መረጻ ትግራይ 2012፡ ምኽንያት ምቕያር ስርዓተ መረጻ ትግራይ እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባይቶ መንግስቲ ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ንዓንቀጽ 48 ሕገ መንግስቲ ትግራይ ብምምሕያሽ ቁጽሪ ተወከልቲ ኣባላት ባይቶ ካብ 152 ናብ 190 ክብ ክብል ገይሩ።
እዚ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ስርዓት መረጻ ዓብላሊ ድምጺ ዝረኸበ መናብር እቲ ባይቶ ይሕዝ ዝብል ሕጊ ብምቕያር 'ብተመዓዳዳዊ - ሓንፈጽ' ስርዓት መረጻ ዝትክእል ምዃኑ እቲ ባይቶ ገሊጹ።
በዚ መሰረት፡ ኣብቲ ባይቶ ካብ ዘለው መናብር እቶም 80 ሚኢታዊት በቲ ዓብላሊ ድምጺ ዝረኸበ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝተሓዝ ኮይኑ፡ 20 ሚኢታዊት ድማ ብተመጣጣኒ ውክልና ንዝተወዳደሩ ውድባት ክወሃብ እዩ።
እቲ ምምሕያሽ ንምንታይ ኣድለየ?
ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ እቲ ስርዓት መረጻ ናይ ምቕያር ሓሳብ ብሃንደበት ዝመጽአ ከም ዘይኮነ እዩ ዝዛረብ።
"ቅድም ኢሉ ልፍንታዊ ግንባር ኢህወዴግ ንፓርላማ ዘየብቅዕ ድምጺ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝወሃቡ ድምጺታት ትርጉም ብምሃብ ናብ ፓርላማ ብዘእቱ መንገዲ ንቐይሮ፤ ዝጎሓፍ ድምጺ ክህሉ የብሉን ዝብል ውሳነ ነይሩዎ'ዩ" ይብል።
እቲ ዝጸንሐ ስርዓት መረጻ ሓደ ውድብ ጥራሕ ናብ ቤት ምኽሪ ዘእቱ እዩ ተባሂሉ ይንቀፍ ምንባሩ ዘዘኻኽር ኣቶ ኣማኑኤል፡ ነቶም ኣብ ትግራይ ዝፍጠሩ ዘለው ሓደሽቲ ውድባት ከተኣናግድ ዝኽእል መስርሕ ንምትእትታው መጽናዕቲ ከም ዝተገበረ ይዛረብ።
"ኣብ ትግራይ ተወዳደርቲ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ውድባት ይበዝሑ ኣለዉ። ስለዚ ይብዛሕ ይውሓድ ነዞም ውድባት ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝመርጾም ክህሉ እዩ፡፡ አዐሪኻ ዴሞክራሲ እናስፋሕኻ ክትኸይድ እንተለኻ ንመሰል ውሑዳት ትርጉም እናሃበካ ኢኻ ትኸይድ" ብምባል ኣሳታፊ ከም ዝከውን ይገልጽ።
በዚ መሰረት ድማ ነቲ ዝጸንሐ ኣብዝሓ ድምጺ ዝረኸበ ክዕወት ዝፈቅድ ስርዓት መረጻ ብዘይጎድእን ተመጣጣኒ ስርዓት መረጻ ብዘተኣናግድን መልክዑ ተመዓዳዳዊ ሓንፈጽ ስርዓት መረጻ ክኸውን ከም ዝተወሰነ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ርእይቶ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰብሞያ ሕግን
