ሱዳን ነቲ ኢትዮጵያ ዘቅረበቶ ሓድሽ ናይ ስምምዕ ሓሳብ ስለምንታይ ተቓዊማቶ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት፡ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሓድሽ ናይ ስምምዕ ሓሳብ ሱዳን ኣይተቐበለቶን።
ሱዳን እዚ ሓድሽ እማመ ዝተርፉ ነገራት ኣለውዎ ብዝብል ክትነጽጎ እንከላ፤ ግብጺ'ውን ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ኣብ ስምምዕ ከይበጻሕና ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ክትመልእ የብላን ብዝብል፡ ቅድም ክብል ንዝተበጽሑ ስምምዓት ብምጥቃስ ኣይተቐበለቶን።
እዚ ከምዚ እናሃለወ ግን፡ ኢትዮጵያ ብዝሓዘቶ ትልሚ፡ ነቲ ግድብ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ማይ ምምላእ ክትጅምር ምዃና ኣፍሊጣ'ላ።
ንምዃኑ 'ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ 2008 ዝፈረምኦ ስምምዕ ሓበራዊ መትከላት፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ምምላእ ክትጅምር እንከላ ማሕለኻ ይፈጥር ዶ?' ክንብል ንምክትል ዳይሬክተር ዞባዊ ቤት ጽሕፈት ከባቢ ምብራቕ ናይል፡ ኣቶ ፈቅ ኣሕመድ ሓቲትናዮ።
ንሱ ድማ፡ "እዚ ስምምዕ [ንኢትዮጵያ] ብዘይካ ናይ ካልኦት ሃገራት ስምምዕ ማይ ክትመልእ ኣይትኽእልን ዝብል ገደብ ኣየቐመጠላን" ኢሉ።
ኢትዮጵያ፤ ነቲ ግድብ ማይ ከይትመልእ ዝኽልክላ ዝኣተወቶ ቃል ኪዳን ከም ዘየለን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት መደቡ፡ ነቲ ግድብ ማይ ምምላእ ክጅምር ከምዝኽእልን የረድእ።
ኣብ ዙርያ ኣባይ ብርክት ዝበሉ ምርምራት ዘካየደ ዶክተር ያእቆብ ኣርሳኖ ብወገኑ፡ ብ2008 ዓ.ም ዝተፈረመ ሓበራዊ መግለጺ ቅዋም፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ንከይትመልእ ዝኽልክል ዝኾነ ዓይነት ገደብ የብሉን ይብል።
እማመ ኢትዮጵያ ኣይቕበልን ዝበለት ሱዳን፡ ሃገራት ሊግ ዓረብ ድልየት ግብጺ ብዘሐሉ መልክዕ መግለጺ ኣብ ዘውጽኣሉ እዋን፡ ነቲ መግለጺ ተቓዊማ ንርእሳ ኣግሊላ ነይራ እያ።
ሱዳን ካብቲ ግድብ እትረኽቦ ረብሓ ብዙሕ ምዃኑ ዝጠቅስ ዶክተር ያእቆብ፡ "ሓደ ውሑጅ ንምቁጽጻር፣ ካልኣይ ደለል ንምንካይ፣ ሳልሳይ ዓመት ሙሉእ ማይ ረኺባ ሰፊሕ መስኖ ከተልምዕ ትኽእል፤ ራብዓይ ዘተኣማምን ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እትረኽበሉ ዕድል እያ ትረክብ" ይብል።
ነዚ'ዩ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ዓብዪ ግድብ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ክትድግፍ ዝጸንሐት።
