ደብረጽዮን ገብረሚካኤል 'ትግራይ ጥንቃቐ ገይራ ናይ ርእሳ መረጻ ክተካይድ ትኽእል እያ' ኢሉ

መራሒ ክልል ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶክተር)፡ ክልል ትግራይ ናይ ርእሳ መረጻ ክተካይድ ከምእትኽእል ተዛሪቡ።
እቲ መራሒ፡ ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስን መረጻን ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ 'መንግስቲ ፌደራል መረጻ ከካየድ ከምዘይክእል ስለዘፍለጠ፡ ብደረጃ ክልል ግን ኮሮናቫይረስ እናተኸላኸልና ብጥንቃቐ መረጻ ክነካይድ ንኽእል ኢና' ኢሉ።
"ኣብ መንጎ ፌደራልን ክልል መንግስትን፡ ኣብ ጉዳይ መረጻ ግልጺ ኣፈላላይ ተፈጢሩ'ሎ" ዝበለ እቲ ኣመሓዳሪ፡ መንግስቲ ፌደራል 'ሕዚ መረጻ ክካየድ የብሉን' ዝብል ቅዋም፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ 'መረጻ ክካየድ ኣለዎ' ኣብ ዝብል መርገጺ ከምዘለዉ ኣብሪሁ።
"ንሕና፡ ከም መንግስቲ ፌደራል፡ ዝገበርና ገይርና ኣብ ስልጣን ክንጸንሕ ኣይንብልን" ድማ ኢሉ።
እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ክካየድ ዝበሃል ዘሎ መረጻ፡ ንሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ብዘሳተፈ መልክዑ 'ሕጋዊ ኣፈጻጽማ ክህልዎ እዩ' ኢሉ።
ኣፈጻጽማ ናይቲ መረጻ ብዝምልከት ድማ፡ ኣብታ ክልል ምስ ዘለዉ ተቓወምቲ ውድባትን ስቪላዊ ማሕበራትን ምኽሪ ክግበር ምዃኑ ኣብሪሁ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ብደረጃ ክልል መረጻ ከካይድ ክውስን ከሎ፡ ንኮሮናቫይረስ ኣቕሊሉ ብምርኣይ ዘይኮነስ፡ ንናይ ህዝቢ ውሳነን ንሕገመንግስትን ተገዛኢ ስለዝኾነ እዩ' ክብል ድማ ተዛሪቡ።
ድሕሪ መስከረም፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ 'መሓውራዊ ሕጋውነት ስለዘይህልዎ' መረጻ ከይተኻየደ እንተተሪፉ፡ ሓደገኛ ኩነታት ክፍጠር ከምዝኽእል፡ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶክተር) ኣጠንቂቑ'ሎ።
ብደረጃ ሃገር መረጻ ኣይግበርን ዝተብሃለሉ ምኽንያት ድማ 'ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣይኮነን' ድማ ኢሉ። 'ድልውነትን ድልየትን እንተዝህሉ ነይሩ፡ ኣብ ግንቦት መረጻ ምክያድ ይከኣል ነይሩ እዩ' ክብል መንግስቲ ፌደራል መረጻ ንምክያድ ቀደሙ'ውን ድልየት ኣይነበሮን ዝብል ቅዋሙ ኣንጸባሪቑ።
መረጻ ንምንዋሕ፡ ትርጉም ሕገመንግስቲ ንምንዳይ ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ንዝሓለፈ ውሳነ'ውን ኣትሪሩ ነቒፍዎ።
'ምስ መረጻ ብዝተኣሳሰር ኣብቲ ሕገመንግስቲ ዝትርጎም ነገር የለን' ዝብል መርገጺ ዝሓዘ መራሒ ትግራይ "ሓሙሽተ ዓመት ማለት ሓሙሽተ ዓመት ማለት እዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ኣድላይነት ምክያድ መረጻ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ ድሕሪ መስከረም ናይ ፌደራል ኮነ ናይ ክልል መንግስታት ዕምሪ ስልጣኖም ስለዘብቅዕ፡ ሕጋውነት ኣይህልዎምን። ስለ'ዚ ድማ መረጻ ምክያድ ወሳኒ እዩ' ዝብል መርገጺኡ ገሊጹ።
ቅድም ክብል፡ ኣብ ትግራይ መረጻ ንምክያድ ምድላዋት ምግባር ኣድላዪ ከምዝኾነ ውድብ ህወሓት ምስገለጸ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ "ስጉምቲ ክንወስድ ኢና" ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።
ሓደ ካብ ትሕዝቶታት ናይቲ መግለጺ "ንዓና ዝምልከት እዩ" ዝበለ መራሒ ትግራይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ "መረጻ እንተካይድኩም ክትውቀጡ ኢኹም" ዝብል መልእኽቲ እዩ ኣሕሊፉ ኢሉ።
ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶክተር)፡ ኣብ መግለጺኡ "ኣብዛ ሃገር ክውቀጥ [ክውቃዕ] ዝግብኦ እንተልዩ፡ ሕገ መንግስቲ ኣኽቢሩ ህዝቢ ንዝመረፆ መንግስቲ ስልጣን ነረክብ ዝብል ዘሎ ዘይኮነስ፡ ነዚ ጥሒሱ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝንቀሳቐስ ዘሎ እዩ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







