ቅልውላው ኢትዮጵያ - ትግራይ፡ 'ንኡሽቶ ሓወይ መድሃኒት የድልዮ'ዩ'

ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንኡሽቶ ሓወይ፡ ምስ ስድራይ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ እዩ ዝነብር።

እቲ ዝገርም፡ ኣብ ድሮ ምጅማር እቲ ኲናት ንስድራይ ብ 'ቪድዮ' ኣውጊዐዮም ምንባረይ እዩ።

ንሓወይ ዝኸውን መድሓኒት ከም ዝልእኽን ድሓን ከም ዝኸውንን ኣውጊዕና ድማ ተፈላሊና።

ሓወይ ዝወስዶም ኣፋውስ፡ ኣዝዮም ክቡራት'ዮም።

ኣብ ርእሲኡ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብታ ከተማ ዘለው ፋርማሲታት ነዞም መድሓኒታት ብብዝሒ ኣይሕዙዎምን።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ንስራይ ገንዘብ ብምልኣኽ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘሎ ሰብ ንክልኣኽ ንስድራይ ዝኣተኹሎም መብጽዓ ነይሩ።

እንተኾነ፡ እቲ ገንዘብ ኣውጺኦም ከይተጠቐምሉ ኩለን ጨናፍር ባንኪ ተዓጽየን።

ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ልዕሊ 600 ጨናፍር መንግስታውን ውልቀን ባንክታት ክዕጸዋ ወሲኑ'ዩ።

ስለዝኾነ፡ ስድራይ እቲ ዘድልዮም ገንዘብ ኣይበጽሖምን። እቲ መድሓኒት'ውን ኣይተዓደገን። በዚ ይሻቐል።

እቲ ገንዘብ እንተዝበጽሖም'ውን ነቲ መድሓኒት ክረኽቡዎ ኣይኽእሉን እናበልኩ እሓስብ። ስለ ምንታይ ናብ ትግራይ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ጉዕዞ ነፋሪት ይኹን ካልእ መጓዓዝያ የለን።

እዚ ማለት እቲ መድሓኒት ንሓወይ ዝኸውን መድሓኒት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዘምጽኣሉ ሰብ የለን ማለት እዩ።

ሰባት ካብን ናብን ዘብጽሓ ነፈርቲ ዝመላለሳሉ ሰማያት፡ ሕጂ መነሃርያ ወተሃደራዊ ጀታት ኮይኑ'ሎ።

ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክፍጽም ስለ ዝኽእል ሰባት ብብዝሒ ከይትኣኻኸቡ ኣጠንቂቑ እዩ።

እዘን ነፈርቲ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መዓስከር ዕጥቅን ስንቅን ሰራዊት እታ ሃገር ከዕንዋ ትእዛዝ ዝተዋህበን ምዃነን እውን ይጠቅስ።

ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብን ናብን ምንቅስቓስ ውሑስ ኣይኮነን
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብን ናብን ምንቅስቓስ ውሑስ ኣይኮነን

ብምኽንያት እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው፡ ኣብ ትግራይ ዝህሉ ምንቅስቓስ መጓዓዝያ ንርእሱ ኣስጋኢ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ይቕጽል ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከም ዝብሎ፡ ኣብ ትግራይ ብውሑድ ኣብ ሸሞንተ ከባቢታት ኲናት ኣሎ።

ካብዚኦም እቲ ብፍርያት ሰሊጥ ዝፍለጥ ከባቢ ሑመራ ሓደ እዩ።

እዋኑ ካብ ወራር ዕስለ አንበጣ ዝተረፈ ዘራእቲ ተኣኪቡ ናብ ነፍሲወከፍ ገዛ ሓረስታይ ዝኣትወሉ እዩ።

ሑመራ ድማ፡ ካብ ጎረቤት ክልል ትግራይ ዝመጽኡ ኣምሓሩ ሸቃሎ ብብዝሒ ዝወፍርሉ ከባቢ እዩ።

ሕጂ ግን ኣብ ሞንጎ መዋስንቲ ከባቢታት ክልቲአን ክልላት ዘሎ ደበና ኲናት ክፉእ ከም ዝኾነ እዩ ዝስማዕ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበላ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከቡ ገለ ተወለድቲ ትግራይ ድማ፡ ስርሖም ደው ከብሉ ተነጊሩዎም ካብ ስራሕ ወጻኢ ይኾኑ ከም ዘለው ይዛረቡ።

