ኮሮናቫይረስ፡ ኩነታት መወሸቢ ማእከላትን ትግባረ ኣዋጃት ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ-19ን

ምንጪ ስእሊ, Hagos Gedefay/Twitter
ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብ27 መጋቢት 2020፡ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ናይ ወጻኢ ዜጋ ከም ዝረኸበ ምስ ኣፍለጠ፡ መንግስቲ ትግራይ ካብ ኩለን ክልላትን መንግስቲ ፌደራልን ኣቐዲሙ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ንምእዋጅ ዝወሰደሉ ግዜ 14 መዓልታት ጥራሕ እየን።
ኣብ ውሽጢ እዘን ክልተ ሳምንታት፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዘኽእሉ ኣንፈታት ከሰላስል ከም ዝጸንሐ ክግለጽ እንከሎ፡ ካቢኔ እቲ ክልል ድማ ን21 መዓልታት ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብምእዋጅ እገዳታት ከንብር ጀሚሩ።
ኣብያተ ትምህርትን ኮሌጃትን፣ ካፌታትን ባራትን፣ እንዳ ጫትን ብዙሕ ሰብ ዝርከበሎም ዕዳጋታትን ኩሎም ክዕጸው ብምግባር፡ ሰባት ኣካላዊ ርሕቀቶም ክሕልው፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ መምርሒ ኣመሓላሊፉ።
ድሕሪኡ ብ2 ሚያዚያ 2020 ኣብቲ ክልል መርመራ ኮቪድ-19 ከም ዝተጀመረ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ትግራይ ኣፍሊጡ።
ግን ድማ ኣብታ ሃገር ቑጽሪ በዚ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ክውስክ ስለ ዝተርኣየ፡ ብ10 ሚያዚያ 2020 ካቢኔ እቲ ክልል እቲ ኣቐዲሙ ኣዊጁዎ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ንዝቕጽሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ከም ዘናውሐ ይገልጽ።
ኣብዚ ግዜ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ብነፋሪትን ናይ መኪና መጓዓዝያን ናብቲ ክልል ዝኣትው ገያሾ ናይ ክልተ ሰሙን ወጻኢታቶም ሸፊኖም መንግስቲ ኣብ ዘዳለዎም ናይ መወሸቢ ማእከላት ክጸንሑ ከም ዝግደዱ ኣአንፊቱ።
ብኻልእ ወገን መሰረታውያን ነገራት ንምጉዕዓዝ እንተዘይኮይኑ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ከምኡ'ውን ካብ ከተማ ናብ ገጠር ዝህሉ ምንቅስቓስ ደው ከም ዝብል ክግለጽ እንከሎ፡ ዋላ'ውን ሙሉእ ዕጽዋ ኣይሃሉ ሰባት ግን ንነብሶም ካብ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ንምሕላው ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ከም ዘይብሎም መምርሒ ይህብ።
ነዚ ንምሕጋዝ፡ ውሑዳት ዘይበሃሉ ውልቀሰባትን ሰብ ሃፍትን መንበሪ ገዝኦምን ሆቴላቶምን ንመወሸቢ ክከውን ንመንግስቲ ብፍቓዶም ሂቦም'ዮም።
ገለ ትካላት ኢንዳስትርን ማሕበራዊ ትካላትን ብወገኖም፡ ማስክ፣ ፍራሽ፣ መጽረዪ ኢድ ኣልኮል፣ ዲስኢንፌክታንትን ለጊሶም።
እዚ ኹሉ ቅድመ ምድላው ኣብ ዝተገብረሉ እዋን፡ ድሕሪ ሓደ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ኣብ ትግራይ ፈላሞት ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ኣርባዕተ ሰባት ተረኺቦም።
እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ስንባደ ክፈጥር ከም ዝከኣለ ይግለጽ። ስለምንታይ?

