ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መጋቢት ክሳዕ ግንቦት ዘሎ ክራማት ኮሮናቫይረስ

ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL TEWELDE

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ካብ ዝርከብ ክልተ ወርሑ እኳ እንተገበረ፡ ቑጽሪ በዚ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 250 በጺሑ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ በዚ ቫይረስ ናይ ዝተሓዙ ሰባት ብዝሒ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እቲ ዝለዓለ ኮይኑ፡ ክልል ሶማል ድማ ይስዕብ።

ብዝተገበረሎም ክትትል ሕክምና ካብቲ ቫይረስ ሓውዮም ካብ ሕክምና ዝወጽኡ 105 ሰባት ከም ዘለው ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር የመልክት።

መዓልታዊ እቲ ሚኒስትሪ ምስ ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ጥዕና ብምዃን ዘውጽኦ መግለጺ፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ናይ 36,624 ሰባት ቅምሶ ተወሲዱ መርመራ ከም ዝተገብረ ይሕብር።

መጋቢት፡ ኣዲስ ኣበባ-ኣዳማ

ኢትዮጵያ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ቅድሚ ምርካባ ካብ 20 ጥሪ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ቅድመ ምድላው ክትገብር ከም ዝጸንሐት ትገልጽ።

ኣብቲ እዋን ኣመራርሓ ክልላትን ከተማታትን ህጹጽ ኣገልግሎት ጥዕና ዝወሃበሎም ማእከላት የዳልው ነይሮም።

እዚ ወርሒ ግን ለበዳ ኮቪድ-19 ሓደ ኢሉ ክርኣይ ዝጀመረሉ እዋን ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻእ ኣብ ከተማታት ኣዳማ፣ ድሬዳዋ፣ ባህርዳር፣ አዲስ ቅዳም ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም።

ኢትዮጵያ ብ4 መጋቢት 2012 ዓ.ም እያ ፈላማይ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ረኺባ። ኣብቲ እዋን እቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ጃፓናዊ ውልቀሰብ ከም ዝኾነን ንስራሕ ካብ ቡርኪናፋሶ ከም ዝመጽአን ተገሊጹ።

እቲ ውልቀሰብ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ሃገር ተንቀሳቒሱ ስለ ዝነዝበረ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ናይ ምርኻብ ዕድል ነይሩዎ'ዩ ብዝብል ዝተጠርጠሩ 17 ሰባት ተፈልዮም ናይ ቀረባ ክትትል ክግበረሎም ከም ዝተጀመረ'ውን ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።

ድሕሪኡ ብ6 መጋቢት 2012 ምስዚ ውልቀ ሰብ ምትንኻፍ ነይሩዎም ዝተብሃሉ ክልተ ጃፓናውያንን ሓደ ኢትዮጵያውያን በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ተገሊጹ።

ካብ ዱባይ ዝመጽአ ሓደ ውልቀሰብ በቲ ቫይረስ ስለ ዝተጠርጠረ መርመራ ተገይሩሉ ብምርግጋጽ ተፈልዩ ናብ ዝጸንሐሉ ማእከል ክኣቱ ከም ዝተገብረ'ውን እዚ ዕለት ተገሊጹ።

ድሕሪ እዚ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ሰባት ን14 መዓልታት ንውሸባ ኣብ ዝተዳለው ቦታታት ክጸንሑ ብምግባር መርመራ ኮሮናቫይረስ ክግበረሎም ጀሚሩ።

ፈላሞት ብኮቪድ-19 ካብ ዝተትሓዙ ኢትዮጵያውያን፡ እቲ ሓደ ምስ ቫይረስ ዘለዎ ሰብ ብዝነበሮ ምትንኻፍ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ዱባይ ዝመጽአ ውልቀሰብ እዩ።

