ኢትዮጵያ፡ ክልላዊ መረጻ ትግራይ፡ ካበይ ናበይ?

ኮሮጆ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ: ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ካብ ዝተማጎቱሎም ሃገራዊ ዛዕባታት፡ መረጻ እቲ ዝዓበየ'ዩ።

'ሃገራዊ መረጻ ኣብ እዋኑ ክካየድ ኣለዎ፡ ክካየድ ኣይኽእልን' ዝብል ክትዕ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝቕጽል ዘሎ ምትፍናን ክዓርግ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ጉዳይ መረጻ፡ ንክልቲኦም መንግስታት ነናሻዕ ከጣቑሶም፣ ከካስሶምን ከተፋንኖምን ተራእዩ።

ሰልፍታት ህወሓትን ብልጽግናን፡ ከምኡ'ውን ዝመርሕዎም መንግስታት ክልልን ፌደራልን፡ መግለጺታት እናውጽኡ ሓደ ነቲ ኻልእ ክኹንኑን ክነቕፉን እዮም ጸኒሖም።

እቲ ዘሎ ምስሕሓብ፡ ካብ ናይ ቃላት ኲናት ሰጊሩ ናብ ናይ ሓይሊ ግጭት ከየምርሕ እውን ስግኣታት ኣሎ።

ኣብ ጉዳይ መረጻ ዝነበረ ክትዕ ግን ኣብ መንጎ ህወሓትን ብልጽግናን ጥራይ ዝተሓጸረ ኣይኮነን።

ሰልፍታት 'ኢዜማ' ከምኡ ድማ 'ኣብን' እቲ መረጻ ክናዋሕ ይጠልቡ ነይሮም።

ህወሓትን ኦፌኮን ድማ እቲ መረጻ ክካየድን መንግስቲ ኣድላዪ ቅድመ ምድላዋት ክገብርን ይሓትቱ ነይሮም።

ኣቦ መንበር ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ፡ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና "እዞም ሃገር ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት የላን፤ መረጻ ክካየድ የብሉን ዝብሉ ሰባት ንክርድኦም ይኸብደኒ'ዩ" ዝብል ርኢይቶ ሂቡ ነይሩ።

ህንጸት 'ዴ ፋክቶ ስቴት'

ልሳን ህወሓት ኣብ ዝኾነት መጽሄት ወይን፡ ብ14 ሕዳር 2020 ዝወጽአ ሕታሙ፡ ህወሓት ኣብዚ ዓመት መረጻ ኣብ ግዚኡ ክካየድ ብምጽዋዕ፡ ጎድና ጎድኒ ድማ ትግራይ መንግስታዊ ቁመና (de facto state) ንምምስራት ዘኽእል ምድላዋት ክግበር ዝሓትት ሓሳብ ከምዘቕረበ ይዝከር።

መረጻ ዘይካየድ እንተኾይኑ፡ ሕገ መንግስቲ ዝጻረርን ናብ ፍጹም ቅልውላው ዘምርሕን ብምዃኑ፡ ህወሓት ኣብ ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ከም ዝግደድ ድማ እታ መጽሄት ሓቢራ ነይራ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቅድም ኢሉ 10 ነሓሰ ክካየድ መደብ ወጺኡሉ ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ፡ 23 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ክካየድ ከም ዝወሰነ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ እዩ ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት ኣብ መጋቢት ካርታ መረጻ ክልላትን ዝርዝር ናቑጣታት መረጻን ዕላዊ ክግበር'ዩ፡ ካብ መፋርቕ ሚያዚያ ክሳብ ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ምዝገባ ሕጹያት ተወዳደርትን መረጽትን ክካየድ'ዩ ዝብል መደብ ነይሩ።

ካብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት፡ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ፡ ጎስጓስ መረጻ ክካየድን ሰለስተ ጳጉሜን ድማ ውጽኢት እቲ መረጻ ክግለጽን ምዃኑ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ገሊጹ ነይሩ።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን [7 ለካቲት 2020] ድማ ፕሬዝደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት 'ባድመ ሓዊሱ ንኤርትራ ዝተዋህባ ቦታታት ህወሓት ብምእባዩ ኣይተመለሳን' ኢሉ ንህወሓት ድሕሪ ምንቃፍ፡ ግን ድማ "ኣብ ጉዳይ ዶብን ባድመን ከይተሓጸርና ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ መጺኡ ዘሎ ዕርያ (ሪፎርም) ብኹሉ ዓቕምና ክንድግፎ ኢና" ኢሉ።

እዚ ርእይቶ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካትዕ ዘሎ ጉዳይ መረጻ ሓዊሱ ንውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዝትንክፍ ብምዃኑ፡ ኣብ'ቲ እዋን ገለ ተዓዘብቲ ከም ኢድ ኣታውነት ርእዮምዎን ተዛሪቦሙሉን እዮም።

ኣብ ወርሒ ለካቲት 'መበል 45 ዓመት ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ' እንትጽምበል፡ መራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ 'ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት፡ ከምኡ ድማ ብሰብመዚ ኢትዮጵያ ኣንጻር ትግራይ ዝተገበሩ ጽልኣታዊ ዘረባታትን' ኮኒኑ።

ንኣባላት ባይቶ ኢትዮጵያ ድማ፡ ቅድሚ ናይ ስልጣን ዕምሮም ኣብቂዑ ምብትታኖም፡ ነዚ ተግባራት ክቃወሙዎ እንተዘየሎ ግን "ትግራይ ዓርሳ ዝኸኣለት ሃገር እያ ኢልኩም ኣውጁ" ክብል ትርር ዝበለ መደረ ገይሩ ነይሩ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, Tigray tv

መግለጺ ስእሊ, ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ምስራዝ መረጻ፡ መቐጸልታ ቃላዊ ኲናት

ብ1997 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ዝተኻየደ መበል 3ይ ሃገራዊ መረጻ፡ እቲ ገዛኢ ግንባር ዝነበረ ኢህወዴግ ዝተፈተነሉ፣ ተቓወምቲ ዝሓሸ ናጽነት ረኺቦም ዝተንቀሳቐስሉ መረጻ ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ።

ድሕሪኡ ኣብ ዝተኻየዱ ክልተ ተኸታተልቲ መረጻ ግን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ብኢህወዴግ ተብሒቱ፣ ብርክት ዝበሉ ኣባላትን ኣመራርሓን ተቓወምቲ ውድባት ተኣሲሮምን ካብ ሃገር ወጺኦምን።

ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንልፍንቲ ኢህወዴግ ብምፍራስ፡ ብልጽግና ዝተባህለ ሓደ ሰልፊ መስሪቱ፡ 'ፍጹም ዴሞክራሲያውን ፍትሓውን' መረጻ ከም ዘካይድ ድማ ቃል ኣትዩ።

ይኹን'ምበር ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ 'ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ' ነቲ መረጻ ከካይድ ከምዘይክእል ብ 22 መጋቢት ኣፍሊጡ።

መንግስቲ፡ ነቲ ሃገራዊ መረጻ ንምክያድ እኹል ምድላው ክግበር ከም ዝጸንሐን ሰልፊ ብልጽግና'ውን ክካየድ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ከምዝነበሮን ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ "ሕጂ ግን ብምኽንያት እቲ ለበዳ ክናዋሕ ተወሲኑ ኣሎ" ዝብል መግለጺ ሂቡ።

ኣብቲ እዋን፡ ምስ ገለ ወከልቲ ተነሓናሕቲ ውድባት ኣብ ዘካየዶ ዘተ ድማ 'መረጻ ኣብ ኣብ ሕሉፍ መንግስታት ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣይፈልጥን፡ ወይ ኣይነበረን፡ ወይ'ውን ንምምሳል ዝግበር እምበር ዘካትዕ ጉዳይ' ኣይነበረን ክብል ተዛሪቡ።