መወሸቢ ማእከላት መቐለ - ሑመራ
ኣብ ኩለን እዚ ቫይረስ ዝተርኣየን ሃገራት ዓለም፡ ምትሕልላፍ ኮቪድ-19 ኣብ ምክልኻል፡ ሰባት ብብዝሒ ይእከቡሎም እዮም ዝበሃሉ ናይ ኣምልኾ ቦታታት፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ናይ ዘመናግዒ ማእከላትን ካልኦት ተመሳሳልቲ ቦታታትን ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ተወሲዱ።
ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ድማ ካብቶም ክዕጸዋን ተመሃሮአን ነናብ ዝመጽእሉ ከባቢ ከፋንዋን ዝተገብራ ኮይነን፡ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ናይ ውሸባ ኣገልግሎት ክህባ ኣፍቂደን።
ብነፋሪት ዝመጽኡ ተጉዓዝቲ ስግኣት ምትሕልላፍ እቲ ቫይረስ ንከይኾኑ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ሰብ ሞያ ጥዕና ተረኺቦም ኣድላዪ ኣስተምህሮ ምክልክታት፣ ሜላታት መከላከሊን ሓበሬታ እዚ ሕማምን ይህቡ'ዮም።
ስዒቡ ሙቀት እቶም ገያሾ ብምዕቃን፡ ዘለው ናይ ሆቴል መማረጺታት ብምሕባር ብሓለዋ ጸጥታ ተዓጂቦም ናብ ሕርይኦም ዝኾነ ሆቴል ከይዶም ይዓርፉ።
ይኹን'ምበር ኣብ ሞንጎ ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተሓቢኦም ዝሃድሙ ሰባት ብምንባሮም፡ እቲ ንምክትታል ዝጥቀምሉ ዝነበረ ኣሰራርሓ ክመሓሽ ከም ዝተገብረ ምጭታትና ሓቢሮም።
ኣብ መወዳእታ መዓልታት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል ካብ ጅቡቲ ዝመጽኡ መራሕቲ መኪናን ተሓጋገዝትን ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከም ዝተረኸቡ ተረጋጊጹ።
ካብዚኦም እቲ ሓደ ካብቲ መወሸቢ ማእከል ብምውጻእ ምስ ስደርኡን ካልኦት ሰባትን ብተደጋጋሚ ይራኸብ ከም ዝነበረ ምንጪታት ቢቢሲ ይሕብሩ።
ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ ነዚ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምስዚ ሰብ ናይ ምርኻብ ኣጋጣሚ ዝነበሮም ኩሎም ብምጽናዕ ናብቲ መወሸቢ ማእከል ብምምጻእ መርመራ ከም ዝግበረሎም ኣረጋጊጹ ነይሩ።
ይኹን'ምበር ይብሉ ተዓዘብቲ፡ ኣብተን ንመወሸቢ ተባሂለን ዝተዳለዋ ሆቴላት ዘሎ ኣተሓሕዛን ቁጽጽርን ስጡም ብዘይምዃኑ፡ እቶም ንነብሶም ፈልዮም ክጸንሑ ዝተገብሩ ሰባት ተኣኪብካ ግዜ ናይ ምሕላፍ፣ ስድራይ፣ ደቀይ ናፊቀ እናበልካ ናይ ምውጻእን ብኡ ኣቢልካ ምጥፋእን ዝንባለ ኣለዎም።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት ገለ መራሕቲ መኪና ኣይሱዙ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ መዋፈሪ መካይን ቴንዳ ተሰሪሑ ክዓርፉ ተገይሩ ስለ ዝነበረ ንሹፌራት ዘሎ ኣተሓሕዛ ዘሰክፍ ምዃኑ፡ ሽሙ ክንጸርሖ ፍቓደኛ ዘይኮነ ዘዋሪ መኪና ተዛሪቡ።
ዋላ'ኳ ኣብ ኩለን ኬላታት ትግራይ፡ ከም ሙቐት ምዕቃን፣ መኪና ብጸረ ባክቴሪያ ምንጻግ ዝኣመሰሉ ምክትታላትን ፍተሻን ይግበር እንተሃለወ፡ ብምኽንያት እቲ ዘሎ ኣተሓሕዛ ብፍላይ ካብ ጅቡቲ ዝመጽኡ መራሕቲ መኪና ኬላ ብዘይብሉ መገዲ ተሓቢኦም ብምሕላፍ ምስቲ ሕብረተሰብ ይሕወሱ ምህላዎም ይገልጽ።