ብድሕሪ እዚ'ዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ብምዃን ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ዝሕግዙ እዮም ዝተብሃሉ መምርሒታት ዘመሓላለፈ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብ7 መጋቢት 2012 ዓ.ም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዓበይቲ ኣኼባታት ከም ዝተኸልከሉ፣ ንኣሽቱ ኣኼባታት እንተኾኑ'ውን ብዘይ ኣፍልጦ ሚኒስትሪ ጥዕና ክካየዱ ከም ዘይብሎም፣ ካብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ወጻኢ ኩሎም ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸው፣ ትካላት ሃይማኖት ንኣምልኾ ዝመጽእ ሰብ ቁጽሩ ክንክያ ዝብሉ መምርሒታት ዝርከቡዎም መልእኽታት ኣመሓላሊፉ።

ጎና ጎኒ ዜጋታት ኣካላዊ ርሕቀቶም ክሕልው ወለንተኛታት ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሓት ንክሰርሑ ጻውዒት ቀሪቡ ነይሩ።

ናይ መጀመርታ ብዕድመ ዝደፍአት ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘት ሰበይቲ ከም ዝተረኸበት ብ10 መጋቢት እዩ ተረጋጊጹ።

እዛ ሰበይቲ ጓል 85 ዓመት ኮይና ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽአትን ንነብሳ ወሺባ ከም ዝጸንሐትን፡ ምልክታት እቲ ሕማም ምስ ኣርኣየት ድማ መርመራ ተገይሩላ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኢትዮጵያ፡ መርመራ ኮቪድ-19 ክተካይድ ዘኽእላ እኹል ቤተፈተነ ስለ ዘይነበረ ኣብ ውሽጢ 6 መዓልቲ 342 ሰባት ጥራሕ እያ ክትምርምር ክኢላ።

በዚ ምኽንያት እቲ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ዝኾነ ይኹን ካብ ወጻእ ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ገያሻይ ን14 መዓልታት መንግስቲ ኣብ ዘዳለዎም ሆቴላት ብናይ ባዕሉ ወጻኢ ክውሸብ መምርሒ ኣመሓላሊፉ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ'ውን ናብ 30 ሃገራት ዝገብሮ በረራ ንግዝኡ ደው ከም ዘበለ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል፡ ኣብያተ ተልሂትን መስተን ክዕጸዋ እንትውስን፡ ዝተፈላለያ ክልላት ናብ ግዝኣተን ዝኣትዋን ካብ ትሕዝቶአን ዝወጽኣን ተሽከርከርቲ ከም ዝኸልከላ ገሊጸን።

ሰራሕተኛታት መንግስቲ ድማ ካብ 16 መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ተወሲኑ።

ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ፡ ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 12 በጺሑ። ኣብዚ እዋን 480 ሰባት መርመራ ተገይሩሎም ነይሩ።

ኣብዚ ግዜ መስራቲ ኣሊባባ ቻይናዊ ቢልየነር ጃክ ማ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝወሃብ 5.4 ሚሊዮን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ 1.08 ሚልዮን መመርመሪ መሳርሒታት ቤተ ፈተነ፣ 40,000 መሸፈኒ ገጽ መነጸርን፡ 60,000 መከላኸሊ ክዳን ሰብ ሞያን ሓገዝ ገይሩ።

ምርምር መድሓኒትን ድጋፍ ጃክ ማን

ብ18 መጋቢት 2012 ዓ.ም፡ ሰብ ሞያ ባህላዊ ሕምክናን ሳይንሳዊ ምርምርን ብምውህሃድ ካብ እጽዋት ናይ ኮሮናቫይረስ መድሓኒት ንምርካብ ፈተነ ይገብሩ ኣለው ድማ ተባሂሉ።

መስርሕ ምርምር እዚ መድሓኒት ናብ ቀጻሊ ምዕራፍ ንክሰጋገር መንግስቲ ሓገዝ ንክገብር ብዝብል ሚኒስትሩ ጥዕናን ሚኒስትሪ ኢኖቬሽንና ቴክኖሎጂ ሚንስተር ሓደ ሰነድ ተፈራሪሞም።