"ምስ ኤርትራ እናተዋጋእና'ውን መረጻ ይግበር ነይሩ፤ ምኽንያቱ ዝነሓናሕ ሓይሊ ስለ ዘይነበረ። ሕጂ'ዩ ምርጫ ንስኻትኩም'ውን ብሃንቀውታ እትጽበዩዎ ህዝቢ'ውን ዝደልዮ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ" ኢሉ ነይሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ።

ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, FBC

እቲ ብቐደሙ'ውን መረጻ ክንስርዝ የብልናን ዝብል መርገጺ ዝነበሮ ህወሓት ግን፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ክልሉ ብምውሳድ፡ ክልላዊ መረጻ ክካየድ ወሲኑ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ግን፡ ትግራይ መረጻ ክተካይድ ከም ዘይትኽእል፤ እንተተኻይዱ ድማ ሕጋዊ ከም ዘይኸውን እንትገልጽ እቲ ምትፍናን እናዓበየ መጺኡ።

'ጉዳይ መረጻ ሕጋውን ዴሞክራሲያውን መሰል ስለ ዝኾነ፡ ነቲ መረጻ ክነካይዶ ኢና፤ ነዚ ዝኽልክለና ሓይሊ የለን' ዝበለ መንግስቲ ትግራይ ድማ ንሓሳብ ቦርድ መረጻ ክነጽጎ ተዓዚብና።

እዚ መንግስቲ ትግራይ ዝሓዞ መገዲ፡ ብሓደ ወገን ቅኑዕ እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ብኻልእ ወገን ድማ ግጉይ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ፌደራል ነዚ ጠጠው ንምባል ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ዝሓተቱ'ውን ኣለው።

ካልኦት ድማ፡ መንግስቲ ፌደራል ነቲ መረጻ ከፈጽም ድልዊ ዘይምዃኑ [ቦርድ መረጻ ከሳልጦ ከም ዘይኽእል ምግላጹ] ከምኡ'ውን ትግራይ ብፍቓደይ ከካይዶ'የ ምባላ ክልቲኦም ሕጋዊ መሰረት የብሎምን ብምባል ነቒፎም ነይሮም።

ካብኦም ሓደ፡ ሕዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ፖለቲከኛ ጀዋር መሓመድ እዩ።

ድሕሪ'ዚ፡ ሕገ መንግስታዊ ትርጓመ ብምንዳይ፡ ብ5 ግንቦት 2020 መረጻ ተናዊሑ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርን ስልጣን ባይቶታት ሃገርን ክልላትን ፌደሬሽንን ተናዊሑ።

ዓረና ትግራይን ኦነግን ሓዊሱ፡ ሸውዓተ ውድባት እዚ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕገ መንግስቲ ዘይተኻተተ ብምዃኑ፡ ነቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክወሃቦ ይግባእ ብዝብል ተቓዊሞምዎ።

ህወሓት ብወገኑ፡ እዚ ሕገመንግስታዊ ትርጓመ ዝበሃል፡ ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕ ተባሂሉ ዝተወሰደ ዘይሕገመንግስታዊ ውሳነ እዩ ብምባል ከም ዘይቅበሎ ገሊጹ፤ ብዝሓዞ መገዲ ከም ዝቕጽል ድማ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ነዚ ኣመልኪቱ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ብዝተቐድሐ ምስሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ትግራይ ክተካይዶ እትሓስብ ዘላ መረጻ ብምንእኣስ፡ ካብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ወጻእ መረጻ ንምክያድ ምህቃን ንህዝብን ሃገርን ናብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ ክብል ነቒፉ።

"መንግስቲ ድሕነትን ህዝብን ሃገርን ንምሕላው ወሳኒ ስጉምቲ ክወስድ ክግደድ'ዩ። ፖለቲከኛታት ስልጣን ንክሕዙ መንእሰይ ክሃልቕ፣ ኣዴታት ክነብዓ፣ ኣባይቲ ክፈርሱ፣ ህዝብታት ክመዛበሉ የብሎምን" ክብል ድማ ኣጠንቂቑ።

