብዪ ኣሕመድ ድማ "ነታ ናይ መወዳእታ ቀያሕ መስመር ሓሊፎም" ብምባል ወተሃደራት ኣዋፊሩ ደብዳብ ነፈርቲ እውን ተጠቒሙ።
እቲ ኩናት ካብ ዝጅመር 22 መዓልቲ ገይሩ ኣሎ። ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሰራዊቱ "ናይ መወዳእታ ምዕራፍ" ወፍሪ ክገብርን ንርእሰ ከተማ ትግራይ፡ ንከተማ መቐለ ክቆጻጸርን ኣዚዙ'ሎ። ንሱ፡ "ኣብ ቀረባ መዓልታት" እቲ "ወፍሪ" ክዛዘም ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
መራሒ ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ክዛረብ ከሎ "ንሕና ሰብ መትከል ኢና፡ መሰል ርእሰ-ምሕደራ ክልልና ንምሕላው ድማ ክንመውት ድሉዋት ኢና" ኢሉ።
መኒኦም ዝበዝሑ ተዋጋእቲ ኣለዎም?
ተንታኒ 'ክራይስስ ግሩፕ' ዊልያም ዴቪሶን ከምዝብሎ፡ ህወሓት ሚሊሻን ፍሉይ ሓይልን ዝሓቁፍ ኣስታት 200,000 ተዋጋእቲ ከሰልፍ ይኽእል እዩ።
"ምስ'ቲ ኣብታ ሃገር ዝተርኣየ ፖለቲካዊ ለውጢ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ኣብ ትግራይ ወተሃደራዊ ስልጠና ክወሃብ ጸኒሑ ኣሎ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ክራይስስ ግሩፕ፡ ብዝሒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክንደይ ምዃኑ ኣይገለጸን፡ ሮይተርስ ግን ንሓደ 'ጄንስ' ዝበሃል ትካል ጸጥታ ብምጥቃስ፡ ምዱብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣስታት 140,000 ከምዝኾነ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እዚ ሓቂ እንተኾይኑ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሓይልታት ትግራይ ይንእስ ማለት እዩ። እንተኾነ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፍሉይ ሓይልታት ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ክጥቀም ዕድል ኣለዎ። ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክልላት ኣብ ውሽጢ ግዝኣተን ጸጥታአን ንምውሓስ፡ ዕጡቕ ሓይሊ ክህልወን የፍቅድ እዩ።
ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ'ዚ ዘሎ ጎንጺ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ኣንጻር ትግራይ ኣብ ዝግበር ውግእ ተሳቲፎም እዮም። ክልል ኣምሓራን ክልል ትግራይን ይብጽሓኒ እዩ ዝብልዎ ገና ዝሰሓሓቡሉ መሬት ኣለዎም።
"ኣብ ምዕራብ [ትግራይ] ሓይልታት ፌደራልን ክልል ኣምሓራን ነቲ ኸባቢ ተቖጻጺሮምዎ እዮም፡ ምኽንያቱ ድማ ካብ ሓይልታት ትግራይ ብብዝሒ ኣዝዮም ይዛይዱ" ኢሉ ዴቪሶን።
"ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ምዕራብ ብዙሕ ሜዳ እዩ ዘሎ፡ እዚ ድማ ንምዱብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዝሓሸ ዕድል ዝህብ እዩ" ይብል።
ናብ ውሽጢ ትግራይ ክትኣቱ እንከለኻ ግን፡ እቲ ገጸ ምድሪ ንደባይ ኲናት ዝጥዕምን ጎቦታት ዝመልኦን እዩ።
ትግራይ 'ተሓጺራ እያ ዘላ'

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣርሀ ሓመድናካ፡ ኣንጻር ስርዓታት ኢትዮጵያ ሃይለስላሰን ደርግን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ደባይ ዝሳተፍ ዝነበረ እዩ። ኣብ ስዊድን ኸኣ፡ ኣባል ባይቶ ክኸውን በቒዑ። እቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ክካየድ ዝቐነየ መጥቃዕቲ፡ ንዶብ ትግራይን ሱዳንን ንምቁጽጻር'ውን ዝዓለመ ምንባሩ ይገልጽ።
እዚ ድማ፡ ከም'ቲ ኣብ ዘበን ደርጊ ዝገብሮ ዝነበረ፡ ህወሓት ኣብ ሱዳን ኮይኑ ምንቅስቓሳት ንከይገብር ንምዕጋት ዝዓለመ ምዃኑ ይዛረብ።
"መራሕቲ ህወሓት ንደገ ክወጽኡን ቀረባት ከእትዉን ዝኽእሉላ ሓንቲ መገዲ ብሱዳን ኣቢልካ ጥራይ እያ" ይብል።