ሕጽረት ማይን መግብን

ቅድሚ 10 መዓልቲ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ፌደራልን ትግራይን ዝቕጽሎ ዘሎ ኲናት ክለዓል ከሎ ኣብ ኣመሪካ መረጻ ይካየድ ነይሩ።

መሬት ገና ከይወግሐ ሃንደበት ካብ ሓደ መሓዛይ ዝበጽሐኒ መልእኽቲ ግን ንኹሉ ትጽቢታተይ ዝቕይር ነበረ።

"ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝተፈጥረ ነገር ሰሚዕኺ'ዶ? ናብ ስድራኸ ደዊልኪ ነይርኺ'ዶ?" እዩ ዝብል።

ሽዑ ንሽዑ ስልኪ ክድውል ጀሚረ፤ ግን ዝሰርሕ ዋላ ሓደ ቴሌፎን ኣይነበረን። ኢንተርነት'ውን ተዓጽዩ'ዩ።

ኣነ ከይፈለጥኩ፡ ንዓይ ሓዊሱ ብአማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ትግራይ ምስ ዘለው መቕርባቶም ዘራኽበና ኩሉ ተበቲኹ እዩ።

እዚ ክንደየናይ ከም ዘሻቕል ንዘይበጽሖ ሰብ ክተረድኦ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ።

ሕጂ፡ ልዕሊ ኹሉ እቲ ንኡሽቶ ሓወይ'ዩ ዝናፍቐኒ ዘሎ።

ክዛረብ ስለ ዘይኽእል ብሓገዘይ ወለደይ ብቪድዮ እናርኣኹ ደሃዩ ይፈልጥ ነይረ። ከጻውቶ'ውን ይፍትን ነይረ።

ሕጂ ግን ዋላ'ውን ክረኽቦ እንተደለኹ ኩሉ ልዕሊ ዓቕመይ እዩ። ንዕኡ ብዝዘከርኹ ቑጽሪ ግን ኣብ ቴሌፎነይ ንዘሎ ስእሊ እናርኣኹ ነቲ ክትጻወሮ ዝኸብድ ናፍቖት የዐግስ ኣለኹ።

እንተኾነ እዚ'ውን ንክጸናናዕ እኹል ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ድቃስ ዝኸልእ ሕማም ኣለዎ።

ነዚ እናሓሰብኩ ከኣ እዚ ኲናት ቀልጢፉ ምሃድአ ዝብል ተስፋ ይገብር። እቲ ኲናት ደው ኣቢሉ ሓወይ መድሓኒት ዝረኽበሉ ዕድል ክርኢ ሃንቀው ይብል።

ወተሃደራዊት መኪና

ካብዚ ልክዕ ከምቲ ካልእ ፍጡር ሰብ ዝምነዮ፡ ኣነ'ውን ንሓወይ ብዙሕ ተምኒት ነይሩኒ።

ዝሓሸ ሕክምና ንክረክብ ኣነ ናብ ዘለኹዎ ከተማ ናይሮቢ ክመጽእ ዝኽእለሉ ዕድል የመቻቹ ነይረ።

ዓርሱ ክኢሉ ክንቀሳቐስ ስለ ዘይኽእል'ውን 'ዊልቸር' ክዕድገሉ ሓሳብ ነይሩኒ።

ሕጂ ኩሉ ሙሉ ከንቱ ተሪፉ። ብውሑድ እዚ ኲናት ክሳብ ጠጠው ዝብል ንሓወይ ዘለኒ ሓሳባት ተገቲኡ ኣሎ።

እቲ ዝኸፍአ ነገር ከኣ፡ እዚ ኲናት ነዊሕ ግዜ ዝወስድ እንተኾነ'ኸ? ዝብል ሻቕሎት እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዝቐረበሉ ጻውዒት ልዝብ ኣይቕበሎን ኢሉ ኣሎ። ህወሓት'ውን እዚ ኲናት ዝሓቶ መስዋእቲ ከፊልና ክሳብ መወዳእታ ከነብጽሖ ኢና እዩ ዝብል።

ስለዚ፡ እቲ ኣገዳሲ መድሓኒት ዘድልዮ ሓወይ እንታይ እዩ ክኸውን? ስድራይኸ? ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ዋጋ ጠለባት ክውስኽ ይኽእል'ዶ? ሕጽረት መግቢ እንተኣጋጢሙኸ? ስድራይ ገንዘብ ከይረኸቡ ከመይ ኢሉ ናብርኦም ክቕጽል ይኽእል? ብሱሩ ክሳብ መዓዝ?