እንተኾነ ኣብ ኣሜሪካ ክካየዱ ድሕሪ ዝጀመሩ ዘተታት፡ ገለ ሻብ ናብ ድልየት ግብጺ ዘዘንበለ ቅዋም ክተንጸባርቕ ጸኒሓ። ሕጂ ድማ ብወግዒ ኢትዮጵያ ንቕረበቶ ሓሳብ ከም ዘይትቕበል ኣፍሊጣ።
እዞም ምሁራት ከም ዝብሉዎ፡ ሱዳን ካብ ጸቕጢ ካልኦት ሃገራት ናጻ ኣይኮነትን። ብፍላይ መንግስቲ ሱዳን ሓድሽ ስለ ዝኾነነን፡ ገና እግሩ ዘየትከለ ብምዃኑን ንጸቕጢ ካልእ ወገን ብቐሊሉ ኢዱ ክህብ ይኽእል'ዩ ይብሉ።
"ሱዳን ብዙሕ ጸቕጢ ይበጽሓ ይህሉ፤ እቲ መንግስቲ'ውን ምስ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኮይኑ ብጥምረት ዝቖመ ምምሕዳር ስለ ዝኾነ ብዙሕ ጸገማት ይገጥሞም'ዩ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዘንበረቶ ማዕቀብ ንምልዓል ትንዕ ትንዕ እያ ትብል ዘላ። ስለዚ ካብዚ ብዝብገስ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝበጽሕ ዘሎ ጸቕጢ ኣይንፈልጦን" ይብል ዶክተር ያእቆብ።
ኣቶ ፈቅ ኣሕመድ ነዚ ሓሳብ ብምድጋፍ፡ "ሓድሽ መንግስቲ ሱዳን እግሩ ኣደልዲሉ ደው ስለዘይበለ፡ ንዝኾነ ኣካል ከቐይም ኣይደልን። ካልእ ድማ፡ ኣብዚ ዓውዲ ምስ ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰብ ሞያ ሕጂ ኣብ ቦትኦም የለውን" ኢሉ።
"እቶም ዘለው ሓደሽቲ ሹመኛታት ስለዝኾኑ፡ ሰብ መዚ ሱዳን እኹል መረዳእታ ዘይክህልዎም ይኽእል እዩ" ክብል ሱዳን ካብ ናይ ደገ ሓይልታት ዝበጽሓ ጸቕጢ ብተወሳኺ፡ ለውጢ መንግስቲ ዝፈጠሮ ሃጓፍ ከም ዘሎ የረድእ።
ኣሜሪካን ግብጽን፡ ስምምዕ ከይተበጽሐ ኢትዮጵያ ማይ ክትመልእ የብላን እየን ዝብላ።
ሱዳን ብወገና፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ንዘቕረበቶ ሓድሽ ሓሳብ ኣይቕበልን ኢላ'ላ።
ኢትዮጵያ ብወገና፡ ብመሰረት ዝሓዘቶ ትልሚ እቲ ግድብ ማይ ናይ ምምላእ ስራሕ ክጅምር እየ እያ ትብል። እዚ ጉዳይ ናበይ'ዩ ዘምርሕ ዘሎ?
ኣቶ ፈቅ ኣሕመድ፡ ኣሜሪካ እዘን ሃገራት ኣሸማጋሊት ኮይና ኣብ ዘተ ሰለስቲአን ሃገራት ክትሳተፍ ከላ፡ ኣብዚ ጉዳይ እኹል ፍልጠት ዘይብሉ ሚኒስትሪ ገንዘብ ሃገራ ምምዳባ ግቡእ ከም ዘይነበረ ይጠቅስ።
"ፖለቲካዊ ጸቕጢ ክህሉ ይኽእል'ዩ፤ ካብዚ ወጻእ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክተበላሹ እያ ኢለ ኣይሓስብን" ይብል።
ዶክተር ያእቆብ ብወገኑ፡ "እቲ ግድብ ማይ ምሓዝ ክጅምር ከሎ ክስንብዱ ዘለዎም ኣይመስለንን። ኲናትን ግጭትን ክፍጠር ይኽእል'ዩ ዝብሉ ኣካላት'ውን ኣለው፤ እዚ ንዓይ ግጉይ ግምት እዩ። ከምኡ እንተኾይኑ ግን ብምኽንያት ማይ ናብ ግጭት ዝኣተና ናይ መጀመርታ ሃገራት ኢና ክንኸውን" እዩ ዝብል።
ሰለስቲአን ሃገራት ክተሸማግል ናብዚ ጉዳይ ዝኣተወት ኣመሪካ፡ ዘተ ሰለስቲአን ሃገራት ዳግም ክጅመርን ኣብ ስምምዕ ክበጽሓን እያ ትጉስጉስ ዘላ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