ብተወሳኺ ድማ፡ ኣንጻር መንግስቱ ሃይለማርያም ሓይልታት ኤርትራን ህወሓትን ተሓባቢሮም ኣብ ዝሰርሕሉ ዝነበሩ እዋን ብኤርትራ ኣቢሎም ንቀይሕ ባሕሪ ክጥቀሙ ዝነበሮም ዕድል ሕጂ የብሎምን ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እሙን መሓዛ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ እዩ ኮይኑ ዘሎ።
"ግዜ ተቐይሩ እዩ። ህወሓት ቀረብ ክረኽበሎም ዝኽእል መገድታት ሕጂ የለዉን፤ ብሰሜን ቀንዲ ጸላኢኦም ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝቆጻጸራ ኤርትራ እያ ዘላ" ይብል ኤዲተር ቢቢሲ ትግርኛ ሳሙኤል ገብረሂወት።
ብዙሓት ምንጭታት ቢቢሲ ከምዘረጋገጽዎ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ናብ ኤርትራ ኣትዮም ክተኣኻኸቡን ንቑሱላቶም ኣብ ወተሃደራዊ ሆስፒታላት ከሐክሙን ተራእዮም እዮም። መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን፡ ኤርትራ ኣብ'ዚ ጎንጺ ኢዳ ኣይሓወሰትን እዮም ዝብሉ።
"ትግራይ ተሓጺራ እያ ዘላ። ህወሓት ድሕሪ'ዚ ስሩዕ ኲናት ከካይድ ኣይክእልን እዩ" ይብል ዴቪሶን።
እዚ ማለት ግን፡ መንግስቲ ፌደራል ከም'ቲ ዝደልዮ ብቐሊሉ ክዕወት እዩ ማለት ኣይኮነን።
ኣርሀ ድማ፡ ደባይ ተዋጋእቲ ብዕጥቂ ጸብለል ንዝብሎ ሰራዊት ዝሰዓሩሎም ብዙሓት ኣብነታት ከምዘለዉ ይገልጽ።
"ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተፈለላየ ዓይነት ድሮናትን ነፈርቲ ውግእን ተጠቒማ እያ፡ ጣሊባን ግን ኣይጠፍአን" ይብል።
"ተዋጋእቲ ሑቲ'ውን ብናይ ኢማራት ዓረብን ስዑዲን ናይ ኣጽዋር ጸብለልታ ኣይደነኑን"
ሓይልታት ፌደራል ናብ መቐለ ገጾም ክግስግስ ከለዉ፡ ንኽንደይ ከተማታት እዮም ብሓይሎም ተቖጻጺሮምወን፡ ንኽንደይ'ከ ስቕ ኢሎም ሓሊፎመን ዝፍለጥ ነገር የለን ይብል ዊልያም ዴቪሶን።
ተጋሩ ንመን እዮም ክድግፉ?
ዝኾነ ኮይኑ፡ ብዙሓት ተዋጋእቲ ትግራይ ናብ ገጠራትን ጎቦታትን ምኻዶም ኣይተርፍን እዩ። ኣብኡ ኾይኖም ኸኣ፡ ንደባይ ኲናት ምድላዋት ክገብሩ እዮም። በዚ ኸኣ፡ ብዙሕ ደገፍ ክረኽቡ ከምዝኽእል እዩ ዴቪሶን ዝዛረብ።
"ዋላ'ኳ መንግስቲ ፌደራል ዝብሎ ካልእ እንተኾነ፡ ብዙሓት ተጋሩ ነዚ [ናይ ፌደራል ኢድ ኣታውነት] ይቃወሙዎ እዮም፤ ምኽንያቱ ኸኣ ብሕጋዊ መገዲ ዝተመርጸ ክልላዊ መንግስቲ ንምእላይ ዝግበር ዘሎ ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ" ይብል ዴቪሶን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብተወሳኺ ድማ፡ ብሓፈሽኡ ነቲ ህወሓት ዘተኣታተዎ ስርዓት ፌደራዝም ይኣምንሉ እዮም። እዚ ስርዓት፡ ናይ ፐለቲካ፣ ቋንቋን ባህልን ረብሓታቶም ከምዘሕልወሎም እዮም ዝኣምኑ ይብል።
ህወሓት፡ ንኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣንጻር እዚ ድልየት እዚ 'ኣሃዳዊ' ስርዓት ክተክል እዩ ዝደሊ ብዝብል እዮም ዝኸሱዎ።
ሳሙኤል ገብረሂወት ድማ፡ ኣብ ተጋሩ እናዓበየ ዝመጽአ ብሄራዊ ስምዒት ዝያዳ ንህወሓት ዕድል ዝህብ እኳ እንተኾነ፡ ንመንግስቲ ፌደራል ዝድግፉ ሰባት የለውን ኢልካ ክትድምድም ኣይከኣልን እዩ ዝብል።
"[ኣንጻር ደርጊ] ኣብ ዝተገበረ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ትግራይ ምስ ተጋደልቱ እዩ ዓሲሉ። ህወሓት ስልጣን ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት ግን፡ ብዙሓት ተጋሩ ብሰንኪ ወጽዓን ብልሽውናን ንህወሓት ይቃወምዎ እዮም" ይብል።
ህወሓት ደባይ ኲናት ክጅምርን ዘይክጅምርን፡ ንመቐለ ንምቁጽጻር ዝግበር ውግእ እዩ ዝውስኖ። ይኹን እምበር፡ ዋላ'ውን እቲ ውግን ብጸብለልታ ሰራዊት ፈደራል እንተተዛዘመ፡ ብዘይ ዘተን ልዝብን እቲ ጎንጺ ከብቅዕ እዩ ዝብል እምነት የብሉን ኣቶ ሳሙኤል።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







