መንግስቲ ክልል ትግራይ ንሰላማዊ ዝርርብ ቅሩብ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ኣባል ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ

ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ብሕብረት ኣፍሪቃ ብሰላማዊ ዘተ መዕልቦ ክረክብ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ፌዴራልን ክልል ትግራይን፡ ቅሉዕ ኲናት ካብ ዝጅመር ሻድሻይ መዓልቱ ኣቑጺሩ ኣሎ።

ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ እቲ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኣብ መላእ ሃገር ኲናት ሕድሕድ ከስዕብ ከምዝኽእል ብምስጋእ እዩ እቲ ጸገም ብሰላማዊ ዘተ ክፍታሕ ዝተላበወ።

ዶክተር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ ብ 6 ሕዳር፡ ንኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ሃገራዊ ዘተ ብመሪሕነት እቲ ሕብረት ክካየድ ከምዝደሊ'ውን ሓቢሩ።

እቲ ዝርርብ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ሓይልታት ፖለቲካን ሲቪካዊ ማሕበራትን ዘካተተ ክኸውን ድማ ኣስሚርሉ።

እንተኾነ፡ በወገን መንግስቲ ፌዴራል፡ እቲ ጎንጺ ብዘተ ክፍታሕ ድሌት ዘለዎ ኣይመስልን።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ትማሊ ብቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ንክዛዘም ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

"ገበነኛታት ኣኽበርቲ ሕጊ መሲሎም ካብ ተሓታትነት ሕጊ ከምልጡ ኣይኽእሉን" ክብል ድማ ንዝርርብ ድልው ዘይምዃኑ ኣንፊቱ።

መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 8 ከባብታት ኲናት ይካየድ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር።

ምስዚ ኲናት ብዝተኣሳሰር፡ ኣስታት 9 ሚልዮን ህዝቢ ክመዛበል ከምዝኽእል'ውን ኣጠንቂቑ እዩ።

ናብ ትግራይ ዝወስዱ መንገድታት ዕጽዋት ምዃኖምን፡ ከምኡ'ውን ቴሌፎን ኮነ ኢንተርኔት ዕጽው ስለዝኾነ፡ ረድኤት ናብቲ ከባቢ ዝበጽሐሉ ኣገባብ ከምዘየለ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኲናት ብዙሓት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን፡ ተደጋጋሚ ደብዳበ ኣየር ይካየድ ከምዘሎን ሓቢሩ።

ምዕባለታት እቲ ኲናት እንታይ ይመስል?

ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓወት ከምዝሓፈሰን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ገለ ከተማታት ከም ዝተቆጻጸረን ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሓላፊ ኢንዶክትሪኔሸንን ርክብ ህዝብን ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ተዛሪቡ፤ ኣባል ኣመራርሓ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ግና ትማሊ ምስ ድምጺ ወያነ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት 'ሓሶት' ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

እንተኾነ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ እቲ ኲናት ቀጺሉ ከምዘሎን ኣብ ቀጻሊ ዝርዝር መግለጺ ከምዝወሃቦን ኣይተ ጌታቸው ሓቢሩ።

ከምኡ ድማ፡ ብኣንፈት ክልል ዓፋርን ራያን መንግስቲ ፌዴራል ተወሰኽቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ የጸግዕ ከምዘሎን ንውግእ እናተዳለወ ከምዝርከብን ገሊጹ።

ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተደጋጋሚ ደብዳበ ኣየር ከምዝፈጸመ ጠቒሱ፤ ትማሊ ሓንቲ ናይ ውግእ ነፋሪት ብሚሳኤል ከም ዝተወቕዐት ሓቢሩ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል መሓመድ ግና ሎሚ: እቲ "ነፋሪት ኲናት ሓሪምና ኣውዲቕና" ዝብል ዜና ሓሶት እዩ ክብል ነጺግዎ።

ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ሓይሊ ኣየር "ሕጂ'ውን ዝተለለዩ ስፍራታት ምጥቃዕ ቀጺሉ ኣሎ" ምባሉ ትካል ዜና ኢትዮጵያ፡ ኢዜኣ ጸብጺቡ።