ዝምድና ዋሽንግተን-ኣስመራ፡ ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ዛዕባ ተበግሶታት ምልዓል እገዳን ምምሕያሽ ዝምድናን ኤርትራን ኣመሪካን ኣመልኪቱ ዝወሃብ ዘሎ ርእይቶታት ምላሽ ሂቡሉ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት እገዳ ብኸፊል ከተልዕልን ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ከተመሓይሽ ዓቢ ዜና ኰይኑ ቀንዩ እዩ።
እዚ ብ22 ምያዝያ ኣብ መጽሔት ዎል ስትሪት ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ መስዓድ ቡሎስ፡ ገለ ካብቲ እገዳ ክለዓልን ምናልባት'ውን ምስታ ብፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ኣዝያ ዝተነጸለት ሃገር ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዎ ርክብ ናብ ንቡር ክመልስ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ እዩ ኣቃሊሑ።
ቡሎስ፡ ብኣሳላጥነት ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ግብጺ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ምስጢራዊ ዝርርብ ምክያዱ ዘጠቓለለ ተበግሶታት ከም ዝጸንሐ ይግለጽ።
እንተዀነ እዚ ተበግሶታት፡ ነቲ ጽኑሕን ምስሩትን ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ኣመሪካ ዝጻባእ እዩ ብዝብል ገለ ተቓውሞታት ይስማዕ ኣሎ።
'ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዋ፡ ምርጫ ዘካይድ ዲሞክራሲያዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ዘይብላ፣ ነቲ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዛ ኣብ ዝተኸለቶ ወተሃደራዊ ምልካዊ መንግስቲ ሒዛ ትቕጽል ምስ ዘላ ሃገር' ዝግበር ምልዓል እገዳን ምምሕያሽ ዝምድናን፡ ተሰዓርነት ኣመሪካ ዘመልክት፡ ንምልካዊ ስርዓት ድማ መጐስ ምዃኑ ሓያለ ፖለቲከኛታት ኣመሪካ ርእይቶኦም ይህብሉ ኣለዉ።
እቲ ነዚ ኣመልኪቱ ብ 29 ምያዝያ ዝተዘርግሐ መግለጺ ኤምባሲ ኤርትራ፡ እቶም ነዚ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ብዝተፈላለየ መንገዲ ርእይቶታቶም ዘቕርቡ ዘለዉ ውልቀሰባት፡ "ናጻ ተንተንቲ" ተመሊሎም ዝቐርቡ ተኸፈልቲ ሎቢታት ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ተስፋታት ንምዝራግ ናብ ዝበለየ ዝተመርጸ ትረኻታቶም ተመሊሶም ጥርጣረታት ከእትዉ ይፍትኑ ከም ዘለዉ ወቒሱ።
ንዳግመ-ምምሕያሽ ዝምድና ኣመሪካ ኤርትራ ኣመልኪቱ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ዝሓለፈ ጥሪ ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ'ውን ኣልዒሉ ተመሳሳሊ ብድሆታት ከምዘሎ ኣሚቱ ምንባሩ ይዝከር።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ኣብዚ ሓደ ዓመት ዝተዓዘብናዮ፡" ዝብሎ፡ ጉዳይ "ኣማኸርቲ ኢና ዝብሉ" ነቲ ጽምዶ ጅምር ካብ ዘብል ዕድል ክህቡዎ ኣይደለዩን፡" ብምባል ሎቢታት ኣመሪካ ከም ዓቢ ጸገምን ዕንቅፋትን ኣቐሚጡ ነይሩ።
ኣብ መግለጺኡ፡ "መደወኒ ወይ ድማ መሰይጠኒ ዓይነት መልእኽቲ እዩ፡" ብምባል ድማ፡ ጉዳያት ወፍሪ ቍጠባዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ዝለዓለሉ፡ "ኣብ ኤርትራ ኣይክኣልን'ዩ" እናበሉ ጸቕጢ ክገብሩ ወይ ነቲ ወፍሪ ኵነታት ከገድዱ ወይ ነቲ ጽምዶ ክብትንዎ ዝደልዩ ሃቐነታት ምህላዎም ቅሬታ ኣቕሪቡ ነይሩ።