ምስ ወድባት ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይን ውድብ ናጽነት ትግራይን ብምዃን ተመጣጣኒ ስርዓት መረጻ ክህሉ ከም ዘለዎ ሓሳብ ከቕርብ ዘጸንሐ ውድብ ሳልሳይ ወያነ፡ ነቲ ሐዚ ቐሪቡ ዘሎ ተመዓዳዊ ሓንፈጽ መረጻ ከም ዘይቕበሎ፡ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ውድብ ኣይተ ክንፈ ሓድሽ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ኣብ ዓንቀጽ 48 ተመሓይሹ ዝነበረ ስርዓት መረጻ ኣይንቕበሎን፤ እቲ ሐዚ ሓንፈጽ ተባሂሉ ዘሎ ስርዓት'ውን እንተኾነ 80 ሚኢታዊት ነቲ ዝነበረ ዘቐጽል እዩ" ዝብል ኣይተ ክንፈ ሓድሽ፡ ነቲ ገዛኢ ውድብ ዝጥዕም ሓሳብ'ዩ ቐሪቡ ዘሎ ኢሉ።
ብተወሳኺ "እቲ ባይቶ በቲ ገዛኢ ውድብ ዝቐረበ ናይ መረጻ ስርዓት እዩ ኣጽዲቑ ዘሎ፤ ስለዚ ሓሳብና ኣብቲ ናይ መረጻ ስርዓት ዝምልከት ኣይተኻተተን" ብማለት፡ እቲ ምትሕንፋጽ ፍርቂ ፍርቂ ወይድማ 40 ሚኢታዊት ብ60 ሚኢታዊት ክኸውን ከም ዝግባእ ሓቢሩ።
"ካልኣይ ኣብቲ 20 ሚኢታዊት ወይ 38 መናብር እውን እቲ ገኣዚ ውድብ እውን እዩ ክወዳደር፤ ግን እንተውሓደ እቲ 38 መናብር ንተነሓናሕቲ ውድባት ክፍቲ ዝግበረሉ ዕድል ክፍጠር ነይሩዎ" ዝብል ርኢይቶ ኣለዎ።
ኣቦ መንበር ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ዓሲምባ ኣይተ ዶሪ ኣሰገዶም ብገወኑ እቲ ስርዓት መረጻ ምምሕያሹ ጽቡቕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ 'እኹል ግን ኣይኮነን' ኢሉ።
"እንተውሓደሰ ሰላሳ ወይ ኣርባዓ ሚኢታዊት ክከውን ነይሩዎ፤ ግን ድማ ካብቲ ዝነበረ ግን ዝሓሽ እዩ" ይብል።
ባይቶ ክልል ትግራይ ሕገ መንግስቲ እቲ ክልል ናይ ምርቃቕ፣ ምጽዳቕን ምምሕያሽን ስልጣን ከም ዘለዎ ዝገልጽ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ሕጊን ምምሕዳርን ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ካሳ፡ "እቲ ምምሕያሽ ናይ ሕጊ ሕቶ ዘልዕል ኣይኮነን" ብምባል "እቲ ዘጸንሐ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ውድብ ዝስዕረሉ ስርዓት መረጻ ብመንጸር ዲሞክራስዊ ውክልና ጸገም ኣለዎ" ዝብል መብርሂ ይህብ።
እዚ ውክልና ዜጋታትን ድልየት ሕርያን ዘማልእ ከም ዘይነበረ እውን ጠቂሱ።
"ብፖለቲካዊ ዓይኒ ክንሪኦ ከለና ድማ፡ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ክንዲ ዝኸኣልዎ ተሳትፎ ንክገብሩ፣ ኣብ ባይቶ መንበር ክረኽቡን ዲሞክራስያዊ ምህዳር ኣብ ምፍጣርን ጽልዋ ነይሩዎ እዩ" ኢሉ።
ተመጣጣኒ ስርዓት መረጻ እውን እንተኾነ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ጸገማት ክህልዎ ከም ዝኽእል እዩ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ካሳ ዝዛረብ፡፡
"ኣብታ ሃገር ብዙሓት ብሄራትን ፖለቲካዊ ውድባትን ብምህላዯም ተመጣጣኒ እንተጌርካዮ፡ ብዙሓት ውድባት ናብ ፓርላማ ዝኣትውሉ ዕድል ሰለ ዘሎ፡ ውሳነታት ዘይውስንን ዘይተረጋግአን ፓርላማ ኣብ ምፍጣር ጸቕጢ ከሕድር ይኽእል'ዩ"።