መንግስቲ ትግራይ ግን፡ ዋላ'ውን ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ኮይንኻ መረጻ ክካየድ ይኽእል'ዩ ብዝብል እምነት ከም ዝጉዓዝ ብምግላጽ፡ "ኣብ መንጎ ፌደራልን ክልል መንግስትን ኣብ ጉዳይ መረጻ ግልጺ ኣፈላላይ ተፈጢሩ'ሎ። ግን ድማ ንሕና ከም መንግስቲ ፌደራል ዝገበርና ገይርና ኣብ ስልጣን ክንጸንሕ ኣይንብልን" ክብል መራሒ እቲ ክልል ዶክተር ደብረጽዮን ተዛሪቡ።

"ኣብዛ ሃገር ክውቀጥ [ክውቃዕ] ዝግብኦ እንተልዩ፡ ሕገ መንግስቲ ኣኽቢሩ ህዝቢ ንዝመረፆ መንግስቲ ስልጣን ነረክብ ዝብል ዘሎ ዘይኮነስ ነዚ ጥሒሱ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝንቀሳቐስ ዘሎ እዩ" ክብል ድማ ኮኒኑዎ።

መረጻ ንክካየድ ክሙግት ዝጸንሐ መንግስቲ ትግራይ፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ምድላዋት ከም ዝገብር ብምግላጽ፡ ነዚ ዘሳልጥ ኮሚሽን መረጻን ኣመራርሓን ወዲቡ ናብ ተግባር ብምእታው 4 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም [9 መስከረም 2020] 6ይ ክልላዊ መረጻ ንምክያድ ተሸባሺቡ ኣሎ።

ድሕሪ'ዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንፋና ቴሌቪዥን ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፡ ህዝቢ ንትግራይ ንዶክተር ደብረጽዮን ክሕግዞ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ኣብ ኣገዳስነት መረጻ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣፈላላይ ዘሎ ኣይመስለንን ኢሉ።

"መረጻ ድሕሪ ሓደ ዓመት ክካየድ'ዩ፤ መንግስቲ ትግራይ ግን ስለምንታይ'ዩ ሚሊዮናት በጂቱ መረጻ ከካይድ'የ ምባሉ ዘገርም'ዩ። ኣብ ክንድኡ ክልተ ወይ ሰለስተ ናይ ማይ ጎዳጉዲ ዘይኩዕት" ኢሉ'ኳ እንተነበረ ጽንሕ ኢሉ ድማ እቲ መረጻ ምክያዱ ጸገም'ኳ እንተዘይሃለዎ ካብ ህወሓት ወጻእ ዝኾነ ውድብ እንተስዒሩ'ዩ ኣጸጋሚ ክኸውን'ዩ ኢሉ ነይሩ።

ብተደጋጋሚ፡ 'ኣብ መኸተ ኢና ዘለና' ክብሉ ዝስምዑ መንግስቲ ትግራይን ሰልፊ ህወሓትን ግን፡ እቲ መረጻ ብዝኾነ መገዲ ክተዓናቐፍ ከም ዘይኽእል ብምግላጽ 'ሰላማውን ፍትሓውን' መረጻ ንምክያድ ድሉዋት ኢና ይብሉ።

ዕላምኡ፡ ዕላማ መኸተ እዩ ዝተብሃለ፡ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣርእዮም።

ዕጡቓት ኣብ ምርኢት

መረጻ ትግራይን ማሕበራዊ ሚዲያን

ኣብቲ ክልላዊ መረጻ፡ ጥንኩር ፌደራላዊ ስርዓት ምህናጽ'ዩ ዘድልየና ካብ ዝብል እምነት ህውሓት ጀሚሩ ክሳብ ብልሕሉሕ ኮንፌደሬሽን ዝምራሕ ስርዓት፣ ምስ ብሄር ብሄረሰባት ማዕረ ዝገብረና ምሕደራን፡ ምስረታ ናጻ ሃገረ ትግራይን ዝብል እምነት ዘለዎም ሓሙሽተ ተነሓናሕቲ ሰልፊታት ን 152 ወናብር ክወዳደሩ'ዮም።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብቲ መረጻ ንምስታፍ ዝተመዝገቡ 6 ውልቀ ተወዳደርቲ ብሕጽረት በጀትን ካልኦት ምኽንያታትን ዓርሶም ዘግለሉ ኮይኖም ዝተረፉ 5 ውልቀ ሰባት ግን ተሳተፍቲ ክኾኑ'ዮም።

