ጻውዒት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ልዝብ ሩባ ኣባይ

ምንጪ ስእሊ, Raymond Boyd
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ልዝብ፡ ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት መሰረት ገይሩ ኽቅጽል ከምዘለዎ ኣመሪካ ገሊጻ።
እዚ ካብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ [ኋይት ሃውስ] ዝወጸአ መግለጺ እዩ።
ኣብዚ ሓጺር መግለጺ፤ "ኩለን ኣባል ሃገራት እቲ ተፋሰስ ናይ ምልማዕ ማዕረ መሰል ኣለወን" ዝብል ኮይኑ፡ ምምሕዳር ኣመሪካ እቲ ማይ ናይ ምጥቃም መሰል እተን ሃገራት ኣብ ዘኽብር ሓደ ስምምዕ ክበጽሑ ጻውዒት ይገብር።
ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ፕረስ'ቲ ፕረዚደንት፡ ነዚ መግለጺ ዘውጸአሉ ምኽንያት ዝሃቦ መብርሂ የለን።
ብርግጽ እዚ መግለጺ ዝተውሃበ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንክልተ መዓልቲ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ካርቱም፡ ስሉሳዊ ልዝብ ኣብ ዝካየዳሉ እዋን እዩ።
እቲ መግለጺ፡ ምስዚ ዘተ ዝተኣሳሰረ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ጠቕላላ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፡ ፕረዚደንቲ ግብጺ ኣብዱል ፋታሕ ኣልሲሲ፡ እቲ ዝተጀመረ ስሉሳዊ ልዝብ ኣብ ማዕልቦ ክበጽሕ ዘይምኽኣሉ፡ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋዕ ከስዕብ ከምዝኽእል ሓቢሩ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ነቲ ፕረዚደንት ዓጸፋዊ ምላሽ ብዝመስል መልክዑ፡ እቲ ተፋሰስ "ናይ ሓባር ሃፍቲ'ምበር ምንጪ ምጥርጣራትን ዘይትምትእምማንን ከኸውን ኣይግባእን" ኢለን ነይረን።
ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ፡ ኣካል እቲ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ 'ምዕቛር ማይ ህዳሰ ግድብ' ዝምልከት ስሉሳዊ ልዝብ፡ ብዘይስምምዕ ከምዝተበተነ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብቲ እዋን ካብ ግብጺ ዝቐረበ ሓድሽ እማመ፤ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ተገሊጹ ነይሩ።
ካብ ሰለስቲአን ሃገራት ተውጻእጺኡ ዝቖመ ሓበራዊ ቴክኒካል ኮሚቴ፡ ትማሊ 5ይ ኣኼብኡ ዘካየደ ኾይኑ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብቲ ብብርኪ ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ዝካየድ ስሉሳዊ ልዝብ፡ 'ሳይንሳዊ' መጽናዕቱ ከቕርብ ትጽቢት ይግበር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







