ንሸሞንተ ዓመታት ፍርቂ ወርሓዊ መሃያኡ ንግድብ ሕዳሰ ቦንድ ዝዓደገ ጉዱእ ኣካል

ኪሮስ ኣስፋው ኣብ ሆስፒታል ዓብዪ ዓዲ ፊዝዮቴራፒስት ኮይኑ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብቲ ሆስፒታል ኣገልጊሉ

ምንጪ ስእሊ, Kahsay Gebru

መግለጺ ስእሊ, ተጋዳላይ ኪሮስ ኣስፋው፡ ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ወርሓዊ ቦንድ ብምዕዳግ ንህንጸት እቲ ግድብ ኣስተዋጽኦ ይግብር ኣሎ

ወለዱ፡ ሽዱሽተ ቖልዑ ወሊዶም፤ ግን ተመሲሉሎም ኩሎም ክዓብዩሎም ኣይክኣሉን።

ሓደ ብህይወት ዝተረፈሎም ውሉዶም ግን፡ ከም ጓል 'ኣቲ' ኢሎም እናጸውዑ ኣዕብዮምዎ። ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኮነ ድማ ኪሮስ ዝብል ሽም ኣውጽእሉ።

ኣዲኡ ግን ወደይ ሓደ በይኑ ስለዝኾነ፡ "ክልተ ሸውዓተ ክሳብ ዝመልእ 'ኣቲ' እየ ዝብሎ" ኢለን ብኡ ቀጸላ።

'14 ምልእ ክትብለኒ እንከላ፡ ኣደይ 'ኣታ' ምስበለትኒ ናብ ገድሊ ወጺአ' ዝብል ኪሮስ ኣስፋው፡ ብ1972 ዓ.ም ናብ ሜዳ ወሪዱ።

ኣብ መሬት ኤርትራ ንሽዱሽተ ወርሒ ተዓሊሙ፤ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ድማ ምስ ህዝባዊ ግንባር ጸኒሑ።

ንትግራይ ተመሊሱ መጺኡ፡ ኣይጸንሐን ኣብ 6ይ ወራር ናብ ሰሜናዊ ሳሕል ምስ ዝተልኣኹ ተጋደልቲ ከይዱ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ርእሱ ከቢድ መውጋእቲ ኣጋጢሙዎ፡ ንሽዱሽተ ወርሒ ሙሉእ ሃለዋቱ ከይፈለጠ ኣብ ሕክምና ጸኒሑ። ሓንቲ ዓይኑ ድማ ብኡ ገይራ ጠፊኣ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ዝነበረ ዓብዪ ሆስፒታል ህዝባዊ ግንባር ዓንበርበር ተሓኪሙ ድሒኑ፡ ናብ ሜዳ ተመሊሱ ፊደል ቖጺሩ ሕክምና ተምሃሩ።

ድሕሪ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ናብ ቤት ትምህርቲ ማርታ ከይዱ፡ ንሽዱሽተ ዓመት ብሕክምና ስለ ዘገልገለ፡ 'ኪሮስ ማርታ' ዝብል ሳጓ ለጊቡዎ። ኣብዚ እዋን ዚያዳ በዚ ሳጉኡ'ዩ ዝፍለጥ።

ነባሪ ከተማ 'ዓብዪ ዓዲ' ኪሮስ ማርታ፡ ካብ 1984 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ድማ ኣብ ሆስፒታል ዓብዪ ዓዲ ነርስ ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ እዋን ፊዚዮቴራፒስት ኮይኑ የገልግል ኣሎ።

ጉዱእ ኣካል'ዩ፤ ንተኸታተልቲ ሸሞንተ ዓመታት ብዘይምቁራጽ ንህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ዝውዕል ቦንድ ብፍርቂ ወርሓዊ ደሞዙ ዝዕድግ ዘሎ ኪሮስ፡ ቢቢሲ ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ኣባይ ኣዛሪብዎ'ሎ።

Short presentational grey line

ቢቢሲ፡ኣብ ዓብዪ ዓዲ 'ኪሮስ ቦንድ' ኢሎም ከም ዝጽውዑኻ ሰሚዐ ሚስጢሩ እንታይ'ዩ?

