ኣብዪ ኣሕመድ፡ ‘ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ወፍሪ’ ኣብ መቐለ ክግበር ኣዚዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ዝተቐመጠ ናይ 72 ሰዓታት ግዜ ስለዘብቀዐ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ “ናይ መወዳእታን ሳልሳይን ምዕራፍ ናይ’ቲ ወፍሪ ንክጅምር ተኣዚዙ።
ቅድም ክብል ሓይልታት ትግራይን መራሕቲ ህወሓትን ኣብ 72 ሰዓታት ኢዶም ክህቡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጻውዒት ቐሪብሎም ነይሩ።
ኣብ’ዚ “ወፍሪ” ቀንዲ ቆላሕታ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ምቁጽጻር እዩ። “ከተማ መቐለ ሓያል ሃስያ ከይወርዳ ክንዲ ዝከኣለና ክንጽዕር ኢና” ድማ ኢሉ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ብታንክን ከቢድ ብረትን ክኸብብ ትልሚ ከምዘለዎ ምስገለጸን፡ ሰላማውያን ነበርቲ ንርእሶም ከድሕኑ እንተዘየሎ ግን “ምሕረት ኣይክህልዉን” ድሕሪ ምባሉ፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ተሓለቕቲ መሰላትን “ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ክሕሎ” ጻውዒት ገይሮም እዮም።
ንመንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ናብ ሰላማዊ ልዝብ ከቕርቡ፡ ብኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ዝተሓጸዩ ሰለስተ ልኡኻት ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ሎሚ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣለው።
ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ፡ መቐለ፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ዝነብሩላ ከተማ ምዃና ይግለጽ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ነታ ከተማ ኣብ ክባ ኣእትየያ ኣለኹ ይብል። ሓይልታት ትግራይ ግን፡ ገና ካብ መቐለ ኣብ ዝረሓቑ ከባብታት ውግእ ይካየድ ምህላዉ እዮም ዝገልጹ።
ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ከባብታት ሓውዜን ከምኡ’ውን ነበለት ውግእ ከምዝተኻየዱን፡ ኣብ’ዚ ውግኣት ‘ዓወት ከምዘመዝገቡን’ ገሊጾም።
ናይ ኣብዪ ገደብ 72 ሰዓታት እንታይ ኣፍርዩ?
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እዚ ኩናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ክልተ ሻብ እዩ ንሓይልታት ትግራይ “ኢድኩም ሃቡ” ዝብል ጻውዒት ኣቕሪቡ።
መራሕቲ ትግራይ ግን፡ ነዚ ጻውዒት ነጺጎምዎ እዮም። ነቲ ብሰኑይ ዝተውሃበ ‘ናይ 72 ሰዓታት ገደብ ግዜ’ ድማ፡ ኣብዪ ኣብ ግንባራት ንዝበጽሖ ስዕረት ንምሽፋንን ሰራዊቱ ደጊሙ ንምእካብን ዝተጠቐመሉ እዩ ይብሉ።
ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ነዚ ገደብ ግዜ ዘቐመጠ ‘ድልየት መንግስቲ ምኽባር ሕጊ’ምበር ኩናት ዘይምዃኑ ንምርኣይ’ ምዃኑ እዩ ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ዝተውሃበ ሰዓታት ‘ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ትግራይ ኢዶም ሂቦም’ ድማ ኢሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር።
እንተኾነ፡ ናይዞም ኢዶም ሂቦም ዝተብሃሉ ሓይልታት ብንጹር ብዝሖም ክንደይ ምዃኑን ኣበይ ቦታ ኢዶም ከምዝሃቡን ኣይገለጸን።
ሰብአዊ ቅልውላው
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤን ኤች ሲ ኣር) ብሰንኪ'ቲ ሰለስተ ሰሙን ዘቑጸረ ኲናት ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፌደራልን ክልል ትግራይን፡ ቁጽሪ ናብ ሱዳን ዝተሰደቱ ዜጋታት ልዕሊ 40 ሽሕ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ'ሎ።
ብዝሒ ናይቶም ካብ መረበቶም እናተፈናቐሉ ዶብ ሱዳን ዝሰግሩ ዘለዉ ሰባት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይውስኽ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ትካል፡ ኣብ መዛዘሚ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ 5 ሽሕ ስደተኛታት ብኣንፈት ምብራቓዊ ሱዳን ከምዝኣተዉ ገሊጹ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኮኑ ካልኦት ትካላት ግብረ ሰናይ መድሕን ህይወት ሓገዛት ይገብሩ'ኳ እንተሃለዉ፡ ብዝሒ ተፈናቐልቲ እናወሰኸ ብምምጽኡ ግን ሕጽረት ንረድኤት ዝቐርቡ ነገራት ኣጋጢሙ'ሎ።
ኣመዓባብላ እቲ ኩናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ መረጻ እውን ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።
ዶ/ር ኣቢዪ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተኸላሊኦም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።
ዶክተር ኣብዪ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ኣዘዘ እቲ ኲናት ራብዓይ ሰሙኑ ሒዙ ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።
እንተኾነ፡ ተወከልቲ ትግራይ ካብቶም ኣብያተ ምኽሪ ካብ ዝወጽኡ ጸኒሖም እዮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







