ኮሮናቫይረስ፡ ትካል ጥዕና ዓለም ብዝሒ በዚ ለበዳ ዝተለኸፉ ልዕሊ 300 ሽሕ በጺሑ ኢሉ

ትካል ጥዕና ዓለም ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 መፍረያይነት ናውታት መከላኸሊ እዚ ሕማም ከዕብያ ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ትካል ጥዕና ዓለም ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 መፍረያይነት ናውታት መከላኸሊ እዚ ሕማም ከዕብያ ጸዊዑ

ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ብዝለዓለ ፍጥነት ይውስኽ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት በዚ ሕማም ከም ዝተለኸፉ ሓቢሩ።

ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ካብ ዝሕበር ንነዘ፡ እቶም ናይ መጀመርታ 100 ሽሕ ሰባት በዚ ቫይረስ ንክትሓዙ ዝወሰደሎም ግዘ 67 መዓልታት ጥራይ'ዩ።

እቶም ዝቕጽሉ 100 ሽሕ ሰባት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ 11 መዓልታት በዚ ቫይረስ እንትጥቅዑ፡ ኣብ ቀጸልቲ ኣርባዕተ መዓልታት ድማ ካልኦት 100 ሽሕ ሰባት ተለኺፎም።

ስለዝኾነ ድማ፡ ሃገራት ተሪር ናይ ምምርማርን ምጽራይን ስልቲ ክኽተላ ጸዊዑ።

"ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ፡ ብምክልኻል ጥራሕ ኣይትዕወትን። ክተጥቅዕ'ውን ኣለካ" ኢሉ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

Presentational white space

ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ መልእኽቲ ምሕላፍን ማሕበራዊ ርሕቀቶም ክሕልው ምግባርን፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ምንካይ ሓጋዚ ተራ'ኳ እንተሃለዎ፡ "መከላኸሊ መገዲታት ጥራይ ግን ክንስዕር ኣይሕግዙናን" ክብል ገሊጹዎም።

"ክንስዕር እንተኾይንና፡ ኣብቲ ቫይረስ ዘተኮረ ተሪር ስጉምቲ ብምውሳድ ክነጥቅዕ ኣለና፤ ነዚ ድማ ኩሉ በዚ ሕማም ዝተጠርጠረ ምምርማር፣ ክውሸብን ክሕከምን ምግባርን ከድሊ'ዩ" ክብል ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ሕማም ስዒቦም ብዝተፈጥሩ ሕጽረታት ናውታት መከላኸሊ ቑጽሪ በዚ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰብ ሞያ ጥዕና ይውስኽ ኣሎ ዝበለ ዶክተር ቴድሮስ፡ "ሰራሕተኛታት ጥዕና ድሓን ኮይኖም እንተሰሪሖም'ዮም ስርሖም ብኣግባቡ ክሰርሑ ዝኽእሉ። ጥዕና ሰራሕተኛታት እንተዘይኣቐዲምና ግን ህይወቶም ከድሕነሎም ዝክእል በዓል ሞያ ጥዕና ስለ ዝሓምም ብዙሓት ሰባት ክሞቱ'ዮም" ኢሉ ኣጠንቂቑ።

እቲ ትካል ነዚ ብደረጃ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ናውታት መከላኸሊ ንምፍታሕ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ይሰርሕ እኳ እንተሃለወ፡ ናይ ሃገራት "ፖለቲካዊ ቖራጽነትን ፖለቲካዊ ምትሕብባርን" ከድልየኒ'ዩ ኢሉ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብዚ ሰሙን መፍረያይነት እዞም ኣገደስቲ ናውታት ክውስኹ፣ ናይ ምልኣክ እገዳታት ከልዕሉን ብመሰረት እቲ ዘሎ ጠለብ ከከፋፍሉን ሓቲቱ።