ኪሮስ ማርታ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገርና ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ ህያው ካብ ዝገብሮ ስራሕቱ፡ ኣብ ልዕሊ ህንጸት ግድብ ኣባይ ዝወሰዶ ተባዕ ውሳኔ ሓደ'ዩ። እምነ ኩርናዕ ህንጸት እዚ ግድብ ከቀምጥ እንከሎ ካብ ዝበለን ሰለስተ ነገራት ከዘኻኽረኪ፤ ንሳተን ድማ ብገንዘብና፣ ብጉልበትና፣ ብኽእለትና ዝብላ እየን።

በዚ ምኽንያት፡ ግድብ ኣባይ ክሳብ ዝውዳእ ፍርቂ ወርሓዊ ደሞዘይ ከወፊ እየ ዝብል ቃል ወሲደ፤ ንቃለይ ተገዚአ ሓደራ መለስ ከየዕበርኩ ክሳብ ሕዚ ብዘይምቁራጽ ን8ተ ዓመት ቦንድ ይዕድግ ኣለኹ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ኢድካ ክንደይ ዝኣክል ቦንድ ኣለካ ማለት'ዩ?

ኪሮስ ማርታ፡ ብጠቕላላ 95 ቦንድ ዓዲገ ኣለኹ፤ እታ መበል 95 ብ25 ለካቲት 2012 ዓ.ም ዓዲገያ።

ቢቢሲ፡ ኣይኮነን ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ዝኣተኻዮ ትማልን ሎምን ዝበልካዮ ቃል ኣብ ዘይኽበረሉ እዋን፡ ንቃልኻ ተገዛኢ ምን እንታይ ትርጉም ኣለዎ? እንታይ ኣሚንካ እዩ እዚ ኹ መስዋእቲ ትኸፍል ዘለኻ?

ኪሮስ ማርታ፡ ገድሊ፡ ቃል ከም ዘይዕጸፍ ኣምሂሩና'ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣባይ ክስራሕ ይደሊ'ዩ፤ ተሰሪሑ'ውን ንረብሓ ህዝቢ ክውዕል'ዩ ኢለ ይኣምን። ኣነ እዚ ኹሉ ቦንድ ክቖርጽ ዝኸኣልኩ ሕልፊ ገንዘብ ስለ ዘለኒ ወይ ዝሕግዘኒ ሰብ ስለ ዘሎ ኣይኮነን፤ ኣባይ ተገዲቡ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ክውዕል ከሎ ኣነ'ውን ተረባሒ እየ ካብ ዝብል እምነት እየ።

ግድብ ሕዳሰ ኣባይ

ምንጪ ስእሊ, Sleshi Bekele/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኣባይ

ቢቢሲ፡ ካብ ግድብ ኣባይ? እንታይ ትርባሕ ትኽእል?

ኪሮስ ማርታ፡ በይነይ ዘይኮንኩ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክርባሕ'ዩ ኢለ ስለ ዝሓስብ፡ ኣነ'ውን ኣካል እቲ ህዝቢ ስለ ዝኾንኩ ተረባሒ እየ። ግድብ ኣባይ ናብ ዝህነጸሉ ቦታ ከይደ እንታይ ሒዘ መጺአ ይመስለኪ፤ ካብቲ ሩባ ዝቀዳሕኹዎ ሓንቲ እምንን ሓንቲ ሃይላንድ ማይን ሒዘ መጺአ።

ቢቢሲ፡ ንምንታይ?

ኪሮስ ማርታ፡ እቲ እምኒ፡ እቲ ግድብ ዝህነጸሉ ዘሎ ዘሎ ቦታ ተሪር ምዃኑ፣ ንሕና ድማ ንዕኡ ዘለና እምነት ጽኑዕ ምዃኑ ንምርኣይ'ዩ። እቲ ማይ ግን፡ ጸበል ናይ ኣባይ'ዩ፤ ሓደ ሰብ ናይ ሚካኤል፣ ማርያም፣ ኣቡነ ኣረጋዊ፣ ገብርኤል ወዘተ ኢሉ ኣሚኑ ጸበል ይጥቀም'ዩ። ኣነ ዘምጻእኹዎ ማይ ኣባይ ድማ ጸበል፣ መድሓኒት ህዝቢ ኢትዮጵያ ክኸውን እዩ ዝብል እምነት ስለ ዘለኒ'ዩ።

ቢቢሲ፡ ሕራይ ናብቲ ዘቋረጽኹካ ሓሳብ ክመልሰካ

ኪሮስ ማርታ፡ ግርም፤ ስለዚ ከም ሰብ፡ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ተዋጺኡ እቲ ግድብ ከም ዝግደብ ልዑል እምነት ኣለኒ። ምስ ተገደበ ድማ ህዝቢ ክጸግብ'ዩ ኢለ ስለ ዝኣምን። ልዕሊ ኹሉ ግን ሓደራ መለስ ከዕብር ኣይደልን። ኣብ ኢትዮጵያ ጸገም ገንዘብ ዘይኮነ፡ ፖለቲካን ስእነት ሰላምን'ዩ።