ካልእ ካብ ወጻኢ ብዝልኣኸሉ ገንዘብ ናብርኡ ዝመርሕ ስድራኸ ብኸመይ እዩ ክናበር? ብሕጂ ሕጽረት ሕሩጽ ስርናይን ነዳድን ከም ዘጋጠመ ይዝረብ ኣሎ።

እዚ ኣሻቒሉኒ ኣሎ።

እቲ ዝኸፍአ ማይ ዘይምህላዩ እዩ።

ኣብ መቐለ ካብ 400 ክሳብ 500 ሽሕ ህዝቢ ከም ዝነብር ይግመት። ይኹን'ምበር ህዝቢ ብውሑድ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ እዩ ናይ መስመር ማይ ዝረክብ።

ኣብ ሞንጎ ማይ ክትስኣን ከላ ነበርቲ ቴሌፎን ደዊሎም ብካሮሳ ማይ ክቐርበሎም ይገብሩ።

ግን ህዝቢ ነዚኣ'ውን ስኢኑዋ፤ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝተቛረጸ ኣገልግሎት ቴሌፎን ናብ ንቡር ኣይተመለሰን።

ብዘይ ማይ'ከ ክንደይ መዓልቲ'ዩ ክሕለፍ?

እዚ ከይኣክል፡ ትማሊ ምሸት ብመሰረት ፕሬዝደንት እቲ ክልል ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተከዘ ብደብዳብ ነፈርቲ ተሃሪሙ ኣሎ።

እዚ ነበርቲ ብጸልማት ክውሓጡ ዝገብር እዩ። እዚ ዘየሻቐለና ድኣ ብምንታይ ክንሻቐል?

'ጻዕዳ ክዳን'

እዚ ኩሉ ሻቕሎት ዝኣክል መሲሉኩም ድዩ? ካልእ ከቢድ ነገር እውን እባ ኣሎ።

ስድራይ ኣብ ዝነብሩላ ከተማ ደብዳብ ነፋሪት እንተዝፍጸምኸ? አይበሎ'ሞ ከምቲ ዝብሃል ዘሎ ከቢድ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እንተበጽሐኸ?

ቆልዓ ከለኹ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ይካየድ ነይሩ። ኣደይ ዝኾነ ሓደጋ ከይበጽሕ ደቃ ትሓብእ ነይራ።

ነፈርቲ ብዝመጽኣ ቑጽሪ ኣዴታት ብቐምሸን ደቀን ይሓብኣ ነይረን። ቆልዓ እንተነበርኩ'ውን ውን ዝብሉኒ ነገራት ኣለው።

ጻዕዳ ክዳን ኣይትከደኑን ክብሃል ይሰምዕ ስለ ዝነበርኩ፡ ንውሕ ንዝበለ ግዜ ኣብ ሕሊና ተሳኢሉ ከቢድ ፍርሒ ይፈጥረለይ ነይሩ።

እዚ ተዘክሮ ዓብየ ካብ ኣእምሮይ ክሳብ ዝወጽእ ጻዕዳ ክዳን ኣይፈቱን። በሰላ ኲናት ቀልጢፉ ካብ ኣእምሮኻ ዘይወጽእ ምዃኑ ዝተምሃርኩሉ ሕማቕ ኣጋጣሚ።

እዚ በሰላ ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ መሕብኢ ቦታ ክስራሕ ዝዝክሩ መሓዙት ኣለዉኒ።

ኣብ እዋን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ነፋሪት ኤርትራ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ደብዲባ እያ። በዚ ብዙሓት ህጻት ሞይቶም ካልኦት'ውን ቖሲሎም።

እዚ፡ ኣነ ኮንኩ መሓዙተይ ክንዝክሮ ኣይንደልን። ኲናትን ሓደግኡን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ካባና ኣርሒቑ ዝኸደ እዩ ዝመስለና ነይሩ።

ኲናት ግን ኣብ ቀረባ ድዩ?