እቲ ሐዚ ብባይቶ ክልል ትግራይ ጸዲቑ ዘሎ ተመዓዳዳዊ ሓንፈጽ መረጻ እውን፡ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ጥንኩርን ድኹምን ጎኒ ኣለዎ እዩ።
ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ከም ዝብሎ፡ ተመዓዳዲ -ሓንፈጽ ስርዓት መረጻ ዴሞክራሲ ዘስፍሕ ስርዓር መረጻ ኣይኮነን።
"ንቕድሚት ሓደ ስጉምቲ እዩ ኢልና ክንወስድ ንኽእል ኢና፤ ዴሞክራሲ ዘስፍሕ እዩ ማለት ግን ኣይኮነን። ተመዓዳዳዊ ሓንፈጽ ስርዓት መረጻ ኣብ ዝዓበያ ሃገራት የለን፤ ብዙሕ ጊዜ ናይ ዴሞክራሲ ባህሊ ኣብ ዘይብለን ጀመርቲ ሃገራት'ዩ ተፈጻሚ ዝኸውን" ኢሉ።
ብፍላይ እቲ 80 ሚኢታዊት ሓደ ውድብ በይኑ ሰዓራይ ዝኾነሉ ዕድል ምስ ዝፍጠር ምምጥጣን ክህሉ ከም ዘይኽእልን ሃለዋት ተናሓናሕቲ ውድባት እውን ካብ ስም ዝሓለፈ ከም ዘይኸውንን ተዛሪቡ።
እንተኾነ ናይ ሕጋውነት ሕቶ ከልዕል ከም ዘይኽእል ዝዛረብ እቲ ሙሁር፡ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ብዝካድ ልዝብል ፖለቲካዊ ጸቕጥን ዝመሓየሽ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ ዙርያ ሕገ መንግስቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ዶክተር ኣደም ካሴ ብወገኑ፡ ብመሰረት ኣብቲ ክልል ዝተመሓየሸ ስርዓት መረጻ፡ ተነሓናሕቲ ውድባት ኣብቲ ባይቶ መናብር ንክረኽቡ ዝሕግዞም ውሱን ቦታ ዘመቻቹ እዩ ይብል።
ይኹን'ምበር፡ እቲ ሰዓራይ ሰልፊ ካብቲ 20 ሚኢታዊት'ውን ስለ ዝወስድ፡ ብዙሕ ለውጢ ዘምጽእ ኣይኮነን ኢሉ።
ብቐንዱ ሕጊ ምርጫ ብፌደራል መንግስቲ'ዩ ዝወጽእ ዝብል እቲ ሙሁር፡ ክልላት ካብ ኣፍልጦ እቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምቕያር ስልጣን ኣለዎም ድዩ ዝብል ሕቶ የልዕል።
"እቲ ሕገ መንግስቲ እቲ ናይ መረጻ ስርዓት ኣብ ዓብላላይ ድምጺ ዝተሞርኮዘ ክኸውን ዝገብሮ እቲ ሃገራዊ ባይቶ እዩ። ናይ ክልላት ድማ በቲ ናይ መረጻ ሕጊ ክወጽእ ኣለዎ ይብል። ስለዚ ከም ክልል እዚ ሕጊ ምውጽኡ ምስቲ ሕገ መንግስቲ ዝሳነ ኣይኮነን" ይብል።
ይኹን'ምበር ክልላት እዚ ስልጣን እንተተውሂቡወን፡ ከከም እቲ ዘሎ ከባብያዊ ህልዊ ኩነታት ምርጫ ከካይዳን ኣብ ባይቶአን ዝተፈላለዩ ኣካላት ክኣትው ክገብራን ከም ዝሕግዘን ይዛረብ።





![ሃበራዊ ስእሊ ፖለቲከኛታት ኣቶ ልደቱ ኣያሌው [ጸጋም] ከምኡ'ውን ጀዋር መሓመድ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/5EB0/production/_113104242_2a92ba02-eb5d-447a-8ddb-a55eb982ee68.jpg.webp)

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