ከምቲ ኣጀማምራና እንተዝቕጽል ነይሩ፡ ካልኣይ ኣባይ ምጀመርና ነይርና። በዚ ግዘ ተወዲኡ፣ ተመሪቑ፣ ስራሕ ጀሚሩ ክንደይ ምረብሐ ነይሩ። ግን ብዘለና ጸገም ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ክሳብ ሕዚ ክጓተትን ክተሓናኸልን ክኢሉ። ዋላ ሽግራት ይግጠም ግን ክህነጽ'ዩ።

ቢቢሲ፡ ዳማይ ሚኒስር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ግድብ ኣባይ ናይ ፕሮፖጋንዳ መሳርሒ'ዩ እናኾነ ነይሩ፣ ገንዘብ ብግዕዝይና ተበሊዑ'ዩ፤ ስለዚ ብሕዚ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት'ውን ኣይውዳእን ኢሉ ነይሩ። ድሕሪኡ ድማ፡ ነዚ ፕሮጀክት ዝመርሕ ዝነበረ ኢንጅነር ስመኘው በቀለ ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ሞይቱ ተረኺቡ። በዚ ተስፋ ኣይቆረጽካን? ጥርጣረ ኣይሓደረካን?

ኪሮስ ማርታ፡ ልክዕ'ዩ፤ እዚ ኽብል ምስ ሰማዕኹዎ ኣዝየ ሓዚነ፤ ሽዑ ድሕሪ ሕዚ ቦንድ ምዕዳግ ጠጠው ኣቢለ ኣለኹ ምባል ኣይኣበየንን። ግን እዚ ስርዓት ህንጸት ኣባይ ዝኣምነሉ እንተዘይኮይኑ፡ ክውዳእ ኣለዎ ዝብል እምነት ዘለዎ ስርዓት መጺኡ እውን እንተኾነ ክውዳእ'ዩ ዝብል ሓሳብ ከቀድም ከም ዘለኒ ኣሚነ።

ሞት ኢንጅነር ስመኘው በቀለን መለስ ዜናውን ንዓይ ሓደ ዓይነት'ዮም። በቃ ስመኘው በቀለ ካብ ዓለም ምፍላይ ማለት ኣባይ ከይግደብ ምግባር ማለት እዩ ዝብል ትርጉም ሂቡኒ። ሞቱ ተሰሚዑኒ ደንጊጸ . . . እህህህህ ኢለ፣ ሓዚነ በኽየ፤ ግን መሊስካ ትጸናናዕ ኢኻ።

ኣነ ተጋዳላይ ህወሓት እየ፤ ኣብ ውግእ ዓበይቲ መራሕትና ክስውኡ ከለው፡ ንሓዝን፣ ንበኪ፣ መን'ዩ ክመርሐና ንብል። ግን ብድሕሪኦም ከምኦም ዝበሉ ጀጋኑ መራሕቲ ይመርሑና'ሞ፣ ንዕወት፣ ጸላኢ ይድምሰስ።

ስለዚ ንዕኡ ተኪኦም ክሰርሑ ዝኽእሉ ኣለው ኢለ ተስፋ ስለ ዝገብር ተስፋ ኣይቖረጽኩን። ሕዚ'ውን ኣብ ሃገርና ምዕሩይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ እንተዘይተሃኒጹ፡ ከምዚ ዓይነት ዝተሓላለኸ ናይ ካልኦት ሙሁራትን ጀጋኑን ሞት ከጋጥም ይኽእል'ዩ። ኣባይ ግን ብተሳትፎና ክውዳእ'ዩ፤ ንሶም ናብ 'ኔጋቲቭ' እናኣተው፡ ንሕና ናብ 'ፖዘቲቭ' እናኣተና ድማ ኣብ መገዲ ክንራኸብ ኢና።

ቢቢሲ፡ ምስ መን?