ብፍላይ እተን ኣርባዕተ ውድባት ሓደሽቲ ኮይነን፡ ብብዝሒ ብሄርተኛ መናእሰይ ዝመርሑወን እየን።

ካብ ዝሓለፈ ሰንበት [23 ነሓሰ 2020] ጀሚሩ፡ ኣብ ሞንጎ ሓሙሽተ ተነሓናሕቲ ሰልፊታት መድረኽ ክትዕ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ዝተፈለየን፡ 'ፈላማይ ብቋንቋ ትግርኛ' ዝቐረበ መድረኽ ክትዕ ኮይኑ፡ ምስ ኢትዮጵያ ሓቢርና ንቐጽል'ዶ ናይ ባዕልና ናጻ ሃገር ንመስርት ዝብል መካትዒ ኣጀንዳ'ውን ብግልጺ ክዝረበሉ ቀንዩ'ሎ።

2684 ናቑጣታት መረጻ ተዳልዮም፤ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ምዝገባ መረጽቲ፡ ንከብቅዕ ሓደ መዓልቲ እንትተርፎ፡ ልዕሊ 2.7 መራጺ ህዝብን 625 ሕጹያት ተወዳደርትን ከም ዝተመዝገቡ መረዳእታ ኮሚሽን መረጻ ትግራይ የረድእ።

ነቲ መረጻ ክዕዘቡ ካብ ውሽጢ ዓዲ ንዝመጽኡ 61 ተዓዘብቲ'ውን ፍቓድ ከም ዝሃበ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ እዩ።

ብርክት ዝበሉ ምሁራትን መናእሰይን፡ ነቲ ካብ ማእኸላይ መንግስቲ ዝመጽእ ዝነበረ ቅራነ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ብዝመስል፡ ነቲ ዝወሰዱዎ ካርዲ መረጻ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክጥቅዑዎ፣ ዝድግፉዎን ዝመርጹዎን ፖለቲካዊ ውድብ ብግልጺ ክረቑሑን ይርኣዩ ኣለው።

ገለ ኣባላትን ኣመራርሓን ተነሓናሕቲ ውድባት ግን፡ ታሕተዎት ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት፡ ክሳብ ስድርኦም ዝበጽሕ ምፍርራሕን ክትትልን ይገብሩሎም ከም ዘለዉ ይገልጹ። ማሕበራዊ ሚዲያ ድማ፡ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ምጉናያት ዝኹነነሉ መድረኽ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ መረጻ ክካየድ የብሉን ዝብል መርገጺ ካብ መንጎ ዝነበሮም ኣመራርሓ ዓረና ትግራይ'ውን፡ ከም ውድብ ንዝሓዝዎ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺኦም ብምፍኳስ፡ መርገጺኦም ዝቐየሩ ይመስሉ።

ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ኣብርሃ ደስታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን "ህዝቢ ባዕሉ ብዝመረጾ ክመሓደር ስለ ዝግባእ መረጻ ክካየድ ኣለዎ። ትግራይ ንበይና ተፈልያ መረጻ ምክያዳ ኣይፈተኹዎን፤ መረጻ ምክያድ እንድሕር ዘይተረፈ ግን 'ዕውት' ኮይኑ ይዛዘም" ክብል ኣብ ፌስቡኩ ጽሒፉ እዩ።

እቲ ክልላዊ መረጻ ድሕሪ 10 መዓልቲ'ዩ ክካየድ።