ቅልውላው ትግራይ፡ መንግስቲ ዘቐመጦ ገደብ ሰዓት ብምእኻሉ ገበናት ኲናት ከይፍጸም ስግኣት ኣለኒ - ውድብ ሕቡራት

ስደተኛታት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይን መሪሕነት ህወሓትን ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ኢዶም ክህቡ ዝቐረበ ገደብ ጊዜ እናኣኸለ ብምምጽኡ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽም ብዝሃቦ መጠንቀቕታ መሰረት ገበናት ኲናት ከይፍጸም ስግኣቱ ገሊጹ።

ኣብ ሞንጎ ሓይልታት መንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሳልሳይ ሰሙን ሒዙ'ሎ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ብኣማኢት ዝግመቱ ከምዝሞቱ ክግለጽ ከሎ፡ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ናብ ስደት ኣምሪሖም።

ትካላት ግብረ ሰናይ ብወገኖም፡ እቲ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየኸትልን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ምኽንያት ዘይምርግጋእ ከይኸውንን ስክፍትኦም ይገልጹ ኣለዉ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ነታ ልዕሊ 500 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ መቐለ ንምቁጽጻር ብታንክታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ከምዝተዳለወ መጠንቀቕታ ቅድሚ ምሃቡ'ውን ስክፍታታት ከምዝነበሮ ውድብ ሕቡራት ኣዘኻኺሩ'ሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብሰንበት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ኢዶም ክህቡን "መምለሲ ናብ ዘይብሉ ደረጃ ከምዝበጽሑን" ኣተሓሳሲቡ ነይሩ። እቲ 72 ሰዓታት ሎመዓልቲ ንኽመልእ ቁሩብ ሰዓታት ይተርፎ።

ብወገን ትግራይ ግን፡ ነቲ ቃልሲ ከምዝቕጽልዎ ብምግላጽ ንመጠንቀቕታ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ነጺጎምዎ።

ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ደብረጽዮን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ክልልና በዓልና ንምምሕዳር ዘኽእለና መሰል ንምርግጋጽ ክሳብ ሞት ድልዋት ኢና" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሚሸል ባችሌት፡ "መቐለ ብታንክታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ከምእተኸበበት ብዝገልጹ ጸብጻባር ተሻቒልና'ለና" ክትብል ስክፍትኣ ገሊጻ'ላ።

ክልቲኦም ሓይልታት ድማ ንሰለማውያን ሰባት ግዳይ ከይገብሩ ንሓይልታቶም ትእዛዝ ክህቡ ሓቲታ።

"ምስ ጉዳይ መቐለ ብዝተሓሓዝ ዝወሃብ ዘሎ ሓደገኛ ሓሳብ ነቲ ተቓላዓይ ኮይኑ ዘሎን ኣብ ሻቕሎት ዝርከብን ሲቪል ዜጋ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘእትው ከምኡ'ውን ሓደገኛን እዩ" ክትብል ሚሸል ሓቢራ።

እዚ ከምዚ ዝበለ ዘረባታት ድማ ናብ ተወሳኺ ጥሕሰታት ዓለምለኻዊ ሕግታት ዘእቱ ከምዝኾነ ዘለዋ ስግኣታ ገሊጻ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ንነበርቲ ከተማ መቐለ ብሰንበት ኣብ ዘሕለፎ መጠንቀቕታ፡ ህዝቢ ነቶም ዝድለዩ ኣካላት ኣሕሊፉ ዘይህብ እንተኾይኑ፡ እታ ከተማ ኣብ ክባ ኣብ እትኣትወሉ እዋን "ምሕረት ዝበሃል ነገር ኣይክህሉን" ኢሉ ነይሩ።

ከምዚ ዝበለ ዘረባ ድማ መሰረት ገበናት ኲናት ከምዝኾነ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችሌት ኣረዲኣ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ግን ኣብቲ ልዕልና ሕጊ ንምሕላው ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ዝበሉ ወፍሪ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንድሕነት ሲቪል ዜጋታት ከምዝሕሉ ብተደጋጋሚ ይገልጽ።

ሚሸል ብወገና ምቁራጽ ኣገልግሎት ርክባት [ስልክን ኢንተርኔትን]፡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ንምግንዛብ ከምዝተጸገመ ኣመልኪታ።

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ መረፃ ኣካይዱ።

ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።

ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።

ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።

መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።

ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።