ኪሮስ ማርታ፡ ምስቶም ኣባይ ከይግደብ ዝገብሩ ዝነበሩ፣ ገንዘብኩም ተበሊዑ'ዩ ኢሎም ተስፋ ክንቖርጽ ዝገበሩና።

ኪሮስ ኣስፋው ኣብ ሆስፒታል ዓብዪ ዓዲ

ምንጪ ስእሊ, Kahsay Gebru

ቢቢሲ፡ ኪሮስ፤ ሕዚ ብዘረባ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ግብጺ፣ ኣሜሪካን ልኦት ዓበይቲ ትካላት ገንዘብን ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ተካይዶ ዘላ ህንጸት ግድብ ክቆጻጸርሉ ናብ ዘኽእሎም መስመር ክትኣቱ ብግብሪ ጸቕጢ ኣብ ዘሕድርሉ ደረጃ'ዩ ዝርከብ ኢሎም ስግኣቶም ዝገልጹ ሙሁራት ኣለው። እዚ ኣየስግአካን? በዚ ተስፋ ኣይትቖርጽን?

ኪሮስ ማርታ፡፡ ግደፍዮ'ሞ ንሃገር፡ ንዓይ ብውልቂ ዝበጽሓኒ ብዙሕ ነገር ኣሎ፤ ካብ ንኡሽቶ ቖልዓ ጀሚሩ ብዙሓት እናመጽኡ ኣባይ ተሸይጡ፣ ኣባይ ተኸልኪሉ፣ ኣባይ ተወሪሱ፣ ገንዘብካ ጠፊኡ ዝብሉኒ ኣለው። ግን ዘይሕለፍ ነገር የለን። ብሰንኪ ጸገም እዱብ ኣመራርሓን ዘረባን፡ ኣሜሪካን ግብጽን ይፍክራልና ኣለዋ። ግን፡ "ፈኸራያ ተስኢትስ ክሳብ ማይ ዝኣተዎ" እዩ። ፈኸራ ትርጉም የብሉን።

ቢቢሲ፡ ከመይ ትርጉም ዘይህሉዎ? ዓበይቲ፣ ሓያላት ሃገራት እንድየን።

ኪሮስ ማርታ፡ ይኹና፤ ግን ኣባይ ሓያል'ዩ። መለስ ዝበሎ ቃል ስለ ዘሎ ተሃኒጹ ከም ዝውዳእ ድማ እምነት ኣለኒ። ብኣሜሪካ፣ ግብጺ ይኹን ካብ ውሽጥና ህንጸት እቲ ግድብ ከተዓናቕፉ ዝኽእሉ ብዙሓት ሃገራትን ትካላትን ኣለው፤ ግን ክንሰግሮ ኢና ዝብል እምነትን ጽንዓትን ክህልወና ገይሩ ኣትቢዑና'ዩ። ኣነ ድማ ካብዚ ቃል እዚ እየ ዝብገስ፤ ክውዳእ እዩ ዝብል እምነት ጥራሕ ሒዘ እየ ክኸድ ዝደሊ።

ቢቢሲ፡ ሽም መለስ ብተደጋጋሚ ተልዕ ኣለኻ፤ ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ ሰብ ድዩ ነይሩ?

ኪሮስ ማርታ፡ ታይ'ዶ ኮይንኪ፤ ንሱ ካብ ኢትዮጵያ ምፍላይ ማለት ድማ እቲ ሕዚ እንርእዮ ዘለና ማለት'ዩ። ነዚ ኩነታት ክመርሑ፣ ክኣልዩ ይኽእሉ ካብ ዝነበሩ ዝጎደሉና'ዩ። ድሕሪኡ ዝተተክኣ ኣመራርሓ ብግዝኡ ክእለዩ ዝግብኦም ነገራት ክኣልን ክመርሕን ብዘይምኽኣሉ ኢና ናብዚ ነገር ኣቲና ዘለና።

ኣመራርሓ ሕማቕ እንተኾይኑ ኩሉ ስለ ዝበላሾ ሃገር'ውን ሓሚቓ ኣላ። እቶም ዝርኣዩ ዘለው ፖለቲካዊ ቅልውላዋት ድሕሪ ሞት መለስ ዝመጽኡ ዓበይቲ ዕንወታት'ዮም። ኣብ ክንዲ ንውስኽ ብብዙሕ መልክዑ እናንቆልቆልና ንኸይድ ኣለና። በዚ ምኽንያት ሞት 8ተ ዓመት መለስ 8ተ ድጂት ዝጎደለና'ዩ ዝመስለኒ።

ቢቢሲ፡ ናብራ ኣብ ዝኸበረሉ እዋን ኢና ዘለና፤ ፍርቂ ወርሓዊ መሃያኻ ጎሚድካ ብርሑቕ ንእተመዓድዎ ፕሮጀክት መፈጸሚ ገንዘብ ምውፋይ ግን ኣይኸብድን? ናብራኻ ኣይጸልዎን?

