መንግስቲ ክልል ትግራይ ቤትምኽሪ ፌደሬሽን ንመረጻ ትግራይ ዝዕንቅፍ ውሳነ ከየሕልፍ ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, Tig Comm office
መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ህጹጽ ኣኼባ ምጽውዑ ስዒቡ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ን6ይ መረጻ ትግራይ ካብ ምዕንቃፍ ክቑጠብ ኣጠንቂቑ።
ፈጻሚ ስራሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ትማሊ ሓሙስ ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ንክልላዊ መረፃ ህዝቢ ትግራይ ንምዕንቓፍ ዝመሓላለፉ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ውሳነ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ክፍለጥ ይግባእ" ኢሉ።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነቲ ብቤትምኽሪ እታ ክልል ክካየድ ዝተወሰነ መረጻ ኣድላዪ ምድላዋት ኣብ ምጽፋፍ ከም ዝርከቡን እቲ ተሪፉ ዘሎ "መረፃ ምክያድን ብውሳነ ህዝቢ መንግስቲ ምምስራትን" ምዃኑ'ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ነቲ 4 ጳጉመ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ መረጻ ንምትዕንቃፍ ብፌደራል መንግስቲ ዝግበር ዝኾነ ኢድ ኣእታውነት ንህልውና ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሳዕቤን ከም ዝህልዎ ብምግላጽ "ንሰከንድ እውን ደው ክብል ከም ዘይኽእል" ብምሕባር ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ነቲ መረጻ ደው ንምባል ይኹን ንምትዕንቓፍ ዝወስዶ ውሳነ "ናይ ኲናት ኣዋጅ ምዃኑ" ኣጠንቂቑ።
ተሓተትቲ እቲ ሳዕቤኑ ድማ ፡ እቲ ቤት ምኽርን ቀዳማይ ሚኒሰተር እታ ሃገረን ከምዝኾኑ'ውን እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።
ህዝቢ ትግራይ'ውን ንዝኾነ ይኹን ምትእትታው መኪቱ ዓወቱ ከረጋግጽ ዝጸውዐ እቲ መግለጺ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ብምዃን ፌደራል መንግስቲ ነቲ መረጻ ካብ ምዕንቃፍ ክቃወሙ ኣዘኻኺሩ።
ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ'ውን ኣብቲ መረጻ ንዝግበር 'ኢድ ኣእታውነት' ክኹንን ጸዊዑ።
ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ መረጻ ንምስላጥ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ብህጹጽ ደው ከብል ዝሓትት ደብዳበ ሓምሌ 21/2012 [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ሰዲዱ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ቤት ምኽሪ፡ እቲ ክልል ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት እታ ሃገር ንሓደጋ ዘሳጥሕ ከምዝኾነ ሓቢሩ፡ እንተዘይኮይኑ ግን ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግደድ እዩ ኣጠንቂቑ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ደብዳበ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ከምዚ ዓይነት ደብዳበ ንምጽሓፍ'ውን ስልጣን ከምዘይብሉ ገሊጹ ነይሩ።
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ንጽባሕ ህጹጽ ኣኼባ ዝጸወዐ ኾይኑ፡ እቲ ኣጀንዳ መረጻ ትግራይ ከምዝኸውን ይግመት ኣሎ።
ካብ ባይቶ ትግራይ ናብቲ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝተጽሓፈ ደብዳበ ከምዝሕብሮ፡ ንክልል ትግራይ ወኪሎም ናይቲ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኣባላት ዝኾኑ፡ ኣጀንዳ'ቲ ህጹጽ ኣኼባ ቀዲሙ ክንገሮም ሓቲቶም፤ እዚ ኣብዘይኮነሉ ግና ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይርከቡ ኣፍሊጦም።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዝጸንሐ ፍሕፍሕ ምስ መረጻ ትግራይ ተኣሳሲሩ እናተጋደደ መጺኡ ኣሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