ብልሙድ ኣብ መገዲ ናይ መኪና ሓገዝ ዝሓቶም ሰብ ክረክቡ ከለው ናይ ምምላእ ኣጋጣሚታት ብምህላዮም፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ብድሆ ክከውን ከም ዝክእል ስግኣቶም ይገልጹ።
ሑመራ፡ ትግራይ ምስ ኤርትራን ሱዳንን ዘዋስና ዶብ ዝርከበሉ ከባቢ እዩ።
ኣብዚ እዋን ብምኽንያት እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኣዋጅ ዕጽዋ ምንቅስቓስ ስራሕን ንግድን ብዘይምህላው፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ናብ ሑመራ ይኣትው ኣለው።
መዓልታዊ ክሳብ 30 ዝኾኑ ሰባት ብሞተርን ብእግርን ናብታ ከተማ ከም ዝመጽኡ ዝዛረቡ ገለ ነበርቲ፡ እዚ ድማ ዝኣቱን ዝወጽእን ሰብ ብዝግባእ ንምቁጽጻር ከጸግም ከም ዝክእል ስግኣቶም ይገልጹ።
ንቢቢሲ ትዕዝብቶም ዘካፈሉ ገለ ነጋዶ እታ ከተማ ሕጂ'ውን ካብ ሱዳን ብኮንትሮባንድ ዝኣትው ሸቃጦ ይዕዘቡ ከም ዘለው'ዮም ዝዛረቡ።
ኣብ ሱዳን ዛጊት 1,661 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ 80 ሰባት ድማ ሞይቶም እዮም።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ኣብ ሑመራ ሓዊሱ ኣብ ወልቃይት፣ ፀገዴ፣ ቓፍታ ሑመራ፣ ሰቲት ሑመራን ካልኦትን መወሸቢ ቦታታት ተዳልዮም ምህላዎም ይግለጽ።
"ይኹን'ምበር ኣብ ሓደ ክፍሊ ካብ 20 ክሳብ 30 ዝኾኑ ሰባት እዮም ዝውሸቡ ዘለው። ኣብ ሞንጎ ፖሊስን ኣብ ዝተወሸበ ሰብን ዘሎ ርክብ ድማ ናይ ኣሳርን ታሳርን እዩ ዝመስል። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሕዛ ከኣ ሰብ ክፈርሕ ይገብሮ ስለ ዘሎ፡ ሃዲሞም ዝወጽኡ፣ ኣብ መገዲ ተሓቢኦም ዘምልጡ ክበዝሑ'ዩ ዝገብር። ካብ ስዑዲ ዓረብ ከይተረፈ መጺኦም ኣብ ገዝኦም ክሕብኡ ይገብር ኣሎ" ኢሉ ንምንቅስቓስ እቲ ሓይሊ ዕማም ዝሕግዝ ዘሎ መንእሰይ።
ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ማእከል ለበዳ ኮቪድ-19 ኮይና ዘላ ኣዲስ ኣበባ እኳ እንተኾነት ኣብ ክልላት'ውን በብግዝኡ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ይርከቡ ኣለው።
ንትግራይ ናይ ቀረባ መዋስንቲ ዝኾና ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ካብተን እቲ ለበዳ ዝርኣየን ዘሎ ክልላት ኮይነን፡ ሚኒስትሪ ጥዕናን ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ጥዕና ኢትዮጵያን ትማሊ ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ ጥራሕ፡ 8 ካብ ክልል ዓፋር፣ ሓደ ካብ ክልል ኣምሓራ፣ ሓደ ድማ ካብ ትግራይ ዝርከቡዎም 11 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም።
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ፡ ካብ ትግራይ ሓደ ሰብ ክርከብ እንከሎ ብሓፈሻ ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 263 በጺሑ ኣሎ።