ኣነን መሓዙተይን ጥራሕ ኣይኮንናን በዚ ሓሊፍና። ወለድናን ኣቦ ሓጎታትናን'ውን ኣብ ዘመነኖም ዘሕለፉዎ ሕማቕ ዝኽሪ ኲናትን ደብዳብ ነፈርትን ኣለዎም።

ኣብ እዋን ሃይለ ስላሰ፣ ብስርዓት ደርግ ብርክት ዝበሉ ደብዳባት ነፈርቲ ተፈጺሞም እዮም።

ሓደ መሓዛይ ካብ ዘውግዐኒ ከካፍለኩም።

ንሱ፡ ብ1989 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ደብዳብ ነፈርቲ ክፍጽም ከሎ፡ ዕሸል ነይሩ።

ዓብዪ ኣዲኡ ከተዘንትወሉ ከላ ግን፡ ኣብ ጓጉኣ ሓቢኣ ፎቖዶ ጎዳጉዲ እናተሓብአት ከም ዘድሓነቶ ፈሊጡ።

ኣቦ ሓጉኡ'ውን፡ ውጻእ መዓት እቲ ብ1943 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ብስርዓት ሃይለስላሰ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ'ዩ።

ካብ ሓደ ኲናት ናብ ካልእ ኲናት!

ተወሊደ ዝዓበኹላ ከተማ መቐለ፡ ታሪኻን ዝኽራን ካብ ኲናትን ዕንወትን ዝርሓቐ ኣይኮነን።

መወዳእታ ዘይብሉ ኲናት፣ መወዳእታ ዘይብሉ ዕንክሊል።

ምኽባር በዓል ልደት ኣብ መቐለ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኲናት ይመጽእ እዩ ዝብል ትጽቢት ስለ ዘይነበረና፡ ምስ ሕጹየይ ኣብ ዝመጽእ በዓል ልደት ንክንምርዖ መደብ ነይሩና።

ኣነ ቅድሚ ዝተወሰነ ዓመታት ናብ ናይሮቢ ክመጽእ ከለኹ፡ ንሱ ኣብ መቐለ ተሪፉ።

ሕጅስ ኲናት ዝብሉዎ ዓብዪ ፈተና'ውን ኣብ ሞንጎና ኣትዩ።

እዚ ኲናት፡ ኣብ ሞንጎ ኣነን ንኡሽቶ ሓወይን፣ ስድራይን ፍቕረኛይን ኣትዩ ይርከብ።

ኲናት ሕልምታት እዩ ዝምንዝዕ። ከምዚ ክብል ከለኹ ንኣቦይ ዘኪረዮ።

ኣቦይ፡ ፈለኛሞ'ዩ። ንሱ'ውን ልክዕ ከማይ ኲናት ሕልሙ መንጢሉዎ እዩ።

ሃንደበት ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ምስተላዕለ፡ ምስ ዓባይ ሓፍቱ ተቖራሪጹ።

ክልቲአን ሃገራት ዶባተን ዓጽየን። ኣብ ሞንጎ ንሱ ኾነ ካልእ ኣባል ስድራ ብዘይፈልጦ ምኽንያት ስለ ዝሞተት፡ ሽማ ኣልዒሉ ብሽማ እናምሓለ 20 ዓመታት ሙሉእ ሰሚዐዮ'የ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ፕሬዝደንት ኤርትራ ዕርቀ ሰላም ኣውሪዱ ዶባት ክኽፈቱ ከለው፡ ኣብ ኣስመራ እትርከብ ጓል ሓፍቱ ክረክብ ትጽቢት ነይሩዎ። ሃንደበት ግን መለሲኦም ኩሎም ዶባት ተዓጽዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስ ኤርትራ ሰላም ክመጽእ ብዝገበሮ ጻዕሪ ኣብ ኦስሎ ሽልማት ኖቤል ክቕበል ከሎ ከምዚ ኢሉ ነይሩ።

"ኲናት ንክልዓል ውሑዳት ሰባት'ዮም ዘድልዩ፤ ንሰላም ግን ዓድን ሃገርን ክኸትት ኣለዎ። ንዓይ ሰላም ማለት ልክዕ ተክሊ እዩ። ተኽሊ፡ ቀልጢፉ ንክዓቢ ጽቡቕ ሓመድን ማይን የድልዮ፤ ሰላም'ውን ዘይወላወል ቖራጽነት፣ ትዕግስትን ቅንዕናን ይደሊ" ኢሉ።

ልክዕ ከምቲ ኩሉ ዝምነዮ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ዶክተር ደብረጽዮንን ሰላም ከውርዱ ባህጊ ኣለኒ።

እንደተዘይኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ሰላም ዓሌታውነት ነጊሱ ሃገር ክትሕመስ እያ።

እዚ ኹሉ ኢለ ግን ሕጂ'ውን ጉዳይ ንኡሽቶ ሓወይ የሻቕለኒ ኣሎ። መድሓኒት ክረክብ ኣለዎ።