ኪሮስ ማርታ፡ "ሃፍታምከ ከም ዝብልዐሉ፤ ድኻንከ ከም ዝኾነሉ" ዝብል ምስላ ወለድና ኣሎ። ኣባይ ተሰሪሑ ኣብ ረብሓ እንትውዕል ቅርሺ ተቖጺሩ ብተዘዋዋሪ ንዓይ'ውን ክመጽአኒ'ዩ። እግዚኣብሄር ይመስገን ድማ ጾመይ ኣይሓደርኩን፣ ደቀይ ይመሃሩ፣ ገዛይ ሰሪሐ'የ ንባዕለይ ዝኸኣልኩ'የ።

ናተይ ኣለኣእኻ ቦንድ ድማ ፍልይ ዝበለ'ዩ። ዳርጋ ናብ ሓደ ሓወይ ወይ ቤተሰብ ዝልእኾ ዘለኹ እየ ዝመስል። ንዓይ መረዳእታ ዝኾነኒ ቦንድ ይህቡኒ'ዮም፡ እቲ ገንዘብ ግን ናብ ሒሳብ ባንኪ ኣባይ ምእታው ከየረጋገጽኩ ክውዕል ክሓድር ኣይደልን። ደዊለ በጺሕኩም'ዶ ኢለ ሓቲተ የረጋግጽ'የ።

ቢቢሲ፡ ኣባይ ዝሓቶ ገንዘብ እኾ ብኣማኢት ዘይኮነ ብቢሊዮናት ዝግመት'ዩ።

ኪሮስ ማርታ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዙሕ'ዩ፤ ቦንድ ምዕዳግ ዘይኸኣለ መዓልታዊ ሓንቲ ብር እንተኣወፍዩ ኣብ ዓመት ክንደይ ሚሊዮን ብር ክኣቱ ይኽእል። እዚ ብዓመት ተደሚሩ ነቲ ግድብ ከስርሕ ዝኽእል ገንዘብ ክርከብ ይኽእል'ዩ።

ህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኣባይ

ምንጪ ስእሊ, Sleshi Bekele/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኣባይ

ቢቢሲ፡ ንመን ኣሚንካ?

ኪሮስ ማርታ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣሚነ፤ ሓቂ'ዩ ህንጸት ግድብ ኣባይ ብቀሊሉ ዝስራሕ ኣይኮነን። ብዙሓት ካብ ውሽጥን ደገን ዕንቅፋታት ምፍጣሮም ክቕጽሉ'ዮም። ግን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዳግም ዘርእዮ ዘሎ ኒሕ ክስዕር'ዩ ኢለ ተስፋ ይገብር። ቀትሪ ስራሕ ውዒልካ ለይቲ ጸልማት'ዩ ዝኾነካ፤ ኣብ ጸልማት ድማ ብዙሕ ሽግር እዩ ዘጋጥመካ። ግን ጸልማት'ውን ይሓልፍ'ዩ።

ቢቢሲ፡ ስለዚ?

ኪሮስ ማርታ፡ ስለዚ'ማ፡ ኣባይ ክግደብ እንተኾይኑ፡ ኣባይ ተገዲቡ ክውዳእ ይኽእል'ዩ ዝብል እምነት፡ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ መንእሰይ፣ ህጻን፣ መራሒ ክህሉ ኣለዎ። እዚ ተበላሽዩ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ እንተተዓርዩ ክግደብ ይኽእል'ዩ።

ከቢቡና ካብ ዘሎ ዘይምዕሩይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፣ ጎንጺ ሃይማኖትን ዓሌትን፣ ክሳብ ዞባን ወረዳን ዝበጽሐ ምክፍፋል ክንሰብሮ ይግባእ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ብዘርኣዮ ምልዕዓል ኣዝየ ተሓጒሰ'የ፤ መንግስቲ ድማ ንግዚኡ እቲ ኣሜሪካ ዘቕረበትሉ ሰነድ ዘይምፍራሙ ቀሩብ ሩፍታ ሂቡኒ'ዩ።

ቀጸልቲ ሽርሕታት ስለ ዘለው ግን ናብ ዕንወት ከይነምርሕ የስግአኒ። እዚ ግን ንህዝብን እቲ ተስፋ እንገብረሉ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰናን ዝጎድእ ክኸውን የብሉን፤ ዝድላዪ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ይፈጠር እዚ ኣመዓራሪኻ ኣባይ ክስርሐሉ ዝኽእል ነገር ክፍጠር ኣለዎ። እዚ ኹሉ ስዒርና፡ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሓባር ብርሃን ኣባይ ክንርኢ ድማ ተስፋ ይገብር።