እዚኦም ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ኮይኖም፡ ዕድሚኦም ካብ 17 ክሳብ 47 ዓመት ዝኾኑ ኣብተን ክልላት ኣብ ዝርከቡ መወሸቢ ማእከላት ዝጸንሑ'ዮም።
እዚ ከምዚ እናሃለወ ግን፡ ካብ ክልቲኡ ክልል ስራሕ፣ ዕዳጋን ሕክምናን ዝንቀሳቀሱ ሰባት ኣለው።
እዋን ክራማትን ናይ ሕርሻ ስራሕቲ ብሰፊሑ ዝርኣየሉን ወቕቲ ብምዃኑ፡ ንሕርሻዊ ስራሓት ካብ ክልል ኣምሓራ ዝኣትው መዓልታዊ ሸቃሎ ኣለው።
መንግስቲ ነዚኦም'ውን ን14 መዓልታት ናብ መወሸቢ ማእከላት ኣእትዩ መግቢ ብናጻ የቕርበሎም'ኳ እንተሃለወ፡ በዚ ምኽንያት ጥራሕ ቴሌፎን ብምድውዋል ተጸዋዊዖም ዝመጽኡ ሰባት ይበዝሑ ከም ዘለውን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም መወሸቢ ማእከላት ጻዕቂ ከይፍጠር ከም ዝሰግኡን ሽሞም ዘይንጠቕሶም ኣተሓባበርቲ ገሊጾም።
ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ሰበሆ ሓጐስ ንቢቢሲ ከም ዝገለፅዎ ብርክት ዝበሉ ሸቃሎ ብፍላይ ኣብ ማይካድራ ተዓቝቦም ኣለዉ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ'ዩ።
"ኣብ ማይካድራ ንቶም ሸቃሎ ን14 መዓልታት ንኽፀንሑ መንግስቲ ክልል ትግራይ ቀለብን መፅለልን ይኽእሎም ኣሎ" ይብል።
ኣይተ ሰበሆ ንቶም ካብ ሱዳን ዝምለሱ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ሸቃሎ ንምሕብሓብ ካብ መንግስቲ ፌዴራል ዝተረኸበ ዝዀነ ይኹን ሓገዝ ከም ዘየለ እዩ ዝዛረብ።
ማሕበረሰባዊ ጥንቃቐ
ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ብኣጋ ንምቁጽጻር ብዝብል፡ መንግስቲ እቲ ክልል ካብ 28 መጋቢት ጀሚሩ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ ካብ ገጠር ናብ ከተማ፣ ካብ ከተማ ናብ ገጠር ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ገዲቡ፡ መምርሒታት ምክልኻል ምትሕልላፍ እቲ ቫይረስ ክትግበሩ ገይሩ'ዩ።
ነዚ ዘፈጽም ካብ ቢሮ ጥዕና፣ ቢሮ ፍትሕን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ዝተወጻጽአ ሓይሊ ዕማም ብምቛም ኣብቲ ክልል መርመራ ክጅመር ክኢሉ።
ኣብ ክልል ትግራይ ክሳብ ሕጂ ናይ 694 ቅምሶታት መርመራ ተገይሩ ኣሎ። ካብዚኦም እቶም ሸውዓተ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ኮይኖም ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።
ብ28 ሚያዚያ ንፈለማ እዋን 4 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ክርከቡ ከለው፡ ክሳብ እታ ዕለት ክምርመሩ ዝኸኣሉ 65 ጥራሕ እዮም ነይሮም።
እዚ ብዝፈጠሮ ስንባደ፡ ኣብቶም መወሸቢ ቦታታት ምስ ደገን ውሽጥን ዘሎ ርክብ ክሰጥም ይግበሩ ኣለው።
ይኹን'ምበር ሕጂ'ውን ወጺኦም ምስ ሰብ ተሓዊሶም ዝውዕሉን ብኡ ገይሮም ዝጠፍኡን ከም ዘለው፣ በብቦትኡ ሰብ ምእካብ፣ ናይ ኢድ ሰላምታ ምልውዋጥ ዝበሉ ጥንቃቐታት ምጉዳል ብሰፊሑ እዩ ዝስትውዓል።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