ኣብቲ ቐጻሊ ዕለት ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ዝጸንሐ ሓደ ሰብ ከም ዝሐወየ ተገሊጹ። ብ20 መጋቢት ድማ ንመጀመርታ ጊዜ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ብኮቪድ-19 ዝተታሕዘ ሰብ ተረኺቡ ተባሂሉ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣባላት ሓደ ስድራ ዝኾኑ ነበርቲ ኣዳማ በዚ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ተገሊጹ።

ድሕሪኡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳንን ምምሕዳር ዞባ ብሄረሰብ ኣዊን እቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ከም ዝተረኸቡ ሚኒስትሪ ጥዕናን ኢንስቲትዩት ሕብረሰተብ ጥዕናን ብ21 መጋቢት ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ኣመልኪቶም።

ንጽባሒቱ'ውን ኣብ ከተማ ባህርዳር ካብ ኣውስትራልያ ዝመጽአ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዘ ውልቀሰብ ተረኺቡ።

ኣብዚ ወርሒ ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ጥዕና ጥራሕ እዩ መርመራ ክገብር ዓቕሚ ነይሩዎ። ኣብቲ ኢንስቲትዩት ድማ ካልኣይ መመርመሪ ቤተፈተነ ከም ዝተዳለወ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ይሕበር።

ኮሮና
ኮሮና

ብተወሳኺ ኢንስቲትዩት ምርምር ኣርማዎርን ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ እንስሳትን ኣብ መቐለ ቤተፈተነ መርመራ ከም ዝጀመሩ ኣፍሊጦም።

ብኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ዝሞቱ ሰባት ከም ዘለው ብ27 መጋቢት 2012 እዩ ተገሊጹ። እታ ውልቀሰብ ጓል 60 ዓመት ኮይና ኣብ መወሸቢ ማእከል ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ክትትል ሕክምና ይግበረላ ነይሩ።

ኣብቲ ዕለት ካልእ ወዲ 56 ዓመት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ዝጸንሐ ሰብ እውን ሞይቱ።

ኣብዚ ወርሒ እቲ ዝለዓለ ቑጽሪ ግዳያት ኮሮናቫይረስ ተባሂሉ ዝተመዝገበ ሸሞንተ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ እቲ ወርሒ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንጽጉማት ወገናት ንምሕጋዝ ኣካረይቲ ገዛ ብዝተኽኣሎም ምንካይ ክገብሩን ክዕገሱዎምን ሓቲቱ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ወርሒ መርመራ ናይ 2496 ቅምሶታት ክትገብር ከላ 55 ሰባት ጥራሕ በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ገሊጻ።

ሚያዚያ፤ ዓፋር፣ ጅግጅጋ፣ ትግራይ

ኣብዚ ወርሒ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማታት ባህርዳር፣ ደሴ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ድማ ጎንደር፣ ኣርሲ፣ ሃሮማያ፣ ጅግጅጋን ጅማን ከምኡ'ውን ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረሰተብ ኢትዮጵያ፣ ኢንስቲትዩት ኣርማውር ሃንሰን፣ ኢንስቲትዩት ባዮቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ፣ ኢንተርናሽናል ክሊኒካል ላብራቶርስ፣ ምርምር ጥዕና ሕብረሰተብ ኣዳማን ሪፈራል ላባራቶሪን፡ ኣስታት 28000 ቅምሶታት ተመርሚሮም።

ኣብ መጀመርታ ሰሙን እዚ ወርሒ ድማ ትሸዓት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም፤ ሳልሳይ በቲ ቫይረስ ዝሞተ ሰብ ድማ ተመዝጊቡ።

እታ ውልቀሰብ ጓል 65 ዓመት ነባሪት ከተማ ዱከም ኮይና ብኻልእ ሕማም ሕክምና ክትረክብ ናብ ሆስፒታል ከይዳ ዝነበር እያ።

ምልክታት እቲ ቫይረስ ስለ ዘርኣየት መርመራ ተገይሩላ በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዘት ስለ ዝተረጋገጸ፡ ሕክምናዊ ረድኤት ክትረክብ ጸኒሓ እያ ሞይታ።