"እዚ ግን ንዓና ሓድሽ'ውን ኣይኰነን፡ ሓድሽ'ዩ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን፡ ባህሪ ናይቲ ስርዓትን ኣሰራርሓኡን'ዩ። ትጕንጽ፡ ተፈራርሕ፡ ትህድድ ተሰይጥን፡ ድሕሪኡ ድደለኻዮ ትረከብ ዓይነት፡ ከም ሓደ ናይ ፖሊሲ 'ጋይድላይን' (መርሓ ናይ ፖሊሲ) እዩ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል፣ ግን ልምዲን ባህልን'ዩ፡" ኢሉ ነይሩ።
መጽሔት ዎል ስትሪት ኣብ ዓንቀጹ፡ ጂኦግራፊያዊ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ኤርትራ ብምጕላሕ፡ እንተዀነ፡ "መራሒ ኤርትራ፡ ሃገሩ ኣብ 1993 ካብ ኢትዮጵያ ብወግዒ ናጽነት ካብ እትረክብ ኣትሒዙ ዝመርሕ ዘሎ፣ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ስልጣን ብምጽናዕ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝየን ዓፈንቲ ምልካውያን ስርዓታት ፈጢሩ፡" ብምባል "ኮምሽናት ኮንግረስ ኣመሪካ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ተቓወምትን ሃይማኖታዊ ናጽነትን ስርዓታዊ ዓፈና እተካይድ፣ እሱራት ብምስቓይን፡ መንእሰያት ናብ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብምእታው 'ሰሜን ኮርያ ኣፍሪቃ' ኢለን ይጠቕሳኣ፡" ክብል ኣስፊሩ።
ከምዚ ዝበለ ምደባን መዝገብን ንዘለዋ ሃገር እገዳ ምልዓልን ምሕዝነት ምሕዳስን ንምምሕዳር ኣመሪካ ኣጸጋሚ ምዃኑ ድማ እዩ ዝምጕት።

ምንጪ ስእሊ, @EmbassyEritrea
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ጸቕጢ፡ እገዳን ተነጽሎን ንዕላማታት ፖሊሲ ኣመሪካ ይዅን ዞባዊ ምርግጋእ ኣየገልገለን ብምባል፡ እዚ ድማ ኣድላይነት ከምዘይነበሮ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ኣረዳድኣ ከም ዘሎ ይሕብር።
እዚ "ሱር ዝሰደደ ወገናውነት ዝድረኽ ትረኻታት፡ ብዘይ ጭቡጥ መርትዖታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምድግጋሙ፡ ኮነ ኢልካ ነቲ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪታት ንምትዕንቓፍ እዩ፡" ክብል እውን ይኸስስ።
እቲ መግለጺ፡ ኤርትራ ካብ ጽባሕ ናጽነታ ኣትሒዛ "ኣብ ልኡላውነት ዝተሰረተ ጽግዕተኛነት ዘርሕቕ ፖሊሲ" ክትክተል ከም ዝጸንሐት ጠቒሱ፡ "ኣብ ንግድን ወፍርን ሃገራዊ ዋንነት" ዘቐድም ሓባራዊ ረብሓታት ክትክተል ከም ዝጸንሐት ይገልጽ።
እቶም ነዚ እዋናዊ ተበግሶታት ምምሕዳር ትራማፕ ብምቅዋም ድምጾም ዘስምዑ ዘለዉ ኣመሪካውያን ፖለቲከኛታት፡ "እገዳ ዝለዓል ሓንቲ ሃገር ጭቡጥ ውሽጣዊ ለውጢ ምስ እተመዝግብ፡" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ "ኣብ ኤርትራ ግን ዝዀነ መዋቕራዊ ምምሕያሽ ኣብ ዘይተራእየሉ" ስጕምቲ ይውሰድ ምህላው ንኣመሪካ እንታይ ረብሓ ኣለዎ? ብምባል ከም "ስትራተጅያዊ ፍሽለት" ክገልጽዎ ይስምዑ ኣለዉ።
ነዚ ዝነጽግ መግለጺ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ "እዚ ከምዚ ዓይነት ትረኻታት ሰላም ኣየመጽእ፣ ንስትራተጅያዊ ረብሓታት ኣየገልግልን፡" ኢሉ።
እቲ ንቕድሚት ዝወስድ መንገዲ እምበኣር፡ ነቶም ወጽኢት ዘይብሎም ፖሊሲታትን - ብፍላይ ድማ ነቶም ብውልቀሰባት ዝድረኹ ዘለዉ ነቲ ገስጋስ ሓዲዱ ከስሕቱ ዝህቅኑ ሽርሓዊ ትረኻታት- ምውጋድ ከም ዘድሊ ጸዊዑ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