ቻይናዊ በዓል ሃብቲ ጃክ ማ ንኣፍሪቃ ኢሉ ዝለኣኾም ናውታት ሕክምና ድማ፡ ቻይናውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ሒዞምዎ ብምምጻእ ናይ ተሞክሮ ልውውጥ'ውን ገይሮም።

ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ እቲ ዝለዓለ መልከፍቲ ዝተመዝገበሉ ወርሒ ኮይኑ ኣብ መላእ ሃገር ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 100 ንክበጽሕ ዝወደሉ ግዜ ብዙሕ ኣይኮነን።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 55 ዝነበረ እዚ ቑጽሪ፡ ብዕጽፊ ዓብዪ ኣብ ሚያዚያ 105 ንክበጽሕ ዝወሰደሉ ግዜ 10 መዓልታት ጥራሕ እየን።

ኣብዘን መዓልታት መርመራ 6800 ቅምሶታት ተገይሩ። ድሕሪ እዚ ከም ኣዳራሽ ሚለንየም ዝበሉ ሰፋሕቲ ቦታታት መወሸብን መሐከምን ማእከላት ከም ዝኾኑ ተገሊጹ።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ሃገር ድማ፡ ዝተፈላለዩ ሰብ ሃፍቲ፣ ፍሉጣት ሰባትን ውልቀሰባትን ድማ መንበሪ ገዝኦም ከይተረፈ መወሸቢ ንክኸውን ብሰናይ ፍቓዶም ንመንግስቲ ከም ዝፈቐዱ ይግለጽ ነይሩ።

ኣብዚ ወርሒ ብርክት ዝበሉ ካብ ጅቡቲ ዝተመለሱን ኣብ ድሬዳዋ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል ዝጸንሑን፣ ካብ ፑንትላንስ መጺኦም ኣብ ጅግጅጋ ዝነበሩ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ክግለጽ እንከሎ፡ ብ14 ሚያዚያ 2012 ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ገዋኔ ሓደ ውልቀሰብ በቲ ቫይረስ ተታሒዙ።

ብ15 ሚያዚያ ጥራሕአ እዩ ዋላ ሓደ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ከም ዘይረኽበ ዝተገልጸ። ኣብቲ ዕለት መርመራ 965 ቅምሶታት ተገይሩ ዋላ ሓደ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ኣይተረኸበን።

ኣብ ኢትዮጵያ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዘ ሰብ ከም ዝተረኸበ ካብ ዝተገለጸሉ ዕለት ጀሚሩ ንመጀመርታ ግዜ መርመራ 1019 ቅምሶታት ክግበር ዝተኽኣለሉ ግዜ 17 ሚያዚያ ኮይኑ ኣብቲ እዋን 122 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ተረጋጊጹ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ዝለዓለ ቑጽሪ መርመራ ናይ ምግባር ዓቕማ ኣዕብያ ተባሂሉ ኣብ 24 ሰዓታት ጥራሕ 2016 ቅምሶታት ክትምርምር ዝኸኣለት ድማ ኣብዚ ወርሒ እዩ።

ብ24 ሚያዚያ 2012 ዓ.ም ኣብ ዝተገበረ መርመራ ልዕሊ 2 ሽሕ ቅምሶ ዋላ ሓደ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ኣይተረኽበን። በቲ ጊዜ ግን ብሓፈሻ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት 133 በጺሑ ነይሩ።

ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ ጅግጅጋ፣ ድሬዳዋን ኣዳማን ሓሊፉ፡ ገዛ ንገዛ ብዝተገበረ ዳህሳስ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ስልጤ ጓል 45 ዓመት ሰበይቲ ተረኺባ።

እዛ ውልቀሰብ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተትሓሓዘ ኮነ ናይ ወጻእ ሃገር ጉዕዞ ከም ዘይነበራን እንትግለጽ፡ ብ27 ሚያዚያ ሞት ራብዐይቲ ብኮቪድ-19 ሓሚማ ዝነበረት ከም ዝተመዝገበ ተገሊጹ።

በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፈት ዝተፈልጠ ድማ ድሕሪ ምሟታ እዩ። እዛ ጓል 75 ዓመት ሰበይቲ፡ ብኻልእ ሕማም ኣብ ሕክምና እኳ እንተነበረት ጸገም ምስትንፋስ ኣጋጢሙዋ ስለ ዝነበረ ግን ናይ ደም ቅምሶ ተወሲዱ መምርመራ እናተገበረላ እንከሎ እያ ሞይታ።

ኣብዚ ወርሒ ንመጀመርታ ግዜ 17 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከም ዝተረኸቡ እንትግለጽ፡ መብዛሕትኦም ካብ ጅቡቲ ዝመጽኡን ኣብ ዓፋር ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል ዝነበሩን፡ ከምኡ'ውን ካብ ፑንትላንድ መጺኦም ኣብ መወሸቢ ማእክል ጅግጅጋ ዩኒቨርሲቲ ዝጸንሑ እዮም።

ቐጺሉ ኣብ ዘሎ መዓልቲ [29 ሚያዚያ]፡ 29 በቲ ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ከም ዝተረኸቡ ክግለጽ እንከሎ፡ ካብዚኦም እቶም 19 ዝኾነ ዓይነት ናይ ወጻእ ሃገር ጉዕዞ ዘይነበሮምን ምስቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ዘይተራኸቡን እዮም።

ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ'ውን ንመጀመርታ ግዜ ኣርባዕተ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከም ዝተረኸቡ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ክትምርምር እንከላ፡ ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ድማ 191 በጺሑ ነይሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳዕ 30 ሚያዚያ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 194 በጺሑ። ኣብቲ እዋን ናይ 30306 ቅምሶታት መርመራ'ውን ተገይሩ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ህይወት ሓደ ሰብ እንክሓልፍ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ምስ ትካል መድሕን ኢትዮጵያ ብምዃን ኮቪድ-19 ኣብ ምክልኻል ንዝተዋፈሩ ሰብ ሞያ መድሕን ጥዕና ንክረኽቡ ዝሕግዝ ስምምዕ ፈሪሙ።

ግንቦት- ወልዲያ፣ ወላይታ፣ ቡታጅራ

ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ መርመራ ልዕሊ 6 ሽሕ ቅምሶታት እንትካየድ፡ 56 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ብመርመራ ተረጋጊጹ።

ኣብ መጀመርታ መዓልቲ እዚ ወርሒ ጥራሕ 2 ሽሕን 382 ሰባት ተመርሚሮም። ሽዑ 16 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ እንክግለጽ፡ እቲ ቑጽሪ ናብ 210 ሓፍ ኢሉ።

ካብዚኦም እቶም 13 ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም፡ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ካብ ከተማታት ወልዲያ፣ ወላይታን ቡታጅራን እዮም።

ኣብዚ ግዜ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕሙማት ዝነበረት ጓል 65 ዓመት ሰበይቲ ሞይታ፤ ቑጽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ሓሙሽተ በጺሑ ተባሂሉ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ 29 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ዝተረኸብሉ እዚ ወርሒ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ቑጽሪ ዝሓመሙ ሰባት ናብ 239 ኣዕሪጉዎ።

ሓደ ካብዚኦም ነባሪ ከተማ ኣዳማ ኮይኑ፡ እቶም ሸውዓተ ካብ ክልል ሶማሌ፣ 21 ድማ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዮም።

ብተወሳኺ ትግራይ ክልተ ሰባት ከም ዝረኸበት ከተፍልጥ እንከላ፡ ብድምር ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት 250 በጺሑ።

ብኻልእ ወገን በዚ ቫይረስ ተለኺፎም ዝጸንሑ 105 ሰባት ክሓውዩ ከለው፡ ክሳብ ሕጂ መርመራ 36 ሽሕን 624 ሰባት ተገይሩ ኣሎ።